ኣብ ኤርትራ ብገበርቲ ሰናይ ዝተለገሰ መድሃኒት ብሰንኪ ኣብ ግዜኡ ኣብ መዓላ ዘይምውዓሉ ከም ዝበላሾ ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ወገናት ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት ሓደ ጀርመናዊ ገባር ሰናይ ማሕበር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዋሕዲ መድሃኒት ኣብ ምቅላል ክሕግዝ ዘውፈዮ 60 ሺሕ ዩሮ ዝዋግኡ መድሃኒት ካብ ጀርመን ብኮንተነራት ተጓዒዙ ኣብ ወደባዊት ከተም ምጽዋዕ ምስ በጽሕ ዝግደሰሉ ስኢኑ ኣብ ኣገልግሎት ከይወዓለ ነዊሕ ግዜ ከም ዝጸንሐ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
እዚ መድሃኒት ብሰንኪ ጸሓይን ንፋስን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ምስኮነ፡ ናብ ከተማ ኣስመራ ከም ዝተጓዕዘ እዞም ምጭታት ገሊጾም። እቶም ምንጭታት፡ ገበርቲ ሰናይ ጀርመናውያን ብተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝተቖጥዑ ብምጥቃስ ብ21 ጉንበት 2017 ኣብ ጋዜጣ ዝጸሓፍዎ ኣንቢቦም ከም ዝገለጽዎ እዚ ብገበርቲ ሰናይ ዝተለገሰ መድሃኒት ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብንኪ ዋሕዲ መድሃኒትን ስእነት ሕክምናን ዝሳቐየሉ ዘሎ ግዜ ከምዚ ዓይነት ዘይተገዳስነት ምግጣሙ ጉጅለ ህግደፍ ብህዝቢ ዘሽካዕልል ምዃኑ ዘመልክት መረጋገጺ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ እውን ብሕማም ዝሳቐዩ ኤርትራውያን መድሃኒት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ግዜ መጥባሕቲ ሓይሊ መብራህቲ ስለ ዘይርከብ ብግሎም ጀነሬተር ከቕርቡ ኣብ ዝግደድሉ ሃለዋት ምህላዎም ምጥቃስና ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ዜጋታት ኤርትራ ኩሉ’ቲ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ሰነ-ሓሳብ፡ ብውጽኢቱ ድማ ዝተፈላለየ ግህሰታት ሰብኣውን ፖሎቲካውን መሰላት፡ ግፍዕታትን ግብረ-ሽበራዊ ተግባራትን ኣትሪሮም ዝቓወሙ ወይ’ውን ዝኹንኑ ከም ዘለዉ ይፍለጥ። እዚ ብኣውንታ ክግለጽ ዝኽእል ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ስትራተጂካዊ ፖሊስታት ናይቲ ስርዓት ብዝምልከት ግን፡ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ዓለምን ዝኽተሎ ዝምድናታት ዝደናገሩ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብፍላይ’ውን ምስ ግጭት ዶብን ውጽኢታቱን ኣብ ዝተኣሳሰር ጉዳይ ነቲ ብእንኮ ናይ ሓሶት መዕከናት ዜና ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፍኖ እከይ ፕሮፓጋንዳዊ ጽልእታትን ቅርሕንትታትን እናተታለሉ ገሊኦም ኣብ ጃላነት ዝወድቑ፡ ገሊኦም ድማ ነቲ ሓበሬታት ከምቲ ንሱ ብምቕባል፡ ከም ተጣባቒ ልዕላውነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብምውሳድ፡ ምስ ርእይቶኡ ክደናገጹ ዝደናደዱ ምህላዎም ኣይዝንጋዕን። ብዝኾነ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ’ቲ ዝኽተሎ ስትራተጂካዊ ወጻኢ ዝምድናታት ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ስነ-ሓሳብ፡ ግዕዘይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ጸረ ቁጠባዊ ምዕባሌን ማሕበራዊ ግስጋሰን ተፈልዩ ክርአ ዝኽእል መንፈስን ትሕዝቶን የብሉን። ምክንያቱ እዚ ስርዓት’ዚ ፍርቂ ጎኑ ጥዑይ ፍርቂ ጎኑ ድማ ሕሙም ክኸውን ስለ ዘይኽእል፡ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ዓለምን ዝኽተሎ ስትራተጂካዊ ፖሊስታት ካብቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ናይ ሕቆን ከብድን ዝምድናታት ዝምንጩ ብምዃኑ ተመሳሳሊ ከምዝኾነ ፍጹም ክዝንጋዕ ኣይግባእን።
ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብቀንዱ ንኩሉ’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ መሪር ቃልስታቱን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋን ብምጥላም ንልዕላውነቱ ረጊጹ፡ ኣብ ኤርትራ ብቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ዘይግዛእ ስርዓት ተኺሉ፡ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ምዕባሌን ማሕበራዊ ግስጋሰን ከረጋግጽ ኣይኸኣለን። ካብዚ ጭቡጥ ክውንነት’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ኩሉ’ቲ ዝኽተሎ ወጻኢ ስትራተጂካዊ ፖሊስታቱ ብዓለም-ለኻዊ ሕግታትን ስምምዓትን ተገዚኡ፡ ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራትን ርሑቕ ዓለምን ኣብ ሕድሕድ ሕውነታዊ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓታትን ተመርኲሱ፡ ነጻ ርኽባትን ዝምድናታትን ህዝቢ-ንህዝቢ ዘጠናክር ክኸውን ምጽባይ የዋህነት’ዩ። ብርግጽ’ውን ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመት ጉዕዞ ሃገራዊ ነጻነት ብጭቡጥ ዝተረጋገጸ ክውንነት ምስ ዝህሉ፡ ወጻኢ ዝምድናታትን ፖሊስታትን ናይዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ሕድሕድ ሕውነታዊ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓታትን ዘተሰረተ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ በቲ ኣብ መስርሕ ነጻነታዊ ተጋድሎ ኣብ ልዕሊ’ቲ ገዚፍ ሰራዊት ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ዘረጋገጾ ወደሃደራዊ ዓወታት ሰኺሩ፡ ካብቲ ጎብለል ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዃን ዝነበረ ኣጉል ሕልምታት ዝብገስ ምንባሩ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ። ኣብ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ኮንትሮባንዳዊ ስርሓት፡ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ጥልመትን ክሕደትን ዝተሰረተ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ስለ ዝኾነ ኩሉ’ቲ ዝምድናታት ስትራተጂካዊ ምዃኑ ብዙሕ ክምደረሉ ይጸንሕ’ሞ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ብዲፕሎማስያዊ ምብታኽን ምትዕራቕን ዝልለ፡ ቀጺሉ’ውን ብኲናትን ወራርን ዝግለጽ ተገላባጢ ባህርያት ዘለዎ ክኸውን ግድነት’ዩ። ስለዚ እዚ ስርዓት’ዚ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ኣትሒዙ፡ ምስ ብዙሓት ሃገራት ዘካይዶን ክሳብ ሕጂ ዘካይዶ ዘሎን ወፍሪ ፕሮፓጋንዳዊ ዘመተን ኩሉ’ቲ ብጉልባብ ዶብ ተመሳሚሱ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ዝተካየደ ኣዕናዊ ኲናትን ወርራን ሕጂ’ውን ምስ ሃገረ ጅቡቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብን ወጻኢ ዝምድናታትን ፖሊስታትን ገባቲ ኢሳይያስ ጥዕና ዘይብሉ ምዃኑ’ዩ ዘመላኽት። ካብዚ ወጻኢ ዝቐርብ ኣጉል ሞጎት ጥቓ ሓቅነት ዝቐርብ ኣይኮነን።
ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ 1991-1993 መሰል ርእሰ-ውሳኔ (ረፈረንደም) ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ መድረኽ ምስ መንግስቲ ስዑድያ፡ ሶርያን ግብጽን ናብ ዓቢ ጽልእን ቅርሕንትን ዝኣተውሉ ኩነታት ምንባሩ ኣይስሓትን’ዩ። ብ1994 ድማ ንምምሕዳር ኣሜርካ ንስኻትኩም ዶላራት ጥራይ ክፈሉ እምበር ንመንግስቲ ሱዳን’ሲ ባዕለይ ኣለኽልኩም ብዘስምዕ ቅኒት፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታቱ በቲኹ፡ ክሳብ ኲናት ዝገበረሉን ኣብ ኣስመራ ንዝነበረ ኣብያተ ጽሕፈት ኢምባሲ ንምንቅስቓስ ደቡብ ሱዳን ዝዓደለሉን ኩነታት ምንባሩ ክኸሓድ ኣይኽእልን’ዩ። ምስ መንግስቲ ሱዳን ብድሕሪ ምትዕራቕ’ውን ናይቲ ሃገር ሰላምን ቅሳነትን ንምዝራግ፡ ንዝተፈላለዩ ተቓውምቲ ሱዳን ክሕብሕብርን ከዕጥቕን ምጽንሑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። ብተመሳሳሊ ብ1994 ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ደሞክራስያዊት ኮንጎ ብቕሉዕ ኢድ-ምትእትታው፡ ንካቢላ ናብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምድያብ፡ ዓበይቲ ፖሎቲካውን ወተሃደራውን ኣማኸርቲ ከምኡ’ውን ታንከኛታት ክሳተፉ ምግባሩ ኣይዝንጋዕን። ምስ የመንን ግብጽን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝካየድ ምግፋፍ ዓሳ ተደጋጋሚ ወጥረታት ዝኽሰተሉ ኩነታት ብድሕሪ ምጽናሕ ብ1995 ብዶብ ኣመሳሚሱ ምስ የመን ናብ ኲናት ምእታዉ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ብ1997 ምስ ጂቡቲ ብዶብ ምክንያት ኲናት ኣልዒሉ እንደገና ድማ ብ2008 ተሓዲሱ፡ ክሳብ 2017 መዕለቢ ዘይረኸበ ዘሎ ጉዳይ’ዩ። ከምኡ’ውን ብ1998 ምስ ኢትዮጵያ ብዶብ ኣመኻንዩ ዝበገሶ ኣዕናዊ ኲናትን ወራርን ክሳብ 2017 ብስንኪ ርኡይ ድርቕና ገባቲ ኢሳይያስ መዕርፊ ዘይረኸበ ምዃኑ ካብ ማንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ብ2002-2004 ንሳዳም ሑሴን ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምውጋድ ብመሪሕነት ጆርጅ ቡሽ ኣብ ኢራቕ ዝተገብረ ሰፊሕ ምሕዝነታዊ ኲናት ብሓቲ ህግደፍ ምምሕዳር ኣሜርካ መዕርፎ ነፈርትን ቀ/ባሕርን ኤርትራ ክጥቐም ፍቓደኛ ብምዃን ናብ ዝልምነሉ ደረጃ ወሪዱ ምንባሩ ይዝኸር። ኣብ ሶማል’ውን ነቲ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝግበር ዝነበረ ኩሉ-መዳያዊ ጻዕርታት ተጻሪሩ፡ ንጉጅለ ግብረ-ሽበራ ኣልሸባብ ብቕሉዕ ዝድግፈሉን ዘዕጥቐሉን ኩነታት ክሳብ ሕጂ ምህላዉ ክሕባእ ዝኽእል ክውንነት ኣይኮነን።
ናይዚ ኩሉ እኩብ ድምር ብሓቲ ህግደፍ ካብ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ፍጹም ተነጺሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ብዓለም ደረጃ ብባይቶ ጸጥታ ማዕቐብ ምስ ተበየነሉ፡ ኣሜርካ ካብ ቀደም ጥንቲ ኣትሒዛ ታሪኻዊት ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ’ያ ዝብል ተደጋጋሚ መደረታትምሃብመውጽእ ኣፍ ገባቲ ኢሳይያስን ድራር እለት ህዝብናን ኮይኑ ምህላዉ ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ። እዚ ስርዓት’ዚ በቲ ብዓለም-ለኸ ደረጃ ማዕቐብ ክብየነሉ ዝገበረ ጭቡጥ መርትዖታት ፍጹም ክምሃር ብዘይምኽኣሉ፡ ቅድም ንዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ካብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንምእላይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ሕድሕድ የመን ንሑቲይን ይድግፍን የዕጥቕን ምንባሩ ይፍለጥ። ድሒሩ ብመሪሕነት መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ምንቅስቓስ ሑቲይን ምሕዝነታዊ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ክውሰድ ምስ ጀመረ ንዕኦም ጠሊሙ፡ ናብ ጎኒ በዓል ስዑዲ ዓረብ ተሰለፈ። በዚ መሰረት ድማ መንግስቲ ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ዓቢ ወተሃደራዊ መደበር ብምህናጽ፡ ካብኡ ብምብጋስ ኣብ ልዕሊ ሑቲይን ደብዳብ ነፈርቲ ዝፍጽመሉ ኩነታት ምህላዉ ኣይዝንጋዕን። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስ ንምለስ: ብሓፈሽኡ ሰላም ቅሳነትን ግስጋሰን ናይታ ሃገር ንምዝራግ ብፍላይ’ውን ግድብ ኣባይ ንምፍራስ፡ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ መንግስቲ ግብጺ ሓድሽ ምሕዝነት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ። ነዚ እከይ ሸርሕታት’ዚ ንምዕዋት ድማ ነቶም ሕጋዊ ሰላማዊ ኣገባብ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ዘፍቕድ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምንጻግ፡ ኲናት ከም እንኮ ምርጫ ክወስዱ ዝጸንሑን ዘለዉን ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብወተሃደራዊ መኮንናት ግብጺ ፍሉይ ስልጠናታት ክወሃብ ምጽንሑ ኣይስሓትን’ዩ። እቶም በብግዚኡ ነዚ እከይ ሸርሕታት’ዚ ብምንጻግ ምሉእ ኣጽዋሮምን ንብረቶምን ሒዞም ምስ ሰራዊት ኤርትራ እናተዋግኡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዱም ዝህቡ ዘለዉ መሪሕነትን መሰረታትን ደምሓት፡ ግንቦት 7ተ ምንቅስቓስ ቤሻንጉልን ነዚ ሓቕታት’ዚ ጥራይ’ዮም ዘረጋግጹ።
ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኣብ ትጽቢት ብዙሓት ዘይነበረን ብሃንደበት ዝተበገሰን ዘይምቕዳው ወይ’ውን ምስሕሓብ ሃገራት ወሽመጥ ከልጅ ኣህጉራዊ ትኩረትን ስሕበትን ክረኽብ ግድን ኮይኑ ኣሎ። እቶም ኣብ ምስሕሓብ ኣትዮም ዘለዉ ኣካላት ብሓደ ወገን ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ዘለውኦ ካብ ኣፍሪቃ ግብጺ ዝሓወሰ ኣንጻር ቀጠር ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ብምሕዝነት 4ተ ሃገራት ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ቀጠር ወሲድዎ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ማዕቐብን ብርግጽ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ንክትግበር ምሕሳቡን ምፍታኑን ብጣዕሚ ጭካኔ ዝመልኦ ዘሕዝንን ዘሕፍርን ተርእዮ ምዃኑ ጥራይ’ዩ ዘመላኽት። እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ቀጠር ከምዚ ዓይነት ኣዝዩ ጨካን ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ማዕቐብን ዝወሰዱ ሃገራት፡ ብድሕሪ ክንደይ ጻዕረ-ሞት 13 ክስታት ኣቕረቡ። ሓደ ካብቲ ዝቐረበ ዓቢ ክስታት መንግስቲ ቀጠር ንግብረ-ሽበራ የተባብዕን ይድግፍን ዝብል’ዩ። ብርግጽ ሕጂ መንግስቲ ቀጠር ካብዚ ክሲ’ዚ ነጻ ምዃኑ ዘረጋግጽ ጭብጥታት ከም ዘሎ ርግጸኛ ምዃን ዝኸኣል’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቶም ነዚ ክስታት ዘቕርቡ ዘለዉ ሃገራት’ውን ንባዕሎም ካብ ንግብረ-ሽበራ ምትብባዕን ምድጋፍን ሓራ ዘይምዃኖም ብዙሕ ምልክታት ምህላዉ ዝሕባእ ዝኽእል ኣይኮነን። ካብ ዓለም ምሉእ ንግብረ-ሽበራ ዝዋፈሩ ቀዳማይ ቦታ ዝሕዙ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ ክኾኑ ከለዉ፡ ብፍላይ ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝርከቡ ግብረ-ሽብራዊ ተግባራት ከም ትድግፍን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዘይተኣደነ ግፍዕታት ከም ትፍጽምን ዝእምቱ ምስጢራት ክወጹ ይጅምሩ ኣለዉ።
መብዛሕትኡ እቲ ብመሪሕነት ሳዑዲ ዓረብ ማለት ብ4ተ ሃገራት ቀሪቡ ዘሎ ኣጉል ክስታት ብቀንዱ ንልዕላውነት ህዝብን መንግስትን ቀጠር ዝትንክፍን ዝጻረርን ብምዃኑ፡ ኣብዚ ህሞት’ዚ ተግባራዊ ክኸውን ምሕሳብ ፍጹም ፖሎቲካዊ ዕሽነት ምዃኑ ጥራይ’ዩ ክርአ ዝኽእል። እቶም ነዚ ሓቅታት’ዚ ብኣግኡ ዝተረድኡን ካብ ክልቲኡ ኣብ ምውጣጥ ዝርከብ ኣካላት ገዚፍ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ዘለዎምን ብሓያላት መንግስታት ዓለም ዝፍለጡ ነዚ ግጭት’ዚ ንምህዳእን ንምፍታሕን ንሰናይ ተበግሶ ዕርቂ ንጉስ ኩዌት ብምድጋፍ፡ ብርቱዕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት የካይዱ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ። ህዝብን መንግስትን ቀጠር ነቲ ብ4ተ ሃገራት ዝቐረበ ክስታትን ቅድመ ኩነትን ክሳብ ሕጂ ብዘርእዮ ውሕሉልን ህዱእን ኣተሓሕዛ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ጸብለልትነትን ተቐባልነትን ኣረጋጊጹ ምህላዉ ይእምት። እዚ ተረጋጊጹ ዘሎ ጸብለልትነት’ዚ ካብ ትጽቢትን ግምትን ወጻኢ ኮይኑ ብምርካቡ፡ ካብዚ ጉዳይ’ዚ ንምውጻእ ምሕዝነት 4ተ ሃገራት ኣብ ዘይተሓስበ ካልእ ጸገማት ክወድቑ ምዃኖም ምግማት ይኸኣል’ዩ። ብዝኾነ እዚ ግጭት’ዚ ብለባም መንገዲ ብዘተን ልዝብን ጥራይ ክፍታሕ ሰናይ ኩሎም ኣህዛብ ዝሓስቡ ደለይቲ ደሞክራስን ፍትሕን ትጽቢት ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። እዚ ግጭት’ዚ ብሰላም ክፍታሕ ዘይሓስቡ መንግስታት ወይ’ውን ፖሎቲካዊ ሓይልታት ሰናይ ኩሎም ኣህዛብ ዘይብህጉ ምዃኖም ቁልጭ ኣቢሉ ዘርኢ ዓቢ ምልክት’ዩ። እምበኣርከስ ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ፖሎቲካዊ መርገጽን ፖሊስን ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ከመይ ይመስል? ምድህሳስ ኣገዳሲ’ዩ።
ቅድሚ ኩሉ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ምሉእ ማ/ሰብ ዓለም ኣብ ዝተነጸለሉ ህሞት ዝምድናታት ኤርትራን ቀጠርን ከመይ ምንባሩ ምዝኻር ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ዝምድናታት እንታይ ምንባሩ? ብዘየገድስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ስርዓታት ጽቡቕ ዝምድናታት ምንባሩ ይፍለጥ። መንግስቲ ቀጠር ንብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብሞራል፡ ገንዘብን ንዋትን ዘይተኣደነ ሓገዛት ይገብር ምንባሩ’ውን ዝሰሓት ኣይኮነን። ብውሕዱ ወጻኢታትን ዘመናዊ ንዋትን ማዕከናት ዜናታት ስርዓት ህግደፍ ብመንግስቲ ቀጠር ይሽፍን ምንባሩ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ’ዮም። ኣብ መንጎ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ጂቡቲን ብዶብ ዝተላዕለ ግጭት ንምፍታሕ እንኮ ተበግሶ ዕርቂ ዝወስድ ዝነበረ መንግስቲ ቀጠር’ዩ። ኣብ መወዳእታ’ውን ብስምምዕ ክልቲኡ ሃገራት ክሳብ 450 ሰራዊት ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዝነበረ ቦታታት ከም ዓቓቢ ሰላም ኣእትዩ ምንባሩ ኣይኸሓድን’ዩ። ኣብዚ ምስሕሓብ’ዚ ካብ ሃገራት ወሽመጥ ከሊጅ ኩዌትን ዖማንን ካብ ክልቲኡ ኣካላት ገለልተኛ ብምዃን ንዘተ፡ ልዝብን ዕርቕን የተባብዑ ኣለዉ። ዳርጋ መብዛሕትኡ ማ/ሰብ ዓለም’ውን እቲ ምስሕሓብ ብሰላም ክፍታሕ ብርቱዕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ኣብ ዝገብረሉ ህሞት ንርኸብ። ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ግን ከምቲ ልሙድ ባህርያቱን ኣመሉን ብሃንደበት ንመንግስቲ ቀጠር ጠሊሙ፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ብመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ምሕዝነት ክስለፍ ግድን ኮይኑ ኣሎ። እዚ ስርዓት’ዚ ንባዕሉ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት እናካየደን ንሸባብ ሶማል ብቕሉዕ እናደገፈን ንመንግስቲ ቀጠር ምስቶም በዚ ጉዳይ’ዚ ክሲ ዘቕርቡ ክጽጋዕ ምፍታኑ ካብቲ ኣዝዩ ዘደንጹ’ዩ። ብዝኾነ እቲ ብኣውንታ ዝግለጽ ዝነበረ ዝምድናታት ክልቲኡ ሃገራት ብቀጥታ ተበቲኹ፡ መንግስቲ ቀጠር ነቲ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጂቡቲን ሰፊሩ ዝነበረ ሰራዊቱ ብህጹጽ ክስሕብ ተገደዱ’ዩ። ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ንመንግስቲ ቀጠር ጠሊሙ ንምንታይ ምስቲ ብመሪሕነት ስዑዲ ዓረብ ዝፍለጥ ምሕዝነት ተጸጊዑ ንዝብል ሕቶ ንኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማ/ምብራቕን ብቀረባ ዝኸታተሉ ተንተንቲ ፖሎቲካ ነዚ ዝስዕብ ተንታን የቕርቡ።
- ኩሉ ወጻኢ ፖሊስታት ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብመሰረቱ ኣብ ስትራተጂካዊ ዝምድናታት ዘይኮነስ፡ ኣብ ግዝያዊ ጉጅላዊ ረብሓታት ዝተሞኮሰ ስለዝኾነ፡ ካብ 3ተ ሃገራት ወሽመጥ ከልጅ ማለት ስዑዲ ዓረብ፡ ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ክረኽቦ ዝኽእል ግዝያዊ ረብሓታት ብምጥማት ዝወሰዶ ፖሎቲካዊ መርገጽ ምዃኑ ይገልጹ። ንግብጺ ብዝምልከት ከኣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባሌ ንምቁጻይ ብሓፈሻ፡ ንግድብ ኣባይ ንምፍራስ ድማ ብፍላይ ዘለዎም ሓባራዊ ምርድዳእን ዘኣተውዎ ስምምዓትን ዝምርኮስ ምዃኑ ይትንትኑ።
- ኩሎም ሃገራት ወሽመጥ ከልጅ ምስ መ/ኣሜርካ ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎም ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ብዝጸንሖ ተሰማዕነትን ጽልዋታትን ከምኡ’ውን ኢማራት ዓረብ፡ ባሕሬንን ግብጽን ብምድማር፡ ካብ መ/ቀጠር ብዝበለጸ ጸብለልትነትን ተቐባልነትን ክህልዎም’ዩ ዝብል፡ ገባቲ ኢሳይያስ ጉጉይ ገምጋም ሒዙ ምብጋሱ ይገልጹ። ካብዚ ጉጉይ ገምጋም’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ምስዞም ሃገራት’ዚኣቶም ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ብምምሳል፡ ምስ መንግስቲ ኣሜርካ ንምትዕራቕ፡ ብኡ ኣቢሉ እቲ ብ2009 ኣብ ልዕሊኡ ዝተበየነ ማዕቐብ ንክለዓለሉን ጥጡሕ ባይታ ክምድምድሉ ብምሕሳብ ምዃኑ’ውን ይትንትኑ።
ብዝኾነ ንምጥቕላል ዝኣኽል እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ክውንነታዊ ሓቅታት’ዚ ብውሕዱ ኩሉ ወጻኢ ዝምድናታት ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ እከይ ጥልመትን ኣዕናዊ ኩናትን ዝተሞርኮሰ ምዃኑ ብግልጺ’ዩ ዘርኢ። ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ብጥልመትን ኲናትን ዝልለ ወጻኢ ዝምድናታት ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ እንታይ ይርባሕ? ንስለ’ቲ ሓቂ ኣብ ዲሞክራስያዊት ኮንጎን ሶማልን ዝፈሰሰ ንጹህ ደም ኣሕዋትና ይኹን ደምሓት፡ ግንቦት 7ተን ምንቅስቓስ ነጻነት ቤንሻንጉልን ናብ መበቆል ዓዶም ኢትዮጵያ ከይምለሱ ንምዕጋት ኣብ ዝግበር ተደጋጋሚ ኲናት ዝሞቱ ዘለዉ መንእሰያት ኤርትራ ንልዕልነት ህዝብን ሃገርን ንምክልኻል ጅግንነት ከም ዝፈጸሙ ስውኣት ዲዮም ክቁጸሩ ወይስ ካልእ ፖሎቲካዊ ስያሜን ትርጉምን ክህልዎ’ዩ? እዚ ሕቶታት’ዚ ብፍላይ ንተደናገጽትን ሰዓብትን ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ዝምልከት ክኸውን’ዩ።
ሰናይ ትምኒትን ንባብን
ነፀረኣብ ኣስመላሽ
19 ሓምለ 2017
Once forced to create propaganda for their government, Eritrean artists are defecting to seek new lives in Australia
Written by Beyene Weldegiorgis20 Jul 2017 - 7:11pm
Said Abdella (sometimes spelled as Saeed or Seid) is one of many Eritrean artists who've been sent to Australia by the Eritrean government with the objective of disseminating their propaganda. Now he has defected. As he seeks asylum, he is now speaking out against the government that previously controlled everything he said.
