ብመሪሕነት ማሕበር መንእሰያት ዝተጸውዐ ኣኼባ፣ ብዕለት 10 ታሕሳስ 2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ። እቲ ኣኼባ ኣባላት ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሓይልታትን፡ ምንቅስቓስን ውልቀ ዜጋታትን ደለይቲ ለውጢ ዝተሳተፍዎ ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢኦም ክካየዱ ንዘለዎም ሓባራዊ ዕማማት ብሓድሽ ንምብርባርን ንምርግጋጽን ዝዳህሰሰ እዩ ነይሩ። ከም ውጻኢቱ ኣብዝሓለፈ ገለ ዓመታት ዝጸንሐ ዘይውሁድ ስራሓትን ዝተፈጥረ ዕንቅፋታትን ድሕሪ ምግንዛብ፣ ኣብ መጻኢ ሓቢርካ ንምስራሕን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት በዂሩ ዘሎ ዓቕሚ ተቓውሞ ንምልዕዓልን ኩሉ መዳያዊ ምቅስቓሳትን ንጥፈታትን ክካየድ መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ምዃኑ መዚኑ።

እቲ ኣኼባ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብዕለት 08.10.2016 ዝተኻየደ ሰፊሕ ማሕበራውን ዜናውን ፖለቲካውን ክፍጸም ዝነበሮ ሓባራዊ ዕማማት ገምጋም ዝተገብረሉ ኣኼባ ኮይኑ፡ ኣብ መጠረስታ፡ ሓንቲ ሓሙሽተ ዝኣባላታ መጻኢ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ፤ ሰፊሕ ተሳትፎ ንኽህልዎ እትጉስጉስ ግዝያዊት ሽማግለ መዚዙ ዕለተ ኣኼባን ሰዓታቱን ቍጺሩ ኣኼባ ምድምዳሙ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብቲ ብዕለት 03-12-2016 ዓ.ም. ብግዱሳት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያንን  ከምኡውን ብምትሕብባር ማሕበር ኣካለ ጽጉማንን ዝተገብረ ናይ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ናይ ድራር ምስዮት ብዓወት ተዛዚሙ።

እዚ በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ኣብ ኣዳራሽ  Nied Saalbau  ኣብ ከተማ  ፍራንክፈርት ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ 23.00 ሰዓታት ዝውሰደ ዕድመ ብፈገግታን  ብዋዛን ቁምነገርን ተሰንዩ  ዘምሰየ  ሰናይን ቅዱስን ምሸት፤ እኹል ትሩፍ ድራርን ዝስተን ምድላው ከም ዝነበሮ ዕድመኛታት ንኣደለውቲ ድራር ምስጋነኦም ሓደ ብሓደ ኣቕሪቦም።

ብድሕሪዚ ዕድመኛታት እቲ ዘይሕለል ናይ ሕልና ልግሶም ንውጉኣት ሓርነት 1.400.00 (ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን) ኤውሮ  ብጥረ ገንዘብ  ኣወፊዮም። ብዘይካዚ እቶም ብስራሕ ምኽንያት ኣብዚ ምሸትዚ ዘይተረኽቡ  ኣሕዋትን ኣሓትን ኣስተዋጽኦኦም ብባንክ ይልእኩ ምህላዎም ንሕብር።

ኣብ መደምደምታ  እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ተግባር ንጀጋኑ ብጾትካ  ተመሊስካ ምርኣይ ሕልናዊ ስምዒትካ ምርዋይ ምዃኑ ብምግንዛብ፤ ካብዚ ንላዕሊ ክግበርን ክምዕብልን ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ዕድመኛታት ኣተሓሳሲቦም።                                                          

ግዱሳት ኤርትራውያን ጋታት ደቂ ኣንስትዮን                                                               ኣባላት ማኣጽ ኤርትራን                                                             

