ፈስቲቫል ፍንክፎርት 2017 ኣብ ቅርዓት ፍጹም ዓውደ ትግባረ
Written by ዜና ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልብሓልዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰዲህኤ ኣብ ኤውሮጳን ዝዳሎ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ካብ ዕለት 04-06 ነሓሰ 2017 ኣብ ኣደራሽ ዩንቨርስቲ ቦኮንሃይም ቫርተ (Johann wolfgang Goethe –Universität, Mertonstr. 26-28, 60325 Frankfurt am Main) ከተማ ፍራንክፎርት ኣብትሕቲ ‘‘ሓቢርና ንቃለስ፡ ምልኪ ክድምሰስ‘‘ ዝብል ጭርሖ ዝውዕል፡ ምድላዋቱ ወዲኡ ኣብ ቅርዓት ፍጹም ዓውደ ትግባረ በጺሑ ምህላዉ ኣቦ-መንበር ኣሳናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል ሓቢሩ። ፈስቲቫል ዓርቢ ንጉሆ ብምቕባል ኣጋይሽ ዝጅምር ኮይኑ፡ ድሕሪ ቀትሪ ብመምህር ድራር መንታይን ጎይትኦም መብራህቱን ዝተዳለወ ብጽሒት ዲሞክራሲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘገንዝብ ኣስተምህሮ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ክቐርብ ከምዝኮነ‘ውን ተሓቢሩ ኣሎ። እዚ ኣስተምህሮ‘ዚ ብራፍቶ RAFTO Foundation for Human Right ዝተባህለ ዲሞክራሲ ንምንጋስ ዝጽዕት ናይ ኖርወይ ትካል ክጉስጎሰሉ ዝጸንሐን ዘሎን መደብ ናይ ምልመላ ኮይኑ፡ በዞም ክልተ ዘይሕለሉ ብጾት መማህራንን ካልኦት ነቲ ዕድል ዝረኸቡን ኣቢሉ ድማ ናብ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2017 ይበጽሕ ምህላዉ እዩ።
ድሕርዚ፡ እቶም ወናማት ሙዚቐኛታት ንብዙሕ ካብ ናይ ኤርትራ ባህልታት ዘንጸባርቕ ጸወታን ትልሂትን ክህሉ ከምዝኮነ ሓው መድሃኔ ህብትዝጊ ኣዋሃሃዲ ባህላዊ ጉዳያት ፈስቲቫል 2017 ኣሚቱ ኣሎ። ብፍላይ ካብ ኖርወይ ዝመጽእ ሙዚቐኛ ሓው ብዝተፈላላየ ኤርትራዊ ዜማታት ከጻውት ተዳሊዩ ምህላዉ ሓቢሩ።
ቀዳም ዕለት 05 ነሓሰ ብመግለጺ ተወከልቲ ጀርመናውያን ሰልፍታት ዝጅምር ፈስቲቫል ፍንክፎርት 2017፡ ብወከልቲ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራት ብሓፈሻ ዝቐርብ ናይ ምሕዝነት መግለጺታትን ኣስተምህሮን ግጥምታትን ክስነ ከምዝኮነ ኣዳለውቲ በዓል ሓቢሮም ኣለዉ።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ጀርመን ካብዘለዉ ተወከልቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ማሕበራትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ኣልናህዳ ኤርትራ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፡ መርበብ ኤርትራውያን ዲቂ ኣንስትዮ ጀርመን፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ስምረት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን መድረኽ ኤርትራውያን ንዘተን ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ዘቕርብዎ መግለጺታት ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ብዘይካዚ ምትእስሳር መንእሰያትን ሰልፊ ህልዊ ኩነታት ኣሰላልፋ ደምበ ተቓውሞን ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ቃልስን ጸገማቱን ዝድህስስ ኣስተምህሮ ሓዘል ድራማታት ኣዳልዮም ኣለዉ። ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ እውን ንሕሰማት ኤርትራውያት ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘመልከተ ዝተፈላለየ ምድላዋት ጌርና ኣለና ክትብል ወይዘሮ ኣልጋነሽ ኢሳቕ ሓቢራትና ኣላ።
ሰዲህኤ ካብ ዝምስረት፡ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ክዳሎ ዝጸንሐ ዓመታዊ ፈስቲቫል ብዝተፈላለየ ጭርሖታት ዝሓዘ ኣርማታትን ምልክትን ክውቅብ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። ናይ ሎሚ ዓምት ፈስቲቫል‘ውን ናታ ገጽ ሒዛ ቀሪባ። እንተኾነ ግን ንኣርማ ፈስቲቫልን ማሕበርን፡ ኣርማ ሰዲህኤን ባንዴራ ኤርትራን ፈላልዮም ክጥምቱ ዘይካኣሉ ኣሕዋት፡ ኣብ ክንዲ ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ዝሓለፈ ሸውዓተ ፈስቲቫላት ዝሓዞ ምልክታት ተመሊስካ ምርኣይን፡ ተረኽበት ጉድለት ተባሂሉ መውጽኢ ቅርሕንትታቶም ክጥቀሙላ ፈቲኖም። ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2017 ግን፡ ጉዕዝኣ ቀጥ ኣቢላ ኣብ ቅርዓት ፍጹም ዓውደ ትግባረ በጺሓ ምህላዋ ምስክርነቱ ኣንጸባሪቑ እነሆ።
ሰብ ውራይ ስለዝኾና፡ ብዛዕባ ኣርማን ባንዴራን ንግዝይኡ ኣብዚ ደው ኣቢልና፡ ካብተን ኣብ 2015ን 2016 ፈስቲቫላት ፍራንክፎርት ዝተጠቅመለን ኣርማታት፡ ንኣስተብህሎ ተኻታተልቲ መርበባት ደጊምና ንሰቕል ኣለና።
ቃለ ማሕተት ምስ ኣቶ ተስፌማርያም ክብረኣብ
Radio Demtsi Harnnet Kassel 27.07.2017
Written by Demtsi Harnnet Kasselክቡራት ኣንበብቲ ብቀዳምነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡-
ኣብ ጉዕዞ 26 ናይ ነጻነት ዓመታት ብሰንኪ በሓቲ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ድማ ብፍላይ፡ ክበጽሕ ዝጸንሐን ገና ዝቕጽል ዘሎን ከቢድ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕንወት፡ ኣሽንኳይ’ዶ ንዓና ነቶም ዋናታቱ ንዓለም ምሉእ’ውን ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ኣብዚ ህሞት’ዚ ኣብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዕ ክግለጽ ዝኽእል ጨካን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ዘይተተንከፈ ባእታ፡ ስድራ ቤት፡ ብሄርን ሃይማኖትን ፍጹም የልቦን። ብሳዕቤኑ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራዊ ዜጋ ዘይነጠባ ክፍለ-ዓለምን ሃገርን ዳርጋ የለን እንተተባህለ ፍጹም ምግናን ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ኤርትራ ብድሕሪ ሃገራዊ ነጻነታ ምጭባጣ ካብተን ብምንጪ ስደተኛታት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝተሰርዓ ሃገራት ክትስራዕ ታሪኻዊ ግድነት ኮይኑ ኣሎ። መንእሰይ ኤርትራ ነጻነት ዘለዎ ሰላማዊ ሂወትን ርጉእ መነባብሮን ንምምራሕ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንምስግጋር ኣብ ዘካይዶ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ብደላሎ ሰብ ዘጓንፎ ቁጠባዊ ምዝመዛ፡ ጭፍጨፋ፡ መጨውይቲ፡ መሸጣን ኣካላዊ ብዝበዛን ንመላእ ማሕበረ-ሰብ ዓለም’ውን ብሩህ ክስተት’ዩ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ድማ ኣብ ኤርትራ ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ልጓም ኣልቦ ብሓቲ ስርዓት ምትካሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘየገድስ፡ ንልዕልነትን ፖሎቲካዊ ነጻነትን ህዝቢ ዝገልጽን ንመንግስቲ ዝገርሕን ቅዋም ወይ’ውን ግዝኣተ ሕጊ ብዘይምህላዉ’ዩ። ፈረስ ብዘይልጓም መንግስቲ ብዘይቅዋም ናብ ጭቡጥ ጸድፊ ከምዝበሃል፡ ኤርትራ ናብ ርኡይ ደልሃመትን ዓዘቕትን ካብ ተምርሕ ዓመታት ኣቁጺራ ኣላ። እዚ ማንም ሰብ ይፍተዎ ይጽልኣዮ ብዘየገድስ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት’ዩ።
ብኣንጻሩ መራሕቲ ህግደፍን ሰዓብቶምን ምስዚ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት’ዚ ክላተሙ ጥራይ’ዮም ዝመርጹ። ከምቲ ብዓል ኣመል ኣመሉ ጎቦ ድማ ቦትኡ ነይገድፍ ዝብሃል ያታዊ ምስላ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዘሎ ምግሃስ ኩሉ-መዳያዊ ሰብኣውን ፖሎቲካውን መሰላት፡ ምርጋጽ ነጻነትን ማዕርነትን ኩሎም መንፈሳዊ ሃይማኖታትን ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ዝካየድ ጻሕታሪ ኲናት ፖሊሲታትን ምኽሓድ ልሙድ’ዩ። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ ኣብ ኤርትራ ብባሓቲ ስርዓት ህግደፍ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ገስጋስን ማሕበራዊ ፍትሕን ተረጋጊጹ ምህላዉ፡ ነጻነትን ማዕርነትን ኩሎም መንፈሳዊ ሃይማኖታትን ባህላዊ እምነታትን ዝተኸበረ ምዃኑ ክገልጹ ድሕር ኣይብሉን’ዮም። ኣብ ወጻኢ ዝምድናታት ብዝምልከት ድማ በቲ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ገስጋስን ምዕባሌን ካብ ክቱር ቅንኢ ብዝብገስ ካብ ዝተፈላለዩ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጽእ እከይ ምትንኳልን ሽርሕታትን እንተዘይኮይኑ፡ ፖሊስታቱ ቅኑዕን ጥዑይን ምዃኑ ከረድኡና ህርድግ ይብሉ። ካብዚ ኣጉል እምነት’ዚ ብምብጋስ’ውን ንኤርትራ መዳርግቲ ዘይብላ ደሴት ሰላምን ፍትሕን ብምባል ስያሜ ክህቡ ምስማዕ ካብቲ ኣዝዩ ዘደንጹን ዘሕንኽን ጉዳይ’ዩ። ብርግጽ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ እዚ ኩሉ ማእለያ ዘይብሉ ጥልመትን ዕንወትን እናተፈጸመ ከሎ፡ ነቲ ዘይተኣደነ በደላት ዝፍጽም ዘሎ ጨካን ስርዓት ዘተባብዑን ዘሳስዩን ሕልንኦም ሞይቱ ብደዎም ዝተቐብሩ ጥራይ’ዮም ክብሃሉ ዝኽእሉ። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ትርጉም ክህልዎ ኣይኽእልን’ዩ።
ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ነጻነትን ማዕርነትን መንፈሳዊ ሃይማኖታት ዘየኽብር ንህላወ ገለ እምነታት ድማ ኣይኣምን’ዩ። ገባቲ ኢሳይያስ ብዘይዝኾነ ሕፍረት ንእምነታት ጅሆባ፡ ጴንጠ፡………….ወዘተ ከቋሽሽ ከሎ እዚ ብኣሜርካ ዝተሰንዐ ሃይማኖታት’ዩ ብምባል፡ ብተደጋጋሚ ከም ዝምድር ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ። ብዝኾነ እዚ እምነታት’ዚ ኣብ ኤርትራ ክምለኽን ቤተ-ጸሎት ክሰርሕን ብሕጊ ስርዓት ህግደፍ ዝተኣገደ’ዩ። ብ1993 ጅሆባ ኣብ ረፈረንደም ምድማጽ ኣብዮም ብዝብል ምስምስ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈላለየ ስጉምቲ ምውሳዱ ይዝኸር። ብድሕሪ’ዚ ንኩሎም ኣመንቲ ጅሆባን ጴንጠን ብኣካላት ጸጥታ እናተሃድኑ ክእሰሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ትሕቲ ጭው ዝበለ ጸልማት ጉድጓድ ብምእሳር ብሓይሊ ክሳብ እምነቶም ክቕይሩ ዝገደድሉ ኩነታት ምጽንሑን ምህላዉን ካብ ማንም ስውር ጉዳይ ኣይኮነን። ብ1995 ምስ ጅሃድ ምትእስሳር ኣለዎም ብዝብል ልዕሊ 75 ዝኾኑ መሻይኽን ኣመንቲ ምስልምናን ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝተጨውዩ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ስድራ ቤቶም ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ውድዕነት ከም ዘለዉ ኣይፈልጡን’ዮም። እዚ ስርዓት’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ እምነታት ከካይዶ ዝጸንሐ ኢድ-ምትእትታውን ንመራሕቲ ሃይማኖታት ብምጽላም ስጉምትታት ምጭዋይን ምእሳርን ድማ፡ ን3ይ ፓትራሪክ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንመንፈሳዊ ክብሮምን ጸጋ ዕድሜኦምን ብምድፋር ብ2005 ናይ ምሕያር ስጉምቲ ምውሳዱ ይፍለጥ።
ኩሎም’ቶም ለባማትን ሕልና ዘለዎምን ዜጋታት ብሓፈሻ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ድማ ብፍላይ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንምንታይ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝኸውን ኣብ ማሕዩር ጸኒሖም? ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ግድነት’ዩ። እቶም ገለ ምስ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ተመሳጢሮም ኣብዚ እከይ ተግባራት’ዚ ዝወዓሉ መራሕቲ ሃይማኖታት ዘቕርብዎ ኣጉል ክስታት ንጎኒ ገዲፍና፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዓቢኡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ እምነታት ዘካይዶ ጭቡጥ ኢድ ምትእትታው፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ምግፋፍ ኣገልገልቲ ኣብያተ-ክርስትያን ብትሪ ይቓወሙ ምንባሮም ዝፍለጥ’ዩ። ኩሉ ነገር ደረቱ ምስ ሓለፈን ጸቕጥታት ናይቲ ስርዓት ምስ በዝሐን፡ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ መንፈሳዊ እምነቶምን ጸጋ ዕድሜኦምን ብዝእዝዞ መሰረት፡ ቅድም ምሕያሮም<<ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ህዝብና ብክንድ’ዚ ደረጃን ናህርን ናብ መላእ ዓለም ከም ደቂ-ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ክኣትዎን ክስደድን ፍጹም ኣብ ትጽቢትና ኣይነበረን። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ዘለዉ ጓኖት ዘይኮኑስ፡ ደቂ’ዚ ሃገር’ዮም። ህዝቡ እናተበተነ ስቕታ ዝመርጽን ዓገብ ዘይብልን መራሕ ሃይማኖት መራሒ ክበሃል ዝኸኣል ኣይኮነን። ናተና ንብሎን ባዕልና ቆጽሊ ነውድቐሉን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሓጺር ግዜ ይዓድለና>> ብምባል ተባዕ መደረ ምስምዖም ይዝኸር። ገባቲ ኢሳያይስን ዓሻክሩን በዚ ተባዕ መደረ’ዚ ፍስሓን ሕጎስን ተሰሚዕዎም ደቒሶም ክሓድሩ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ካብዚ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ እንታይ ዓይነት ስጉምትታት ይወሰድ? ንዝብል ሕቶ ካብ ምእሳሮም ወጻኢ ብገባቲ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ካልእ ቅኑዕ መፍትሒ ሓሳብ ክቐርብ ምጽባይ ኣይኸኣልን’ዩ። ከምቲ ልሙድ ኣብ ፖሎቲካዊ ጉዳይ ንኩሉ ኣዕናዊ ፖሊስታት ናይቲ ስርዓት ዝቓወሙ ባእታታት ወይ ውድባት ሃሱሳትን ጠላማትን ዕሱባትን ዝብል ዝልጠፍ ስያሜታት፡ ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንምሕያር ድማ ምስ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ብምምስጣር፡ ምስ ተሓድሶ ጸልዮም፡ ምስ ምናፍቓን ተራኺቦም…….ወዘተ ብዝብል ጸለመታት ብምክያድ ክብሪ መንፈሶምን ጸጋ ዕድሚኦምን ብምድፋር ንክሕየሩ ተወሲኑ እቲ ስጉምቲ’ውን ብቀጥታ ተወሰደ።
በዚ ጨካን ስጉምቲ’ዚ ድማ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ’ቲ እከይ ባህግታቱን ሸርሕታቱን ሰሚርሉ ሓድነት ኩሎም መራሕትን ኣመንትን መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ንልዕሊ 10 ዓመታት ተዘሪጉን ተበታቲኑን ኣብ ኣርባዕተ መዳይ ተኸፋፊሉ ጸኒሑን ይቕጽልን ኣሎ።
- ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መንፈሳዊ እምነታት ኢዱ-ምትእትታው ከካይድ ዝተቐበሉ፡ ንምጽላም ይኹን ንምሕያር ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብቀጻሊ ዝተመሳጠሩን ዝተዋፈሩን መራሕቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ። ምስኡ ብቀጥታ ዝዛመድ ሰዓብቲ ህግደፍ ምስቲ ስርዓት ብዘለዎም ቅርበትን ምድንጋጽን ነቲ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተወሰደ እከይ ጸለመታትን ምሕያርን ዝድግፉ ተራ ኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ።
- ነቲ ብባሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተወሰደ ኢድ ምትእትታውን ምስ ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ብምምስጣር ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተገብረ እከይ ጸለመታትን ጨካን ምሕያርን ብድፍረት ዝቓወሙ መራሕትን ኣመንትን እምነት ኦርቶዶክስ።
- ኩሉ እናፈለጡን እናዕዘምዘሙን ብፍቓድ ኣምላኽ ዝወረደ ስለ ዝኾነ ክግበር ዝኸኣል ነገር የለን ሕጂ’ውን ብኣምላኽ ጥራይ’ዩ ዝፍታሕ ብዝብል ስቕታ ዝመረጹ መራሕትን ኣመንትን መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ።
- እቲ ሓቂ ኣበይ ከም ዘሎ ምምማይ ዝተጸገሙ ኣብ ላንግላንጋ ዝወደቑ ንኡሳን መራሕትን ብርክት ዝበሉ ኣመንትን መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ’ዮም። ብዝኾነ ንኣስታት 10 ዓመት ዝኸውን ንመንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ንምስንጣቕ ክካየድ ዝጸንሐ ከቢድ ሽርሕታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝካየድ ዝነበረ ኣጉል ጸለመታትን ምሕያርን ድማ ብፍላይ ብዕርቂ ምዝዛሙን ካብ ማሕዩር ምፍትሖምን ዝገልጽ ብ21 ሓምለ 2017 ብድምጺ ኣሜርካ ዝተፈነወ ዜናን ጸብጻብን ነዚ ዝስዕብ ይመስል።
ፈነወ ድምጺ ኣሜርካ፡- ን10ተ ዓመታት ዝኣኽል ኣብ ሱባኤ ገዛ ጸኒሖም ዝተባህሉ 3ይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከም ዝተፈትሑ ተገሊጹ። ብርሃነ በርሄ ካብ ኣስመራ ነዚ ዝስዕብ ሓጺር ጸብጻብ ልኢኹ ኣሎ።
ጸብጻብ ብርሃነ በርሄ፡-ኣብ መንጎ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን 3ይ ፓትርያሪክ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ብተበግሶ ወከልቲ ስምረት ገዳማት ኤርትራን ጉባኤ ሊቃውንቲ ኤርትራን ብዝተገብረ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት መስርሕ ሽምግልና ብዕርቂ ከም ዝተዛዘመ መልከ ጻድቕ ኣብርሃ ገሊጾም።
ቃል መልከ ጻድቕ ኣብርሃ፡- ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘሎ መዛግብ መወኸሲ ክኾነና ምእንቲ ብኡ ሂቦምና ንዕኡ ከኣ ኣጽኒዕናን ርኢናን እንታይ እንታይ ተገይሩ ካብቲ መጀመርትኡ ክሳብ’ዚ መወዳእታ ከብጽሖ ዝኸኣለ ኩነታት መልክዕ ሓደ ብሓደ ኣጽኒዕና ብድሕሪኡ ሰናይ ፍቓድ ናይ ሲኖዶስ ምስ ኾነ ናብ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኬድና ተዛራሪብናዮም ንሶም’ውን ገዳማትን ሊቃውንትን ክትመጹኒ ከለኩም ዘይሰምዓኩም ጉዳይ የብለይን ብዝብል ብሕጉስ መንፈስ ተቐቢሎም። ስለዚ ተመላሊስና ካብኦም ዝውሰድ ቃላት ይኹን ካብ ሲኖዶስ ይኹን ብኩሉ መንገዲ ኣሰማሚዕና ኣረዳዲእና ናይ 18 መዓልታት ዝወድአ ኣብ ውሽጢ ዓመት ማለት’ዩ ውዲእና ነዚ ዕርቂ ብንጹር ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፖትሪያርክ ካብ ዝነበርዎ መንበሪ ገዝኦም ኣምጺእና ዕርቂ ጌርና።
