ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ጨንፈር ቁ.2 ሃገር ሽወደን ቀዳማይ ዕውት ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዶም
2019-12-02 19:34:56 Written by ሽማግለ ጨንፈር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1967 timesድሕሪ ዕዉት ታሪኻዊ 3ይ ሓድነታዊ ጉባኤ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ፡ ኣብ ዳግመ ስርርዕን ሓድሽ ሰንጠረጅ ምምላእ ተጸሚዶም ድሕሪ ምጽናሖም ብቀዳም ዕለት 30/11/2019 ካብ ሰዓት 20.30 ክሳብ 22.30 ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኦም ኣካይዶም። ኣኼባ 5ተ ኣጀንዳታት ዝሓቆፈ ኮይኑ ማለት፡ ኣብ ጽማቅ እዋናዊ ሓበሬታ፡ ኣብ ስርርዕ፡ ኣብ ምጣነ ሃብታዊ ኣብ ህዝባዊ ዲፕሎማስን ብዕምቆት ተካቲዑ ኣገደስቲ ርእይቶታትን ለዋባታትን ኣስፊሩ። ብዝያዳ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ናይ ይእክል ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ብምእኩልን ሓባራዊ ተሳታፍነት ዝሕመረቱ ክኸውን ንግደን ተሳታፍነትን ውድባት ኤርትራ ዝሓቆፈ ክኸውን ብጥንቁቅ ኣገባብ ኩሉ ኣባል ጨንፈር ክሳተፍ ኣስሚሮምሉ። ኣብ መወዳእታ ስፍሓት ሰዲህኤ እናማዕበለ ይኸይድ ሰለ ዘሎ ኣብ ሃገረ ዳንማርክ ጨንፈር ናይ ምቋም ዘድሊ ምድላዋት ምግባር ሽማገለ ጨንፈር ብንጥፈት ክትዋሳእ ኣስሚሮምሉ ፡ ኣብዚ ወርሒ እዚ ዝተሰዉኡ ብጾትን ቤተሰብን ዝኽሪ ብምግባር ኣኼባ ብዉህደት ተዛዚሙ።