Language
Tigrinya
By Beyene Weldegiorgis
20 Jul 2017 - 6:51 PM UPDATED 4 HOURS AGO
"If there was a democracy with real eyes, even if starved, I wouldn’t flee my home country," singer Said Abdella tells SBS Tigrinya.
Abdella is an Eritrean singer and performer who recently defected from the Eritrean government, for whom he used to perform, to seek asylum here in Australia.
Out of 180 countries ranked in the 2017 World Press Freedom Index, Eritrea came in at 179, behind Syria and ahead of only North Korea. For the past 26 years, the report states, "Eritrea has been a dictatorship in which there is no room for freely reported news and information."
"Like everything else in Eritrea, the media are totally subject to the whim of President Issayas Afeworki, a predator of press freedom who is responsible for 'crimes against humanity.'"
Like most Eritrean citizens, singer Said Abdella served the government for more than 40 years, first as a freedom fighter for 16 years and then, since the independence of Eritrea in 1991, he has been under full government control, not yet demobilized.
“Until I deserted in 2017, I have been under the PFDJ [People’s Front for Democracy and Justice - the only party in Eritrea] control," says Abdella. "When they ordered me to wake up I do wake up, when they ordered me to sleep, I sleep."
Said Abdela performs on Eritrean TV - controlled by the government's Ministry
Said applied four times for his release from government control and each time he had his application rejected. He even approached the secretary of the ruling party.
“I told him that I want to be released and raise my children freely but he refused,” says Abdella.
Eritrean singer Said Abdela pictured in Australia at SBS Radio in 2017
Said Abdella’s asylum application is still under process by Australia's Department of Immigration and Border Protection. Even if he is far from his home country, he always worries about the safety of his wife, four daughters and two sons.
“The family of my wife live in Ethiopia, I am here in Australia," says Abdella.
"I have daughters of 17 and 19 years of age.
"Because of me the authorities back home can harm or harass them.”
Abdella describes a recent alleged incident, “my daughter was ready to sing during the May 24 Eritrean Independence Day, when they found out that she was the daughter of Said Abdella they refused to let her sing.”
Abdella’s case is not an isolated story. Many Eritrean artists and national football players have deserted the government whenever they get the opportunity to leave Eritrea for a mission.
Here in Australia, for the past 15 years, famous Eritrean musicians such as Muktar Saleh, Abdel Hakim Arey; singers such as Alex Kahsay, Aklilu Mebrahtu and now Said Abdella are examples of those who have been sent to Australia by the Eritrean government with the objective of disseminating the government’s propaganda by performing for the Eritrean community.
Instead they deserted the government and were granted asylum in Australia.
“If an artist cannot do his artistic work freely, that means life for that artist has stopped.”
In a similar story to Said Abdella's, Michael Adonai is a well-known Eritrean painter, having had his work was staged in many international galleries and exhibitions.
In 2012, UNESCO invited top artists from 30 different countries to represent their countries and exhibit their work in Andorra. Michael was selected to represent Eritrea. But he deserted Eritrea and sought asylum in Australia in 2013.
Eritrean artist Michael Adonai pictured in his studio
in June 2014, SBS Tigrinya spoke to Michael as he was holding an exhibition called 'I didn’t choose to be a refugee’ in Melbourne. Explaining why he deserted the government he served for more than 40 years he replied, “If an artist cannot do his artistic work freely, that means life for that artist has stopped."
Said Abdella echoed this and says artists like him have no freedom of expression in Eritrea.
In 1998, when Eritrea was engaged in a border war with Ethiopia, he wrote a song which blamed the government for the war.
The song was not literally blaming the government directly but metaphorically - using the symbol of time. Lyrics (in Tigrinya) included: "what have we done time? Please leave us time and let’s live a life without war. For that he had to pay a price."
"I wrote a song called 'Time' and they interpreted it differently," explains Abdela. "After it was aired on TV for two days they banned it and they detained me."
“If I teach the youth, through my songs, to behave, to get away from drugs, murder and lies, that is all that I can do to express my gratitude to the Government of Australia.”
Said Abdella has already given two musical performances in Melbourne and one in Brisbane and the community here cheered and welcomed him.
A poster advertises the performance of Said and his band in Eritrean Festival Melbourne earlier this year
Once he is granted residence here in Australia, he has a plan to educate Eritrean descendants through his songs to have discipline and inherit the good culture of old generations.
“If I teach the youth, through my songs, to behave, to get away from drugs, murder and lies, that is all that I can do to express my gratitude to the Government of Australia.”
Eritrea: Clarification of the situation of Abune Antonios from the Arbi Harnet network in Asmara
Written by Martin Plaut
|
BREAKING NEWS: Firing erupts along Eritrea-Ethiopia border as refugees flee
Written by Martin Plaut
by Martin Plaut |
Three hours of shelling are reported to have taken place across the Eritrea-Ethiopian border today (Wednesday).
The clash was apparently sparked off when Eritrean troops opened fire on about 40 refugees attempting to flee from Eritrea to Ethiopia.
The Ethiopian military retaliated, sparking off the fighting in the area of Erob, which is near the disputed town of Badme, over which the border war of 1998 - 2000 was fought. There are no reports yet of casualties.
Eritrean flee across the border into Ethiopia at a similar rate on an almost daily basis.
END
ኣብ ሓደ ጓይላ፡ ሓደ ሰብ ክሕሱ ደልዩ ግን ከኣ ዝፈልጥዎ ከይህልዉ ስለዝሰግአ፥ “ክንሕሱስ ደቂ ዓድናዶ ኣብዚ ኣለዉ“ በለ እንዳተባህለ ይዝንቶ። ነዚ ዝሰምዑ “እወ ኣሎና” ምስ በሉ ከኣ “እሞ ደቂ ዓድና ዘይፈልጥዎ ደኣ እንታይ ክንብል” ኢሉ ክሕሱ ካብ ዝሓሰቦ ተቖጠበ” ይበሃል። ብቐሊሉ ንክብሩ ዝትንክፍ ዝነበረ ሓሶት ከይሓሰወ ከኣ ሓበኑን ክብሩን ዓቀበ።
ልክዕ እዩ ኩሉ ግዜ ሓሶት ምዝራብ ኣዝዩ ቀሊል ስለዝኾነ ሰብ ይፈልጠኒ እዩ ክትብል ኣይትሓስቦን ኢኻ። በዚ ዝኣክል ሓሶት ንሓቂ ቀዲማታ ክትጐዪ ስለ እትኽእል፡ ሓቂ ንግዘኡ ክትክወል ትኽእል። ሓቂ ተዓቢጡ ሓሶት ክትቕልቀል እንከላ ኣብ ደቂ ሰባት ዝነበረ ጥዑይ ዝምድናን ምትእምማንን ኣብ ምጥራጣር እዩ ዝኣቱ። ምኽንያቱ ኣብ ሓድሕድ ምቅርራብ፥ ይኹን ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ሓቂ እምበር ሓሶት ጥዑይ ዝምድና ክፈጥር ኣይክእልን። ብዘይ ምትእምማን ዝፍጠር ዝምድና ከኣ ኣብ ሑጻ ከም ዝተሰረተ ገዛ ፈራሲ ብምምዃኑ።
ሓሶት ብመሰረቱ ብስነምግባር ጌጋ ጥራይ ዘይኮነስ ንምትእምማን ዘጥፍእ እዩ። ምትእምማን እንተዘየልዩ ዉዑላት ይኹን ዝተሰማማዕካሎም ጉዳያት ትርጉም ክህልዎ ኣይክእልን። ኣብ ሓሶት ባእሲ፥ ጽልኢ፥ ቅርሕንቲ፥ ምርሕሓቕን ጭካነን ክፍጠር ከሎ፡ ኣብ ሓቂ ግና እምነት፥ ሕያውነት፥ ትሕትና፥ ምቅርራብ፥ ዘይምጉድዳእ ባይታ ይፍጥር። ስለዚ እምነት ብዘይ ሓቂ፥ ዝምድና ከኣ ብዘይ ምትእምማን ኣይፍጠርን እዩ።
ልክዕ እዩ ሓድሓደ እዋን ህይወትካ ንምድሓን፥ ወይ እውን ንደቂሰባት ብፍላይ ንሕጻናት ንምትብባዕን ምብርባርን ኢልካ ምንኣድን ሓሶት ምጥቃምን ነውሪ የብልሉን። ሓቂ ንምድፋን ኢልካ ሓሶት ክትጥቀም ግና ስነምግባራዊ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ኣብ ምህዞ ወይ ጭብጢ ኣብ ዘይብሉ ዝተመርኮሰ ሓሶት ፍታሕ ዘይርከቦ እዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ሓሶት ዘዘውትር ኣብ ቅድሚ ሓቂ ብቕዓትን ዓቕምን ስለዘይብሉ፥ ሓቂ ቦሎኽ ኢላ ንኸይትወጽእ ብምስጋእ ካብ ስምዒት ዝነቐለ ጭብጢ ዘይብሉ ምጥቃንን፥ ኣሉ ቀጣን ምባልን የብዝሕ።
ንሓቂ ሓቢኡ ክሕሱ እንከሎ፥ ኩሉ ግዜ ነቲ ንሱ ኽዕውቶ ወይ ክረብሓሉ ዝደሊ ጠቕምታት ልዕሊ ኩሉ የቐድም። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ብኣግኡ እንተዘይተገቲኡ ንድኹማትን፥ ኣብ ሰንኮፍ ዘለዉን፥ እቶም ንሓሶት ልዕሊ ሓቂ ገይሮም ዝወስዱ ክደናገሩ ይኽእሉ እዮም። ካብ ሓሶት እንኸስቦ ይኹን እንመሃሮ ወይ ውን እንቐስሞ ፍልጠት ፈጺሙ የለን። ብኣንጻሩ ሓሶት ስኒት ዘጥፍእ፥ ቅኑዕ ሓበረታ ዝዓብጥ፥ ሰባት ተፋቒሮምን ኣሳንዮምን ንኸይነብሩን ስምምዕ ንኸይፍጠርን ዝገብር … ወዘተ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንህኩይ፥ ንዘየስተውዕል፥ ንድኹም መንፈስ፥ ሓይሊ ዝህብን ፍታሕ ዘምጽእን ኮይኑ ይስምዖ እዩ።
ሓሶት ንግዚኡ ንብዙሕ ሓቅታት ክድምስስ ይኽእል እዩ። እንተኾነ ጭብጥታት ኣምጺእካ ምስ እትገጥሞ ህጣሙ እዩ ዝጠፍእ። በዚ ዝኣክል እዮም ከኣ ኣበው “ካብ ሰራቕስ ሓሳዊ የጥፍእ” ዝብሉ ዝነበሩ። ሓሳዊ ተሓቢኡ ዘሎ መሲልዎ ዝፈልጦን ዘይፈልጦን፥ ንሓቅታት ጠምዚዙ ሓቂ ብዝመስል ኣገባብ እናተጠቕመ ዝፈልጠኒ ኣይክህሉን እዩ ኣብ ዝብል እዩ ዝተኣማመን። ይኹን እምበር ከምቲ ምስላ ዓረብ “ንስኻ ኣብ ሳንዱቕ ወረኻ ግና ኣብ ሹቕ” ዝብሎ እዩ። ዘይስማዕ ደኣ መሲሉካ እምበር ወረኻስ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ’ዩ ማለት እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም ከኣ ነቲ ናቱ ድሌትን ዝኣለሞ ውዲትን ሓቢኡ ብኣንጻሩ ንሰብ ክእምን ምፍታን እዩ። እዚ ከኣ እቲ ንድቂ ሰባት ኣብ ተግባራዊ ስጉምቲ ንምኻድ ፍሕት ምባል ከሊኡ ዘሎ ዓቢ ነጥቢ ድሌታቱን እምንትኡን ሓቢኡ ብሓሶት ካልእ ፍጥረት ክትመስል ምድላይ እዩ። ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትከል ወይ እውን ዲሞክራሲያዊ መትከል ክሕይልን ይኣምን እየ እናበለ፡ ብውሽጡ ግና ካልእ ዘየሳንን ዘየተሓቛቊፍን ሓዚሉ እንከሎ ንካልኦት ከናሹን ከነኣእስን ዝብገስ ኣሎ።
እቲ ዝገደደ ከኣ ከምቲ ምስላ ኣበው “ራዛ ናይ ኣብኡ ሓዛ” ዝብሎ እታ ትማሊ ኢሳያስ ዝኸዳ ጐደና ማለት ክርስትያን ተወጺዑ ብማለት ንህዝቢ ዘዳህለለት ሽርሒ ተኸቲልካ ምኻዱ እዩ። ንሱ ድማ እነሆ ብዓሌት፡ ብኣውራጃን ብብሄርን እናተቐራረብካ፥ ነቲ ሓብራዊ ሃገራዊ መንነት ንድሕሪት ገዲፍካ ምኻድ እቲ ሓባራዊ ቃልሲ ንኸይዕምብብ ዕንቅፋት ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። እቲ ከምዚ ዝዓይነቱ ጥርናፈ ንምልኣት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ዝረብሕ እዩ ምባል ኣብ ክልተ ገረብ ምድያብ ማለት እዩ ከስምዕ። ከመይሲ እቲ ኣብ ሓድሕድና ክነጥርዮ ዝግበኣና ፍቕሪ፥ ሕውነትን ምትእስሳርን ተሪፉ ብጠቕምን ረብሓን ተጠሚቱ ሃገር ንምህናጽ ዘይኮነስ ነናትካ ኣጓዱ ምህናጽ ማለት እዩ። በዚ ኣገባብ ውደባ ንሃገራዊ ጉዳይን ሓድነትን ብማዕረ ዝካየድ መንፈስ ንርድኦ ኢና ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት እዩ። ከምቲ “ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ነየሕድረኒ” ዝተባህለ ንሓደ ብሓሶት እናዘለፍካን እናጠቀንካን፥ ነቲ ካልእ ምስ ስርዓት እናጸጋዕካ፥ ሰልፍታት የለዋን ንሕና ኢና ንቃለስ ዘሎና፥ ንሕና ምስ መጻእና ኢና ስርዓት ኢሳያስ ርዒዱ እናበልካ ዝንዛሕ ጃህራ፡ ፈኸራን ናይ ሓሶት ፖለቲካ ምንዛሕን ዓወት ዘጐናጽፍ ኣይኮነን። ብኣፍና ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ግዝኣተ-ሕጊ ክነንግስ እንዳበልና፥ ብተግባር ግን ሕጊ ምጥሓስን ፋሕ ብትን ዘብል ሓሶት ምንዛሕን ነዘውትር። ስለዚ ሕጊ ተኸቲልካ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን፥ ምዕቃብ ብሓድነትን ሓቢርካ ብምስራሕን፥ ዘጋጥም ሽግራት ብምግጣም ሓባራዊ ትልሚ ብምእማም እምበር ሓሶት ሰኒቕካ ጉዕዞ ናብ ደልሃመት እዩ።
Winnipeg, Canada, Enjoys a Rare Public Discourse on Eritrean Issues
Written by EPDP Information OfficeChairman of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), Mr. Menghesteab Asmerom, and EPDP Chair Office Representative for North America, Mr. Gherezghiher Tewelde, on 15 July 2017 conducted an open public meeting on Eritrean issues in the Canadian city of Winnipeg. The event was unique of its kind due to the fact no such high-level delegation from the Eritrean opposition camp ever organized such a meeting in far-away central Canada.