ፍራንክፈርትን ከባቢኡን

ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጨንፈር ቁ.2 ሃገር ሽወደን ብዕለት 25/11/2016 ኣብ ዝነብሮም ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኦም  ፡እንደገና እቲ ኒሕ ሓዘል ተበግሶኦም ንዕቤት ሰልፎም ዘሎዎም ዉፍይ ሓልዮት ሎሚ ዘብንእውን መሪሕ ግደ ወሲዶም ናይሓድሽዓመትወፈያ፡ ’’ልግሲ ልደትን ሓዲሽ ዓመት’’ ዝብል ነበረ ንምትግባሩ፡ ሰናይ ተግባር ንመንፈስ ቃልሲ ዘርውን ንሰልፊ ተባብዕን ብምዃኑ፣ ብሙሉእ ድምጺ ተሳማሚዕም ድሮ ንጊዜኡ ዳርጋ ኩሎም ተሳተፍ ብርኩት ገንዘብ ወፈያታት ኣመዝጊቦም፡  በዚ ጽቡቕ  ኣጋጣሚ ኮይኑ ስለዝተራእዮም እንሆ ከኣ ንኩላተንጨናፍር ...ከምቀደመን በብኽእለተን ነዚ ሰናይ ተበግሶ ክኽተልኦ የዘኻኽር።

ናይ ዓወትን ፍቕርን ሰላምን ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና።

 

Sunday, 11 December 2016 07:03

African Union Press Release

Written by

THE AU CALLS FOR A SPEEDY, ORDERLY AND PEACEFUL TRANSITION AND TRANSFER OF POWER TO THE NEW AUTHORITIES IN THE GAMBIA

ብዕለት 07-12-2016 ዓ.ም.ፈ.  ብሽወደናዊ  ኤርትራዊ ምሕዝነት ባህላዊ ማሕበር ኤርትራ ኣብ ልብናዝተዳለወ ሌላ ባህሊ ኤርትራን ቅኑዕ ታሪኻን፡  ኤርትራና ቅድሚ ትማሊ ፡ ትማሊ፡  ሎሚ፡ዝሓቆፈ ሰነዳዊ መግለጺ  ብተሳታፍነት ኣገደስቲ ማሕበራት ሽወደንን ሓያሎ  ኤርትራውያንን  ምዉቅ ምሽት ካብ ሰዓት 18.00 ክሳብ 20.00 ተካይዱ።

Eriafton 2

  እዚ ኣገዳሲ ምስዮት እዚ ብዋና ጸሓፍቲ ሽ.ኤ.ም.ባ.ማ. መንእሰይ ፎዚያ ዑመር ብናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ከፊታ ንኣቦወንበር ማሕበር ኣቶ ቶማስ ማግንሶን ኣመሓላለፈቶ። ኣቦ ወንበር ሓጺር ሓበሬታ ናይ ኣመሰራርታን  ውህደታዊ ዕላማ ማሕበር ገሊጹ።Eriafton 3

 

ቀጺሉ ሓው ጸሃየ ቀለታ ብስእልታት ዝተሰነየ  ካብ ትርጉም ሃገረ ኤርትራ ጀሚሩ፡ ጽማቅ  ታሪኻዊ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ህልዊ ኣሰካፊ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ሓቢሩ። ምስኡ ከኣ እቲ ዘይምኖ ምዕሩግ ኤርትራዊ ባህላዊ ክዳን ዝለበሱ ሰብኡትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መድረኽ ብምራቦም ዓቢ መሳጢ ኣድናቆት ንተሳተፍቲ ሃበ።

እዚ ሓያል ስሙር ኤርትራዊ ህዝቢ ክርስትያንን ኣስላምን ለት ደቂ ከበሳ፡ ቆላ ወይ መታሕት ዘሎዎ ዉሁድ ግሩም ባህሊ ኣመስከረ። ቀጺሎም ዕዱምት ኣጋይሽ፡ ናይ ኣበኤፍ፡ ናይ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ከተማ ዮተቦርግ፡ ማሕበር ሰላም ሽወደን በብተራ ሓጸርቲ ሰላምታ ኣረቡ።Eriafton 4

 