መዛዘሚ ጸብጻብ ብርሃነ በርሄ፡- ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሱባኤ ክገብርሉ ካብ ዝጸንሑ ገዛ ወጺኦም ብሰንበት 16 ሓምለ 2016 ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረጼን ቅድስተ ማርያም ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝተገብረ ናይ ጸሎትን ቅዳሴን ስነ-ስርዓት ከም ዝተሳተፉ ተፈሊጡ። 3ይ ፓትራሪክ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ቤት ጽሕፈት ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብ ቁነና ወይ ሱባኤ ክጸንሑ ብዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ን10 ዓመታት ኣብ ከባቢ እንዳ ማርያም ኣብ ዝርከብ ገዛ ከም ዝጸንሑ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።ብርሃነ በርሄ
መዛዘሚ ፈነወ ድምጺ ኣሜርካ፡- ስማዕትና ብርሃነ በርሄ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ንዝተፈላለዩ ሰባት ኣዘራሪቡ ኣሎ። ኣብ ዝቕጽል ክንምለሶ ኢና።
ኣብ ህላወ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብርግጽ ሓቀኛ ዕርቂ ክረጋገጽ ይኽእል’ዶ? ዝብል ሕቶ ብሃሳስ ለባም ዝምለስ ሕቶ’ዩ። ምክንያቱ እዚ ስርዓት’ዚ ዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቐመሉ እንኮ ስልቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብምዝራግን ስኒት መንፈሳዊ እምነታት ብምጉዝዛይን ጥራይ ስለዝኾነ። ባዕሉ ንዝፈጥሮ ምስሕሓብን ግርጭታትን ሓቀኛ ዕርቂ ንምርግጋጽ በየናይ መምዘኒታት? ባህርያቱ’ውን ዝፈቕድ ኣይኮነን። ብዝኾነ ሕጂ’ውን ነቲ ንዕርቕን ምፍታሕ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ኣመልኪቱ ኣቐዲሙ ብቪድዮ ዝወጸ ስእላዊ መግለጺ፡ ድሒሩ’ውን ነቲ ብድምጺ ኣሜርካ ክፍሊ ትግርኛ ዝተመሓላለፈ ዜናን ብወኪሉ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተዋህበ ጸብጻብን ብምዝማድ ምስ ንዕዘብ ሓቀኛ ዕርቂ ዘይምፍጻሙ ጥራይ’ዩ ዘመላኽት። ምክንያቱ ኣብቲ ብቪድዮ ዝተፈነወ ስእላዊ መግለጺ፡ ብጀካ’ቲ ዕርቕን ሕድገታትን ምግባሩ ዝገልጽ ኣካል፡ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብቲ ዝተቐመጥሉ መንበር ዝኾነ ምንቅስቓስ ከይገብሩን ቃል ከይህቡን ፍቓድ ከም ዘይተዋህቦም’ዩ ዝእምት። ኣብቲ ብወኪል ድምጺ ኣሜርካ ብብርሃነ በርሄ ዝቐረበ ጸብጻብ ድማ <<3ይ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ዝነበሩ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ቤ/ጽሕፈት ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብ ቁነና ወይ ሱባኤ ክጸንሑ ብዝሃቦ ውሳኔ መሰረት ን10 ዓመታት ኣብ ከባቢ እንዳ ማርያም ኣብ ዝርከብ ገዛ ከም ዝጸንሑ ካብቲ ቤት-ጽሕፈት ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት>> ይብል። ኣብዚ መዳይ’ዚ ብዘይዝኾነ ቀለዓለም ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብውሳኔ ስርዓት ህግደፍ ድዮም ን10 ዓመታት ተሓይሮም ወይስ ብመሰረት ውሳኔ ሲኖዶስ ኤርትራ? እቶም ንቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ን10 ዓመታት ዝሕልዉ ዝነበሩ ወተሃደራት ናይቲ ስርዓት ድዮም ወይስ ወተሃደራት ቤት-ጽሕፈት ሲኖዶስ ኤርትራ? ን10 ዓመታት ዝኸውን ብሓለዋ ወተሃደራት ዝካየድ ሱባኤ ኣሎ ድዩ? ዝብል ኣገዳሲ ሕቶታት ብቁዕ መልሲ ዝህብ ኣካል ኣይህሉን’ዩ።
ኣብ ኤርትራ ነጻነትን ሓርነትን ፕሬስ ዘፍቕድ ልዕልነት-ሕጊ ክሳብ ዘየሎ ንበይኑ ንወኪል ድምጺ ኣሜርካ ብርሃነ በርሄ ዝወሃብ ፍሉይ መሰል ክህሉ ዝኸኣል ኣይኮነን። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡ድማ ብርሃነ በርሄ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ድማ ብፍላይ ብበሓቲ ስርዓት ህግደፍ ብቀጥታ ቃል ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከቕርብ ስለ ዘይተፈቐደሉ ቃል መልከ ቅዱስ ኣብርሃ ከሰምዕ ከም ዝተገደደ ምስጢር ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። እቲ ኩሉ ኣብ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ዝተፈጸመ ኣዕናዊ ሸርሕታትን ምትንኳላትን፡ ብሳዕቤኑ ድማ ካብ ኣህጉራዊ ቤተ-ክርስትያን ክትንጸልን ክትውገዝን ዝገበረ ምክንያታትን ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተካየደ ርካሽ ጸለመታትን ን10 ዓመታት ክሕየሩ ዝተኣልመ እከይ ተግባራትን ድማ ብፍላይ ብተራ ዕርቕን ሕድገታትን ዝውዳእ ኣይኮነን። ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሱር ድራማታት ክቕበሉ ዘገድድ ብቁዕ ምክንያት’ውን ኣይህሉን’ዩ። ኣብ ውሽጢ’ዚ 10 ዓመታት ክንደይ ግዜ ተፈቲኑ ብቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ተቐባልነት ዘይረኸበ ጉዳይ’ውን’ዩ። ፍጹም ግልጽነት ይኹን ተሓታትነት ዘይብሉ፡ እቲ ስርዓት ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዝነበሮ ኣሉታዊ ተራን ብንጹር ይቕሬታ ከይሓተተን ዝፍጸም ዕርቂ ፍጹም ቅንዕና ክህልዎ ኣይኽእልን’ዩ። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ ኩሎም ኣመንቲ መንፈሳዊ እምነት ኦርቶዶክስ ዕርቂ ምፍጻሙን ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብቲ 10 ዓመታት ተሓይረምሉ ዝነበሩ ከም ዝተፈትሑን ብኣንደበቶም ቃሎም ከይሃቡ፡ ብሓቲ ስርዓት ህግደፍን እቶም ገለ መሻርኽቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ብዝፍንውዎ ሓበሬታታት ክታለሉ ፍጹም ኣይግባእን ይብል።
ሰናይ ትምኒትን ንባብን
ነፀረኣብ ኣስመላሽ
30 ሓምለ 2017
