ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ እነፍቕራን እንፈትዋን ጓልና ነፍሰ-ይምሃር ፈለግ ኣንገሶም ኣብ ዕሸል ዕድሚኣ ብድንገት ብምዕራፋ፡ ንምጽንናዕና ኣብ መሕዘኒ ቦታ ዝተመላለስኩም፡ ካብ ርሑቕን ካብ ቀረባን ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተረኸብኩም፡ ብጸሎትን ብዜማን ዘሰነኹማ ቤተ ክህነትን፡ ብቴለፎን/ብስልኪ፡ ኮታስ ብኹሉ ዓይነት መራኸቢታት ዘጸናናዕኩምናን ናይ ሓዘን ተኻፋልነትኩም ዝገለጽኩምን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ መዛኑኣን መማህርታን ፈለጥታን፡ ብልቢ እንዳኣመስገና፡ ክብረት ይሃበልና ሕሰም ኣይትርከቡ።
ንነፍሰ-ይምሄር ፈለግ ጓልና ድማ መንግስተ ሰማያት የዋርሳ እንዳበልና፡ ካብ ሎሚ ንዳሓር ሓዘና ከምዝዓጸና ብኣኽብሮት ነፍልጥ።
ኣኽበርትኹም፡
ወ/ሮ ወይኒ መምህር ሰመረ
ኣቶ ኣንገሶም ገብረመስቀል
ምስ መላእ ስድራ ቤት
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ግዱሳት ኤርትራውያን
ብምቕዳም ናይ ክብሪ ሰላምታና ነቕርብ። ኣስዒብና ከምቲ ወርትግ እነዳልዎ ድራር ነቶም ምእንቲ ሃገርምን ህዝቦምን ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ጸሓይን ደሮናን ኣብ ሃገር ሱዳን ምስ ኩሉ መውጋእቲ ስቓይን ተወሳኺ ጸቕጢ ደምን ሽኰርን ካልእ ሕማማትን ወዘተ----ተሳቒዮም ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን፣ ብጾትናን ሓደ ምሸት ድራር ክንዝክሮም ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ሓላፍነትን፣ ሓልዮትን ምዃኑ ንዓኻ፣ ንዓኺ ዝስወር ኣይኰነን፣ እሞ ኣብዚ ንዕለት 22-06-2019 ኣብ SAALBAU Gallus ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ ሰዓት 23.00 ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ሰዓታት ብጉዳዮምን፤ ብጠቕላላ ማሕበራዊ ጉዳያትናን፤ ብወግዒን ብዋዛ ምስ ቁምነገርን፤ ዕላልናን ገርና ከነማሲ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
ግዱሳት ደቂ ኣንስትዮን ኤርትራውያንን ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን
ሓበሬታ ቦታ፣ ካብ Hauptbahnhof ብ Straßenbahn 11 Richtung Höchst, 21 Richtung Nied und S14 ደይብኩም ኣብ Gallus ወሪድኩም ንየማን ጸግዒ ጸግዒ ቀዳመይቲ ኣንጐሎ ንየማን ትኽ ኢልኩም ትኸዱ ኣብ መወዳእታ ንጸጋም ስግር ዘሎ SAALBAU Frankenallee 111 60326 Frankfurt a.Main ትረኽብዎ።
ምናልባት ኣብዚ ናይ ድራር ምሸት ብስራሕ ክትካፈሉ ዘይከኣልኩም በዚ ሕሳብ ባንክ ወፈያኹም ክትሰዱ ትኽእሉ።
Bankverbindung: Postbank
Eritreischer Verein 2010 für Menschen mit Behinderung
IBAN: DE 96500100600790750601
ጀነራል ወልደስላሴ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ፓይሎት ኰይኑ ዝተሳተፈ መጀመርታ ኣፍሪቃዊ
Written by Alberto Alpozziቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይነን ዝተመርጻ፡ ፍረደሪክሰን ኣብ ጐኒ ባንደራ ሃገረን ኣብ ህንጻ ፓርላማ ኮፐንሃገን
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ7 ሰነ 2019 ኣብ ዝለኣኾ መዘክር፡ ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ደንማርክ (ሰማዲደ) ኣብዚ ሰሙን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ስለ ዝተዓወተ ናይ ሓጐሱ መግለጺ መልእኽቲ ሰዲዱ።
ሰዲህኤ፡ ኣብቲ ናብ ጓል 42 ዓመት ኣደመንበር ሰማዲደ ወይዘሮ መተ ፍረድሪክሰን ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ እተን ወይዘሮ ከምቲ ኣብ ናይ ቅድመ-ምርጫ ምልዕዓለን ዝገለጸኦ፡ ንፖለቲካ ዴንማርክ ሓድሽ ኣቕጣጫ ብምትሓዝ ንዝሓሸ፡ ማሕበራዊ ዕቤት፡ ትምህርቲ፡ ከባብን ብሩህ መኣጻእን ክጽዕታ እምነቱ ምዃኑ ጠቒሱ።
መልእኽቲ ሰዲህኤ፡ መጻኢ ብሰማዲደ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ነቲ ጌና ዘይተቐየረ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰል ኤርትራ ክርደኦን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍሉይ ቆላሕታ ክርእዮምን ዝግበኦም መሰል ከኽብረሎምን ዘለዎ ትጽቢት ገሊጹ። ክልቲኦም ሰልፍታት፡ መስረቲ ኣባላት ናይቲ ብ2013 ዝተደኮነ ዓለም ለኻዊ ምሕዝነት ገስገስቲ ምዃኖም ብምጥቃስ ከኣ ዝምድና ሰዲህኤን ሰማዲደን ንሱ ዝመርሖ መንግስትን ዝያዳ ክድልድል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ኣብቲ ብ2017 ኣብ ኣልቦርግ ደንማርክ ዝተኻየደ ናይ ሰማዲደ ጉባአ፡ ኣማላት ማእከላይ ባይቶ ብጾት ተኽለ መለኪንን ኣማኑኤል በራኽን ዝኣባላቱ ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሓደ ካብቶም ካብ 75 ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ኤውሮጳን ካልእ ከባብታት ዓለምን ዝተወከሉ 75 ልኡኻት ኮይኑ ተሳቲፉ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
EPDP Congratulates Danish Social Democrats for Victory at Elections
Written by EPDP Information OfficePrime Minister Designate Frederiksen flanked by Danish flag and Parliament Building in Copenhagen
In a memorandum sent on 7 June 2019, the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) congratulated the Danish Social Democratic Party (DSDP) for its victory in the national elections held during the week.
Addressed to the 42-year old DSDP Chairwoman, Ms Mette Frederikson, the message expressed EPDP’s trust that the Government she will form soon would give “a new direction” to Danish politics by applying her campaign promises for social welfare, better education, environment and brighter future for Danish children.
The EPDP message hoped that the upcoming DSDP Government will understand the still unchanged bad political and human rights situation in Eritrea and give Eritrean refugees the special attention that they deserve. It further noted that both parties were founding members of the global Progressive Alliance that was formed in 2013 and affirmed EPDP’s wish to further strengthen relations with DSDP and its Government.
It is to be recalled that a two-person EPDP delegation met the DSDP leadership at their congress held in Aalborg, Denmark, in September 2017. The EPDP delegation, composed of Central Council members Tekle Melekin and Amanuel Beraki, was among other 75 delegates representing 75 different parties and movements from Europe and other parts of the globe.