ስዒቡ እቲ ተፈታዊ ባህላዊ መግቢ ዝግኒ፡ ኣልጫ፡ ባምያ፡ መሎኽያ፡ ሩዝ ፡ ሰላጣን ሙዑዝ ጣዕሚ ሙሉእ ተሳታፋይ ብደስታ ኣስተማቂሮም ብሕድሕድ ምልላይን ዕላላትን ከኣ እታ ሰላማዊት ምዕርግቲ ምሸት ተዛዘመት።

ሽወደናዊ  ኤርትራዊ ምሕዝነት ባህላዊ ማሕበር ኤርትራ ኣብ ልብና

ንእኩይ ምሕደራ ኣልጊስካ፥ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ዝድግፎ፡ ዝኣምነሉን ንኹሉ ብማዕረ ብዘይ ኣድልዎ ዘመሓድርን ስርዓተ-መንግስቲ ምትካል መሰረታዊ እዩ። እዚ ካብቲ ዘሎካ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መትከላዊ ሕንጻጽን ተበጊስካ ብተግባር ነቲ ዕላማ እቲ ንምዕዋት ምቅላስ ማለት እዩ። ዕላማን ተግባርን በበይኑ እንተኾይኑ ግና ውጽኢቱ ፈላላይን ሓደገኛን እዩ ዝኽውን።

ነዚ ዕላማ እዚ ብተግባር ንኽትዋሳእሉ ከኣ ዱልዱል ፖለቲካዊ ሰልፍን ስቪላዊ ማሕበርን ምምስራት የድሊ። እዚ ዱልዱል ሰልፊ፡ ፖለቲካዊ ማሕበርን ብሱል ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ዝውንን፡ ኣብ ነንሓድሕዱ ጽኑዕ እምነት ዘለዎ ተመላላኢ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ንመላእ ህዝቢ ዘሰማምዕን ዘቀራርብን፥ እቲ ህዝቢ ዝደልዮ ሕገ-መንግስትን ቅዋምን ልዕልና ዝኸብረሉን ዝህነጸሉን መስርሕ እዩ። እዚ ዝኸውን፡ ሓደ ነቲ ሓደ ካብቲ ፖለቲካዊ ዕላማን መትከልን፥ ንህዝቢ ካብ ዘርብሕ ኣገባብ ዝሓዘለ ኣሰራርሓ ንኸይወጽእ እናተሓላለወ ክኸይድ እንከሎ እዩ እምበር ሓድሕድ ብምጽራር ኣይኮነን።

ኩለን ሰልፍታትን ማሕበራትን ናይ ሓባር ሃገራዊ ኣረዳድኣ ምስ ዝውንና፥ ንስምዒታት ህዝቢ ዘበራብርን ንጸረ-ምልኪ ኽቃለስን ኣብ ረብሓኡ ዝውዕል ቅዋም ክተክልን ይሕግዝ። እዚ ሓሳብ እዚ ምስ ዝዕወት ከኣ እዩ ኩሉ ጻዕርና፡ ጻዕርናን ኣተሓሳስባናን ተደማሚሩ ነቲ ሓንጎፋይ ኢልና እንቕበሎ፡ ዘተሓቛቚፈናን ንዘላኣለም ዝጠቕመናን እናተወራራሲ ዝኸይድን ባህሊ ከነማዕብል ንኽእል። እዚ ባህሊ እዚ ከኣ ዲሞክራሲያዊ፡ ፍትሓውን ርትዓውን ብዝኾነ መንገዲ ምስ ዝኽይድ ተኸባቢርናን ተሰማሚዒናን ሓድነትና ኣደልዲልና ንዘሎ ሽግራት ብክፉት ልቦና ተዛቲና ክንፈትሕ ብዙሕ ጸገም ኣየጋጥመናን። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝመናጨትን፥ ዘይከባበርን እንተኾይኑ ካብዚ ሕጂ ሃገርና ኣትያቶ ዘላ ድኽነትን፡ ናይ ጥፍኣት ዓዘቕትን ክንወጻኣ ማለት ዘበት ኣዩ።