ትርጉም ጥልመት ኩልና ከምዘይንስሕቶ: ኣብ መንጎ ደቂሰባት፥ ውድባት፥ ሰልፍታት፥ ማሕበራት፥ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ዝምድናን ርክብን ዝጠምሮም፡ ሓባራዊ ረብሓን እምነትን ክከሓድ እንከሎ ዝፍጠር እዩ። እቲ ዝምድናታት ውዒሉ ሓዲሩ ስነምግባርን ስነስርዓትን ብዝጎደሎ ኣካይዳ ዝብገስ ጽልኢ ይኹን ቅርሕንቲ ናብ ምጥርጣራትን፥ ዘይዕግበትን፥ ገጹ የምርሓካ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብቲ ዘራኽበካን ዘዛምደካን፥ ወይ እውን ዝጠምረካ ጉዳያት እምነት ብምጉዳል ወይ እውን ኣብ ርእስኻ ጥራይ ተኣማሚንካ ናብ ምጥሓስን ዝምድና ገጽካ ክትመጣጠር እንከሎኻ ናብ ጥልመት ገጽካ ኢኻ ትጎዓዝ።
ጥልመት ንፋሕ ብትን ወይ እውን ዘይምስምማዕ ኣዝዩ ዘራጉድ ኮይኑ፡ ነቲ ምስ ፈረሰ ብቐሊሉ ክምስረት ዘይከኣል እምነት ኣብ ሓደጋ የውድቖ። ምኽንያቱ እምነት ኣንተዘይሓሊኻዮ ብቐሊሉ ተሰባራይን ተነቃፋይን ስለ ዝኾነ ብቕጽበት ክጠፍእ ወይ እውን ከምዘይነበረ ክኸውን ስለ ዝኽእል። እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ ጽልእን ቅርሕንትን ብሓንቲ ደቒቕ ክዕምባባን ከስፋሕፍሓን ከለዋ፡ እምነት ግና ብብዙሕ ውረድ ደይብን ተጽዋርነትን ኣቢልካ ነዊሕ ግዜ ወሲድካ እዩ ዝምስረት። ኩሉ እትኣምኖ ዝነበርካ ናይ ብሓቂ እንተዘይነይሩ ነቲ ዝነበረካ እምነት ብሓንቲ ደቒቕ ምሒኻ ናብ ጎደና ጥልመት ምኻድ ቀሊል እዩ።
በዚ መስረት ጥልመት ብጣዕሚ ሓደገኛን ኣዕናውን ምዃኑ ምርዳእ ከድልየና እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝነበረካ እምነት ድልዱል ስለ ዘይነበረ ኣብ ልዕሊ እትኣምኖም ዝነበርካ እምነትካ ከተጉድል እንከለኻ ንነፍስኻ ትጠልም ከምዘሎኻ እውን ምስትብሃል የድሊ። ምኽንያቱ ስለ ዝኣመንካዮም ኣሚኖሙኻ እምበር እንተዘይትኣምኖምሲ ኣይምቐረቡኻን። ልክዕ እዩ ወዲ ሰብ ካብ ፍርሕን ነድርን ወይ ቊጠዐ ምስ ዝብገስ እታ እምነት እትደልዮ ፍቕሪ፥ ሕውነት፥ ምክብባርን ስኒትን ኩሉ ብሓደ ሰዓት ክሰባበር ስለዝኽእል እታ ጥልመት ትቕልቀል። ጥልመት ከኣ ሒዛቶም ትመጽእ ሳዕቤናት ጽልኢ፥ ቅርሕንቲ፥ ምቁንጻብ፥ ጸርፍን ብደዐን ዝኣመሰሉ ነቲ ሃዋህው የበላሽውዎ’ሞ እቲ ኩሉ ትኣምነሉ ዝነበርካ መራጎዲ ጥልመት ይኽወን።
ጠላም ከኣ ክሳብ ንዕላምኡ ምጥላም ስለ ዝበጽሕ ናይ ተጻዋርነት ባህሪ ኣይህልዎን እዩ። ነቲ ኩሉ ዝሓለፎ ጡዑይ ሃዋህውን ምስ ደቂ ሰባት ዝፈጠሮም ዝምድናታትን ብዘይ ወዓል ሕደር ብትኽትኽ እዩ ዘብሎ። ጽባሕ ንግሆ ወይ እውን ኣብ መጻኢ ክንራኸብ እንዲና ኢሉ ስለ ዘይሓስብ ብዓይኒብለይ ስኒብለይ ንኹሉ ክድምስሶ ዝእግሞ ኣይኮነን። በዚ ዝኣክል ሓሶትን ምድንጋራትን ሓዋዊሱ ንዝኣተዎ መብጸዓ ክጥሕሶ ግዜ ዝወስደሉ ኣይኮነን። ስለዚ ጥልመት ኣብ ዝረኣየሉ እዋን እምነት ከም ጽላሎት እዩ ዝኸውን። እምነት ክሳብ ሞት ክትሕዞ እምበር ኣብ መንጎ ክትበትኖ ከሎኻ፡ ንዓኻ’ውን ዝኣምነካ ኣይህሉን።
ሽግርና እምበኣር ነቲ ብነዊሕ ዓመታት ዝተጠርየ እምነት ብቐሊሉ ክጉረሽ ምዃኑ እንዳፈለጥና፡ ናተይ ሓሳብ ካብዘይተሰምዐ ከምቲ (ድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ) ዝበሃል ይኸውን። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጽልኢ፥ ኣብ ክንዲ ምጽውዋር ምንፍፋግ ተዘውትር’ሞ ነቲ እትኣምነሉ ዝነበርካ ናይ ፖለቲካ ይኹን ማሕበራዊ ሕግታት ወይ ቀይድታት ርዒምካ ምኻድ ከምዘይበቓዕካዮ እዩ ዘመስክር። እወ! ዝኾነይኹን እትኣምነሉ ጉዳይ መስርሕ እምበር ተረኽቦ ከምዘይኮነ ኩልና ንርድኦ ይመስለኒ። እዚ ማለት ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም እንከሎና ንፖለቲካ ከም መስርሕ እምበር ከም ተረኽቦ ገርና ክንግምቶ እንተዀይና ዝፈጥሮ ጸገም ክህልው ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ንፖለቲካ ብመንጽር ተረኽቦ ክንርእዮ ከሎና ልሙሳት እዩ ዝገብረና። ምኽንያቱ ነቲ ንኹልና ዘንጸላሉ ሓደጋ ሓባራዊ ክንሱ ኣብ ናይ ውሱን ተረኽቦታት ብምድሃብ ናይ ኩልና ምዃኑ ዘንጊዕና ክነስተብህለሉ ኣይንኽእልን። ኣብ ተረኽቦታት ምንባርና ድማ ነቲ ንምንታይ ንቃለስ ከም ዘለናን፥ ስለምንታይከ እብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣሎናን ዝብል ፍታሕ ወይ ተረድኦ ክህልወና ክንጽገም ኢና። ኩልና ኣብ ሰልፍታት ንሃሉ፥ ኣብ ማሕበራት ካብዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣትይዎ ዘሎ ጸበባን መከራን ፍታሕ ክነናዲ እምበር ኣብ ነንሓድሕድና ምውድዳር ከምዘይኮነ እንተዘይተረዲእና፥ ከድና ከድና ኣብ ጥልመት ገጽና ኢና ክንጎዓዝ። ነቲ ግዝኣተ ሕጊ ዝበሃል ጠማሪናን፥ ንግርጭታት ፍታሕ ዘናድየልናን ምዃኑ ብምዝንጋዕ፥ ኣነዶ በዚኦም ወይ በቲኦም እናበልና ንዝረአ ምፍሕፋሓት ማዕረቲ ዓብይ ፍታሕ ንደልየሉ ዘሎና ቃልሲ ክኸውን ኣይግበኦን። እቲ ዘሎናዮ መድረኽ ሽግር ውልቀሰባት ናይ ምፍታሕ ዘይኮነስ ኤርትራ ትሃሉዶ ኣይትሃሉ ኣብ ዝብሉን፡ ንኽትህሉኸ እንታይ ክንገብር ኣሎና ኢልና ደኣ ክንሓስብ ኣሎና እምበር፥ ንፍልልያት ኣራጒድካ ብኣኡ ምህውታት ሽግር ህዝብና ክንፈትሕ ኣይንኽእልን ኢና።
ስለዚ ጥልመት ንእምነት ትድምስስ ካብ ኮነት፥ እምነት ምስኣ እንተጠፊኣ ከኣ ፍትሕን ርትዕን ክህሉ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ትልመጥ እንተሳዕሪሩ፡ ኩሉ ውዕላት፥ መትከላት፥ ሕግታት፥ … ወዘተ ክጠሓስ ማለት እዩ። እዚኦም እንድሕሪ ተጣሒሶም ከኣ ወዲ ሰብ ንቕድሚት ክስጉም ዘይኮነ ኣብ ዕንክሊልን ሓድሕድ ምክሳስን’ዩ ዝነብር። ዘሎን ዘየሎን ኣኻኺብካ ንሰባት ዘእምን ብዝመስል ኣገባብ ተጠቒምካ ዝሃነጾ ንምፍራስ እዩ ዝጽዕር። ምኽንያቱ ነቲ ባዕሉ ዘጽደቖ ሕግታት እንተዘይኣኽቢርዎን ዘይተማእዚዝዎን ከይዱ ከይዱ ኣይናተይን ይብሎ ኣሎ ስለ ዘስምዕ ንኽጠልሞ ግዜ ኣይወስደሉን እዩ። ሎሚ ኩልና ንልዕልና ሕጊ ብተግባር ክንውፈን ክንርዕምን እንተዘይበቒዒና፥ ጽባሕ ንግሆ ንሕና ከምዚ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ፡ ልዕሊ ሕጊ ክንከውን ክንመጣጠር ኢና። እዚ ከኣ እዩ ኣነ ዝበልክዋ እንተዘይኮነት ካልእ ገደል ይእቶ ናብ ዘብል ኣፍራስነት ዝእቱ።
ሰባት ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ንገዛእ ርእሶም ከላልዩ እንከለዉ “ከምዚ እየ” ክብሉ ልሙድ እዩ። እዚ ንገዛእ ርእስኻ ናይ ምልላይ ተግባር ምስ ዕድመ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ደረጃ ሓላፍነት፡ መርገጺኻ ኣብ ሓደ ጉዳይ … ወዘተ ዘጋጥም እዩ። እቲ እንታይነትካ ንምግላጽ “ከምዚ እየ” እትብሎ፡ ብርግጽ ከምኡ ዲኻ ኣይኮንካን ንምውሳን ብዓሚቕ ምርግጋጽን ምርኣይን ዘድልዮ’እምበር ስለ ዝበልካዮ ጥራይ ከም ቅቡል ክውሰደልካ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ “ከምዚ እየ” ምባልን ከምኡ ክትከውን ምብቃዕን ፍልልይ ስለ ዘጋጥም። ነቲ “እየ እምበር” ዝብል ስለ ዝተባህለ ጥራይ ብተግባር ከየጥለልካ ምቕባል ከኣ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።