EPDP Winnipeg Branch Chairman, Mr. Naizghi Bahlai, introduced the speakers by giving brief background notes about their active life-time devotion at all phases of the Eritrean people's cause for national liberation and, nowadays, for democratic change.
Following the introductory remarks, Mr. Menghesteab Asmerom explained in great detail the political mission and vision of the EPDP and pointed out some of the satisfactory performances of his party in the uphill struggle of the Eritrean people from exile.
At his 5th public meeting so far in North America, the EPDP Chairman noted that the party continues without fail to raise public awareness on the urgency of everybody's
participation in the struggle to remove a repressive regime and replace it by a democratic system of governance. Besides encouraging open discourse among Eritreans, the party also strives to create wider awareness of the Eritrean situation among world governments and organizations. He added that EPDP's active involvement among the 50 parties in the Progressive Alliance and its contacts with governments and international organizations are helpful in the current Eritrean struggle.
The EPDP Chairman also talked about the commendable public mobilization and outreach by branches and zonal groupings of the party in all the five continents. Likewise, he mentioned some of the vital social services rendered to refugee children and veterans of the struggle by party members working in close cooperation with other benefactors in several parts of the world.
This was followed by an explanation of the 4 June 2017 EPDP proposal for joint work with other organizations in the opposition camp as was presented in his previous public meetings called in the Bay Area of California, in San Diego, in Chicago and in Seattle.
Messrs. Menghesteab Asmerom and Gherezghiher Tewelde jointly took part in responding to questions and comments raised by discussants in the meeting.
It is to be noted that two days earlier on 13 July, both the EPDP Chairman and his representative in North America, also held discussions with interested compatriots in Saskatoon on vital issues affecting Eritrea and its people today.
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ካብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ 2017 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ስሜን ኣሜሪካን ካናዳን ዑደት የካይድ ምህላዉ ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ምጅማር ዑደቱ ብወግዒ ከም ዝተሓበረ ዕላማ መገሻኡ፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ምስ ግዱሳት ኤርትራውያን ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን፥ ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን፥ ብሰዲህኤ ከም መዋጸኦ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ሓባራዊ ስረሓት ፖለቲካዊ ውድባት ምብራህን እዩ። ብዘይካዚ ምስ ጨናፍር ሰዲህኤ ርክባት ምግባርን ኣገዳሲ ሰልፋዊ መምርሒታት ምሃብን እዩ። በዚ መሰረት ክሳብ ሕጂ ኣብ ኦክላንድ፡ ሳንድያጎ፡ ቺካጎ፡ ስያትል ዋሽንግተን ዲሲን ከተማዊኒፐግ፡ካናዳን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባታት ነዞም ክልተ መደባቱ ኣዐዊትዎም ኣሎ። መጻኢ መደባቱ ዕዉት ከም ዝኸውን ከኣ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ውጽኢት ሓባሪ እዩ።
ኣቦ-መንበር ሰልፊ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብዚ ኣኼባታት ብመሰረት ዝሃቦ መብርሂታት፡ ካብ ተሳተፍቲ፡ ነኣድትን ምስዚ ሰልፊ ክቃለሱ ቅሩባት ዝኾኑን፥ ካብ ነቐፍቲ ምናልባት እውን ካብ ተቓወምቲ ሓሳባት ክቐርብሉ ጸኒሖም እዮም። ብመሰረቱ እውን ናይ ከምዚ ዓይነት ርክብ ዕላማ፡ ሰዲህኤ ክርእዮም ዘይከኣለ ንምርኣይን ኣብ መጻኢ መደባት ኣብ ግምት ንምእታዎምን ዝሕግዝ ሓሳባት ምምእራር ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣኼባታት ኣዝዩ ሃናጺ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ ንሰልፊፍና ብዝምልከት ዛዕባ ከኣ ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ጨናፍር ከካይዶ ዝጸንሐ ርክባት ዓሚቝ ልዝባትን ብ9 ሓምለ 2017 ናይ መላእ ኣባላት ሰልፊ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ተለ ኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብዚ ኣኼባዚ ካብ ዝተንጸባረቑ ቀንዲ ጉዳያት ከኣ ምቛም ህጹጽ ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ እተዳሉ 7 ቀወምትን 2 ተጣባበቕትን ዝኣባላታ ኣሰናዳኢት ሽማገለ እዩ። እታ ሽማግለ ብሕጊ ድሕሪ ምቛማ ቀልጢፋ ነብሳ ኣብ ንኡሳት ናይ ስራሕ ሽማግለታት ምክፍፋል ምግባራን ንጥፈታታ ምጅማራን ከኣ ኣባላት ሰልፊ ክሳብ ክንደይ ህልውና፡ ቀጻልነትን ሓያልነትን ሰልፎም ብጭረሖ ዘይኮነ ብተግባር ንምዕቃብ ቅሩባት ምህላዎም ዘርኢ እዩ። ኣቦ-መንበር ሰልፊ ነዚ ስጉምትታት ዝወሰደ ብሕግን ቅዋማዊ ኣሰራርሓን እምበር ብውልቃዊ ብዊንታ ከምዘይኮነ ክንጸር ዝግበኦ እዩ። ናይዚ ስጉምታቱ መሰረት ከኣ፡ እቲ ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ብ7-8 ጉንበት 2017 ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ናይ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ህጹጽ ጉባአ ክካየድ ዝወሰኖ ውሳነ እዩ። ብዘይካዚ መሪሕነት ዞባ ነዚ ሕጋውን ቅዋማውን ዝኾነ ናይ ፈጻሚት ሽማግለ ውሳኔ ክምእዘዝ ቅሩብ ከም ዘይኮነ ብምዕዛብ ፈጻሚት ሽማግለ ብ22 ሰነ 2017 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ውሳኔታት ምውሳዱ ከኣ፡ ካልእ ኣቦ-መንበር ሰልፊ፡ ኣሰናዳኢት ህጹጽ ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ክመዝዝ ዝኸኣለሉ ሕጋዊ መሰረት እዩ።
1. ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ ከም ትካል ፈሪሳ ብህጹጽ ጕባኤ ኣቢላ ክትካእ፤
2. ጨናፍር ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ ክሳብ ህጹጽ ጕባኤ ዝካየድ ብግዝያውነት ርክበን ብቕጥታ ምስ ቤት ጽሕፈት ውደባን ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ክኸውን፤
3. ኣባላት ሽማግለ ዞባ ነበር፡ ከም ውልቀ ሰባት ኣባላት ጨናፍሮም ኰይኖም ክቕጽሉ፤
4. ህጹጽ ጕባኤ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ብቤት ጽሕፈት ውደባን ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበርን ክዳሎ ወሲኑ።
ብመንጽርቲ ኣብ ጉባአ ዝጸደቐ ቅዋም ሰዲህኤ እዚ ኣቦመንበር ዝወሰዶ ስጉምቲ ብቅንዕና ንዝመዝን ሕጋውን እዋናውን እዩ። እዚ ስጉምትታት ኣቦመንበር ባህ ዘይብሎም ኣይሰኣኑን እዮም። ስለዝኾነ ድማ፡ ብርእይቶና ሰባት ቅኑዕ ኢሎም ዝኣመንሉ ሓሳባት ከቕርቡ፡ መሪሕነቶም ንዝወሰኖ ውሳነ “ኣይፋሉን ግጉይ እዩ’ሞ ይተኣረም” ዝብል ሓሳብ ወይ ለበዋ ከቕርቡ መሰሎም እዩ። መሪሕነት ከኣ ካብዚ ብዘይፍለ ነቲ ብመሰረታት ዝቐርበሉ ርእይቶታት ብምሉእ ኮነ ብኸፊል ክቕበልን ክነጽግን ሓላፍነቱ ምዃኑ ዘይስገር ኣሰራርሓ ምዃኑ ክፍለጥ ዘለዎ ነጥቢ እዩ። ካብዚ ወጻኢ መሰረት ብታሕቲ ኮይኑ ንመሪሕነት ምግዳድ ዘይኮነ፡ ዘይዕግበቱ እናገለጸ ንውሳኔታት ላዕለዎት ኣካላት ግን ክፍጽም መተካእታ ዘይብሉ ዲሞክራስያዊ ኣካይዳ እዩ። እቲ ካብዚ ወጻኢ ዝተሓዝ ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ብድሌትካ ናይ ምቕናይ ተግባር “ልጓም ሰዲድካ ቶሽቶሽ ወይ ዋሕስ ዘይብሉ ነገር ጥፉእ ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ድፉእ” ናብ ዝብል ኣበሃህላ እዩ ዝወስድ። እቲ ልጓም፡ ማሕለኻን ዋሕስን ንብሎ ዘለና፡ ነቲ “ውሑዳት ብርኢቶ ብዙሓት፡ ታሕተዎት ከኣ ብርኢቶ ላዕለዎት ይምእዘዙ” ዝብል ደሞክራስያዊ ኣዕኑድ ወሲኽካ ንቕዋምን ሕግን ዝውክል እዩ። እዚ ማለት ግና በቲ ሓደ ወገን ውሑዳትን ታሕተዎትን ዝተሳዕረ ሓሳባቶም ንክስመዓሎም ከቃልሑን መሰረት መሪሕነቱ ብመንጽርቲ ዕቃበ ኣንቢርሉ ዝጸንሐ ሓሳብ ኣይቆጻጸርን ማለት ኣይኮነን። እዚ ምጽብጻብ ግና ኣብ ክሳድ መንገዲ ጸኒሕካ “ከምዚ ተዘይገበርካ” ዝብል ኣጓጣጥ ዘይኮነስ፡ ቅዋም ኣብ ዝፈቕዶ ሕጋዊ መድረኽ ጥራይ”ዩ ዝትግበር።
ኣብ ኣሰራርሓ ሰልፍና ዝተፈላለዩ ነናቶም ናይ ሓላፍነት ደረት ዘለዎም ትካላት ኣለዉ። መሪሕነት ዞባ ሓደ ካብኣቶም እዩ። ቅድሚ ኩሉ መሪሕነት ዞባ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሰልፊ ኣብቲ ዝዋሰኣሉ ክሊ ዝመርሕ እምበር መወዳድርቲ’ቲ ንመላእ ሰልፊ ዝውክል መሪሕነት ከምዘይኮነ ብንጹር ክተሓዝ ይግበኦ። ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰልፊ እትነጥፍ እምበር ውሽጣዊ ምምሕዳር ዝኣወጀት ናጻ ትካል ኣይኮነትን።
ንዓንቀጻት ቅዋም ሰደህኤ ዝትርጕም ማእከላይ ባይቶ ወይ ጕባኤ ደኣ’ምበር ውልቀ ኣባላት ወይ ጨናፍር ኣይኰናን። ነቲ ኣብ ግጉይ መንገዲ ዘሎ ኣካል ዓገብ ከይበልካ ኣብ ክሳድ እቲ ኣራማይ መሪሕነት መስገደል ክትቆርን ምድንዳን ብውሕዱ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ንጉዳያት ብልዙብን ኩሉ ወገናት ተዓዋቲ ብዝኾነሉን ኣገባብ ንምፍታሕ ኣብ ዘይተኻእለሉ እዋን መሪሕነት ኢዱ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ ዘይኮነስ፡ ሕጊ ንዝጠሓሱ ኣካላት ዝእርመሉ ብቕዋም ዝተዋህቦ ሓላፍነት እውን ኣለዎ ኢዩ። ነዚ ብዝምልከት ኣብቲ ቅዋምና ካብ 4.7.1 ክሳብ 4.7.5 ምውካስ ይከኣል። ብመንጽር እዚ ኣቦ-መንበር ኩነታት ሰልፊ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ከናዳን ግቡእ መንገዱ ንምትሓዝ ዝወሰዶም ኩሎም ስጉምትታት ብመሰረት ኣብ ጉባአ ዝጸደቑ ዓንቀጻትን ውሽጣዊ ሕግታት ማእከላይ ባይቶን ሕጋውን ቅዋማውን እዮም።
ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ጉዳያትን ኣቶ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያትን ብ16 ሓምለ 2017 ንኣባላት ሰልፊ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ኣስተምህሮ ሂቦም። እዞም ኣባላት መሪሕነት ኣስተምህሮ ዝሃብሉ ዛዕባታት ንመጻኢ ዕማም ምሕዳስ ሰልፊ ዝእምቱ ኮይኖም፡ ቅድሚ ሕጂ ብመሪሕነት ተጸኒዖም ዝተዳለዉ “ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ-ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን?” ዝብሉ ክልተ ሰነዳት እዮም።
ኣብቲ ቀዳማይ ንወሳንነት፡ ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ-ሕግን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣትሪሩ ዘዕዝዝ ጽሑፍ ብሓው ረዘነ ተስፋጼን፡ ድሕሪ መእተዊ ዝኾኖ ተዛማዲ ሓሳብ ምቕራብ 1. ፖሊቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ሰዲህኤ፡ 2. ሰዲህኤን ሕቶ ዲሞክራስን፡ 3. ዲሞክራስን ዲሞክራስያዊ መሰልን፡ 4. ልዕልና ግዝኣተ ብዙሓትን መሰል ውሑዳትን፡ 5፡ ዘይፍጹምነት ዲሞክራስን ጉዳይ ሓርነት ደቂ ሰባትን ኣብ ዝብሉ ንኡሳን ኣርእስታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ብወገኑ ነቲ “ኣብ ተሓድሶ ሰልፊ እንታይ ክንገብር ንደልን ንኽእልን?” ዝብል ጽሑፍ ብዝርዝር ኣቕሪቡ። ንሱ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ንኣድላይነት ውዳበን ኣተገባብርኡን ምስ ኣብረሀ፡ ብፍላይ ከኣ፡ 1፡ ትርጉም ተሓድሶ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ 2፡ ንዕብየት ሰልፍናን ተቓውሞ ኤርትራን ዝብድህ ዘሎ ጸገማት፣ 3፡ ንኽንህሉን ከነድምዕን ኣብ ውሽጢ ሰልፍና እንታይ ለውጢ ንግበር? መዓስከ?፡ 4፡ ድኹምካብ ክበሃል ዝከኣል ጐድንታት ሰዲህኤ፣ 5፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ እሞ እንታይ ይገብር? ኣብ ዝብሉ ንኡሳት ኣርእስትታት ብኣብነትን ግብራዊ ተመኩሮን ኣሰንዩ ኣብሪሁ።