ንሃገርና ካብዚ ሽግራት እዚ ክነውጻኣ እንተዀና ድማ ናይ ነፍሲ ወክፍ ጽቡቕ ድሌት፥ ቅሩብነትን፥ ቅኑዕ ሕልናን እንተልዩ፡ ሽግር ህዝብናን ሃገርናን ዘይፍታሕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ሽግር ሽግር ህላዌ ናይ ሰልፍታት ወይ እውን ማሕበራት ዘይኮነስ እቲ ሽግር ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ። እቲ ሽግር ኣብ ቅኑዕነትን ፍትሓዊ ዝኾነ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እምበር ሰልፍታት በይነን ኣይኮናን ዝፈትሐኦ። ስለዚ ንሰልፍታት ዘሻድነን ወይ ዘዳኽመን ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ከኣ ሓቀኛን ርትዓውን ፈራዲ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ሽግር ኤርትራ ብሃይማኖት ወይ ብብሄር ንምፍታሕ ምህቃን ማለት እቲ ሽግር መሊሱ ዝጋፋሕን መዕለቢ ዘይርከቦን እዩ ዝኸውን። ኩሉ እቲ ሽግርና ብብስለትን ኣፍልጦን ብክፉት ልብን እንተ ተተሓሒዝናዮ ጸገምና ዘይእለ ወይ ዘይፍታሕ ክሳብ ክንድቲ ከቢድ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር እቲ ኣተሓሳስባናን ኣተሓሕዛናን ንጉዳያት ብፍትሓውን፥ ንዕርቂ ዝዕድምን ዘቀራርብን ፍታሕ ንምቕራብ ድሉዋት እንተዀና፥ ግደ ሰልፍታት ብምስትንዓቕን ብምንእኣስን ዘይኮነስ ንድኽመተን ኣሪምካ ኣብ ሃገራዊ መስመርን መትከላዊ እምነትን ንምርዓመን ምጽዓር እዩ ዘድሊ። ምኽንያቱ ንሰን እየን ምስ ህዝቢ ምትእስሳር ዘለወንን ህዝቢ እውን እንተስ ክስዕበን እንተስ ክነጽገን ብትካላዊ ስራሓት ተጠርኒፈን ስለዘቕርባ ኣብ ቅድሚኡ ተሓታትነት ኣለወን። እዚ ናይ ብጃምላ ተኣኪብካ ቀይዲ ብዘይብሉ ናይ ወለንተኛታት ውደባ ወይ ድሌት (Interest groups) ወይ ብጸዋዒት መራኸቢ ብዙሃን ዝእከብ ተሓታትነት ስለዘይብሉ እቲ መስርሕ ከምተን ናይ ሰልፍታት ምቁጽጻር ክህለዎ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ሓያል ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምርግጋጽ ዲሞክራሲን ጽኑዕ ተሓታትነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

በዚ ምኽንያት ናይ ሰልፍታት ውድድር ንዲሞክራሲ የደልድል፥ ህዝቢ ውን ክርደኦን ክሰርሓሉን ይኽእል፥ ፍትሕን ፍትሓዊ ኣተሓሳስባ ዝውንን ህዝቢ እውን ይፍጠር። እዚ ምስ እንገብር እተን ህሉዋት ሰልፍታት ይኹና ብሕጂ ዝፍጠራ እቲ ዘይተወደበ ኣካል ለይቲ ምስ መዓልቲ ንስርሓተንን ሃገራዊ መርገጻተንን ክከታተልን ክዕዘብን ከጽንዕን ይግበኦ። እዚ ምስ ዝገብር ከኣ እዩ እቲ ዝበዝሐ ኣጽቂጡ ዘሎ ህዝብና ንፍርሒ ስዒሩ ንኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልታት ንዝፍጠር ፍልልያት ከይተረፈ ኣብ መሰመሩ ዘትሕዝን ንብድሕሪ ሕጂ እቲ ቃልሲ ወናኒኡ ምዃኑ ንኽግንዘብን ዘኽእሎ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ከኣ ምስቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢድን ጓንትን ምኾነ እሞ፥ ዝምድንኡ እናደልደለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን መላኺ ስርዓት ንህዝቢ ከበሳብስ ከሎ እቲ ሰራዊት ኣብ ጐኒ ህዝቢ ደው ክብል ምኸኣለ።