ነቲ “ከምዚ እየ” ዝብል ንምርግጋጽ፥ እቲ መዕቀንታት ከከም ደረጃኦም ብዙሓት እዮም። ንዕድመ፡ ደረጃ ትምህርቲ፡ ዓይነትን ደረጃን ስራሕ ዝምልከት መረጋገጺ ሰነድ ዝወሃብ ከኣ ካብዚ ኣገዳስነት ብምንቃል እዩ። ብዛዕባ ሓደ “እየ” እትብሎ ሰነዳዊ መረጋገጺ ምሓዝ ሓደ ስጉምቲ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ግና ነቲ ሰነዳዊ መረጋገጺ ብተግባር ክተሰንዮ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ። ንኣብነት ናይ ሓደ ኩባንያ፡ ማሕበር ወይ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባል ምዃንካ ዘረጋግጽ ምስክር ወረቐት ምሓዝ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ ቀንድን መሰረታውን ግና “እየ” ክትብል ዘብቅዕ እዞም ኣካሎም’የ እትብሎም ውዳበታት ወይ ኩባንያታት ዝመሓደርሉ ሕግታትን ናይ ኣሰራርሓ ስርዓትን ከተኽብር ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። ካብዞም ዝተጠቕሱ ውዳበታት እትጽበዮ መሰል ኣሎ። ናይቲ መሰላት ጸጋ ተጠቃሚ ክትከውን ግና ናይቲ “ኣካሉ’የ” እትብሎን መሰልካ እትሓቶን ኣካል መትከላት ከተኽብር ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኻልኦት ከይድፈር እውን ክትሕልው ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ በቲ ሕግታትን ስነስርዓትን ዘይምእዙዝ ክንስኻ “ከምዚ ዓይነት መሰል ጐዲሉኒ” እንተበልካ ኪኖ “ጭጉራፍስ ባዕላ ወቒዓ ባዕላ ተእዊ” ካልእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
ተበዲለን መሰለይ ተነፊገን ኢልካ፡ ኣውያት ምስማዕን “ዓገብ በሉለይ” ምባልን ነውሪ ኣይኮነን። እንተኾነ ናትካ ጥሕሰታት ሓቢእካ ሓቂ ዝመስል ዕምቡረ ፈጢርካ ክስማዕ እየ ምባል መወዳእትኡ ፍሽለት እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣውያትካ ዝሰመዐ፡ ምእንቲ ፍትሓዊ ብይን ክህብን ርትዓዊ መርገጽ ክሕዝን ንድሕሪት ተመሊሱ ነቲ ክትሓብኦ እትፍትን ኣበርካ ከጻሪ ግድን ስለ ዝኾነ። ነዚ ዘንጊዕካ “ኣነ ነንዝበልኩዎ ከይመመዩ ከም ሓቂ ክወስዱለይ እዮም” ኢልካ ምግማት ግና ጌጋ እዩ። ደጊም “ካብ ጸጊበን ዝዕንድራስ፡ ክዕንድራ ርእየን ዝዕንድራ ይበዝሓ” ዝበሃል ምስላ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ባይታ ኣይሰርሕን እዩ።
ስለዚ ሓደ ትካል ወይ ውድብ ዝምረሓሉ ኩለ-መዳያዊ ሕጉን ኣሰራርሓኡን እንዳ ጠሓስካን ኣጸለምካን “ሎሚ ኮነ ጽባሕ ኣካሉ እየ” ምባል፡ ኣብዚ ንርከበሉ ዘሎና ዘመናዊ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ባህልና እውን ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ መብዛሕትኡ ቁሸታትና፡ ነቲ ሃገር እትምረሓሉ ሓፈሻዊ ሕግታት ብዘይጻረር፡ ህዝቢ ዝመሓደረሎም ሕግታትን ስድብታትን (ሕጊ ደቂ ዓዲ) ኣለዉ። እዞም ስድብታት ዘተኩሩሎም ዛዕባታት፡ መርዓን ሓዘንን፡ ዘርዓ፡ ኣተዓዳድላ ጢሳ፡ ሓለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ኣቀባብላ ጋሻን ዝኣመሰሉ እዮም። እዚ ስድቢ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ዓዲ ክቕየደሉ ዝግበኦ ዓንቀጻትን ንጥሕሰታቱ ዝምጥን መቕጻዕትን ኣለዎ። ሓደ ኣካል ነዚ ሕግታት እንዳጠሓሰን ነዚ ሕጊ ክተግብሩ ብደቂ ዓዲ ቆጽሊ ዝወደቖም ፈጸምቲ ሽማግለታት እንዳነጸገን “ወዲ ዓዲ እገለ እየ” እንተበለ፡ እቶም ነቲ ሕጊ ዘኽብሩ ደቂ ዓዲ ዝረኽብዎ መሰል ኣይረክብን እዩ። “ወዲ ዓዲ እገለ እየ” እንተበለ እውን ሰማዒ እዝኒ ኣይረክብን። ምኽንያቱ ቀሊል እዩ። ከምቲ “እየ” ዝብሎ ክኸውን ስለ ዘይበቐዐ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ካብ ደቂ ዓዲ ዝጽበዮ ጥቕሚ ምኽላእ ጥራይ ኣይኮነን። ስድቢ ዓዲ ስለ ዝጠሓሰ መቕጻዕትን ውግዘትን እውን ይጽበዮ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ሃብታም’የ፡ ክኢላ’የ፡ ወዲ እገለ‘የ … ወዘተ ዝብሉ ናይ ትዕቢት ስምዒታት ከቶ ልዕሊ ስድቢ ዓዲ ኣይስርዑን እዮም።
እቲ ከምኡ ዘይኮነ ክነሱ ከምዚ እየ፡ ዝብል ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ክነቅል ይኽእል። ገለን ሰኣን ፍላጥ ጽቡቕ ዘሎ እንዳመሰሎ። ገለን ድማ እንዳፈለጠ ብትዕቢት ተሰንዲሑ፡ ሓቀኛ ድሌቱ ሓቢኡ፡ ንብዓት ሓርገጽ እንዳነበዐ ከዕሹ ዝደሊ ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ ነቲ ሰኣን ፍላጥ፡ ዘይበቕዖ ክነሱ “እየ” ንዝብል፡ ኣብቲ ቅኑዕ መንገዲ ንክምለስ ምሕጋዙን ናብቲ ንቡር መንገዲ ንክምለስ ግዜ ምሃቡን ናይቲ ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ ሓደገኛ ሳዕቤን ከተርእዮን ንቡር እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ፈሊሑ ዝገረረሉን ኣጸቡቑ ዝርድኦን ኣሰራርሓ ጓዕጺጹን ባዕሉ ንዘጽደቖ ሕግታት ጥሒሱን “ግድን ኣነ ዝበልኩዎ ተዘይኮነ” ንዝብል ግና ከምቲ “ፈሊጡ ንዝደቀሰስ ሓራሚ ነይንቕንቖ” ዝበሃል ኮነ ኢሉ ስለ ዘጽቀጠ፡ ዘየድሊ ግዜን ጉልበትን ከየባኸንካ ሕጋውን ስርዒታውን መእረምታ ምግባር ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ ንመልክዕ ዘይኮነ ንከምዚ ዓይነት ኩነታት መዕገሲ እዩ ዝወጽእ። ከምቲ “ዓይኒ ከዳዕ ነባዕ” ዝበሃል መርዛም ኣጀንዳኣኡ ሓቢኡ ብዘስመዖ ቁዝማን ዘብለጭልጭ ሓረጋትን ዘይምድንጋር ከኣ መሰረታዊ እዩ። ኣብዚ ንርከብሉ ዘለና እዋን ዳርጋ ኩልና ብሕግን ስነስርዓትን ዘይምኻድ ዘምጽኦ መዘዝ ከቢድ ምዃኑ ነቃልሕን ንሰብኽን ኢና። እቶም ጎደና ዓወት ንኸይንስሕት ብሕጊ ተቐይድና ክንጎዓዝ እንበቅዕከ ክንደይ ኢና ግና ኣዘራራቢ እዩ። ሎሚ ናይ “ከምዚ እየ “ ምባል ዘይኮነ፡ ክምቲ “እየ” እትብሎ ክትከውን ናይ ምብቃዕ መድረኽ እዩ::
More...
