ብዕለት 07.04.2017 ኣርባዕተ ነፍሳት ዘጥፍኤን 15 ድማ ዘቁሰለን ኣሸባሪ፡ ሽዑ ንሽዑ ብጭቡጥ ምንትያት ተታሒዙ፡ ብ11 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ብኣኽባር ሕጊ ተከሲሱ ኣብ ፍርዲ ድሮ ቀሪቡ። እቲ  ወዲ 39 ዓመት ኣሸባሪቤት ፍርዲ ብዝቀረቦ ጭቡጥ መረጋገጺ ማለት ናይ ቅትለት መደቡ ቅድሚ ፍጻሙን ድሕሪ ምፉጻሙን ብቋንቋ ሩስያ ብተለፎን ካብ  ዘማሓላለፎ መልእኽትታት ዝተጠልፈ ዝርዝርብ "ክሳብ 4ተ ሰባት ቀቲለ ዕጉብ እየ ብዉጺኢቱዝብል ከምዝነበሮ ቀሪቡ። በዚ መሰረት ቤት ፍርዲ  ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ወሲኑ።

ናይዚ ግብረ እከይ ኣሸባሪ ጥበቃ ድማ፡ ብዕሊ ከም ዝኣመነ ንመራኸቢ ብዙሓን ሃገር ሽወደን ብወግዒ ሓቢሩ። እቲ መርመራ ግና ጌና ምንጩን ተሓበርቱን ንምፍላጥ ቀጻሊ ምዃኑን ጊዜ ክወስድ ከም ዝኽእልን ሓቢሩ። ድሮ ከኣ ሓደ ተሓባባራይ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከም ዘሎ ይፍለጥ። እዚ ወዲ  ኡዝበኪስታን ኣቦ 4ተ ቆልዑት ኮይኑ ብጸጥታ ሃገር ሽወደን  ፍሉጥ ከም ዝነበረን ኣድራሽኡ ኣብ ካልእ፣ ዝቅመጠሉ ኣብ ካልእ ኮይኑ ፡ ኣብ 2016 ዕቅባ ሓቲቱ ከም ዝተነጽገን ተሓቢኡ ይነብር ከምዝጸንሔ  ንሃገሩ ክጥረዝ ይድለ ከም ዝነበረን ፖሊስ ሓቢሩ። ናይዚ ግናይ መጥቃዕቲ ግዳይን  ሂወቶም ዝሰኣኑን  4ተ ከኣ ጓል 11 ዓመት ሽወደናዊት፡ ጓል 31 ዓመት በልጂካዊት፡  ወዲ 31 ዓመት እንግሊዛዊ ጓል 69 ዓመት ሽወደናዊት እዮም። ድሕሪ እዚ ኣሕዛኒ ተረኽቦ ከኣ መበል 39 ዓመት ጉባኤ ደሳዊ ዲሞክራስይዊ ሰልፊ ሃገር ሽወደን ንዉሑስ ሂወት ህዝብን ሃገርን ሽወደን ንምሕያል ክሳብ  ዓመተ 2024  ክልተ ቤት ትምህርቲ ምልመላ ፖሊስ ክኽፈት  ኣስታት 10.000 ፖሊስ ክዉሰኽ ኣሎዎ ዝብል ወሳኔ ትማሊ ዕለት 11.04.2017 ብምሉእ ድምጺ ኣሕሊፉ።

ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ፍጹም ምፍልላይ ፍጹም ምስምማዕ ዝበሃል የለን። ምናልባት እውን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ መመቀሪኡ እዩ ምባል ይከኣል ይኸውን። ኣብ ሓደ ጉዳይ ምምፍልላይ ዝመጽእ ተፈላለይቲ ነናቶም ተረድኦ ሒዞም ተገቲሮም እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ሓቂ ክቕበል ቅሩብ ስለ ዘይከውን እዩ። ከምቲ ግቡእ ግና ኣብቲ ግጉይ ኢልካ እትነጽጎ ሓሳብ ቅኑዕን ዘቀራርብን ከም ዝህሉ፡ ኣብቲ ቅኑዕን ኢልካ ናተይ እትብሎ ከኣ ዘይቅኑዕ ከም ዝህሉ ክትቅበል ዘይምኽኣል ዘምጸኦ ጸገም እዩ። እቲ ዝኸብድን ኣብ ዘይምስምማዕ ዘነብርን ከኣ ነቲ ኣብቲ ግጉይ እትብሎ ዘሎ ሓቅን ኣብቲ ቅኑዕ እትብሎ ዘሎ ድኽመትን ከተለሊ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።