ንሕና እቶም ተቓወምቲ ኣብ ነንሓድሕድና ክንበላላዕን፥ ንሃገራዊ ጥምረትን ሕድሕዳዊ ዝምድናን ዝበታትኽን ውደባ ብምክያድ ነቲ ሰራዊት ካብ ናይቲ ስርዓት ጸጊዒነት ክነላቕቖ ኣይክንክእልን ኢና። ነቲ ፖለቲካዊ ጸገም ከኣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዘድልዮ ንኽርዳእ እውን ኣይክነብቀዖን ኢና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ እተን ሰልፍታትን ስቪላዊ ማሕበራትን ኣብ ክንዲ ንዲሞክራሲያዊ መስርሕን፥ ዲሞክራሲያዊ መተከልን ንቕድሚት ከም ዝሓንን፥ ህዝቢ እውን ብግቡእ እናተረደኦን ብተገባር እናእሰነየኦ ናብ ምሕጋዝ ዝኸዳ፡ ክወናጀላ እንተኾይነን ዝምድና ይህሰ እሞ ብሰንኩ ርትዓውን ቅኑዕን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ይጠፍእ።

ጉጅለታት ሰብ ጽቡቕ ድሌት፡ ንህላዌ ሰልፍታት ኣብ ክንዲ ዘተባብዓን ዝድግፋን፡ ብኣንጻሩ ሰልፍታት ኣይጠቕማን እየን፡ ህዝባዊ ውደባ እዩ ዘድሊ እናበላ ክጉስጉሳ ከለዋ፡ ንህላዌ ሰልፍታት ከም ሽግር ቆጺረንን ኣዳኺመንን ስልጣን ንምጭባጥ ዝገብረኦ ፈተነ እዩ። እተን ማሕበራት ንበይነን፡ ብዘይህላዌ ድልዱል ሰልፋዊ ውዳበታት ኣብ ከመይነትን ኣፈጻጽማን ዲሞክራሲ ይኹን፥ ኣብ ቀጻልነት መስርሑን ምዕቃቡን፡ ግደ የብለንን’ኳ ተዘይተባህለ በይነን ክዓመኦ ኣይክእላን እየን። ብዘይካዚ ኣብ ዘይህላወ ሰልፍታት ብተሳትፎ ህዝቢ ቅዋም ምንዳፍን ምጽዳቕን ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ውሕስነት የብሉን። ድሕሪ ውድቀት እዚ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ህዝባ ብማዕርነት ዝነብረላ ንክትከውን ምጽራር ህላወ ሰልፍታት ሓጋዚ ኣይከውንን እዩ። ስለዚ ህላዌ ድልዱል ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ምህናጽ ደሞክራሲ ናይ ግድን እዩ።


ድራር መንታይ

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኤርትራውያን በቲ ሓደ ወገን ናይ ግዳም ገዛእቲ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኤርትራውያን ተገዛእቲ ነይሩ። እዚ ኣሰላልፋ ፍጹም ተጻራሪ እቲ ቃልሲ ከኣ ኣብ መንጎ ገዛእን ንመግዛእቲ ስዒሩ ንናጽነት ዝብህግን ነይሩ። እዚ ንጹር ኣሰላልፋን ቀዳማይ ምዕራፍ ሸቶኡ ዘመዝገበን ህዝብና ከም ታሪኹ ዓቂብዎ ዘሎን ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ሎሚ ኮይና ብዙሕ ከነዘንትወሉ ኣድላይ ኣይኮነን። ሎሚ ዘሎ ኣሰላልፋ ግና ካብቲ ናይ ሽዑ ብመንጽር እቶም ተሰለፍቲ ዝተፈልየ እዩ። እቲ ዝፈላሊ ዘሎ መሰረታዊ ሕቶ እውን ከምኡ ዝተፈልየ እዩ። ኣብ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ግና ዘይሩዘይሩ ኣብ መንጎ መሰል ዝነፍግን ንመሰሉ ዝሓትትን ዘሎ ወጥሪ ስለ ዝኾነ ተመሳሳልነት ኣለዎ።