ደቂ ሰባት ካብ ካባቢኦምን ዘጋጥሞም ምዕብልናን ተበጊሶም እንተስ ንኣውንታ እንተስ ንኣሉታ ትምህርቲ ተመኩሮ ይቐስሙ። ኣሉታ ደኣ መምሃሪ ይኸውን ዲዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል ይኸውን። ብልክዕ እቲ መልሱ እወ እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ እቲ ኣሉታ ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ስራሓትካን ምስ ደቂ ሰባት እትግብሮ ርክባትን ምስቲ ተፈጥራዊ ባህሪኻ ተኣሳሲሩ ዝህቦ ውጽኢት ስለዝኾነ መምሃሪ ክኸውን ናይ ግድን እዩ።
ደቂ ሰባት በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ካብቲ ዕለታዊ ዝዋስእዎ ወይ ኣብ ተግባር ዘጥርይዎ ልምዲ በቲ ንዓኦም ዝምችኦም ወይ ዝሰማምዖም ገይሮም ከምዝቐርጹ ርዱእ እዩ። እዚ በቲ ዝረኸብዎ ተመኩሮን ተግባርን ከኣ ዘይጋገ ፍጡር ስለዘየለ ግጉይን ኣሉታውን ተግባራት ክፍጽሙን ውሁብ እዩ። ይኹን እምበር ሓደ ሰብ እንተተጋግዩ ካብ ጌጋኡ ክመሃር ወይ ይቕረታ ክሓትት ድልዊ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ካልኦት ሓሳብ ክቕበል ድልው ኣይከውንን። ካልእ ሰብ ከምዚ ግበር ከይበለካ፡ ባዕልኻ ጌጋኻ ኣሚንካ ይቕረ ምባል ምቕሉልነትን ምዕባለን ክኸውን እንከሎ፡ ጌጋኻ ሓቢእካ ምኻድ ድማ ድንቁርናን ናይ ዘይማዕባል ባህርን እዩ።
ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ዘይብልካ ክንስኻ፡ ኣፍካ ዝሃበካ ብዛዕባ ካለኦት ክትፈርድን ኣብ ስነፍልጠት ዘይተመስረተ ክትዛረብን እንከሎኻ እዩ። ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሪ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከምኡ እናበለ ከይተኣረመ እንተ ቀጺሉ እቲ ኣብ ንሓድሕዱ ከሰማምዖን ከተኣሳስሮን ዝኽእል ጠቓሚ ሓሳብ ብናተይ ስምዑ ጥራሕ ይዕብለል እሞ እታ ቅንዕትን ሓቅን ንኸይትወጽእ ናይ ምዕጋት ተራ ይህልዎ።
ሓንሳብ ጌጋ ዝፈጸመ ብዓንተቦ እንተዘይተዓጊቱ፡ ቀጻሊ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ከምቲ ግቡእ ግና ጌጋ ከም ዝፈጸምካ እንተተረዲእካ ወይ ብዝተረደኦም እንተተነጊሩካ፡ በቲ ዝተፈጸመ ጌጋታት ወይ ኣሉታታት ምቕጻል ዘይኮነ፡ ነቲ ናብ ጌጋታት ዘብጸሐካ ወይ ዝደፈኣካ እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ናይ ኩሉ ህይወት ዘለዎ ፍጡር ግደ እዩ። እቲ ሽግር ግን ነቲ ጌጋታት ቅድሚ ሽሒ ዓመት ንዝተፈጸመ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተናተወናጀለ ክኸይድ ግን ቁምነገር የብሉን። ንኣብነት ኣብ ኣርበዓታት ኣንድነትን ራቢጣ ኣልእስላምያን ተባሂሉ ዝተፈጥረ ማሕበራት ነይሩ። ነዚ ማሕበራት ዝመስረቱ ኣቦታትና ካብ ምንታይ ነቒሎም ነዚ ኣበጊሶሞ? ከምኡ ንምግባር ዝደፋፍኦምከ ብቑዕ ምኽንያት ዲዩ? ወዘተ ዝብሉ፡ ንሳቶም ዝምልስዎን ሓላፍነት ዝወስዱሉን እዩ። ንሕና ከኣ ንዝጸፈጸምዎ ጉድለታት ንመሃረሉ እምበር ደቆምን ደቂደቆምን ክኽሰስሉ ርትዓዊ ኣይኮነን።
ንሕና ኤርትራውያን ሎሚ ብዛዕባ እቲ ሕሉፍ ዲና ክንጸባጸብ ወይስ መፍትሒ ከነምጽእ ክንጽዕር ዝግበኣና? ወይ ብዛዕባ ኤርትራ ሃገርና ከይተሸርመመት ከይተቖርመመት ሓድነታ ዓቂባ እትቕጽለሉ ኢና ክንሓስብ ዝግበኣና? ከምዝመስለኒ ሎሚ ንናይ ኣንድነትን ራቢጣ ኣልእስላምያን፥ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ወዝተ ዝኣመሰሉ ሓደ እዋን ኣዛረብቲ ዝነበሩ ፍልልያት ኣልዒልና እነፍርዮ የለን። እዚ ታሪኽ እዚ ምስ ኩሉ እወንታኡን ኣሉታኡን ኣብ መዝገብ ተሪኽ ሰፊሩ መምሃሪ እምበር መፈላለዪ ክኸውን የብሉ።
ምኽንያቱ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ሓዲሽ ምዕራፍ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ወጺእና፡ ደቂ ሓንቲ ሃገር ምዃንና እንሕበነሉ ናጽነት ዝረኸብናሉ እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና ካብ መጀምርታ ብኣሉታታት ዝመልአ ኣእምሮና ናበይ ክወስደና ከም ዝኽእል ኣይሓሰብናሉን። ሕጂ እውን እንተኾነ ሃገርና ኣብ ክንዲ ሓድነታ እትሕልው፡ ብብሄር ይኹን ብሃይማኖት ወይ ብኣውራጃ ወይ ኣውን ብኻልእ ትሕቲ ሃገርነት ስምዒታት ንኸይትከፋፈል ክንሓስብን ክንሰርሕን ይግባእ። ኣብ ክንዲ ነቶም ዝሓለፉ ምኽሳስ፡ ንሕና ባዕልና ካብቲ ናቶም ጌታት ተማሂርና ዝሓሸ ምስ እንሰርሕ ኢና እምበኣር ካብቲ ተመኩሮ ተማሂርና ክንብል እንኽእል። ንዝሓለፈ ግጉይ ተመኩሮ ምድጋም ግና ናይ ጌጋ ጌጋ እዩ እሞ ነስተብህለሉ።
ርእሰ-ዓንቀጽ