እምበኣር እቲ ጸገም ኣብቲ ፍልልይ ምፍጣሩ ወይ ምግጣሙ ኣይኮነን ዘሎ።  ኣብ ኣተሓሕዛኡ እዩ ዝፍጠር። ብዓብይኡ ከኣ ንኹሉ ጉዳያት ከከም ጠባዩ ከመሓድር ዝኽእል ሰፊሕ ኣተሓሳስባን ክጾሮ ዝኽእል ሃብታም ትዕግስትን ክትውንን ዘይምብቃዕ እዩ። ነቲ ጌጋ ግጉይ፡ ነቲ ቅኑዕ ከኣ ቅኑዕ ክትብል ርትዓዊ ምዃን የድሊ። እዚ እንተዘየልዩ ግና ወርትግ ነታ ሓቂ ዝበልካያ ናባኻ ክጐትት ነታ ግግይቲ ዝበልካያ ድማ ናብ ካልእ ክትደፍእ ኢኻ እትነብር። እዚ ምስሓብን ምድፋእን ኣብ ርትዓዊ መሰረት ስለ ዘይተመስረተ ትደክም እምበር ሓቀኛ ውጽኢት ወይ ፍታሕ ዘይተመዝግበሉ እዩ።

እዚ ማለት ንቅኑዕ ኣይትንኣድ ወይ ኣይተተባብዕ፡ ንጌጋ ከኣ ጌጋ ኣይትበል ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንሓቂ ክትንእድ እንከለኻ ነቲ ናትካ ሓቂ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ናይ ካልኦት ሓቂ’ውን ካብቲ ጌጋኦም እትብሎ ፈሊኻ ምንኣድ ኣገዳሲ እዩ። ንጌጋ ክትነቅፍ እንከለኻ እውን ነቲ ናይ ካልኦት ድኽመት እትብሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ንስኻ ከም ሓቂ ሓቚፍካዮ ዘለኻ ዘሎ ናትካ ሕጽረት እውን ካልእ ክሳብ ዝነግረካ ከይተጸበኻ ኣሚንካ ንቐፎ ንምባል ዝኣክል እዩ። ንናትካ ጌጋ ኣሚንካ ምንቃፍ ኣብ መጻኢ ኣሪምካ ብዝሓሸ ቅኑዕ ክትትከኦ ስለ ዘኽእለካ ርትዓዊ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ንስኻ ቅኑዕ እትብሎ ግጉይ ዝብልዎ፡ ነቲ ግጉይ እትብሎ ድማ ቅኑዕ ዝብልዎ ወገናት  ከም ዘለዉ ምእማን ኣብ  ኣተሓሕዛ ጉዳያት ነብሱ ዝኸኣለ ውሕልነት እዩ። ንስኻ ዘይረኣኻዮ ጌጋ ዘርእየካ ከኣ ሓጋዚኻ እምበር ጸላኢኻ ጌርካ ክትወስዶ ኣይግባእን። “ብጻይካ መስትያትካ’ዩ” ከም ዝበሃል።