ሎሚ እቶም ኣብ ክልቲኡ ተጻራሪ መስመራት ተፋጢጦም ዘለዉ ወገናት ኩሎም ኤርትራውያን እዮም። በቲ ሓደ ወገን ወጻዒ ህግደፍ በቲ ካልእ ድማ ተወጻዒ ህዝቢ ኤርትራ። ዕምቆት ናይቲ ፍልልይ ኣብ ክሊ ናጻ ሃገር ኤርትራ፡ ናይ ኩሉ መሰላት ምንፋግን ኩሉ መሰላት ክረጋገጸልካ ምሕታትን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጻ ሃገሩ ኩሉ መሰላቱን ልዕልናኡን ክረጋገጸሉ ይሓትትን ሕቶኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ይቃለስን ኣሎ። ብኣንጻሩ ጉጅለ ህግደፍ ንኹሉ ናይ ህዝቢ መሰላት ሓግሒጉ ብምኽሓድ ኣብ ትሕቲ ዘየገላብጥ “ዝበልኩኻ ጥራሕ ግበር” ክገዝእ ህርድግ ይብል ኣሎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝጥቀሞ ሜላታትን ዝፍጽሞ በደላትን፡ ብዙሕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ስለ ዝፈልጦ ኣብ ምዝርዛሩ ምእታውብዙሕኣድላይነትየብሉን።