ኤርትራ እታ ብኣደ እንምስላ ኤርትራ እያ፡ ህዝባ ከኣ ምስ ኩሉ ሕብራዊ መልክዕናን ኣተሓሳስባናን ደቃ ኢና። ንሕና ከም ደቃ በጃ ክንሓልፈላ፡ ንሳ ከኣ ከም ኣደ ክትሕብሕበና ግቡእን ባህርያውን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ምእንቲ ናጽነታን ክብራን ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ “ኤርትራ ወይ ሞት” ንብል ዝነበርና። ከምቲ ዝጨራሕናዮ ከኣ እነሆ ንኤርትራ ረኺብና። እንተኾነ ኤርትራ ጌና ከም ዘይቀሰንትን ቀጻሊ ሓለዋ ከም ዘድልያን፡ ኣይኮነንዶ ንደቃ ንሕብረሰብ ዓለም እውን ብሩህ እዩ።
ኤርትራ ኣደ ብዙሓትን ውሁዳትን እያ። ደቃ ከምቲ “ከስዐ ኣደስ ጉራጉራ” ዝበሃል ዝተፈላለየ ናይ ብዙሕነት ሓለገት ኣለዎም። እዚ ብዙሕነቶም መልክዖምን ምስጢር ሓያልነቶምን ምዃኑ ከኣ ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ተረጋጊጹ እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ከም ዘረጋግጾ፡ ክንበዝሕ እንከለና ንበዝሕ ሓደ ክንከውን እንተደሊና ከኣ ሓደን ሓያልን ንኸውን። ሳላ ከምዚ ዓይነት ውሕልነትናን ተዓጻጽፍነትናን ከኣ፡ ሎሚ ደኣ ስምናን ክብርናን “መሬት ዘቢጡ” እምበር፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣምስ “ዘይከኣል ዝመስል ከም ዝከኣል” ናይ ዘመስከረ ተባዕ፡ ጽኑዕን እሙንን ህዝቢ ኣብነት ኮይና ብሓበን ተጠቒስና ኢና። እዚ ናይ ጽንዓትን ትብዓት ኣብነት ሕጂኸ ዓቅብናዮዶ ኣለና ወስይ ኣይፋልናን ከኣ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። ዘሕዝን እዩ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ናይ ብርታዐን ጽንዓትን ኣብነት ኮይና ተጠቒስና ከነብቅዕ፡ ሎሚ ግና ናይ ስንፍና፡ ጭቆና ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለ ህዝቢ፡ ድኽመትን ስደትን ሕማቕ ኣብነት ኮይና፡ ክልተ ግዜ ከይንርአ ኣብ እንሰግኣሉ ደልሃመት ከም ዘለና ክንእመን ይግበኣና። ትማሊ “በጃ ሃገሩን ህዝቡን” ክሓልፍ ቅሩብ ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ሎሚ ንሃገሩ “ድሕሪ ሕጂ ገጽኪ ኣየርእየኒ” ኢሉ “እግረይ ኣውጽእኒ” ናይ ዝብል ዜጋ ኣብነት ከይንኸውን ኣብ እንሰግኣሉ ደረጃ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ጀግንነት መምስቲ ዝፍጠር ኩነታት እንተዘየሕዲስካዮ፡ ብናይ ትማሊ ክትሕበን ጥራይ ክትነብር ከም ዘይከኣል ዘረደኣና እዩ።
ናይ ሃይማኖት፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ብሄር፡ ኣቀማምጣ እንነብረሉ ጀኦግራፍያዊ ከባቢ፡ ምምሕዳራዊ ክፍልታት….ወዘተ ፍልልያት ኣለና። እንተደኣ ኣበየናይ ዛዕባን መዓስን፡ በቲ ዝፈላልየና ዛዕባታት በበይንና ንዋሳእ፡ መዓስከ ነዚ ፍልልያትና ኣብ በቦታኡ ኣቐሚጥና ኣብቲ ፍሩይ ኤርትራዊ መንነትና ብሓባር ነትክል፡ ዝብል ብግቡእ ኣጽኒዕና ክንርደኦ ይግበኣና። ማለት ሓደን ብዙሓትን ኮይና ክንስለፍ ክንበቅዕ ይግበኣና። እዚ ከኣ ሓድሽ ዘይኮነ፡ ብዙሕነትና ብዘየገድስ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ኣብ ሓደ መኣዲ ከቢብና ብምምጋብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ብምቕባር ኣመስኪርናዮ ኢና። ሎሚ’ውን ከምዚ እንተዘይበቒዕና ቀጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ቀጻልነትና ከም ህዝባን ዘተኣማምን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሓድነት ሃገርናን ህዝባን ንምብላዕ “ውጥም ቅልቅል” ኣብ ዝብልሉ ወገናት ዝበዝሕሉ ግዜ፡ ብኽንድኡ ደረጃ እቲ ትርጉም ሓያልነትና ዝኾነ ሓድነት ኣትሪርና፡ ትኩራትን ቅሩባትን ክንከውን ይግበኣና። “ይኣክል” ንበሎ ካልእ ምንቕናቕ’ውን ብመንጽር’ዚ ክቃነ ይግበኦ። እዚ መሰረታዊ ዕማም ባዕልና እንዕቅቦ እምበር፡ ናይ ሃገሩ ረብሓ ንዝዓዞ ናይ ግዳም ሓይሊ ዝምልከት ኣይኮነን። እንተ ህግደፍ ካብ ምፍልላይና ስለ ዝዕንገል፡ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክሕልወልና እዩ ኢልና ከይንኣምኖ ሓደራ ንብል። ኮታ ከምዚ ዕንበባ መሮር ብዙሕ ሕብሪ ስለ ዘለዎ ዝምልክዕን ረኣይኡ ዝማርኽን፡ ብዙሕነትና ብግቡእ እንተሓብሒብናዮ ከሐብነና እዩ። ብኣንጻሩ ብዙሕነትና ፈጉፊጎም ንገለኤና (ኣጆኻ)፡ ንገሌን ድማ (ወይለኻ) እንዳበሉ ኣገሪሆም፡ ከተፋንኑና ንዝፍትኑ ወገናት ብንቕሓት ክንቋመቶም ይግበኣና።