ኣየናይ ቅኑዕ ኣየናይከ ግጉይ ኣብ ምልላይ ካብ ዘጸግሙና ምኽንያታት ንሓደ ተረኽቦ፡ ኣብ ክንዲ ብኹሉ ኩርነዓቱ ብሓደ ዓይኒ ጥራይ ምርኣይ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሽግር ክትፈትሕ እንከለኻ ሓደ መዋጸኦ ኢልካ ዘቕረብካዮ ሓሳብ ምስራሕ ምስ ኣበየካ፡ ኣብ ክንዲ ግድን እዚኣ ጥራይ እያ እታ መንገዲ ኢልካ ኣብኣ ምድራቕ ወይ ድማ ዘይፍታሕ ግድል እዩ ኢልካ ካብ ቃልሲ ምብኳር ካልእ ኣማራጺ ሓሳብ ምድላይ፡ ሓደ መርኣያ ናይ ኣብ ሓደ ጉዳይ ዘይምድራቕ እዩ። ኣብ ሓደ ስጉምቲ ፈቲንካዮ ምስራሕ ዝኣበየ ሓሳብ፡ እንደገና ናብ ካልእ ፈተነ ሒዝካዮ ኣብ ክንዲ ምቕራብ፡ እቲ ካልእ ፈተነ ብኻልእ ሓድሽ ሓሳብ ክግጠም ይግበኦ። ንኣብነት ኣብ ደንበ ተቓውሞና ኩልና ከም ዘይዝንገዖ ኣብቲ ኣርባዕተ ቻርተራት ዘጽደቕናሉ መስርሕ ብሓባር ምስራሕ፡ ክፈላልዩና ዝጸንሑ ሓሳባት ኣብ መጻኢ ፈተናና መሊስና ሒዝናዮም ክንቀርብ ኣይግበኣና።

ብመሰረቱ ክሳብ ሕጂ ጽላል ፈጢርና ብሓባር ንምስራሕ ዝገበርናዮ ፈተነታት ኣይሰረሐን ኢልካ ጠጠው ኣይክበሃልን እዩ። ብኣንጻሩ “ሎምስ ክንዕወት ኢና” ኢልካ ናብ ሓድሽ መኣዲ ፈተነ ክትብገስ እንከለኻ ኣብ ከባቢ እቲ ክሳብ ሕጂ ክፈላልየካ ዝጸንሐ ጉዳያት ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ምቕራብ ናይ ግድን እዩ። እቲ “ሎምስ ክንዕወት ኢና” ዘብለካ ከኣ እዚ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ምቕራብካ ጥራይ እዩ። ንኣተሓሳባኻ ናይ ብሓቂ ሓድሽ ዘብሎ ከኣ ናይ ርኢቶኻ ሓድሽነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይቃለዓለም ብኽሱትነት ናይ ካልኦት ሓሳብ ዝቕበል ትዕግስትን ጹረትን ኣጥሪኻ እንተሊኻ እዩ።

ትብዓት ድፍረት ልግሲ … ወዘተ ዝብሉ ቃላት፡ ገሊኦም ካብ ትብዓትን ድፍረትን ንገሊኦም ድማ ካብ ነገራዊ ልግሲ ኢና እንመዝኖም። ምስዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ ክንመዝኖም እንከለና ግና፡ “ኣብዚ ጉዳይ እቲ ቅኑዕ እዚ ጥራይ እዩ” ክትብል ጸኒሕካ፡ ድሓር ንስኻ ከይረኣኻዮ ብዝጸናሕካ ጭብጥን መርተዖን ዝጐልበተ፡ ካብቲ ናትካ ዝሓይሽ ሓሳብ ክቐርበልካ እንከሎ ንናትካ ገዲፍካ ክትቅበሎ ምኽኣል ትብዕት፡ ትብዓትን ልግስን እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ተጋዳላይ ዝነበረ ኤርትራዊ ከም ዝዝክሮ፡ ኣብ ኩሉ ህይወት እንተላይ ኣብ ሞትን ሕየትን “ቅድመይ ንዓኻ ይጥዓምካ፡ ኣነ በጃ ክሓልፈልካ” ዝብል ተወፋይነትን ለውሃትን፡ ባህሊ ኤርትራውያን ኮይኑ ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። ሎሚ ኢሳያስ ነቶም “ንስኻ ንበር ክንስወኣልካ” ዝብልዎ ዝነበሩ ብጾቱ ኣይኮነንዶ ክሞተሎም፡ ምእንቲ ስልጣን ክብል ከም ኣራዊት ኣብ ገዳጉዲ ኣስፊርዎም ኣሎ። እቶም ብሰንኪ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ብሓባር ምስራሕ ስኢና ዘለናኸ፡ ምእንቲ እቲ ብሰንኪ ህግደፍ ጸቢብዎ ዘሎ ህዝብናን ብሞትን ስደትን መንእሰያትና ዝግለጽ ዘሎ ዝተደወነ ምስልና ናብ ንቡር ክምልስን ኢልና ሕድገት፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን ምስኣና ምስ ምንታይ ይቑጸር? ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ዝስዋእ ዝነበረ ትውልድን ተካኢኡን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኢሉ ፍልልያቱ ምግዳፍ ዘይኮነስ ምምሕዳሩ ክስእን እንከሎ ከኣ ካልእ ዘገርም እዩ እሞ ሕጂ እውን ረፊዱ እምበር ኣይዓረበን እሞ ንሕሰበሉ።