ብሰሪ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ፍጹም ጨቋኒ ኣገባብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተወዲቡ “ከምዚ እየ ዝደሊ” ክብል ኣይከኣለን። እዚ ዘይምኽኣሉ ከኣ መባእታዊ ውጽኢት መላኺ ባህሪ ህግደፍ እዩ። ምስ እዚ ኩሉ ጭካነ ህግደፍ ግና ወጽዓ ክሳብ ዝሃለወ፡ ኣንጻርቲ ወጽዓ ዝስለፍ ኣካል ክህሉ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ እነሆ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምቅዋም ዓዲ ኣይወዓለን። ክሳብ ዝዕወት ከኣ ክቕጽል’ዩ። ኣበይ ኮይኑ ይቃወም? ድማ መልሱ ንሓታቲ ንጹር እዩ። ኣብ ኩሉ እቲ ጉጅለ ዘይውንኖን ዘይቆጻጸሮን ከባቢ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ተወዲበን ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ከኣ ናይዚ ኣብነት እየን። ህዝቢ ኤርትራ እንዳሓሰቦን ክዛረበሉ እንዳደለየን መድረኽ ስለ ዝሰኣነ ዘየልዕሎ ዛዕባታት ከኣ በዘን ዝተጠቕሳ ውዳበታት ይንጸባረቕ ኣሎ። ስለዚ ተቓወምቲ ውዳበታታ ኤርትራ፡ እቲ ዘጋጥመን ድኽመትን ሕጽረትን ገዲፍካ፡ ምርጫአን ምስ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ምስ ህግደፍ ከምዘይኮነ ንጹር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣብ ኤርትራ እንዳሓየለ ምምጻኡን ውድቀት ህግደፍ ዘይተርፍ ምዃኑ መመሊሱ ምዕኳኹን፡ ናይ ኣሰላልፋ ሓላፍዘላፍ ይረአ እዩ። ብዙሓት ናይ ህግደፍ ወገን ዝነበሩ ምስ ህዝቦም ምዃን መሪጾም ናብ መስርዕ ተቓውሞ ዝመጹ ኣለዉ። ኣዝዮም ውሑዳት ንፖለቲካዊ ሃለዋት ሃገርና ብግቡእ መዚኖም ንነዊሕ ዓመታት “ጸረ-ህዝቢ” ዝብሉን ኣንጻሩ ዝቃለሱን ዝነበሩ፡ ሕጂኸ “ምስ ህዝቢዶ ምስ ህግደፍ?” ኣብ ምውሳን ዕጻይምጻጻይ ክብሉ ይንጸባረቕ ኣሎ። ገለገለ በጃ ህዝቢ ተመሲሎም ወጽዓ ህግደፍ ዘቃልዑ ዝነበሩ ትካላት ቃናኦም ቀይሮም ተበጀውቲ ናይቲ ጉጅለ ክኾኑ ዝደናደንሉ ኩነታት እውን ንዕዘብ ኣለና። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ ንህግደፍ ምንኣድ ጥራይ ዘይኮነ ንደንበ ተቓውሞ ካብ ምንቃፍ ሓሊፎም ክሳብ “ተቓውሞ ዝበሃል ኣየድልን’ዩ  የለን ከኣ” ዝብሉን ነቲ ሜዳ ብዘይተወዳዳሪ ህግደፍ በይኑ ክዕንድረሉ ከረከብዎ ዝህቅኑን ወገናት’ውን ንዕዘብ ምህላውና’ዩ። እንተኾነ እዚ ብዙሕ ዘሰሓሕብ ኣይኮነን። ወጽዓ ክሳብ ዝሃለወ ኣንጻር ወጽዓ ዝስለፍ ተቓውሞ ክህልው መጎታዊ ስለ ዝኾነ። ምናልባት ግና ከምዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዘጋጥም እቶም ናይ ተቓውሞ ተዋሳእቲ ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ግዝያዊ ምድኻም ከርእዩ ይኽእሉ። ናይዚኦም ምድኻም ግና “ተቓውሞ የለን ወይ ኣየድልን” ናብ ዝብል መደምደምታ ክወስድ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ኤርትራ ተቓውሞ ዝዕድም ወጽዓ የለን በሃልቲ እንተኾይኖም ግና መንገዶም ዘተዓዛዝብ እዩ ክኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ጽባሕ ናይ ለውጢ ጸሓይ ምስ በረቐት ባዕሉ ክኽዕቦም’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ፡ ክሳብ ክንደይ ጨካን፡ ዘይፍትሓዊ፡ ኢደወነናዊ፡ ብውልቃዊ ብደዐ ዝዝወር፡ ዝተነጸለን ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ዝግህስን ምዃኑ ክርዳእ ንዝደሊ ብሩህ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም ልቢ ዝልቦም ከም መንግስቲ ከም ዝፈልጥዎ  ዘዳዲ ኣይኮነን። ካብዚ ናይ ክሳድ ንላዕሊ ሚዛን ነቒሎም፡ ገለ መንግስታት ተወከልቶም ናብ ኣስመራ እንተለኣኹ፡ ወይ ንገለ ሓለፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ ንኤርትራ ከም ሃገር ንዘይምግላላ፡ ናብ ገለ ዞባዊ ወይ ዓለም-ለኻዊ  መድረኻት እንተዓደምዎም’ሞ ኣብኡ እንተመደሩ፡ ነዚ ከም ናይ ህግደፍ ምሕያል ወይ ተቐባልነት ምርካብ   ምልክት ዝርእይዎ እንተልዮም ግጉያት እዮም።

ኣብ ኤርትራ ተቓውሞ ዘይህሉን ርእሱ ኣቕኒዑን ህዝባዊ ተቐባልነት ኣጥርዩ ዘመሓድር መንግስቲ ዝህሉን፡ ወጽዓ ክውገድ እንከሎ ጥራይ ምዃኑ ህግደፍ’ውን ባዕሉ ይስሕቶ እዩ ዝብል እምነት የብልናን። እንተኾነ ህግደፍ ኣብ ድነ ጭቆና ተሓቢኡ ጥራይ እዩ ክነብር ዝደሊ። እዚ  ናይ ወጽዓ ድነ ከይቅላዕ ክሳብ ውድቀቱ ትልኽ ክብል ከኣ ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ መን ይዕወት ዝውሰን ከኣ፡ ብጽንዓት ህዝቢ ኤርትራን ናይቶም ካብ ወገን ህግደፍ ወገን ህዝብና መሪጽና ንቃለስ ዘለናን እዩ።

Published09 December 2016 |  

Reuters
A North Korean flag is seen on the top of its embassy in Beijing, China, February 7, 2016.