ኩሉና ከም እንፈልጦ ኣብ ታሪኽና ዝተፈላለዩ ኤርትራ ከመሓድሩ ዝፈተኑ ወገናት፡ ዕላምኦም ንምዕዋት ቅድሚ ኩሉ ክገብርዎ ዝፈተኑ ንብዙሕነትና መዝሚዞም ሓድነትና እንተተኻኢሉን ፈጺምካ ንምፍራሱ፡ እንተዘይተኻኢሉ ከኣ ንምልማሱ ከም ዝነበረ ስኑድ ሓቂ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ሃገርናን እምነት ህዝብናን ብምምዝማዝ ገለ ኣካል ሃገርና ናብ ሱዳን ዝተረፈ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ መጢኻ ኤርትራን ኤርትራውነታን ንምድምሳስ ተፈቲኑ ሳላ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርዓነሉ ተመኩሮ ምስትውዓል የድሊ። ኤርትራን ኤርትራውነትን ንምድኻም እታ ሓንቲ መንገዲ ሓድነት ኤርትራ ምብታን ወይ ምድኻም ስለ ዝኾነት፡ ስርዓት ሃይለስላሰ ንሃይማንቶ መዝሚዙ ብሕብረት ከጎልብብ ፈቲኑ፡ ደርጊ እውን ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣና መዝሚዙ “ቆላማ” ዝበሃልም ፈጢሩን ፈቲኑን እንተኾነ ኣይኮነሉን። ናይቲ ሓድነት ኤርትራ ንምዝራግ ዝተኻየድ ሃቐነታት ናይ ዘይምዕዋት ምስጢር ከኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕነትን ሓድነትን ኣገናዚብካ ናይ ምርዳእ ብቕዓትን ጽንዓትን እዩ።
ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ብቓልስና፡ ንወጻዒ ጉጅለ ህግዲፍ ኣወጊድና፡ ሕገመንግስታዊ፡ ብዙሕነታውን ኣብ ናጻ ምርጫ ህዝቢ ዝተመስረተ ስርዓትን ክንምስርት ክሳብ ዘይበቓዕና፡ ኣፍና መሊእና “ደጊም በቲ ቅድም ተፈቲኑ ዝሰዓርናዮ ናይ ምክፍፋልና ዘይቅዱስ መንገዲ ዝመጸና ሓደጋ የለን” ኢልና ክንድምድም ኣይግበኣናን። ኣብ ክንድኡ ወትሩ ትኩራት ክንከውን ይግበኣና። ህዝቢ ከፋፊልካ ዕድመ ስልጣንካ ናይ ምንዋሕ ርኹስ ፈሊጥ፡ ንናይ ግዳም ወገናት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ህግዲፍ እውን በዚ ኣገባብ እዩ ንህዝብና ከፋፊልዎ ዘሎ። ህግዲፍ ህዝብና ዝፈላልየሉ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ ኣገባባት ኩልና ንፈልጦ ስለ ዝኾነ ኣብ ዝርዝሩ ኣይንኣቱን። ተጋዳላይን ሲቪልን፡ ደጋፍን ተቓዋምን፡ ከምኡ እውን ሃይማኖት ዝመሰረቱ ሸርሕታት ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን “ገረብ ብሓይላ” ከም ዝበሃል ኣብ ሕድሕድና ደጋምፍን ተቓዋምን ተበሃሂልና ከም እንናቖት ምግባር እውን ካልእ ገጽ ናይቲ ምክፍፋል እዩ። እቶም ኣብ ምክፍፋል ህዝብና ንረብሕ ኢና ዝብሉ ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን በዚ ህግዲፍ ዝሃንደሶ እዮም ክኣትዉና ዝኽእሉ እሞ ንጠንቀቕ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ተገዛዚዕና ኣብ ንሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝዋገ ጓይላ ከይንስዕስዕ ሓደራ። ኣብ ክንድኡ ብሓባር እንዋሰኣሉ ጽላል ኣብ ምድኳን ክንበቅዕ ይግበኣና። ከምኡ እንተዘይጌርና ግና ተመሳሳሊ ጌጋ ክንደግም ኢና።
ኤርትራ፡ ናይ ኣስላም ወይ ክርስትያን፡ ናይ ከበሳ ወይ ናይ መታሕት፡ ናይ ሓደ ካብ ኣውራጃታትና፡ ናይ ሓደ ካብ ብሄራትና፡ ናይ ሓደ ካብ ቋንቋታትና፡ ናይ ሓደ ካብ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና (ጀብሃ-ሻሕብያ)፡ ናይ ሓደ ካብ ሕብረተሳብኣዊ ክፍልታትና (ዝተማህረ-ዘይተማህረ)፡ ናይ ሓዲኡ ጾታትና (ጓለንስተይቲ-ወዲ ተብዕታይ)፡ ዘይኮነትስ ናይ ኩሉና እያ። ድልድል ከም ስኒ ኣድጊ ብማዕረ እትብጸሓና እምበር፡ ሓደ ወዲ ማእከል ሓደ ወዲ ወሰን እንኾነላ ኣይኮነትን። ንሕና ነንሓድሕድና እንተዘይ ተጸዋዊግና ኤርትራና ግና ብማዕረ ከም እትሕቑፈና ርዱእ እዩ። ስለዚ “ኤርትራ፡ ንኹልና ብኹልና” ክነሳ ብጸቢብ ስምዒታት ተሰሊብና ኣብ ምብትታና ከዕይም ንዝደሊሓይሊ ገጽ ክንህብ ኣይግበኣናን።
Radio Demtsi Harnnet Kassel 06.06.2019
Written by Demtsi Harnnet Kassel“በይኑ ዝጎዪ ዝቕድሞ የብሉን በይኑ ዝማጎት ዝረትዖ የብሉን” ዝብል ምስላ ኣበው ነዚ ናይ ሎሚ እንኸዶ ዘሎና ቃልሲ ከእምተልና ዝኽእል ይመስለኒ። ምኽንያቱ መሬት ኤርትራ ናጻ ካብ ዘውጽእ እነእ ሰላሳ ዓመት ተቐራሪቡ ኣሎ። ኤርትራን ህዝባን በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እኩይ ስርዓት ክትመሓደር እያ ዝብል ኣብ ኣእመሮ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዝነበረ ኣይመስልን። ማለት በቲ እቲ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ሜዳእንከሎ ዝውጽኦ ዝነበረ ጭርሖታትን ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ህዝባዊ ግምባር ካልእ ዝረብሕ ከምዘየለ ኣብ ምእማን ደረጃ ኣበጺሕዎነይሩ።