ድሕሪ እዚ መድረኽ ንተሳተፍቲ ክፉት ምስ ኮነ፡ ተሳተፍቲ፡ እቲ ኣቀራርባ ንጹር እቲ ዛዕባ ድማ ዝርድእዎን ኣብ ክሊ እቲ ዝፈልጥዎ፡ ባዕላቶም ዘጽደቕዎን ንምትግባሩ ዝቃለስሉ ዘለዉን መትከላትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝተሰረተ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሕቶን መልስን እምብዛ ግዜ ኣይወሰዱን። ብኣንጻሩ ነቲ ዕድል ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ምእንቲ ምዕዋት ሰልፍን ድሕነት ሕጊ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓን ቅዋምን ክግበር ዝግበኦ ሓሳባት ኣብ ምቕራብ እዮም ኣተኲሮም። እቲ ብተሳተፍቲ ኣኼባ ዝቐርብ ዝነበረ መርኣያ ድልውነትን ቅሩብነትን ከኣ “ብዘይትካላውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ” ዝዕወት ቃልሲ ከም ዘየለ ብምንጻር፡ ምእንታኡ ሎሚ እውን ከም ቀደም ኣብ መስርሕ ዘጋጥሙና ዕንቅፋታት እንዳኣለዩን ድኽመታት እንዳኣረሙን ዋጋ ክኸፍሉ ድልዋት ምዃኖም ዘነጽር እዩ። ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ከኣ ቅንዕናን ኣድማዕነትን ቃልሲ ካብ ዝግለጸሉ መምዘንታት ሓደ ኣብ ምኽባርን ዘይምኽባርን ሕጊን ቅዋምን ዝምክሮስ ስለ ዝኾነን ናይ ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ሓድነትን ምፍልላይን መንቀሊ ከኣ እዚ ምንባሩን ምህላዉን ኣስሚረምሉ። ኣተሓሒዞም ቅዋምን ሕግን ናይቶም ብኣኡ ዝጭርሑ ዘይኮነስ ናይቶም ብኣኡ ዝግዝኡ ምዃኑ ብትሪ ገሊጾም።
ብዘይካዚ ተሳተፍቲ ኣኼባ መሪሕነት ሰልፊ ኣብ መጻኢ መደባቱ ኣብ ግምት ከእትዎም ዝበልዎም ሓሳባት ኣቕሪቦም። ኣስተምህሮ ዝሃቡ ሓለፍቲ ብወገኖም ነቲ ኣጸቡቑ ዘይነጸረ ዝነበረ ሓሳባት ከነጽሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ከምኡ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ መሪሕነት ብተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሓሳባት መጻኢ መደባቱ ክሕንጽጽ እንከሎ ኣብ ግምት ከእትዎም ምዃኑ ኣረጋጊጾም።
EPDP Chair Holds Electronic Meeting with Party Members in USA and Canada
Written by EPDP NA - Information TeamMr. Menghesteab Asmerom, Chairman of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), who is in six-week duty tour to the United States and Canada, held a teleconference meeting with members across North America on Sunday, 9 July, and updated them on the main issues discussed at the Seattle public meeting of the previous day as well as on the internal situation of the party
The EPDP Chairman seized the opportunity to clarify in great detail the latest developments within the North America branches and announced the designation of a nine-person preparatory committee for the extraordinary congress called for the region.
On its party, the preparatory committee held its first meeting on 10 July and organized itself in three action sub-committees as follows:
1) Sub-Committee for organization and mobilization;
2) Sub-Committee for information and diplomacy/public relations;
3) Sub-Committee for social and financial issues.
The sub-committees are reportedly starting to implement their specific duties with the urgency and dedication required to address a number of pending tasks.
More...
Eritrea
The Observer
Radio Erena: a beacon of hope for Eritrea
Dissent is brutally crushed in Eritrea’s militarised one-party state. But Radio Erena, broadcast from Paris by refugees, has become a symbolic lifeline to those back home who dare to listen
Biniam Simon (left), a former Eritrean state TV journalist, and Fathi Osman, a former diplomat, broadcast Radio Erena from two small rooms in a Paris backstreet: ‘You can’t imagine how important it is. It’s the only thing that gives anyone any hope,’ new arrivals from Eritrea tell them. Photograph: Ed Alcock for the Observer
Rachel Cooke
@msrachelcooke
Sunday 16 July 2017 09.00 BST
Last modified on Sunday 16 July 2017 10.27 BST
Ten years ago, Biniam Simon, a journalist at Eri-TV, Eritrea’s state television channel, was informed by his government overlords that he would, after all, be allowed to travel to Japan to attend a seminar on video production. This, to put it mildly, was surprising. Those who leave Eritrea, a single party state with one of the worst human rights records in the world, usually do so only by clandestine and extremely risky means. But if Simon was astonished, he was also realistic. “They only allowed me to go because they thought there was no way to escape from Japan,” he says. “Japan had agreed I would be returned to Eritrea.” Knowing this, he didn’t allow himself even to toy with the idea of defection. He made no plans. He dreamed no dreams. He hoped only to enjoy a few peaceful days outside the prison of his homeland.
Once he was in Japan, however, everything changed. “Something happened, in my section of Eri-TV,” he says. “A lot of people went to prison. Passwords and email addresses were asked for. Someone tipped me off, and I decided not to go back.” This wasn’t an easy decision. The parents and siblings he was leaving behind would, he knew, pay the price in the form of harassment, or worse, on the part of the government. But no sooner had he taken it than he understood its inevitability.
“At some point, you have to make it,” he says. “[In my job], I was reporting for the president’s office – the meetings of cabinet ministers, and so on – and the more high-profile you become in Eritrea, the more danger you’re in. Make even a technical mistake, and you will be punished. One way or another, I knew I would end up in prison eventually.” In Eritrea’s prisons, makeshift and overcrowded, detention periods are arbitrary; torture and judicial executions come pretty much as standard.
Japan duly refused Simon asylum. But with the help of the French NGO Reporters Without Borders, he made it to Paris, where he has lived ever since. His new life was difficult at first. He knew no one, and spoke not a word of French. He worried constantly about his family who, as predicted, were soon called to explain themselves to the administration. But he also had a plan, and this kept him going. He wanted to set up a radio station, one that would broadcast not only to the sizable Eritrean diaspora in Europe – some 5,000 people leave the country illegally every month – but also, more daringly, to the population of Eritrea itself.
Eritrean refugees arrive in Sicily last November after being rescued from a smugglers’ boat off the coast of Libya. Photograph: Carolyn Cole/LA Times via Getty Images
“I started thinking about it immediately. You have to understand: Eritrea is completely closed. No information is available there at all, about the outside world or what is going on internally. So if you’re an Eritrean journalist, and you make it to a place where so much information is available, the first thing you think is: why not tell people all this? It was the obvious thing to do.”
Simon, who has the slightly distracted air of the true workaholic, took his idea to Reporters Without Borders, and with its support and some funding, he started trying to recruit his first collaborators, a process that was challenging even in Europe, where he began: of the 60 Eritrean journalists who had made it to the continent, most remained too afraid of the government and too worried for their families to work with him at first.
They also struggled to understand the idea of independent journalism: “They thought that you either worked for the government, doing its propaganda, or that you worked for the opposition. They didn’t understand that we just wanted to give people the information, and what they would do with it afterwards would be up to them.”
Still, their reluctance was as nothing compared to the difficulties involved in getting stories out of a country that for almost a decade has sat in bottom place in the Index of World Press Freedom (now only North Korea ranks lower). How would it be done? In the capital, Asmara, the government’s network of informants is so extensive, many people are unwilling to talk politics even with members of their own family.
In the end, most of the diaspora journalists agreed either to use pseudonyms, or to have their stories recorded by someone else. Meanwhile, Simon slowly built up a network of contacts inside Eritrea. Eight years on, and the majority of Radio Erena’s sources in the country are, he says, ordinary people who report with their eyes and ears, sending out tiny but invaluable bits of information almost every day; the remainder work inside government ministries, or, more rarely, on the ground as journalists. In order to protect them, he and his colleagues in Paris – there are now five staff – never share the names of their contacts with one other, and they each use a different system to communicate with their sources: Simon, for instance, uses code to talk to his.