ርሑስ በዓል ትንሳኤ ንኣመንቲ ክርስትና!

By Janene Pieters

on April 11, 2017 - 10:15

Eritrean Flag

Eritrean flag. Photo: Achim Raschka / Wikimedia Commons

 

A number of politicians in The Hague are concerned about a conference for supporters of the Eritrean dictatorial regime that is planned for the Netherlands, NOS reports based on information from OneWorld.

The gathering will be the annual European conference for youth wing of the only party allowed in Eritrea. It is not yet clear when and where the conference will be held. But according to the broadcaster, it will be in the Netherlands and in the next couple of days. Around 650 people are expected to attend. 

OneWorld has "strong indications" that one of the attendees will be the right hand man of Eritrean president Isaias Afwerki. He often attends this type of gathering, during which he informs people about how they can serve their country. 

Some 20 thousand Eritreans live in the Netherlands. Last year people from Eritrea formed the second largest group of asylum seekers in our country. According to the UN, the Eritrean government violates human rights on a large scale.

A number of parliamentarians are concerned about this conference, wondering whether the presence of Afwerki's right hand man will constitute a treat to public order in the Netherlands, NOS reports. A number compared this situation to Turkish ministers who wanted to campaign in the Netherlands for a Turkish referendum a few weeks ago. The Dutch government denied them access to the country, resulting in a diplomatic fallout between the Netherlands and Turkey. 

Eritrese vluchtelingen op vakantie in land van herkomst

ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዕርፍቲ ናብታ ዝመጹላ ሃገር ይኸዱ

Veel vluchtelingen uit Eritrea gaan nog altijd op vakantie naar het land waaruit ze gevlucht zijn. Het kabinet wil de verblijfsvergunning van deze vakantiegangers afpakken, maar dat gebeurt nog nauwelijks bij Eritreeërs.

Bij tientallen andere asielzoekers die tijdelijk terugreisden naar het land van herkomst heeft het kabinet wel hun verblijfsvergunning ingetrokken, schrijft de Telegraaf vanmorgen. Staatssecretaris Klaas Dijkhoff sprak eerder schande over het terugreizen naar het land van herkomst, omdat deze landen volgens de vluchtelingen extreem gevaarlijk zijn, waardoor ze moesten vluchten.

ቡዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕጂ ( እንትኾነ’ውን) ንዕረፍቲ ኢሎም ናብታ ሃዲሞም ዝወጹላ ሃገር ገና ይመላለሱ ኣለዉ። ካቢነ መንግስቲ ሆላንድ ነቲ መንበሪ ፍቓድ ናይ ዞም ናይ መንበር ፍቓድ ድሕሪ ምቕባል ንሃሮም ንዕረፍቲ ዝገሹ ከሕድጎም ድሌት ኣለዎ። እንተ ኾነ ኣብዞም፣ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ንኽንሶም፡ ተመሊሶም ናብ ኤርትራ ዘመላለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ጌና ኣይፈጾምን ዘሎ።   'እንትኾነ ግና መንግስቲ ሆላንድ ኣብ ካልኦት፣ ናብ ሃገሮም ዝመላለሱ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሓተቲ ዑቑባ፣ ናይ መምበሪ ፍቓድ ናይ ምስሓብ ስጉምቲ ከም ዝወሰደን ከም ዘወስድን እፍለ' ክትብለ ጋዜጣ ተለግራፍ ኣብ ናይ 7 ሚያዝያ 2017 ሕታማ ኣፍሊጣ። ሚኒስተር ክላስ ዳይክሆፍ ኣቐዲሙ ከም ተዛረቦ ''ከም ስደተኛታት ናብታ ናይ ትውልዲ ሃገር ተመሊስካ  ክትከይድ ብጣዕሚ ዘሕፍር እዩ፥ ምኽንያቱ ከም እቶም ስደተኛታት ዝብልዎ እዘን ሃገራት እዚአን ብጣዕሚ ሓደገኛታት እየን ሃገሮም ጠንጢኖም ንኽሃድሙ ምኽንያት ዝኾና ድማ ንሰን ኢየን።

Eritreeërs nauwelijks gecontroleerd

Uit, door de Telegraaf, opgevraagde documenten bij het ministerie van Justitie zou blijken dat sinds half 2015 geen enkele Eritreeër een verblijfsvergunning is onthouden vanwege een vakantie in het land van herkomst. Het kabinet beweert dat dit soort terugreizen niet spelen bij Eritreeërs, maar afgelopen zomer gingen er bijvoorbeeld al zo’n 1.000 Eritreeërs terug naar het land waar ze uit ‘gevlucht’ waren.

ኣብ ልዕሊ ናብ ህገሮም ዝኸዱ ኤርትራውያን ጌና ቁሉዕ ቁጽጽር ኣይተኻየደን ዘሎ

ካብ ሚሪ ናይ ፍርዲ ብብቴለግራፍ ትሓቲቱ ዝተረኽበ ጽበጻብ ከም ዝሕብሮ፣ ካብ ክፍላ 2015 ክሳብ ዝሓለፈ ሓጋይ ዋላ ሓደ ስደተኛ ኤርትራዊ ብምኽንያት ዕርፍቲ ንሃገሩ ብምምላሱ ናይ መምበሪኡ ፍቓድ ዝተወስዶ የለን። እቲ ካቢነት ከም ዝብሎ ድሕሪ ናይ ምምባር ፍቓድ ምውሳድ ንሃገርካ ምምልላስ ብስደተኛታት ኤርትራውያን ኣይተራእየን። ይኹን’ምበር ኣብ ዝሓለፈ ሓጋይ ንምሳሌ 1000 ዝኾኑ ስደተኛታት ኤርትራውያን ናብታ ብምህዳም ዝገደፉዋ ሃገር ንዕርፍቲ ከም ዝኸዱ ይፍለ

Goudmijn voor Eritrees regime

De Eritrese overheid zou de ‘vluchtelingen’ met open armen ontvangen omdat ze veel geld uitgeven in het land van herkomst.

Journaliste Nikki Sterkenburg van Elsevier begrijpt niet zo goed waarom het kabinet deze Eritreeërs zo makkelijk laat lopen. “Als je kijkt naar het vliegverkeer daarnaartoe en de passagierslijsten bestudeert zou het niet zo moeilijk moeten zijn om erachter te komen wie dat zijn”, vertelt ze in de uitzending van Goedemorgen Nederland.

መዐደኒ ወርቂ ንስርዓት ኤርትራ

መንግስቲ ኤርትራ ንስደተኛታት መርሓባ ኢላ ትቕበለም። ምኽንያቱ እዞም ስደተኛታት እዚቶም ካብታ ዕቑባ ዝረኸቡላ ሃገር ናብታ ዝመጹላ ሃገር  ብምኻድ ብዙሕ ገንዘብ ስለ ዘጥፍኡ። ጋዜጠኛ ኒኪስተርከንበርኽ ናይ ኤልሰቪር ዝተባህለ ሰሙናዊ መጺሔት ኣዳላዊት ዝኾነትስለምንታይ እቲ ካቢነ ናይ ሆላንድ ዚ ፍጻመ’ዚ ዓይኑ ብምጽቃጥ ሸለል ኢሉ ክርእዮ መሪጹ ክርድኣ ኣይከኣለን።