ሎሚ ውን ይስተረና ካብዚ ዝዓይነቱ ስምዒታት ዝወጻእና ኣይንመስልን። ማለት እቲ እዚ ስርዓት እዚ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣገባባት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ውን ዝረአ ዘሎ ይመስል። ሓደ ካብኡ ንኣብነት እቲ ስምዒት ጀብሃን ሻዕብያን፥ ደጋፋይን ተቓዋማይን፥ ዓበይትን ናኣሽቱን ወዘተ ዝብል ናይ መለኽቲ ፈላላዪ ሓሳባት ገና ኣይነጸፈን ። ምኽንያቱ ነቲ ጉዳይ ሃገር ንኹሉ ዝምልከት ክንሱ ናብ ናይ ደረጃ ውሱናት ንክኸውን ዘምስል ኣገባብ ተታሒዙ ምህላዉ እዩ ዝሕብር።
ወዲ ሰብ ዝጭርሖ ካልእ ኣብ ኣተሓስስባኡ ዘሎ ድማ ካልእ ክኸውን እንከሎ እዚዘለናዮ ውጽኢት እዩ ዝፈጥር። ማለትከም ኣብነት ክልተ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሜዳ ዝነበራሉ እዋን ክንደይ ኣሉታታትን ጉድለታትን ጌጋታትን ተኻይዱ እዩ። እዚ ጉድለታት እዚ ግን ብውልቀሰባት ይኹን ብኩብ ዝትግበር ዝነበረ “ነዓ ኣይፋልካን ትጋገ ኣሎኻ” ዝብል ሰብ ስለዝተሳእነ ክንደይ መንእሰያት ኣጥፊእና። ጻዕሪ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ከይድምሰስ ግና እቲ ሓቂ ክበሃል ክጸሓፍ ኣለዎ። ህዝቢ ኣብ 1974 ንኽልቲኤን ውድባት ክተዓርቕ ተበጊሱ እንተኾነ ኣይሰለጦን። ቀጺሉ እውን ኣቀራራቢት ሽማግለ ተባሂሉ ካብ ኩሉ ገጻት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብ1976 እውን ተፈቲኑ እዚ ውን ኣይሰለጠን።
እቲ ዘይመስለጢኡ ቀንዲ ምኽንያት ሓደ ኣብተን ውድባት ዝነበሩ ግዲኦም ድሩት ምንባሩ’ዩ። እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ህዝቢ ነታ ሓቂ ኣብ ክንዲ ዘውጽኣ ንገዛእ ርእሱ ጽባሕ ንግሆ ዝወርዶ መዓት ስለዝተረደአ ኣጽቂጡ። እቲ ሳልሳይ ድማ “ጥራይ እዚ እኩይ ጎባጢ ወጻእተኛ ስርዓት የልግስለና” ዝብል ግሩህ ሓሳብ ኣብ ህዝብን ኣብተን ውድባትን ሰሪጹ ብምንባሩ እዩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ህዝቢ ንሰውራ ኤርትራ ዘዕውትን ንሱ ዝቐስነሉን ዝድግፎን ብድፍረት ኣሚቱ ወይ እውን ንሓንቲ ከብተን ውድባት ብደቅናን ማልናን ንብረትናን ትጻወቲ ኣሎኺ ክብል ስለዘይከኣለ እዩ። ብተሓደ ሸነኽ ድማ እቶም ይኣክል ንጋገ ኣሎና ክብሉ ዝግበኦም ዝነበሩ ንባዕሎም ኣካል ናይቲ ጌጋብምንባሮም እውን ኣካል ናይቲ ምኽንያት እዩ። እዚ ኩሉ ሽግር እዚ ዘምጽኦ እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ይኹን፥ ማሕበርሰብ ወይ ውድባት ወይ ሰልፍታት ናይ ልዝብን እንካን ሃባን ባህሊ ዘይምውናነን እቲ ዝለዓለ ጉድለት እዩ ነይሩ። እዚ ባህሊ እዚ ድማ ጌና ምሳና እናተጓዕዘ ይኸይድ ብምህላው ሽግራትና ክንዲ ዝፍታሕ ከምዘለዎ ዝቕጽለሉ እዩ ዝረአ ዘሎ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ድሌት ናይ ኩልና ሓደ ክንሱ ኣብ ክንዲ ነሰስኖ ጫሌዳታት ብምውጻእ መራሕን ተመራሕን ተነጺሩ ናብ ዘይፍለጠሉ ኩነታት ንኣቱ ኣሎና። ጸረ እዚ ወጻዒ ውልቀሰብንስርዓቱን ክቃለስ ዝጀመረ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ማዕረ ዕድመ እቲ ስልጣን ምዃኑ ማንም ዝኽሕዶ የለን። ንኣብነት ካብ 1991 ዝጀመረ ጸረ ስርዓት ኢሰይያስ ኣብቲ እዋን እቲ ካብዞም ሎሚ ኣብ ደገ ወጺኦም ዘለዉ ሰበስልጣን ነበር ምስ ተቓወምቲ ውድባት ሓቢርና ኣይንሰርሕን ዝበሉ ውን ነይሮም ኢዮም። ልክዕ እዩ እተን ሽዑ ዝነበራ ውድባት ጉድለታት ኣይነበረንን ማለት ኣይኮነን። ግናኸ ነቲ ህልዊ ኣናሺካን ኣቆናጺብካን ተመሊስካ ነቲ ንሱ ዝሰርሖ ከምዘይሰርሖ ኣምሲልካ ምቕራብ ሓጋዚ ኣይኮነን።
እቲ ሕቶ እምበኣር ስለምንታይ እቲ ውድባት ከምዚ ናይ ሎሚ ናይ”ይኣክል” ህዝቢ ዘየዕገበ ዝብል ሕቶ ክልዓል ግቡእ እዩ። እወ፥ ንነፍሲ ወከፍ መድረኽ ዝገዝኦ ሕጊ ኣለዎ። በኡ መጠን ድማ እቲ ውድዕነትን በዓልቤትን ምብሳልን ዘይምብሳልን እውን ኣሎ። ኣብቲ ፈለማ ናጽነት ተቓውሞ እንተኣልዒልካ ሰማዒ ኣብ ልዕሊ ዘይምንባሩ፡“ሓሙሻይ መስርዕ” ዝብል ናይ ፈጠራ ስም’ውን ይወሃብ ነይሩ። ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ኤርትራዊ መንእሰይ ብዝሒ ዓዱ ጠንጢኑ ክመጽእ እንከሎ፡ ውድባት ስለ ዘይነፈዓ ድየን ወይእቲ መንእሰይ በቲ እቲ ስርዓት ዝወሃቦ ዝነበረ ግጉይን ዝምቡዕን ሓበረታ ተጽልዩምስተን ውድባት ክቃለስ ድሌት ኣይነበሮን። ሕጂ ግና መንእሰይእቲ ተላዒሉ ዘሎ ማዕበል “ይኣል”ከየበርዕንን ኣብ ናይ ሕልኽልኽ መጻወድያ ከይወድቕን፡ እቲ ሓቂ ተነጺሩ ጌጋታትና ኣበይ ከም ዘሎ ክፍለጥን ድሌታትናን ክነነጽርን ከድልየና እዩ። ዝተጸንዐ ናይ ዕድመ ጥራይ ዘይኮነእንተላይ ናይ ኣተሓሳስባ ምትኽኻእ መስርሕ ከምዘድሊ ዘንጊዕካ፡ ብድብድቡ“መንእሰይ ኢኻ መራሒ ወይ ተካኢ”ምባል ጥራሕ እኹል ኣይኮነን።
More...