“I don’t know my colleagues’ sources, and they don’t know mine,” he says. This system also helps with the verification of stories: “A colleague can ask his source if he can confirm something my source has heard, and because they don’t know each other, we have a clearer idea of whether it’s likely to be true.” Stories must have three separate sources, no matter how long this might take: “Information can be 10 days old, depending on the electricity supply in Eritrea and the availability of internet. But it is better to wait, and be 100% sure that what you are broadcasting is correct, than to put out rumours. Because if you make a mistake, you may have fallen into a propaganda trap laid by the government.”
The station broadcasts a two-hour programme in Arabic and Tigrinya seven days a week, repeating it several times a day, giving listeners inside Eritrea multiple opportunities to listen (they may do so, in the privacy of their own homes with the shutters closed and the sound turned down, only when electricity is available – which it often isn’t). As well as news about what the regime may be up to, it provides a detailed picture of what is happening to the refugees who are travelling to Europe – when a boat carrying 360 Eritreans capsized off Lampedusa in 2013, a correspondent was immediately dispatched to Italy – as well as features about diaspora success stories, footballers and athletes among them.
It runs smoothly. There is always a lot to tell. Making sure it can be picked up in Eritrea, however, remains a constant struggle. In 2012, the government managed to block it – seemingly unbothered by the fact that in doing so, it also blocked its own television channel (both broadcast on one satellite frequency). It has also successfully jammed it on shortwave, and on at least one occasion has hacked into the Radio Erena website, destroying it completely. “It’s a nonstop challenge,” he says. “We’re constantly fighting them, and it’s getting harder and harder because they are now employing new experts from China and Indonesia.”
But if this is exhausting, it’s also hugely encouraging: “It means that what we’re doing is working. We know this because the government wants us to stop.” In the early days of Radio Erena, there were reports of listeners being sent to prison. The state made an example of people, to discourage others. Now, though, it seems to have accepted that if it wants to close Erena down, it needs to attack the station itself rather than its listeners. Quite simply, they have become too numerous. For obvious reasons, no official listening figures for Radio Erena are available. But when Simon and his colleagues ask new arrivals in Europe how many people back at home are tuning in, the reply is always the same. “You can’t imagine how important it is,” they’ll tell him. “It’s the only thing that gives anyone any hope.”
Biniam Simon: ‘It’s a non-stop challenge.’ Photograph: Ed Alcock for the Observer
Radio Erena broadcasts from two small rooms on a sleepy Paris backstreet – downstairs is the office; upstairs is the studio, a tiny kitchen and a bathroom – the walls of which are decorated with old, sun-drenched posters that advertise, in happier times, the country’s delights for tourists. “Massawa: Pearl of the Red Sea” says one. Another shows off gleaming Asmara, whose well preserved modernist Italian architecture, built after Mussolini’s invasion of Ethiopia in 1935, won the city its listing as a Unesco world heritage site earlier this month. Ask Simon and the others what Eritrea is like, and it’s to these images that they instinctively turn.
“Oh, it’s lovely,” says Fathi Osman, another Erena journalist. “Asmara is more than 2,000 metres above sea level, and the climate is temperate all year round.” He stretches an open palm in the direction of the relevant poster, a gesture that is at once both sweetly proud (come visit!) and unbearably sad (but you never will, and nor can I, for the time being).
Yes, but what’s it really like? They struggle to find the words. “I cannot explain it,” says Simon. “It’s a zombie place. You wake up, you go to the job to which you have been assigned, and then you go back home, and repeat. You cannot lead the life you want to. There are no breaks, no vacations, no social life. It’s really boring. Boredom and fear: a bad combination.”
The mostly young people who slip over the border into Ethiopia or Sudan are risking everything: from there, assuming they avoid being shot by border guards, they will either make the long and arduous journey overland to Libya, from where they hope to reach Europe by sea, or they will travel across the lawless Sinai desert to Israel, where more than 30,000 Eritreans currently reside. But still they do it. According to the UN Refugee Agency, in 2014/2015 Eritreans represented the largest number of asylum seekers crossing the Mediterranean.
“They will say: at least you know when you are dead,” says Osman. “They think even that must be better than life in Eritrea, which is a kind of half-life, a living death.”
Like Simon, Osman, a former diplomat, first left Eritrea with official dispensation, having been posted to Saudi Arabia. His situation, however, was more complicated. His wife and children remained in Asmara: the Eritrean government, primed for defections, requires all diplomatic families to stay at home, seeing them as a kind of emotional collateral. But then his son fell seriously ill. Could his wife now join him in Saudi, so the child could be treated in hospital there? (In Eritrea, there is a severe shortage of doctors.) At first, permission was refused. Then it was given, but only for his wife and the sick boy. When he told the authorities the other children could not be left alone, he did so without any expectation that they would change their mind. To his amazement, though, they did. “My son’s illness was a blessing in disguise,” he says, quietly. This was his moment. In 2012, he left for France, leaving his family in hiding in Saudi Arabia. It was two years before he saw them again, their papers having finally been arranged.
Osman, a gentle-seeming, slow-moving man with a serious coffee habit, is the author of From the Dream of Liberation to the Nightmare of Dictatorship, a book (written in Arabic) in which he attempts to trace the roots of Eritrea’s descent into totalitarianism. “I wanted to answer the question: how did all our hope and inspiration end up here?” he says.
In his mind, Eritrea’s liberation from Ethiopia, the country from which it finally won independence in 1993, and its subsequent authoritarianism are inextricably linked. “Eritrea, a small country, achieved one of the most formidable victories in the history of the world,” he says. “We defeated Ethiopia, an African superpower. We crushed it! But in this very victory the seeds of dictatorship were planted. Now, there was a community of fighters who believed they could do anything, without help from any other country. We absorbed the mindset of the militarists entirely. We ended up fighting everyone. The gun has been everything ever since.”
It was 71-year old Isaias Afwerki, the president since 1991, who led the country to victory against Ethiopia, after a war lasting 30 years. As the leader of the Eritrean People’s Liberation Front, he promised not only hope and autonomy, but elections, too. These never came. The EPLF was renamed the People’s Front for Democracy and Justice, and it is now Eritrea’s only legal political party. All other political activity is banned; the country is estimated to have at least 10,000 political prisoners. Dissent is increasingly rare.
Photograph: Ed Alcock for the Observer
In 2001, a group of Afwerki’s closest associates, unsettled by the sparking of another border dispute with Ethiopia – relations between the two countries continue to be extremely tense – confronted the president, accusing him of mishandling the latest conflict; and in 2013, a group of soldiers took over the HQ of Eri-TV, calling for the release of political prisoners and the implementation of the constitution. But on both occasions, those involved were swiftly rounded up and imprisoned. The opposition is now restricted to an organisation known as Freedom Friday, which quietly puts up posters and scrawls political graffiti on banknotes. “It really takes the form of the 5,000 people who leave every month,” says Osman. “They’re the opposition.” Eritrea, which has a population of 6 million, is one of the fastest-emptying nations in the world. The diaspora is now half a million strong.
Afwerki’s oft-stated raison d’etre is the survival of his young country, which he regards as being eternally under threat – not at war, but never at peace either – and it is one that the people took at face value at first. “What makes him different from other dictators is that his lifestyle is not lavish,” says Simon. “He wants to look like one of the people, a working-class man, and in the beginning, we thought he and the others would make Eritrea great. People worked for free, including me: I did for two years. Everyone did, to build the country.” In this sense, the population’s eyes were wide open. “We saw what was happening. I can say that everyone did. But it was a new government, and those in power had no experience of civilian office, so when they made mistakes, we said: ‘OK, it’s not a big deal. They’re learning. Things will get better.’” By the time people were prepared to admit to themselves and each other that things were not getting better, it was too late to say so out loud.
Most asylum seekers cite conscription into the army as their primary reason for leaving Eritrea. In 2002, the statutory requirement of 18 months of military service for men and women – a period that begins when students are in the last year of their secondary education – was extended to become, in practice, indefinite, with the result that many people now serve well into their 50s. A UN commission has called the Eritrean army “an institution where slavery practices are routine”. The pay is minimal (around £30 a month), leave is rarely given, and conscripts remain away from home for years at a time.
Soldiers are also subject to torture, sexual torture, arbitrary detention and forced labour. The country’s mining industry is, for instance, serviced by military personnel. Conscripts also clean the streets. In effect, the entire country is a vast military camp.
In the face of such misery, how may the Eritrean people comfort themselves? Not by practising their religion, that’s for sure. The government is reported to persecute “suspect” Muslims – a term that may extend both to those it regards as extremists, and to non-Sunnis – and the Christian denominations it does not officially sanction. Some 3,000 Christians are currently imprisoned in the country (around 200 were reportedly arrested this month alone, including 20 children). The Eritrean Orthodox Church is recognised, but Abune Antonios, its 89-year-old patriarch, who was deposed by the government in 2007 after he demanded the release of imprisoned Christians, has been under house arrest for the past 10 years.
Even family life is less of a balm than it might be. People are reportedly not permitted to meet in groups larger than two, and travel permits are required to move around the country. Thanks to conscription, every family is always missing someone, and those left behind struggle to make ends meet, particularly in agricultural communities, where labour is so vital.
Eritrea’s President Isaias Afwerki, pictured in Sudan last year. Photograph: Mohamed Nureldin Abdallah/Reuters
Above all, people are afraid to talk freely – and so it is that the bonds weaken, and sometimes break. Simon speaks to his mother only rarely. What is there to say? “You have to be so careful,” he tells me. “Sometimes, I can’t see the point of calling at all.
Do he and Osman have it in them to feel hopeful about Eritrea’s future?
“If you don’t have hope, you’re dead,” says Simon. “Nothing is for ever.” But he doesn’t look hopeful, and as he readily admits, even if the regime were to fall, worse could follow.
“There is no working parliament, no vice president and no organised opposition. When the president goes, there will be… chaos.” Is the current government susceptible to pressure from outside? Osman believes not: “He [Afwerki] regards the rest of the world with disdain.”
In 2009, when the president was asked by a Swedish TV channel about Dawit Isaak, the Swedish-Eritrean journalist who has been imprisoned without trial since 2001, his reply was chilling. “We will not have any trial and we will not free him,” he said. “We know how to handle his kind.” He added that he regarded the position of Sweden on this matter as “irrelevant”.
All they can do, then, is to continue their work at Radio Erena. In the beginning, the challenge was to get people to listen. Then it was to get them to discuss what they heard. Now, they would like to expand their coverage, by hiring journalists in other north African countries.
“If something happens to your neighbour, it will affect you,” says Simon. “Eritrea is already involved in the conflict in Yemen [where its forces are fighting on behalf of the Arab coalition].” To those who say journalism no longer matters, here it is, mattering very much indeed.
Are they homesick? Yes, though this isn’t a straightforward thing, particularly for Simon.
“I don’t live in France,” he says, with a low laugh. “Physically, I am here, of course. But I live in Eritrea. I wake up and I come here and I stay late, and then I go home and sleep. That’s all. All day long, I’m with Eritreans, talking about Eritrea.”
It is what he needs to do, but it doesn’t make him any happier. Life is lived in limbo nevertheless. “Sometimes, I feel sad. I want to see places, to take pictures with a camera. But the furthest I go is the coffee shop at the end of the street.”
The UK charity One World Media presented its 2017 special award to Radio Erena last month.