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ። ኣብዚ ብ27 ሓምለ 2017 ዝተቓለሐ ቃለ መጠይቑ ንነብሱ ምስ ሰማዕቲ ድሕሪ ምልላይ፡ ንዕላማ ዑደቱ ናብ ስሜን ኣሜሪካን ካናዳን ብዝምልከት ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ መገሻኡ ሰዲህኤ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘውጸኦ እማመ ንሓባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራን ህልዊ ንጥፈታ ሰዲህኤን ንምብራህን ተዛመድቲ መልእኽቲ ንምትሕልላፍን ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብዚ ቃለ-መጠይቑ ትሕዝቶ እቲ እማመ ብሓጺሩ ኣብሪሁ። ኣተሓሕዚ ድማ ብመሰረቱ እቲ እማመ ናብ ፖለቲካዊ ውድባት ዘቕነዐ ምዃኑን ኣብቲ ዘካየዶ ኣኼባታት ግና ካብ ኩሉ ወገናት ክሳተፉ ከም ዝጸንሑ ጠቒሱ፡ ሰዲህኤ ነዚ እማመ ኣውጺኡ ናብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ልኢኹ ስቕ ዝብል ዘይኮነስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ቀሪቡ ክዛረበሉ ምዃኑ ሓቢሩ። ሓው መንግስተኣብ ጠንቂ ምፍልላይን ምፍንጫላትን ውድባት ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ብገምጋም ሰዲህኤ፡ ኣብ መሰረታዊ ዘይኮኑ ጉዳያት ምውድዳር፡ ቀዳምነታትካ ብጉቡእ ክትሰርዕ ዘይምብቃዕ፡ ህዝቢ እውን ነቲ ግጉይ “ግጉይ” ነቲ ቅኑዕ ከኣ “ቅኑዕ” ዘይምባሉ ከም መባእታዊ ዝጸንሐ ጠንቅታት ኣስፊሩ።
ኣቶ መንግስተኣብ ብዛዕባ ህልዊ ሓጐጽጐጽ ኣብ ሰዲህኤ ንዝቕረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ጸገም ኣብ ውሱን ክሊ መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ተፈጢሩ ዝነበረን ብቅዋማውን ሕጋውን መንገዲ ዝእለ ዘሎን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ መሪሕነት ዕልዋ ኣካይዱ ዝበሃል ከብርህ እንከሎ ከኣ፡ መሪሕነት ኣብ ታሕቲ ወሪዱ ዕልዋ ከም ዘየካይድ፡ ብኣንጻሩ ንጉዳያት ብሕጋውን ስርዒታውን ኣገባብ ግቡእ መልክዕ ከም ዘትሕዝ ሓቢሩ።
እዚ ዘሎ ኩነታት ተቓውሞ፡ ንህዝቢ ተስፋ ዘቑርጾን ዘሻቕሎንዶ ኣይኮነን፡ ንዝብል ከኣ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ መብዛሕትኡ ኣብ ናይ ስቕ ደረጃ ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ወጽዓ ስርዓት ህግደፍን ኩነታት ተቓውሞን ብግቡእ እንዳበርሃሉ ከም ዝመጸ ገሊጹ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2017 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ናይ ኣባላት ሰልፍን ክፉት ናይ ህዝቢ ኣኼባታትን ከካይድ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
EPDP Delegation Holds Public Meeting For Eritreans in Toronto, Canada
Written by EPDP Information OfficeA delegation of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), consisting of party Chairman Menghesteab Asmerom and Chair Office Representative to North America, Mr. Gherezghiher Tewelde, held on 23 July 2017 a well-attended public meeting for Eritreans residing in the Canadian city of Toronto and its environs.
As delegation members joined at the podium Mr. Tuku Tesfai, EPDP Central Council member, and Mr. Yassin Ibrahim Nebrai, senior member of the Toronto branch, the former (Tuku) welcomed invited guests for their coming and made a power-point description of EPDP and its activities in the social sector as well as its notable performances throughout the years in the spheres of political awareness, mass media, diplomatic outreach and related fields of struggle.
The EPDP delegation received welcoming bouquets of flower by two young Eritrean ladies. Mr. Tuku Tesfai then gave brief background information about the delegation members as life-time devotees to the Eritrean cause for national liberation and democracy.
EPDP Chairman started his presentation by commending the Toronto branch for their efforts and warmly welcoming compatriots for attending the public meeting .
Mr. Menghesteab then explained the core mission and vision of the party followed by its ongoing activities in the current struggle to remove an evil regime and replace it by a system of democratic governance. He then dwelt in citing party activities in the various avenues of struggle including its little noticed involvement in the social service of vulnerable Eritreans in exile.
Some members of the audience, as elsewhere, were surprised to learn that the EPDP is since a long time administering and taking care, together with donor organizations, for the provision of elementary education to hundreds of Eritrean refugee children in Eastern Sudan, and striving to obtain sponsor parents from abroad for the education of children of parents who spent their entire lives in the still unfinished national cause. Needless to say, the party is in constant contact, including through memos, with governments and organizations speaking on behalf of the victimized Eritrean refugees dispersed everywhere.
The EPDP Chairman also explained the importance of EPDP's success to be a member of the four-year old Progressive Alliance with 150 member parties from all over the world. He said the message EPDP carries to the global conferences of the PA is that of the entire Eritrean opposition and this work will benefit all when we start to work jointly. In the public sphere, party branches exist in many parts of the globe and that they are actively involvement in organizing demonstrations and public diplomacy. They also run local radio broadcasts to mobilize Eritreans for collective action for democratic change.
The other major topic raised at the Toronto public meeting was the EPDP proposal for joint work among Eritrean political organizations. The details of the presentation followed the same pattern taken at the preceding public meetings he addressed in the North American cities of Oakland, San Diego, Chicago, Seattle and Winnipeg.
In the discussion and question and answer session that followed, the chairman was joined by Messrs Gherezghiher Tewelde and Tuku Tesfai in clarifying issues and answering timely questions related to the present situation in Eritrea and its political organizations.
Discussants urged political organizations in the opposition camp to find a working formula for a united action. They also expressed deep appreciation for the public discourse in Toronto and hoped that such events will be organized with increased frequency.
ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ 25 ሓምለ 2017 4ይ ጉባአኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊቱ። ኣብዚ ኣብ ትሕቲ “ሕድሪ ስዉኣት ሰውራና ብምሕንጋጥ፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ንምርሽ” ዝብል መሪሕ ጭረሖ ዝተኸፍተ ጉባአ፡ ብዘይካ መራሕትን ኣባላትን እቲ ምንቅስቓስ ወከልቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተሳቲፎምን እውን ተሳቲፎም።
ናይቲ ምንቅስቓስ ኣቦመንበር ሓው በሽር ይስሃቅ ኣብቲ መኽፈቲ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ነጻነት ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሕሱም መነባብሮ ብዝርዝር ጠቒሱ፡ ኤርትራ ካብቲ ብዙሕነታ ዝገልጽ መምዘንታት ናይ ሓድኡ ዘይኮነትስ ብመንጽር ሃይማኖት ይኹን ብሄር ወይ ብመንጽር ከበሳን መታሕትን ንኹሎም ኤርትራውያን ማዕረ እትብጸሖም እያ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንኤርትራን ህዝባን ካብዚ ዘለዉዎ ሓደገኛ ኩነታት ንምድሓን፡ ናይ ሰባት ዘይኮነስ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከም ዘድሊ ገሊጹ። ነዚ ንምዕዋት ድማ ነፍሲ ወከፍ ምእንቲ ለውጢ ዝቃለስ ውድብ ይኹን ውልቀሰብ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ንምምጻእ ኩነታቱ መርሚሩ ከካብ ገዛእ ርእሱ ክጅምር ይግበኦ ኢሉ። ኣብዚ መኽፈቲ ስነስርዓት ናይቲ ጉባአ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቃል ተሰሚዑ፡ ውድባትን ሰልፍታትን ከኣ ገለን ብኣካል ገለን ድማ ብመልእኽቲ ናይ ምሕዝነት መልእኽተን ኣቕሪበን።
ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ንዓወት እቲ ጉባአ ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ምስ ገለጸ፡ “ሰዲህኤ ኣብዚ እዋንዚ ዝርዝር ትሕዝቶኡ፡ ናብ ኩሉኹም ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍናታትን ደምበ ተቓውሞ በጺሑ ዘሎ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚት ዝሰርዓ፡ ኣብቲ ውሱን ንሰማመዓሉ ነጥብታት ዘትከለ ብሓባር ከስርሕ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ንምፍጣር ንምዝታይ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ኣሎ። እዚ መጸዋዕታ ካብቲ ኩልና ብዝተፈላለዩ መልከዓትን ኣጋጣምታትን ነቃልሖ ዘለና ናይ “ብሓብር ምስራሕ መተካእታ የብሉን” ጭርሖ ስለ ዝነቅል ከሰማምዓና ተስፋና ልዑል እዩ።” ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቑ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ) ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ወኪል ቤት ጽሕፈት ኣቦ መንበር ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ብሰንበት ዕለት 23 ሓምለ 2017 ኣብ ከተማ ቶሮንቶ፡ ካናዳ፡ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም።
ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሩ፡ ሓው ትኩእ ተስፋይ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፓወር ፖይንት ዝተሰነየ ንንጥፈታት ናይ ሰዲህኤ ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ ድማ፡ ንዝኽሪ ናይ ሰማእታት ኣኼበኛታት ደው ክብሉ ጸዊዑ።
ሓው ትኩእ ተስፋይ ብምቕጻል፡ ንዕድመ ጨንፈር ሰዲህኤ ኣብ ቶርኖንቶ ኣኽቢሮም ዝመጹ ኣጋይሽ ኣመስጊኑ፡ ሕጽር ዝበለ ታሪኽ ህይወት ናይ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ድማ ኣቕሪቡ።
ብድሕር’ዚ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮምን ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ብክልተ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝቐረበሎም ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም መግለጺ ዕታር ዕምባባ ተቐቢሎም። ብሓባር ድማ ንዝኽሪ ዝኸውን ስእሊ ተላዒሎም።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ መድረኽ ካብ ሓው ትኩእ ተስፋይ ተቐቢሉ፡ ንኣኼበኛታትን ነቲ ኣኼባ ዘዳለወት ጨንፈር ሰዲህኤ ቶሮንቶን ብምምስጋን ኢዩ መግለጺኡ ጀሚርዎ።
ኣስዒቡ፡ ሰዲህኤ መን’ዩ ዝብል ዛዕባ ኣልዒሉ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ። ማሕበራዊ፡ ዜናውን ህዝባውን መዳያት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶም ንጥፈታት ብዝርዝር ሓቢሩ።
ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ሰዲህኤ፡ መስራቲ ኣባል ናይ’ቲ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ሰልፍታት ዝኣባላቱ ገስጋሲ ምሕዝነት (Progressive Alliance) ምዃኑ ሓቢሩ። ከምኡ’ውን፡ ምስ መራሕቲ መንግስታትን ሰልፍታትን ዓለም፡ ምስ ኣህጕራዊ ትካላትን ብኣካል ብምርኻብን ብመዘክራትን ኣቢሉ ንሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ፥ ኵነታት ደምበ ተቓውሞን ምስ ወጻእተኛታት ንምፍላጥ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ከምዝገብር ኣረዲኡ። ጕዳይ ስደተኛታት ድማ፡ ሓደ ካብ’ቶም ቀዳምነት ሂቡ ዝንቀሳቐሰሎም መዳያት ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ድማ፡ ነቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመት ካብ 600-800 ዝዀኑ ህጻናት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ናይ ምክያድ ምሉእ ሓላፍነት ተሰኪሙ ይጓዓዝ ምህላዉ ኣረዲኡ። ነዚ ሓላፍነት እዚ ምስ ኣሰን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ዝተባህሉ ዘይመንግስታውያን ትካላት ብምትሕብባር ከምዘካይዶ ድማ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ነዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ እግሪ ኣብ ምትካል፡ ሆላንዳውያን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ነፍስሄር ኣባ ማሪኖን ምሕዝነት ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራን ዝተጻወትዎ ተራ ዘኪሩ።
ኣስዒቡ ብመደብ ናይ ርሑቕ ወላዲ ዝጽዋዕ፡ ንዓቕሚ ዘይብሎም ኤርትራውያን ህጻናት ኣብ መደበራት ስደተኛታት ከምመጕዚት ወይ ወለዲ ኰይኖም ዝሕግዝዎምን ዘምህርዎምን ገበርቲ ሰናይ ዝዀኑ ኤርትራውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ውልቀሰባት ብምውዳድ ዝካየድ ንጥፈታት ከምዘሎ ሓቢሩ። ህዝቢ ድማ፡ ኣብ’ዞም መዳያት እዚኣቶም ተራኡ ክጻወት ተማሕጺኑ።
ብመዳይ ህዝባዊ ዕዮ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ ብደረጃ ጨናፍርን ዞባታትን ዝተሰርዑ ኣባላት ምህላዎምን ኣብ ዜናዊ መዳይ ሰልፍና ዝጥቀመሎም መሳለጢታትን ተራኦም ኣብ ምጕስጓስን ምጥርናፍን ብዝርዝር ገሊጹ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ዝተዛረበሉ ካልኣይ ኣርእስቲ ድማ፡ እቲ ኣብ ከተማታት ኦክላንድ፡ ሳንዲየጎ፡ ቺካጎን ስያትል፡ ዊኒፐግ ዘቕረቦ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝምልከት እማመ ኢዩ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ መድረኽ ንሕቶ፡ መልሲ፡ ርእይቶን ለበዋን ተኸፊቱ። ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደን ሓው ትኩእ ተስፋይን ድማ ተሓባቢሮም ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልስታትን ሂቦምን ካብ ህዝቢ ዝቐረበሎም ለበዋታትን ርእይቶታትን ድማ ሰሚዖም።
ኣኼበኛታት እውን በቲ ዑደት ይኹን ዝተዋህቦም መግለጺታት ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጾም፤ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ብቐጻልነት ክካየድን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ብሓባር ክሰርሑን ተላብዮም።