“ውደባ ሓይሊ እዩ፡ ምውዳብን ተወዲብካ ሓሳብካ ምግላጽን መሰረታዊ መሰል እዩ” ኣብ ዝብሉ መሰረታዊ ኣምራት ኩልና ከም እንሰማማዕ እግምት። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና “ምውዳብን መሰልን” ዝብሉ ቃላት መዝሚዝካ፡ በይንኻ ንክትውደብ ዘገድደካ መሰረታውን ርትዓውን ምኽንያት ዘይብልካ ክንስኻ፡ ንስለ ምውዳብ ጥራይ እናተወደብካ ውድባት ምርባሕ ቅቡልን ዝተባባዕን እዩ ማለት ከምዘይኮነ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ምብዛሕ ውድባት ብቕቡል ምኽንያት በይኑ ጸገም ከም ዘይከውንን፡ ተፈሊኻ ውድብ ንምስራሕ ዘገድድ ቅቡል ምኽንያት ዘይብልካ ክንስኻ፡ ናትካ ውድብ ሰሪሕካ ነቲ ብዝሒ ውድባት መሊስካ ምብዝሑ ፋይዳ ከምዘየብሉን ክንግንዘቦ ዝግበኣና እዩ።
ንውደባ ብዝምልከት ናይ ብዙሓት ወገናት ተመኩሮ ምስ እንድህስስ፡ ውድባት ኣብ ዝበዝሓሉ እቲ ጸገም ብክንድኡ ደረጃ ይበዝሕ፡ ውድባት ኣብ ዝወሓዳሉ ድማ እቲ ጸገም ብኽንዱ ደረጃ ይውሕድ ወይ ይውገድ ኢልካ ምድምዳም ኣጸጋሚ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ናይ ጐረባብትና ተመኩሮ ከም ኣብነት እንተወሰድና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ 107 ውድባት ብወግዒ ተመዝጊበን ኣለዋ። ኣብ ኤርትራ ከኣ ሓንቲ ንሳውን ኣይምውቲ ኣይስርርቲ ውድብ ህግዲፍ ጥራይ እያ ዘላ። እቲ ኩነታት ከኣ ኢትዮጵያ ዓዲ ብዙሓት ውድባት ስለ ዝኾነት ዘይደሓን፡ ኤርትራ ግና ዓዲ እንኮ ውድብ ስለ ዝኾነት ኣዝያ ደሓንን ጥጥሕትን ናብ ዝብል መደምደምታ ከም ዘየብጸሓና ብሩህ እዩ። ኮታ ኤርትራ ዓዲ ሓንቲ ውድብ ክነሳ ካብ ኩለን እተን ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ዘለወን ሃገራት ዝያዳ ጸልሚታ ዘላ ሃገር እያ።
ካልእ ካብ ናይ ካለኦት ተመኩሮ፡ ንብዝሕን ዋሕድን ውድባት ብዝምልከት እንቐስሞ፡ ውሑዳት ክንስኻ ዘይምስምማዕ ከም ዘጋጥም፡ ብዙሓት እንከለኻ ከኣ ኣሳኒኻ ምኻድ ከም ዝከኣል እዩ። ኣብ መስርሕ ምውዳብ፡ ነቲ ውድባት ካብ ዘብዝሕዎ ምኽንያታት፡ ኣብ ክንዲ ዓበይቲ ጉዳያት ህዝብን ሃገርን ቀዳምነትካ እትሰርዕ ናእሽቱ ጉዳያትን ጸበብቲ ኣካይዳታትን ምምራጽ እዩ። ንከምዚ ዓይነት ዘይቅቡልን ዘይሓላፍነታውን ውልቃውነት ዝሳዕረሮ ኣወዳድባ ኣድላይነት ከም ዘየብሉ ምንጽብራቕ መሰል ኮይኑ፡ ናይቶም “ምርጫና እዩ” ኢሎም ነቲ ስጉምቲ ዝወሰዱ ወገናት ናይ ምውዳብ መሰል ገፊፍካ ካብ መድረኽ ክትስርዞም ምፍታን ግና ጸገም እዩ። እዚ ስንኩፍ ክነሱ ነቲ ምብዛሕ ውድባት ዘጋድድ ኣካይዳ ዝውገድ እምበኣር፡ ናብ ህዝቢ ዘቕርቦ ሓሳብ ዓዳጊ ህዝቢ ከም ዝስእን ብምግባር ጥራይ እዩ። ክሳብ ናብ ናይ ህዝቢ ፍርዲ ቀሪቡ እግባይ ዘይብሉ ፍርዲ ዝረክብ ግና ንዕኡ ብዝምጥን ደረጃ እንዳተመሓደረ ተተይ ምባሉ ናይ ግድን እዩ ዝኸውን።
ምናልባት፡ ንብዝሒ ውድባት ምውጋዝ ከም ሜላ ተጠቒምካ፡ ንዘይትፈትዎ ውድባት መፍረሲ ወይ መወገዲ ክውሰድ እንተኮይኑ ግጉይ እዩ። ምስ መሰረታዊ መሰል ምውዳብ እውን ዘሳኒ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ንዘይትኣምነሉ ውድባት ተወዳዲርካ ስዒርካ ካብ መድረኽ ክትኣልዮ ምቅላስ ቅቡል እዩ። እቲ መስርሕ ከኣ፡ በቲ ሓደ ወገን ናትካ ብልጫ ኣለዎ ዝበልካዮ ኣተሓሳስባ ብምስራጽ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ብዘይትቕበሎ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ውድባት ህዝባዊ ተቐባልነት ኣኽሊእካ ሓሳቡ ህዝባዊ ዕዳጋ ከም ዝስእን ብምግባር ጥራይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ካብዚ ወጻኢ ዝውሰድ ናይ ኣቋራጭ መንገዲ ምናልባት ግዝያዊ መዕጋሲ እምበር ነባሪ ፍታሕ ኣየምጽእን። ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚቲ “ኢኻ ኣይኮንካን” ናይ ምባል ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ህዝቢ ቀሪቡ ሃናኡ እንተዘይወዲኡ እቲ ዘጥፋእካዮ ዝመስለካ ሓዊ ግዜ መሪጹን ኣገባቡ ቀይሩን ፈኸም ክብል ስለ ዝኽእል። ሓደ ውድባ ክንመዝን እንከለና ካብ ጸቢብነትን ውልቃውነትን ወጻኢእና ዝምረሓሉ መትከላትን ዘቕርቦ መዋጸኦታትን ጥራይ ክኸውን ይግበኦ። ውድብ ናይ ቃልሲ መሳርሒ እምበር ናይ ካልእ መንነት መርኣያ ከምዘይኮነ’ውን ክንቅበል ይግበኣና።
እምበኣር “ቀዳማይ ጸገምና ምብዛሕና ኣይኮነን” ካብ በልና፡ ነቲ ጸገምና ሃሰስ ክንብሎ ናይ ግድን እዩ። ጸገምና፡ ነቲ ዝፈላልየና ከይረሳዕና፡ ነቲ ዘመሳስለና ዓበይቲ ጉዳያት ሃገርን ህዝብን ኣግኒንና፡ ናይ ውልቅና ወይ ጉጅለና ዘይኮነ ናይ ሓባርና ዋኒን ቅድሚት ሰሪዕና፡ ኣመሓዲርናን ሓላፍነት ወሲድናን ብሓባር ክንስጉም ዘይምብቃዕና እዩ። ከምዚ ክንገብር እንተበቒዕና፡ ነቲ “ፍልልያትካ ዓቂብካ ብሓባር ምንባር” ዝብል ንፍልልያት ዘርስዕን ንኣገዳስነት ሓድነት ዘበርኽን መትከል ክንበቕዖ ኢና። ነዚ እንተዘይበቒዕናዮ ግና መወጽኦ ኣይክህልወናን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ “ክውደብ እየ” ክብል እቲ ካልእ ከኣ ፈቓድን ከላእን ኮይኑ “የለን ውድባት ምእንቲ ከይበዝሓና ኣይትውደብ ኢኻ” ወይ “ውድባት በዚሐናና ስለ ዘለዋ ኣፍርስ” በሃላይ ኮይኑ ብዙሕነት ከነመሓድ ኣይንኽእልን ኢና። ብዙሑነት ምምሕዳር እንተዘይበቒዕካ፡ እቲ መፍትሒ፡ ነዚ ዘኽእል ዓምቕሚ ንምፍጣር ምጽዓር እምበር ውደባታት ምፍራስ ኣይኮነን።