Ahead of Genocide Prevention Day on 9 December, Christian Solidarity Worldwide (CSW) is calling for the perpetrators of crimes against humanity in North Korea and Eritrea to be held to account, either through referral to the International Criminal Court (ICC) or other judicial mechanisms.

Commissions of inquiry mandated by the UN Human Rights Council (HRC) to assess the human rights situations in North Korea and Eritrea found evidence of crimes against humanity and called for judicial processes to hold the perpetrators of these mass atrocities to account and to give victims a voice. However, this has not been acted upon in either case.

The UN Commission of Inquiry on Human Rights in North Korea found that the gravity, scale and nature of human rights violations in North Korea reveal a State that does not have any parallel in the contemporary world. The UN Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea (COIE) found that crimes against humanity have been underway in the country since 1991 as Eritrean officials engaged in a persistent, widespread and systematic attack against the country's civilian population.

CSW's Chief Executive Mervyn Thomas said, "Atrocity crimes persist and are entrenched by the impunity that arises when we fail to hold perpetrators to account. In this regard, the reports by these Commissions amount to a call to action for the international community, through the UN, to either recommend an ICC referral or to establish alternative justice mechanisms in order to identify and prosecute perpetrators, and to give the victims of these atrocities a voice and a hope of justice."

The International Day of Commemoration and Dignity of the Victims of the Crime of Genocide and of the Prevention of this Crime falls on 9 December to coincide with the signing of the 1948 Genocide Convention. Customary international law, and treaties such as the Genocide Convention and the 1998 Rome Statute that established the ICC identify genocide, crimes against humanity, and war crimes as atrocity crimes that the international community must prevent and punish.

CSW continues to call for international investigations to establish whether the grave human rights violations targeting minority communities in Syria and Burma amount to atrocity crimes, and for effective interventions in the event of positive determinations. A UN investigation found that genocide has been committed by Daesh (Islamic State) against the Yazidis in Iraq and Syria; however, the situation for Christians and other religious and ethnic minorities has yet to be established. In Burma, there are serious allegations of grave violations of human rights, including crimes against humanity, in Rakhine State, which have resulted in the deaths of hundreds of Rohingya Muslims and the displacement of at least 30,000. Reports indicate that the Burmese military has committed severe violations against Rohingya Muslims including the burning of homes, mass rape, torture, extrajudicial killings and blocking of aid. Hundreds of Rohingya Muslims have fled to the Bangladeshi border but have been denied asylum.

Courtesy ofChristian Solidarity Worldwide

Source=http://www.christiantoday.com.au/article/csw.calls.for.perpetrators.of.crimes.against.humanity.in.north.korea.eritrea.to.be.held.accountable/23239.htm

Effective December 1, 2016, the Acting Deputy Chairperson of the Refugee Protection Division (RPD) has designated refugee claims from Eritrea as eligible for processing under the Policy on the Expedited Processing of Refugee Claims by the Refugee Protection Division.

The purpose of the policy is to enable the RPD to meet its mandate of making refugee status determinations fairly and efficiently by accepting claims without a hearing in appropriate circumstances.

The policy was first issued by the Immigration and Refugee Board of Canada on September 18, 2015, and since that time, claims from Syria and Iraq have also been designated as eligible for processing under the policy."

December 5, 2016 at 3:14 pm | Published in: Africa, Egypt, Iran, Middle East, News, Saudi Arabia, Yemen

Foreign Minister Mahamoud Ali Youssouf of Djibouti [Foreign and Commonwealth Office/Flickr]
Foreign Minister Mahamoud Ali Youssouf of Djibouti [Foreign and Commonwealth Office/Flickr]