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ብቀዳም ዕለት 15 ሓምለ 2017 ኣብ ከተማ ዊኒፐግ፡ ካናዳ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።
ብቐዳምነት፡ ሓው ናይዝጊ ባህላይ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ ዊኒፐግ፡ ንኣኼባ ብዝኽሪ ናይ ሰማእታት ከፊትዎ። ኣስዒቡ ድማ፡ ንኣኼበኛታትን ንመራሕቲ ኣኼባን ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩምን ናይ ምስጋና መልእኽቲ ኣቕሪቡ። ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓው መንግስተብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ድሕሪ ምግላጽ ድማ፡ መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣመሓላሊፍዎ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ንሰዲህኤ ምስ ኣኼበኛታት ድሕሪ ምልላይ፡ ብሰልፊ ዝካየዱ ዓበይቲ ንጥፈታት ሓጺር መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ሰዲህኤ፡ መስራቲ ኣባል ናይ’ቲ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ሰልፍታት ዝኣባላቱ ገስጋሲ ምሕዝነት ምዃኑ ሓቢሩ። ከምኡ’ውን፡ ምስ መራሕቲ መንግስታትን ሰልፍታትን ዓለም፡ ምስ ኣህጕራዊ ትካላትን ብኣካል ብምርኻብን ብመዘክራትን ኣቢሉ ንሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ምስ ወጻእተኛታት ንምፍላጥ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ከምዝገብር ኣረዲኡ።
ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ድማ፡ ነቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ካብ 600-800 ዝዀኑ ህጻናት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ናይ ምክያድ ምሉእ ሓላፍነት ተሰኪሙ ይጓዓዝ ምህላዉ ኣረዲኡ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ምስ ኣሰን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ዝተባህሉ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር ከምዘካይዶ ድማ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ነዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ እግሪ ኣብ ምትካል፡ ሆላንዳውያን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ነፍስሄር ኣባ ማሪኖን ምሕዝነት ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራን ዝተጻወትዎ ተራ ዘኪሩ።
ኣስዒቡ ብመደብ ናይ ርሑቕ ወላዲ ዝጽዋዕ፡ ንዓቕሚ ዘይብሎም ኤርትራውያን ህጻናት ኣብ መደበራት ስደተኛታት ከምመጕዚት ወይ ወለዲ ኰይኖም ዝሕግዝዎምን ዘምህርዎምን ገበርቲ ሰናይ ዝዀኑ ኤርትራውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ውልቀሰባት ብምውዳድ ዝካየድ ንጥፈታት ከምዘሎ ሓቢሩ።
ብመዳይ ህዝባዊ ዕዮ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ ብደረጃ ጨናፍርን ዞባታትን ዝተሰርዑ ኣባላት ምህላዎምን፡ ኣብ ዜናዊ መዳይ ዝጥቀመሎም መሳለጢታትን ዝጻወትዎ ንህዝቢ ናይ ምጕስጓስን ምጥርናፍን ስርሓት ብዝርዝር ሓቢሩ።
ኣስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ከተማታት ኦክላንድ፡ ሳንዲየጎ፡ ቺካጎን ስያትልን ዘቕረቦ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝምልከት እማመ ብሰፊሑ ንኣኼበኛታት ድሕሪ ምቕራብ፡ ናይ ሕቶን መልስን ርእይቶን ምሃብ መድረኽ ተኸፊቱ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ድማ ተሓባቢሮም ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልስታትን ሂቦምን ካብ ህዝቢ ዝቐረበሎም ለበዋታትን ርእይቶታትን ድማ ሰሚዖም።
ኣኼበኛታት እውን ብዝተዋህቦም መግለጺታት ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጾም፤ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ብቐጻልነት ክካየድ ድማ ተላብዮም።
ብ13 ሓምለ 2017 ከኣ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን፡ ኣብ ከተማ ሳስካቱን ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ተራኺቦም፡ ብዛዕባ ሃለዋት ህዝብናን ደምበ ተቓውሞናን ዓሚቝን ጠቓምን ዝዀነ ምይይጣት ኣካይዶም ኢዮም።
ኣብ ከተማ ደንቨር ብድምቀት ተኻይዱ።
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፣ ግዱሳት ገዳይም ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ዳግመ-ርክብ ዝጽምበለሉ መድረኽ ንኽፍጠር ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብዝወሰድዎ ተቦግሶ፣ በብዓመቱ ክካየድ ጸኒሑ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ከተማ ደንቨር፣ ኮሎራዶ ንሓሙሻይ እዋን ካብ 30 ሰነ ክሳብ 2 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ተኻይዱ።
5ይ ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ጀብሃ ብጻዕሪን ተወፋይነትን ናይ ውሑዳት ብወለንትኦም ዝቖሙ ሽማግለ፣ ብፍላይ ድማ በቲ ዘይሕለል ውፉይ ገዲም ተጋዳላይ ጸጋይ ነጋሽ ተመሪሑን ተሰናዲኡን ብዓወት ዝተዛዘመ ውራይ ንዘይተሳተፉ ዝሕብር ጽማቝ ሓበሬታ ቀጺሉ ቀሪቡ እነሆ።
ኵልና ከም እንፈልጦ ተ.ሓ.ኤ. ንጠቕላላ ባህላውን ዞባውን ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ሓቝፋ ዘሳተፈትን ብመትከል ሃገራዊ ናጽነት ዘቃለሰትን ውድብ’ያ ነይራ። እቶም ናብ ዳግመ-ርክብ ክሳተፉ ዝመጹን ዝመጻን ገዳይም ተጋደልትን ኣባላት ህዝባውያን ማሕበራታን፣ ንብዙሕነት ዝውክል ብምንባሩ፣ ንታሪኻዊ ኣቕዋማን ጉዕዞኣን ዘንጸባረቐ ህሞት ነይሩ ክንብል ከለና ዝተጋነነ ኣይኰነን። ነዚ ክውንነት’ዚ ክንጠቕሶ ዘገደሰ ምኽንያት፣ ንናይ ህዝብና ሓድነት ብብዙሕነት ከምብሌን ዓይንና ስለ ንቖጽሮ ካብምዃን ሓሊፉ ካልእ ምስጢር የብሉን።
እቲ ዝተሳተፈ ቍጽሪ ምስ ብዝሒ ገዳይም ተጋደልቲ ጀብሃ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ውሑድ ይኹን’ምበር፣ ካብ ዝተፈላለያ ስተይትስን ከተማታትን ተጓዒዞም ብምምጽኦም ዘተባብዕን ዘሐጕስን ምንባሩ ኣብቲ ውራይ ዘንጸባረቐ ስምዒት’ዩ። ኣብ ርእሲ ተቐማጦ ደንቨር ካብ ካሊፎርንያ፣ ላስቨጋስ-ነቫዳ፣ ጆርጅያ፣ ኦረጎን፣ ስያትል፣ ኮሎምቡስ ኦሃዮ፣ ቺካጎ፣ ሚነሶታ፣ ሚቺጋን ከምኡ’ውን ካብ ጀርመን ኣስተምህሮ ክህብ ተዓዲሙ ዝመጸ ሚስተር ጉንተር ደሚርካ ዝተኣከቡ ተሳተፍቲ እዮም ነይሮም።
ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ደንቨርን ዝተፈላለያ ስተይትስ ዝመጹ ተሳተፍቲ ኣብ ኣዳራሽ ደንቨር ኮምዩኒቲ ሕድሕድ ክላለዩን ተዘክሮታቶም ከዕልሉን ኣምስዮም። ቀዳም ንግሆ ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ ቅደም ተኽተል ብኣሳናዳኢ ሽማግለ ዳግመ ርክብ ዝተዳለወ መደብ ይጅመር፡ ነቲ መደብ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ብምባል ዝኸፈተን ዝርዝር መደባት ዝሓበረን ገዲም ተጋዳላይ ጸጋይ ነጋሽ እዩ።
ጸጋይ ነጋሽ፡ ድሕረ-ባይታ ማሕበር ዳግመ-ርክብ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃን ንመጻኢ ተወጢኑ ዝስርሓሉ ዘሎ ናይ ታሪኽናን ተሞክሮናን ስነዳን ምህናጽ መርበብ ሓበሬታን (ወብሳይት) ብዝርዝር ኣብሪሁ።
ኣስተምህሮ ዘቕረቡ ካብ ጸጋም ንየማን፡ ዓብደላ ሱሌማን፡ ዶክተር ኣንገሶም ኣጽብሃን ዶክተር ግርማይ ነጋሽን፡ ሕድራይ ፍስሃ፡ ሚስተር ጉንተር
ኣብ 5ይ ዳግመ-ርክብ ዕዱም፣ ናይ ተ.ሓኤ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ዓብደላ ሱለማን ናይ ተሞክሮኡ ቃል ክቕርብ ከሎ፡ “መድረኽ ዳግመ-ርክብ ተጋደልቲ ፈጢርኩም ታሪኽን ተሞክሮን ቃልስና ንምስናድ ከተካይድዎ ዝጸናሕኩም መደብ ዋላ’ኳ ክሳተፎ እንተዘይከኣልኩ ይከታተሎ ነይረ እየ። ንተበግሶኹምን ጻዕርታትኩምን ድማ ዘሎኒ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ከይገለጽኩ ክሓልፍ ኣይደልን” ብምባል’ዩ መደረኡ ጀሚሩ። ኣብ ስሳታት ተሰሊፉ ከም ተራ ተጋዳላይ ቀጺሉ ድማ ከም ካድርን ኣባል መሪሕነት ውድብን ኰይኑ ኣብ ዝተፈላለየ መኣዝናት ሜዳ ኤርትራ ተንቀሳቒሱ ዘካየዶ ቃልሲ በብመድረኹ ተንቲኑ ብምቕራብ ተሞክሮኡ ኣካፊሉ። ድሕሪ ተደፊእና ሱዳን ምእታውና፣ ርክብ ዘይብለይ ንበይነይ እየ ዝነብር ነይረ፡ ሎሚ ግን ኣብ መንጎ ኣሕዋተይን መቓልስተይ ዝነበሩን ክርከብ ከለኹ ንዓይ ፍሉይ ስምዒት’ዩ ዝህበኒ፡ ብሓቂ ድማ ተስፋ ገይረ። ኣነ ብዝከእለኒ ነቶም ኣብ ቃልሲ ዝፈልጦምን ዝረኽቦምን ናብዚ ኣገዳሲ ዳግም-ርክብ ተ.ሓ.ኤ. ንኽሳተፉ ክሕብር’የ ክብል ተመባጺዑ።
ዓብደላ ብዛዕባ’ቲ ቅድሚ’ቲ ኣብ 1971 ዝተፈጸመ ናይ ተ.ሓ.ኤ. 1ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዝካየድ ዝነበረ ወተሃደራዊ ዋዕላታት ዓራዳይብ፣ ዓንሰባ፡ ኣዶብሓን ዓዋተን፡ ካብ ምፍንጫል ንምድሓንን ሓድነት ጀብሃ ንምዕቃብን ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታት ብዝርዝር ገሊጹ። ኣብ ዘመነ ክፍልታት ናይተን ክፍልታት ዘይምስምማዕ ምስተራእየ፣ ኢስላሕ (ምእራም) ዝብል ምንቅስቓስ ኣበጊስና ኣብ ጉባኤ ዓዋተ ንሓድነት ዝምልከት ውሳኔ ኣሕሊፍና። ብመሰረት ውሳኔ ጉባኤ ዓዋተ ፣ ኣነ ሳልሳይ ርእሰይ ንኢሳያስ ኣብ ናይ ተ.ሓ.ኤ. 1ይ ሃገራዊ ጉባኤ ክሳተፍ ዝዕድም ደብዳበ ሒዘ ከይደ ረኺበ ሂበዮ፡ ናይ ኢሳያስ መልሲ ግን ፣ “ኣነ ዝገርመኒ ንስኻ ኢስላሕ ጌርካ ክትእርሞ ዘይከኣልካ፣ ንዓይ እተዎ ትብለኒ፡ ኣነ ምስዚ መሪሕነት’ዚ ክሰርሕ ኣይክእልን’የ፡ ኣነ ኣይተፈንጨልኩን” ዝብል ነይሩ።