ውድባት ብቑዓት ተወዳደርቲ ምእንቲ ክኾና፡ ዝቃለሳሉ መትከል ከነጽራ፡ ፈታዊአንን ጸላኢአንን ክፈልጣ፡ ብቑዕ መሪሕነትን ግሉጽነት ዘለዎ ኣሰራርሓን ክውንና፡ ዲሞክራስያዊ መትከላት፡ ክኽተላ …… ወዘተ ምባልን ከምኡ ንክበቕዓ ምሕጋዘንን ግና ቅቡል እዩ። ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ጸገምና ንብዙሕነት ኣከኣኢልካ ክትከይድ ዘይምብቃዕ እምበር ምብዛሕ ስለ ዘይኮነን። ውድባት እውን በቲ ሓደ ወገን ተመሳሳሊ ወይ ኣዝዩ ተቓራራቢ ኣተሓሳስባ ዘለወን ክሰምራ፡ መሰረታዊ ፍልልይ ዘለወን ከኣ ኣብቲ ዘሰማምዐን ጽላል ከጽልላ ኣጽሊለን ክቃለሳ ክጽዕራ ግደታአን ምዃኑ ክፈልጣ ኣለወን። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ በበይንኻ ምውፋር ርዒመን ኣብ ምጥምማት ደሪቐን ዘይምኽኑይ ግዜ ክበልዓ ቅቡል ኣይኮነን። ናብቲ ቀዳማይ ኣብነተይ ክምለስ ብናይ ዜና ማዕከናት ከም ዝተኸታተልናዮ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ካብተን ናይ ኢትዮጵያ 107 ውድባት፡ ቅድም 7 ውድባት፡ ደሓር ከኣ ካለኦት 5 ውድባት ሓድነት ፈጢረን። ካልኦት 9 ውድባት ድማ ኣብ መስርሕ ኣለዋ ይበሃል። ንሕና እውን በዝታት ቅዱስ ቅንእን ትብዓትን ክሓድረና ይግበኦ።
ሎሚ መብዛሕትኡ ዓለምና ካብ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ናብ ሊበራል ዲሞክራሲ ንኽግልበጥ ላዕልን ታሕትን ዝበሃል ዘሎ እዩ ዝመስል። ብፍላይ ኣመሪካ ዝመራሒተን ከም ቀንዲ ሓያል ሃገር ኮይና ነቲ ናታ ርእይቶ ክተስፋሕፋሕ ኢያ ትጽዕር ዘላ። እዚ ድማ ናብ ዓቢ ሽግር ዝሸምምን ድኻ ዝብደለሉን፥ ነፍሲ ወከፍ ብዕድሉ ይወስን ዝበሃለሉ፡ ግዜ እናኾነ ክቕጽል ምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ማለት እቲ “ዓቢ ንንእሽቶ ይውሕጥ” ዝዓይነቱ ናይ ዳርዊን ፍልስፍና እዩ ክስዕብ።
ህዝባውያን ማሕበራት ብናይ ኣክትቪስት ወይ ናይ ረብሓ ማሕበር ኣብ ዝብል’ውን ዝቕየር እዩ ዝመስል ዘሎ። በዚ ምኽንያት እቲ ህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝነጽግ ብፍላይ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ምሁር ይኹን ዘይተማህረ እናበርከተ እዩ። ስቪካውያን ማሕበራት ብዘይ ህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ወይ ህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብዘይ ስቪካዊ ማሕበራት፥ ከምኡ እውን ሓደ ካብዚኦም ድልዱል እቲ ሓደ ድማ ድኹም እንተኾይኖም ዲሞክራሲ ይኹን ፍትሓዊ ሕብረተሰብ ክትሃንጽ ኣሸጋሪ ኢዩ። ኣሸጋሪ ጥራይ ዘይኮነስ ሰላምን ቅሳነትን ዘውሕስን ምእዙዝነት ንግዝኣተ ሕግን ኣይህሉን እዩ።
ስለዚ ኩሉ ግዜ መልኽቲ ወይ ምልካዊ ኣተሓሳስባ (ኢሰያስ ጥራይ ኣይኮነን) ዘለዎም ደቂ ሰባት ንህላዌ ሲቭል ማሕበራት ኣይድግፉን ንፖለቲካዊ ሰልፍታት እሞ ኸኣ ከም ቁርን ኣስሓይታን ኢዮም ዝፈርሕወን። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቶም ኣብ ግዜ እቶ እቶ ተሓቢኦም ዝጸንሑ ተበለጽትን ኣሎናልካ በሃልትን፥ ንሕና ኢና ዝብሉን ሰሊኾም ንምእታው ዝገብርዎ ዓቕሊጽበታዊ ፋሕተርተር እዩ። ስለዚ ሓደ “ኣነ ደላይ ፍትሒ ኢየ” ዝብል ንህላዌ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝጻረርን፥ ዘናሹን፥ መጀመርያ ነቲ ህዝብን ንግዛእ ርእሱን እዩ ዘናሹ ዘሎ። ካልኣይ ድማ ካብቲ መላኺ ስርዓት’ውን ፈሊኻ ንኽትርእዮ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።
ምኽንያቱ መጀመርያ ሰልፍታት ካብ ህዝቢ ኢየን ዝምንጭዋ፥ ስለዚ ድማ ኣካል ህዝቢ ኢየን። ብዝኾነ ግን እቲ ንሳተን ቅድሚ ሎሚ ዝዓመመኦን ዘንጸፈኦን ባይታ እኮ እዩ እዚ ትማሊ ሓሙሻይ መስርዕ ዝብለን ዝነበረ፥ሎሚ ተመሊሱ ቃሉ ከየዕብር ብማለት “ውድባት የላዋን፥ ውድባት ኣይረብሓን” እናበለ ንሓያለይ ዓመታት ዝዘመረ።
እዘን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ካብ 1991 ኣትሒዘን፥ እምቢ ንምልኪ፥ ይኣክል እንኮ ሰልፋዊ ምሕደራ፥ ለውጢ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ፥ ህዝባዊ ሰራዊት ኣካል ናይ ለውጢ እዩ፥ ግዝኣተ-ሕጊ ይንገስ፡ እንተበላ ግን በንጻሩ ከም ከሓድቲ ሃገርን፥ ደገፍቲ ስርዓት ኢሰያስ ኣምሲሎም ከቕርብወን እውን ዝፈተንሉ ግዜ ውሑድ ኣይነበረን። ኣብዚ ግደ ሓቂ ንምዝራብ እዚ መንእሰይ’ዚ ተበዲሉ እምበር ኣይበደለን። ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣስማት ክልጥፍ ዝገበርዎ ግን እንተስ ካብቲ ስርዓት ይኹን እንተስ ካብ ፈሊጣውያን ኢና በሃልቲ፡ ብስውር ዘስንቑ እዮም በደልቱ። እዞም ስውራት ደቂ ሕድርትና ብታሕተ ታሕቲ ሓቂ ኣምሲሎም ዘስንቑ ባእታታት ግን ገሊኡ ብጋህዲ ይብልዎን ይቀሳቐስሉን ስለዘልዉ ክነቕሓሎም ይግባእ። ምኽንያቱ ሕንፍሽፍሽ ንመን ይጠቅም እንተልና ነቶም መድናገርትን ቅኑዓት ተምሲሎም ዝቐርቡን እዩ ዘርብሕ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኩሉ ዝበሃል ዘሎ እንተኾነ ቅድሚ ናጽነት ዝበሃል ዝነበረን ብውሑዱ ከኣ ድሕሪ ናጽነት ኣዝዩ ጎሊሑ ዝግለጸሉ ዘሎን እዩ።
እዚ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝማዕበለ እምበር ሓዲሽ ዝመጸ የለን። መንእሰያት ንበሎ ህዝባዊ ምጥርናፋት ቅድሚ ሎሚ ባይታ ዝተነጽፎ ኢዩ ነይሩ እሞ ዓበይትናን ናኣሽቱናን ሓደ ነቲ ሓደ ረጊሑ ዝጭብጦ ዓወትን ዘምጽኦ ለውጥን ከምዘየለ ክንኣምን ይግበኣና። ኣምስያኡ ድማ ነቲ ቅድሚ ሎሚ ዝበሃል ዝነበረ ታሪኽ፡ ምድምሳስ ናብ ሓቅነትን ፍትሓውነትን ምትእምማንን ዘብጽሕ ኣገባብ ክኸውን ኣይኮነን። ይኣክል ክበሃል እንከሎ ብጣዕሚ ምቁር ቃል ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምቁርነቱ ግና ነቲ ትማሊ ዝተፈጸመ እወታዊ ታሪኽን፥ ግደ ናይ ካልኦትን ብምድምሳስ እንተኾይኑ ግን ኣብ ክንዲ ይኣክል ዘይኣክል ከይከውን ነግሩ ምስትብሃል ከድሊ ኢዩ። ስለዚ እዚ በብጉጅለኻ ተወዲብካ ወይ ውን ሓዲሽ ሓዲሽ ስያሜ እናኣምጻእካ ውድባት ምፍጣርን ምፍንጫልን መፍቶ ምልኪ እምበር መምጽኢ ፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ኣይመስልን።