እንተ ድኣ ብዛዕባ ናብካብን ኤርትራ ዝግበር ናይ ነፈርቲ ጉዕዞን፣ ብዛዕባ ቁጽሪ ናብ ኤርትራ ዝኸዱ ተሳፈርትን መጽናዕቲ ተጌሩ፣ ክሳብ ክንድ’ዚ ኣሸጋሬ ኣይኾነንእቶም ድሕሪ ናይ መንበሪ ፍቓደ ምርካብ ንኤርትራ ዘመላለሱ ስደትኛታት ምፍላጥ፣ ክትብል ኣብ ናይ ጉድሞርኒንግ ነዘርላንድስ ፈነወ ዜና እቕሪባ።

Source=http://wnl.tv/2017/03/30/eritrese-vluchtelingen-massaal-op-vakantie-land-herkomst/

 

ብዕለት 09.04.2017 ጨንፈርሰህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን  ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ ሰዓት 16፡00 ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ብኣቦ መንበር ድሕሪ ምኽፋቱ፡ እዋናዊ ሓበሬታታት ምልውዋጥ ተኻይዱ ኣብዚ እዋን‘ዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተረረኸይድ ምህላዉ  ብዙሕ ኣብነታት ብምጥቃስ ኣተሃላልዋ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ነታትወዲቁ ምህላዉ  ተዘራሪቡሉን ቃልሱ ከሐይል ከም ዘለዎ ተመባጺዑን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ን ዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ድማ ናእዳኡ ገሊጹ። ሰልፍኻ ምፍላጥ ዝብል ኣርእስቲ ብምልዓ ብሕቶን መልስን መልክዕ ናይ ሓድሕድ ምምህሃር ተኻይዱ።

ብድሕሪ‘ዚ ኣብቲ ካብ ዕለት 24-26/03/2017 ኣብ ፍራንክፎርት ዝተኻየደ ናይ ኣባላት ሰህኤ ናይ ኤውሮጳ ዋዕላን ውጽኢቱን ኣመጒሱን ንምትግባሩ ተሪሩ ደው ክብል ምዃኑን ድማ ኣረጋጊጹ። ብፍላይ ኣብቲ ኣገዳስነት ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ሕጋውነትን ዲሲፕሊንን ሰልፊ ንቅድሚት ክንደፍእን ሰልፍና ኣሐዲስና ተሪርና  ክንቃለስን ከም ዘሎና ዝብልንሓደ ካብቲ ኣርእስትታቱ ደገፉ ብምግላጽ፡ ተቢዑ ክቃለሰሉ ምኑ‘ውን ኣስሚሩሉ።

ኣብ መወዳእታ‘ውን መንእሰይ ክብሮም ኣባል ሽማግለ ጨንፈር፡ ‘‘ንእስነት” ዝብል ካብ መወከሲታት ዘቕረቦ  ጽሑፍ ድሕሪ ምንባቡ፡ ዋላ ቃልስና እንተነውሐ ክወግሕ እዩ፡ እቲ ዝነውሐ ለይቲእውን  ሓላፋይ‘ዩ፡ ድሕሪ ጸልማት ብርሃን ኣሎ፡ ድሕሪ  ጸገም ድማ ራህዋ  ስለዘሎ፡  ስርዓት‘ውን ከምኡ ብምዃኑ፡ ሕጋውነት ኣኽቢርና ጥራሕ ንቃለስእምበር፡ መላኺ ስርዓት  ኤርትራ  ነባሪ ኣይኮነን፡ ዝብልሰፊሕ  ተወሳኺ መብርሂታት ብምሃብ ብፍላይ ንመንእሰያት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ።

ድሕርዚ ዝቐረበ ሰፊሕን ኣገዳስን ኣስተምህሮ ኣኼባ ብዝኽረ ስዉኣት ኣብ ሰዓቱ ተደምዲሙ፡ ናይ መጻኢ ዕለተ ኣኼባ ጨንፈር እውን ንተሳተፍቲ ተሓቢሩ።

 April 11, 2017

 

The Eritrean government is organising a conference in the Netherlands which should be seen as a clear signal to dissidents that the regime is in charge, broadcaster NOS said on Tuesday.