ብዛዕባ ድሕሪ 1975 ናይ ተ.ሓ.ኤ. 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ከም ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ኰይኑ ዝተመዘዘዘሉ መደብ’ውን ብዕምቆት ዘትዩ። ገለ ካብቲ ብዝርዝር ዘቕረቦ፡
⦁ ኣብ የመን ተቐባልነት፣ ፍሉይ መደበራትን ሓገዝን ተዋሂቡና ነይሩ፡ ዕላማና ከም ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ይፈልጡዎ፡ ዓረብ ኢኹም ዝብል ቅድመ ኵነት ሰሚዕና ኣይንፈልጥን።
⦁ ኣብ ወጻኢ ካብ ንረኽቦ ዝነበርና ሓገዝ 75 – 80% ንሰራዊት ሓርነት ዘድሊ ነገራት ክቕረበሉ ናብ ሜዳ ይኣቱ ነይሩ፡
⦁ ንኤርትራ ከባቢ ሃገራት ጸሊአንኣ፡ ህዝባ ግን ፈትዩዋን ተቓሊሱ’ውን ሓራ ኣውጺእዋ
⦁ ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት ኣነን ዮውሃንስ ዘርእማርያምን ዝኸድናዮ ምስጢራዊ ኣኼባ ኣብ ሶቭየት ሕብረት ነይሩ፡ ኣቀራርብኦም ግን “ደርጊ ገስጋሲ ስርዓት ስለዝዀነ ምስኡ ክትሰማምዑ ዝብል’ዩ ነይሩ”፡ ናትና መልሲ ግን “ሕቶና ሕቶ መግዛእቲ ስለዝዀነ ጎደሎ ናጽነት ኣይንቕበልን” ዝብል ስለዝነበረ ብዘይ ዝዀነይኹን ስምምዕ ተመሊስና፡
⦁ ኣብ በርሊን ሻዕብያን ኢትዮጵያን ኣርባዕተ መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ ከምዝነበረ ዝፈለጠ ኣምባሳደር ናይ የመን፣ ከድኩም ተሓወስዎ ክብል ምስሓበረና፣ ኣነን ስዉእ ኣዜንን ዘለዎ ልኡኽ ኬድና፡ ኣብኡ ምስበጻሕና ንዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር፣ ሮሞዳን ሓመድኑር ተራኺበ፣ ቅዳሕ ናይ ዘቕረብዎ እማመ 60 ገጽ ዝሓዘ ጽሑፍ ሂቡኒ፣ ኣብቲ ኣኼባ ተሳቲፍና፡ ትሕዝቶ ኣኼባ ሕጂ’ውን “ደርጊ ገስጋሲ ስርዓት ስለዝዀነ ምስኡ ክትሰማምዑ ዝብል ኰይኑ ኣብ ክሊ ኢትይጵያዊ ሃገርነት ዝመሰረቱ ነይሩ”፡ መልስና ድማ ዕላማና ንምሉእ ሃገራዊ ናጽነት ምዃኑን ነዚ እትብልዎ ዘለኹም ተቐቢልና እንተኼድና፣ ኣብ ውድብና ዝተርፍ ሰብ ኣይክህሉን’ዩ፣ ንዓና’ውን ብመኪና ክጎቱና እዮም፡ ንሕና ልኡኻት ድኣ’ምበር ወዳእቲ ስለዘይኰንና እማመኹም ናብ መሪሕነት ውድብ ኢና ነሕልፎ” ምስ በልናዮም፣ ናይ ኢትዮጵያ ልኡኽ መራሒ፣ ብርሃኑ ባየህ ካብ ምፍጣጥ ሓሊፉ ጸሪፉና’ውን”፡ ብርሃኑ ክጸርፈና ዝተሃንደደ ንሻዕብያ ከስምዕ ስለዝደለየ ምንባሩ ተረዲኡና።
⦁ “ጀብሃ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ኣትዮም ሓቢሮም ክሃርሙና ስለዝተበገሱ ሃሪምናዮም” ዝብል ክሲ ናይ ሻዕብያ ብኸመይ ተብርሆ ንዝብል ሕቶ፡ ዓብደላ “ንሕና ዝኣቶናዮ ስምምዕ ፍጹም ኣይነበረን” ብምባል ንጹር መልሲ ሂቡሉ።
ብምምሕዳር ከተማታት ዝፍለጥ፣ ኣብ ውሽጣዊ ስርሒታት ከተማታት ዝቃለስ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ሕድራይ ፍስሃ ብወገኑ ተሞክሮኡን ተዘክሮታቱን ብዝርዝር ንኣኼበኛ ኣካፊሉ። ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ጽንኩር ዝገብሮ ካብ ዝነበረ ክዝክር ከሎ፡
ብጸላእን ህዝብን ስርሒታትና እናተፈልጠን ንሕና’ውን ብቐሊሉ ንልለ ኣብዝነበርናሉ እዋን ንሜዳ ንወጽእ፣ ታዕሊም ወዲእና ኣብ ሜዳ ካልእ መደብ ክንወስድ ኣይክኣልን ነይሩ፡ ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ስርርዕ እትፈልጥዎ ንስኻትኩም ስለዝዀንኩም መደብኩም ትምለሱ ንብሃል ናብኡ’ውን ንምለስ፡ ብኸምኡ ዝጠፍኡ ብጾት ክዝክር ከለኹ ድቃስ’ዩ ዝኸልኣኒ ብምባል ብጅግንነት ዝተሰውኡ ተቓለስትን ዝተገብረ ስርሒታትን ብዝርዝር ኣቕሪቡ።
ኣብ ናይ ኣመሪካ ኮለጃት ዝምህሩ ፕሮፈሶራት ኣንገሶም ኣጽብሃን ግርማይ ነጋሽን፣ ንተሞክሮ ሰውራናን ስነጽሑፍን መሰረት ዝገበረ፣ ብመልክዕ ቃለ መሓትት ኣስተምህሮ ንኣኼበኛ ኣቕሪቦም። እቲ ምይይጥ ካብቲ ዶክተር ግርማይ ነጋሽ ዝጸሓፎ መጽሓፍ “መገዲ ዓድና” ዝምንጩን ሓፈሻዊ ታሪኻውን ስነፍልጠታውን ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ስነጽሑፋት ኣመልኪቶም ካብ ዝገለጽዎ ገለ ንምጥቃስ፡
⦁ ተሞክሮ ክግለጽ ከሎ፡ እንታይ ከምዝነበረን ዝተገብረን፣ መዓስን ኣበይን፣ ተዋሳእትን ዘማልአ ክኸውን ይግባእ
⦁ ታሪኽ ብመን ይጽሓፍ ዝብል ሕቶ፣ ብዝሰዓረ እዩ ዝብሃል ሓቅነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ታሪኽ ባርነት ኣብ ኣመሪካ በቶም ወነንቲ ባሮት’ዩ ዝጸሓፍ ነይሩ፡ ጸለምቲ ምስተማህሩ ታሪኾም ተመራሚሮም ጽሒፎሞ ኣለዉ። ህዝባዊ ግንባር ንጀብሃ ሞያኣ ይትረፍ፣ ህልውንኣ’ውን ብምኽሓድ፣ ሓቀኛ ታሪኽ ክድምስሱ ይፍትኑ፡ እንተዘይተሰኒዱ ድማ ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም።
⦁ ኣብ ኣስመራ ነቲ ዝነበረ ስነጽሑፋት ከም መወከሲ ክህሉ መንግስቲ ኣይፈቅድን፡ እቶም ገለ ጸሓፍቲ ንመንግስቲ ከየቐይሙ ርእሰ-ሳንሱር ይገብሩ እዮም
⦁ ንመጻኢ ወለዶ ከነውርስ ክትብል ከሎኻ፣ ብዛዕባ ሕሉፍን ህልውን ክትፈልጥን ክትሳተፍን ይድለ
⦁ ንጀብሃን ህዝባዊ ግንባርን ዘቖመ ህዝቢ እዩ። እቲ መደብ ዕዮታት’ውን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ውጽኢቱ ግን ንረብሓ ህዝቢ ኣይወዓለን
⦁ ስርዓት ክንቅይር ዝተቐረበ መተካእታ ኣይንርእን፡ ዕዮ ገዛ ቀዳምነታት ሓድነትን ልፍንትን ኣቐዲሙ ክዳሎ ይድለ
⦁ ተሞክሮና ኣብ ወተሃደራዊ ዘተኮረ ስለዝነበረ፡ ህዝቢ ክስዕቦ ዘገድድ’ምበር ብዕግበት ኣይነበረን
⦁ ሃይማኖት ንሓርነት ናይ ህዝቢ ክቃለስ ቅኑዕ’ዩ። ሃይማኖታት ሃገርና (ኣስላም ይኹን ክርስትያን) ሓቀኛ ጠበቓ ናይ ህዝቢ እዩ፡ ንህዝቡ መግቢን ኵሉ ንህይወት ዘድልዩ ነገራት ክቕረበሉን ስነምግባር ክኸብርን ክጣበቕ ቅኑዕ’ዩ
⦁ ሕጊ እንዳባ ተመሊስና እንተርኢና፣ እቲ ዘድልየና ሕግታት ኣብኡ ኣሎ።
ሚስተር ጉንተር ሽሮደር (ጀርመናዊ) ንልዕሊ 50 ዓመታት ብዛዕባ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ኤርትራ ዝተኸታተሎ፣ ዓሚቕን ዝርዝርን ኣፍልጦኡ ንኣኼበኛ ኣቕሪቡ። ጉንተር ኣብ ኵሉ መድረኻት ዝነበረ ቃልስታትን ዝነበሩ ተዋሳእትን ብዝርዝር ከቕርብ ከሎ፣ ኣፍልጦኡ ልዕሊ ዋናታት ታሪኽ ኰይኑ ስለንረኽቦ ብዙሕ ኣድኒቕናዮ። ጉንተር ካብ ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ምትንታን ሰጊሩ ሕጂን ንመጻእን ብደለይቲ ለውጢ ክግበር ዘለዎ፣ መጀመርያ ምጥርናፍ ሓይልታት ኤርትራ ምዃኑ የስምረሉ።
ድሕሪ ድራር ብወይዘሮ ኪኪ ጸጋይ ዝተለገሰ ሕብስቲ ሽኮር ተቖሪሱ ተዓዲሉ፡ ንገለ ሰዓታት ብወናማት ደረፍቲ ዝተሰነየ ባህላዊ ጸወታን ሳዕስዒትን ተኻይዱ።
ንጽባሒቱ ማለት ሓምለ 2፣ ኣብቲ ብዋና ረስቶራንት መስከረም ንኽሎም ኣባላት ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ዝተዳለወ ግብዣ ውዒልና። ድሕሪ ቍርሲ ውራይ 5ይ ዳግመ-ርክብ ከመይ ከምዝሓለፈ ንምግምጋምን ካብዚኸ ናበይ ንምምይያጥን ኣኼባ ተኻይዱ። ንብማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ዝናበዩ ናይ ሓርነት ስንኩላን ንምሕጋዝ ሓደ ካብ ዕማም ናይ ዳግመ-ርክብ ስለዝዀነ፣ ተሳተፍቲ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ወፍዮም። ዽሕሪ ኣኼባ ምሳሕን ዕላላትን ውዒሉ እዋን ድራር’ውን ኣርኪቡና። ዋና ረስቶራንት ኣቶ ኣለም ስዩም ምስ ስድራኦምን ሰራሕተኛታቶምን መግብን መስተን ከሳስዩ ውዒሎም። ብምሉኡ ድማ ብናይ ረስቶራንት ሕሳብ ወጻኢ፣ ኵሎም ኣጋይሽ ድማ ብናጻ ተኣንጊዶም። ኣጋይሽ ንዝተገብረሎም ልግሲ ኣመስጊኖም። ብዘይካ’ዚ ጸጋይ ነቶም ዝተፈላለየ ናይ ገንዘብ ወጻኢ ዘድልዮ ዕማማት ዝወፈዩ ግዱሳት ባእታታት ኣስማቶም ብምሕባር ኣመስጊኑ።
መደምደምታ፡
ከም ኵሉ ዝተፈላለየ ዳግመ ርክባት፣ ማለት ደቂ ቤት ትምህርቲ ወይ ደቂ ማሕበር ዝነበሩ ዝገብርዎ ርክብ፡ ኣብ ቃልሲ ንሃገራዊ ናጽነት ብሓባር ተቓሊሶም እጃሞም ዘበርከቱ ዳግመ-ርክብ ብምግባር ብዛዕባ ተሞክሮኦምን ተዘክሮታቶምን ከዕልሉን ክመያየጡን ምኽኑይ እዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ብዛዕባ ዘፍቅርዎ ሃገሮምን ህዝቦምን ኣልዒሎም ብመንጽር ዝተቓለስሉ ዕላማ ኣብ ምንታይ ኵነታት ከምዝበጽሐን ህልዊ ኵነታትን ካብ ቀንዲ ዝመያየጥሎም ዛዕባታት’ዮም። እወ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጹ ኵልና እንሕበነሉ እዩ፡ እንተዀነ ግን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረላ፣ ብቕዋማዊ ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር፣ ራህዋ፣ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና ሃገር ክትኰነሎም ዝበሃጉዋን ዝተቓለሱላን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ኢሳያስ ትሳቐ ምህላዋ ዘሕዘኖምን እንታይ ይገበር’ውን ካብ ዝተመያይጥሉ ኣርእስቲ እዩ ነይሩ።
ክስለፉ ከለዉ መብዝሕትኦም መንእሰያትን ተመሃሮን ዝነበሩ ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ዝበርሑን ዝሰየቡን ሽማግለታት’ዮም። ገለ ካብኦም ተማሂሮም ገለ’ውን ካብ ዝተዋፈርዎ ስራሓት ፍልጠትን ሞያን ዘጥረዩ እዮም። ገለ ክሳብ ዝልዓለ ትምህርቲ ዝተኸታተሉን ዝሰርሕሉን ክዀኑ ከለዉ፣ ገለ’ውን ናይ ገዛእ ርእሶም ስርሓት ዝፈጠሩን ንግዲ ዘካይዱን ከምኡ’ውን ናይ መራኸቢ ብዙሃን መርበብ ገረገር ዶት ኮም ዘመሓድር ንደለይቲ ፍትሒ ርእይትኦም ከቃልሑ ብነጻ ዘአንግድ ኣብቲ ውራይ ካብ ዝተሳተፉ ነይሩ።
ምናልባት ኣቀራርባ’ዚ ጽሑፍ ንተባዕታይ ጾታ ጥራይ ዝወከለ እንተመሲሉ፤ ክቡራት ገዳይም ተጋደልቲ ኣሓትና’ውን ስለዝነበራኦ ንዅሉ ጾታ ከምዝውክል ጌርኩም ክትርድእዎ አዘኻኽር።
ንዓመታ ኣብ ተመሳሳሊ ውራይ ብሰላም የራኽበና!!!!!!!!!!
ተሳታፊ 5ይ ዳግመ-ርክብ
ፍስሃየ ሓጎስ