ኣብ ሎንደን በዓል መዓልቲ ነጻነት 2019 ብኣሰፋው በርሀ ዝተዋህበ መግለጺ
ኣኼባ ኣባላት ክልተ ውድባትና፡ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድሪ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ብ1 ሰነ 2019 ተኻይዱ። ኣብ መእተዊ እዚ ኣኼባ ኣቦ-መንበራት ክልቲኡ ውድባት ብጾት መንግስተኣብ ኣስመሮምን ክፍለዝጊ ገ/መድህንን፡ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽትን ናይ ሓድነት ኣድላይነት ዝምልከት ሓጺር ቃልን ኣቕሪቦም። ድሕሪ’ዚ ኣኼባ ናብቲ ኣቐዲሙ ናብ ኩሎም ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ተመሓላሊፉ ዝጸንሐ ኣጀንዳ ኣትዩ። ኣጀንዳ እዚ ዝስዕብ ሰለስተ ዛዕባታት ነይሩ።
- ኣጀማምራን ኣመዓባብላን ርክብ ክልቲኡ ውድባት፡
- ንሓባራዊ ጕባኤ ተገይሩ ዘሎ ምድላዋትን
- ድሕሪ ጕባኤ ዝጽበየና ቃልስን ዕማምን።
በዚ መሰረት ነቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ ብዝምልከት፡ ብናይታ ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ንመስርሕ ሓድነት ክልቲኡ ውድባት ዝምልከት ምቅርራብ ክትሰርሕ ዝጸንሐት ናይ ሓባር ናይ ዘተ/ኣወሃሃዲት ሽማግለ፡ ኣቦመንበር ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)ን ጸሓፊኣ ብጻይ ብርሃነ ደበሱን እቲ መስርሕ ከመይ ከም ዝተጀመረ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝነበረ ብድሆታትን ዝተሰግረሉ ኣገባባትን ሕጂ መጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብዝምልከት ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቑን መብርሂ ተዋሂቡ። በቲ ዝተዋህበ መብርሂ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ’ቲ ክድህሰስ ዝግበኦ ዛዕባታት ተመዚኑ ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ተበጺሑ ከም ዘሎ ተመልኪቱ።
ኣደመንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለ ብጸይቲ ኣድያም ተፈራን ምክትል ሽማግለ ብጻይ ሃይለ ወልደሚካኤን ከኣ መስርሕ ምድላው ዕዉት ጉባአ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም። ኣብቲ መብርሂኦም ናይ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሽማግለ ዝርዝር ስረሓትን ተበጺሑ ዘሎ ደርጃን ኣነጺሮም። ኣብ መግለጺኦም ኣባላት ክልቲኡ ውድባት ዘበርክትዎ ዘለዉ ኩለ መዳያዊ ወፈያን ኣበርክቶን ዝነኣድን ዘተባብዕን ምዃኑ ጠቒሶም። ንቐረብ (ሎጂስቲክ) ጉባአ ዝምልከት ዝርዝር እውን ሓቢሮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምድላው ሰነዳት ዳርጋ ከም ዝተወደአን መስርሕ ምርጫ ተሳተፍቲ ጉባአ’ውን ይገማገም ከም ዘሎን ገሊጾም።
ኣቦመንበራት ክልቲኡ ውድባት ከኣ ነቲ ብሳልሳይ ደረጃ ተታሒዙ ዘሎ ኣጀንዳ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ መስርሕ ሓድነት ኣብ ምጽንባር እዚ ክልተ ውድባት ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ማዕባሊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ድሕሪ ጉባአ እውን ንዝሰፍሐ ሓድነት እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ ገሊጾም። ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጸገማትን ብደሆታትን ከጋጥምን’ኳ ንቡር እንተኾነ፡ እቲ መፍትሒ ንጸገማት ብመትከላዊ እምንቶ፡ ጽንዓትን ምክእኣልን ምግጣሙ ምዃኑ ብሰፊሑ ገሊጾም። ግደ እዚ ዝሰምር ዘሎ ሓይልታት ኣብ ምዕዋት እቲ ተስፋ ህዝብና ኣለምሊሙ ዘሎ ናይ ለውጢ ንቕሎ “ይኣክል” እንታይ ክመስል ከም ዝግበኦ’ውን ኣመልኪቶም። ኣተሓሒዞም ከኣ ብዝከኣል መጠን መንእሰይ ኣብ መሪሕነት ግደኡ ዝፍጽመሉ መድረኽ ምጥጣሕ ከም ዕማም ክተሓዝ ከም ዝግበኦ በቶም ኣቦመንበራት ተጠቒሱ።
ኣቦመንበር ሓጻይት ሽማግለ ብጻይ ገ/እግዝኣብሄር ተወልደ እውን ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ መስርሕ ምሕጻይ ንኣባላት መሪሕነት ብዝምልከት ሰፊሕ መብርህን ኩሎም ኣባላት ኣብቲ ተመዲብሎም ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ሕጹያቶም ከቕርቡን መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።
ድሕርዚ ሰፋሕቲ መግለጽታት፡ ተሳተፍቲ ሕቶታት ኣቕሪቦም ብቑዕ መልስታት ከኣ ተዋሂብዎም። ብዘይካዚ ተሳተፍቲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ መስርዕ መስርሕ ሓድነት ተሰሊፎም ኣድላይ ምድላዋት ኣጻፊፎም ንዘለዉ ኣካላት ኣመጒሶም ካብኣቶም ትጽቢት ዝግበረሉ ኣበርክቶ ከወፍዩ ቅሩባት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ውጽኢት ሓድነት ብመንጽር ህዝብን ሃገርን እምበር ብጸቢብ ውድባዊ መዕቀንታት ክረአ ከምዘይግባእ እውን እቶም ርኢቶ ዝሃቡ ተሳተፍቲ ኣነጺሮም።