The People’s Front for Democracy and Justice, the only political party permitted in Eritrea, is organising its annual youth European conference in the Netherlands this weekend.

Some 650 supporters of the dictatorship will attend the meeting and there are indications that the right-hand man of president Isaias Afewerki will also be there, NOS said.

Many Eritrean refugees in the Netherlands regard the conference as an act of provocation, Tilburg University professor Mirjam van Reisen told NOS. ‘Over the past few years, the PFDJ has lost several law suits against critics of the regime,’ she said. ‘The government wants to show the Eritrean community that it still rules in the Netherlands.’

 
Eritrea has been condemned by the UN for crimes against humanity and the UN estimates hundreds of thousands of Eritreans have fled the country in recent years.

Intimidation

Recent Tilburg University research shows a large percentage of the 20,000 or so Eritrean nationals who live in the Netherlands feel under pressure or intimidated by the regime, which has been in power since 1993.

A spy network operates in the Netherlands and there are concerns that the conference will be used to identify more spies.  ‘The youth wing of the PFDJ has a lot of influence in the Netherlands,’ 25-year-old refugee Fikadu Hagos told NOS. ‘They are everywhere.’

According to radio programme OneWorld, several Dutch government ministries are concerned about the meeting, which will take place this weekend. The location has not yet been made public.

Source=http://www.dutchnews.nl/news/archives/2017/04/eritrean-political-meeting-in-the-netherlands-is-provocation-experts-say/

ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ9 ማዝያ 2017 ንኣባላት ሰልፊ ብመንግዲ ኤክትሮኒካዊ መራኸቢ  ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣቶ ሃይለ ዓሚቝ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ኣርእስቲ  ጐናዊ ኣተሓሳስባ ንምሕዳስ ሰልፍና ( lateral thinking for renewing our party) » ዝብል እዩ። ንሱ ኣብዚ ኣስተምህሮኡ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓንሳብ ኣብ ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባ ምድራቕ ዘይኮነ ንዝፍጠር ምዕብልናታት ዝምጥን ዝጋጥሙ ጸገማት ንምፍታሕ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ምምዕባል ናይ ዓወት ውሕስነት ምዃኑ ብኣብነታትን ዕዉት ተመኩሮታትን እንዳሰነየ ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ኣብ መስርሕ ሓደ ቅኑዕ ኢልካ ዝኣመንካሉ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ናብ መድረኽ ምምጻእ ሃናጺ ኮይኑ፡ እንተኾነ « ኣነ ጥራይ እየ ቅኑዕ እቲ ካልእ ግና ግጉይ እዩ » ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ምርሓቕን ንጉዳያት ኣስፊሕካ ምርኣይን ከም ዘድሊ ኣብሪሁ። ብመንጽር እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ሰባት ኣብ ዝተሰርሐ ጉዳይ ሚዛን ኣብ ምሃብን ምንቃፍን ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ምምስርሑ ኮይኖም ከበርክቱ እንከለዉ ናብ ምዕቡል ውጽኢት ከም ዝመርሕ ገሊጹ። ናይ ለውጢ ወናኒ ወይ ተጠቃሚ ክትከውን፡ ኣቐዲምካ ንገዛእ ርእስኻ ክትልውጥ የድሊ ዝበለ ኣቶ ሃይለ ገብሩ፡ እትደልዮ ምዕባለን ለውጥን ካብ ኢድ ካለኦት ምጽባይ ዘይኮነ ናትና ኣበርክቶ ክንሕውስ ናይ ግድን ብዛዕባ ምዃኑ ከኣ ተንቲኑ። ኣተሓሒዙ ድማ ብዛዕባ ኩሉ ጉዳያት ኣቐዲምካ ጽጹይ ሓበሬታ ምርካብ ርትዓዊ መፍትሕታት ንምቕራብ ወሳኒ ምዃኑ ምስ ጠቐሰ ንጉዳያት ደዋዊስካ ብጥቕሉል ምቕራብ ሓጋዚ ከም ዘይኮነ ኣመልኪቱ። ነዚ ብኣብነት ከሰንዮ እንከሎ ድማ « ኣብ ውሽጢ እቲ ግጉይ እንብሎ ቅኑዕ ክህሉ ከም ዝኽእል ምግማትን መሚኻ ክትረኽቦ ምጽዓርን ኣገዳሲ እዩ » ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ሰፊሕ መብርሂ ብተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ሃነጽቲ ርኢቶታትን ቀሪቦም። እቲ ቀንዲ ዝተንጸባረቐ ከኣ ኣብ ዙርያ « ነዚ ሳይነሳዊ/ስነ-ፍልጠታዊ ኣተሓሳስባ ከመይ ጌርና ምስ ዕለታዊ ህይወት ሰልፍና ነዛምዱ » ዝብል ነይሩ። ኣቶ ሃይለ ኮነ ካልኦት ተሳተፍቲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዝሃብዎ ርኢቶ ከኣ፡ ነዚ ሳይነሳዊ ሓቂ ኣብ ግብሪ ምውዓል ቅድሚ ኩሉ ደሞክራስያዊ መትከላት ኣጽኒዕካ ምሓዝ ከም ዘድልን እዞም ከም ናይ ብዙሓት ግዝኣትን ናይ ውሑዳት መሰል፡ ደሞክራስያዊ ማእከልነትን ግሉጽነትን ዝኣመሳሉ መትከላት ከየጽናዕካ ዝተሓዝ ኣተሓሳስባ፡ ውሕስነት ከም ዘብየሉን ኣብሪሆም። ተሳተፍቲ፡ ነዞም ደሞክራስያዊ መትከላት ዘለዎም ምእዙዝነትን ሓድሽ ኣተሓሳስባ ንምምንጫውን ዘለዎም ቅሩብነትን ብብሩህ ኣመዝጊቦም። ኣብ ክሊ እዚ ዝኾነ ኣካል ንቕኑዕ ቅኑዕ፡ ንግጉይ ድማ ብድብድቡ ዘይኮነ፡ መተካእታኡ ኣቕሪቡ ግጉይ ናይ ምባል መሰሉ ሕልዊ ምዃኑ ብብሩህ ሰፊሩ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ንኣዳለውቲ መደብን ኣስተምህሮ ንዝሃበን ኣመስጊኖም ንመጻኢ እውን ኣገደስቲ እዋናዊ ኣርእስታት እንዳተመርጹ ስሩዕ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ኣተሓሳስባ ናይ ምሕያል መስርሕ ኣስተምህሮ ንክቕጽል ለበዋ ኣቕሪቦም።

Tuesday, 11 April 2017 07:44

EPDP Scandinavia Seminar March 2017

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) በቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃትን ፈተውቲ ሰላምን ዝዀኑ ዜጋታት ሽወደን፡ ብ7 ሚያዝያ 2017፡ ኣብ ሕምብርቲ ስቶክሆልም፡ ርእሰ-ከተማ ሽወደን፡ እተወስደ 4 ዝሞትሉ ብዙሓት ድማ ዝቈሰልሉ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከምዝሰንበደን ከምዝጉሃየን ይገልጽ

 

ሰዲህኤ፡ ነዚ ሽበራዊ መጥቃዕቲ’ዚ ብትሪ እናዀነነ፡ ንህዝብን መንግስትን ሽወደን ብሓፈሻ፡ ንስድራ ቤት ምውታት ድማ ብፍላይ ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽቱ የመሓላልፍ። ነቶም ቍሱላት ድማ፡ ምሉእ ጥዕና ይምነ።

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

10 ሚያዝያ 2017