Image copyright Elsa Chyrum
ኣብ ጂቡቲ፡ ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ 'ምሩኻት' ኤርትራውያን ከም ስደተኛታት ናብ ካናዳ ኣትዮም።
እቶም 19 ኤርትራውያን፡ ካብ 2008 ክሳብ 2016 ከም ምሩኻት ኲናት ን8 ዓመታት ብመንግስቲ ጂቡቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ'ዮም።
ኤርትራን ጂቡቲን ብጉዳይ ምስሕሓብ ዶብ ኣብ 2008 ናብ ኲናት ኣትየን ምንባረን ይዝከር።
ኣብቲ ዓመት ዝተኻደ ውግእ፡ ጂቡቲ ነቶም 19 ከም ዝማረኸትን፡ ኤርትራ ዝማረኸቶም ወታሃደራት ጂቡቲ ከም የዘለዉ'ውን ክትገልጽ ከምዝጸንሓት ተሓላቒት ሰባዊ መሰላት፡ ኤልሳ ጭሩም ንቢቢሲ ተዛሪባ።
- ጂቡቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ ማዕቐብ ንኽለዓል ዝቐረበ ሕቶ ተቓዊማ
- ንሰብ ዓይኒ፡ ዓይነ ስውራን ዝገብር ድራር
- ጅቡቲ ንምልዓል እገዳ ኤርትራ ሓንጎፋይ ኢላ ተቐቢላቶ
እንተኾነ ግን፡ ኤርትራ፡ ዝተማረኻን ዝማረኸቶን ወታሃደር ከም ዘየለን ክትገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብመንጎኝነት መንግስቲ ቐጠር [ኳታር] ኣብ 2016፡ ኣርባዕተ ወታሃደራት ጂቡቲ ፈቲሓ።
መንግስቲ ጂቡቲ ብወገኑ፡ ነቶም ከም ምሩኻት ሒዝዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን፡ ሃገሮም ስለዘይኣመነትሎም ኣብታ ሃገር ከም ሓተትቲ ዑቕባ ኮይኖም ክጸንሑ ፈቲሕዎም።
"ማሕበርና ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ጂቡቲ፡ ንዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር፡ ካብ 2013 ጀሚርና፡ መንግስቲ ጂቡቲ ይቐረ ኢሉ ክፈትሖምን ናብ ሳልሳይ ሃገር ክጣየሱን ክንጉስጉስን ክንላቦን ጸኒሕና ኢና። መወዳእትኡ ግን፡ መንግስቲ ጂቡቲ ኣብ 2016 ይቕረ ኢሉሎም፡ ካብኡ ድማ ዝወስድኦም ሃገራት ክድለየሎም ክሳብ ሕጂ ጸኒሖም፡ ኣብ መወዳእታ ካናዳ ተቐቢላቶም" ትብል ዳይረክትር ናይቲ ማሕበር ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም።
ኤርትራ ኣፍልጦ ስለዘይሃበቶም፡ ''ሃገር-ኣልቦ'' ኮይኖም ከም ዝጸንሑ ወይዘሮ ኣልሳ ሓቢራ።
ኣብ ጂቡቲ ከም ምሩኻት ኲናት ተኣሲሮምሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ ጋዳን ዝተባህለ ጹኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ምንባሮምን፡ ንፈለማ ግዜ ብኣካል ክትረኽቦም ዝኸኣለት ኤርትራዊት ምንባራ'ውን ኤልሳ ገሊጻ።
Image copyright UN Web TV ናይ ምስሊ መግለጺ ኤልሳ ጭሩም (የማን) ካብ ማእሰርቲ ዝወጽእሉ መንገድታ ንምንዳይ ክትጽዕር ዝጸንሐት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት'ያ
ኣተሓሕዘኦም ሕማቕ ብምንባሩ'ውን፡ ገለ ካብኦም ናይ ጥዕና ጸገማት ከም ዘጋጠሞምን፡ ኣብ ካናዳ፡ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ሬድኤት ይግበረሎም ከም ዘሎን ጠቒሳ።
ብሰንኪ እቲ ዶባዊ ኲናት፡ ጂቡቲን ኤርትራን ዲፕሎማስያዊ ዝመድንአን በቲኸን'የን ጸኒሐን። ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ግን፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዘ ንፈለማ እዋን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ናብታ ሃገር ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ጂቡቲ ተዘራሪቡ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ዛጊት ዲፕሎማስያዊ ይኹን ካልእ ርክባተን ናብ ንቡር ኣይተመልሰን ዘሎ።
ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካብ ገደብ ኣልቦ ዕስክርና፡ ሃይማኖታዊ ምስዳድ ይኹን ካልኦት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሃዲሞም ናብ ስደት ክውሕዙ ጸኒሖም'ዮም።
መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ጠንቂ ናይቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ጎንጺ ዘምረሐ ዶባዊ ምስሕሓብን፡ ስደት መንእሰያትን፡ ብምዕራባውያን ሃገራት ኮነ ኢልካ ዝተወጠነን ዝተወደበን "ውዲት" ክብል የማርር።
ርእሰ-ዓንቀጽ፡ ሰዲህኤ
ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ ምግሃድ ኤርትራ ከም ሃገር ዝዕድመኡ ነዊሕ እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ካብ እትፍለጥ፡ ባህርያቱን ደረጃታቱን ደኣ ይቀያየር እምበር ህዝባ ካብ ቃልሲ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ኩሉ ቃልሱ ከኣ ዘይናትካ ኣብ ምድላይን ዘይግዝኣትካ ምውራርን ዘድሃበ ዘይኮነ፡ መሰልካ ናይ ምውሓስ ግደነታዊ ሓላፍነት እዩ ነይሩ። እቶም ኣንጻርዚ መሰረታዊ መሰላቱ ስለ ዝኾኑ ክቃለሶም ዝጸንሐ ሓይልታት ንሓንሳብ ግዳማውያን ንሓንሳብ ከኣ ውሽጣውያን ኮይኖም፡ ብትሕዝተኦም ግና ዘይፈላለዩ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ከም ሃገርን ኣንጻር ህዝባ ከም ሓታቲ መሰልን እዮም።
ነቲ ዝተናውሐን ክሳብ ሕጂ ቀጻሊ ዘሎን ተመኩሮ ቃልሲ ህዝብና ኣብ ውሱን ኣጋጣሚ ምዝርዛር ኣጸጋሚ እዩ። በመሰረቱ’ውን ኣብዚ ርእሰ-ዓንቀጽ’ዚ እነድህበሉ፡ እዋኑ ስለ ዝኾነ፡ መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም (1961-2019) ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ባሕቲ መስከረም 1961 ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ “ሀ” ኢሉ ዝጀመረሉ ዘይኮነ፡ ናብ ሓድሽን በሊሕን ምዕራፍ ቃልሲ ዝተሰጋገረሉ እዩ። ነቲ ቅድሚኡ ኣብ ኤርትራ ክሕቆን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ናብ ተራጻሚ ኣገባብ ቃልሲ ዝተሰጋገረሉ እዩ። እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ኤርትራ፡ ዓብይ ነጥበ-መቐይሮ ስለ ዝነበረ፡ ነታ ነዚ ዘበሰረት ዕለት ባሕቲ መስከረም ኩልና ኤርትራውያን ወትሩ ክንዝክራ ናይ ግድን እዩ። ጸጋታትን ውርሻታትን ባሕቲ መስከረም ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ እንዝክሮ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ህይወትና ግቡእ ቦታ ኣለዋ። ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ብዙሕ ምስጢራት ዝሓቖፈት ስለ ዝኾነት፡ ነቲ ቃልሲ ዘበሰረትን መጻኢ ዕድል ኤርትራን ህዝባን ዘመላኸተት’ውን እያ። ኣብቲ ናይ ክሳብ ሎሚ መስርሕ ቃልስና ዝሓለፉ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ብዘይኣፈላላይ፡ ብዓብይኡ ከኣ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ከም ዝከኣል ዝገበረ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም ክዝከሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብናይ ክሳብ ሕጂ መስዋእቶም ክምጐሱ፡ ንናይ መጻኢ ቃልሲ ከኣ ዝዕደሙ ኣካላት እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ሓደ ተግባር ክንፍጽም እንከለና “ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ” ብዝብል ሕድሪ እንክትም።
ኣብዚ ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ምስጢራት ዝሓቖፈ ናይ 58 ዓመታት ተኸታታሊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ተስፋ ዝህቡን ተስፋ ዘቑርጹን፡ ዘዕዉቱን ዘስዕሩን፡ ዘቀራርቡን ዘረሓሕቑን ተዘክሮታት ተራእዮም እዮም። ኮታ ሓደ ብደሆ ክሓልፍ እንከሎ ብካልእ ብደሆ እንዳተከኦ እዩ ቃልስና ክቕጽል ጸኒሑን ዘሎን። ናይቲ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ እከይ ተግባራት ወራሪ ሓይሊ’ኳ ካብኡ ካልእ ስለ ዘይትጽበ፡ ዝኾነ መኾነ። ኣብዚ መስርሕዚ ብሰንኪ፡ ጉዳዩ ብግቡእ ክሕዝ ዘይምብቅዑ ንኤርትራዊ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ሕድሕዳዊ ግጭትን ክሳርኡን ግና ተጣዒስካ ዘይምለስ፡ እንደጋና ከም ዘይድገም ምግባሩ ዝከኣል፡ ኣዝዩ ኮርኳሕ መንገዲ እዩ ክጐዓዝ ጸኒሑ። ቃልስና ሕጂ እውን ጌና ካብዚ ኩርኳሕ ጉዕዞ ኣይወጸአን ዘሎ።
ባሕቲ መስከረም ነዚ ጌና ዘይተዛዘመ ቃልስና ዘበሰረት ታሪኻዊት ዕለት ብምዃና ክንዝክራን ከነጸንብላን ግድን ስለ ዝኾነ፡ እንሆ ከምኡ ክንገብር ጸኒሕና። እንተኾነ እዛ ዕለት እያ ዘይትቕየር እምበር እቲ ክንዝክራ እንከለና ዝኸበና ህሞትስ፡ ከከም ናይቲ እዋን ምዕብልናታት ክቀያየር ዝጸንሐ እዩ። ድሕሪ 10 ዓመታት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና 1971 ኣብ ተሓኤ ዝተራእየ ምፍንጫል፡ ድሕሪ 20 ዓመት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና ብ1981 ሓያል ውግእ ሕድሕድን ምብሓት ሜዳ ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነት ሓርነት ትግራይን፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና 1991 ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጻ ምውጸኣ፥ ድሕሪ 40 ዓመታት ምብሳር ብረታዊ ቃልስና 2001 ምእሳር ነባራት መራሕትን ላዕለዎት ካድራትን ህግሓኤን ምዕጻው ውልዶ ናይ ብሕቲ ሚድያን ብህግዲፍ፡ ኩሎም እዚኣቶም ኣብቲ ናይ 58 ዓመታት ነዊሕ ጉዕዞ ነናቶም ንኡስ ምዕራፋትን ጽልዋን ዘለዎም ተረኽቦታት እዮም። እዚ ውረድ ደይብ ኣብቶም ቀጥታዊ ተዋሳእቱ ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ዝነበረ ዘይኮነ፡ ኣሉታዊ ኮነ ኣውንታዊ ሳዕቤናቱ፡ ኣብ ጥቕላላ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮን ዘለዎን ስንብራት ቀሊል ኣይኮነን።
እነሆ መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ጽልዋ ሒዛ መጺኣ። ከምተን ቅድሚኣ ዝነበራ ባሕትታት መስከረም ከኣ ሓላፍነት ከተሰክመና እያ። ሎሚ ከቢበሙና ዘለዉ ምዕባለታት መብዛሕትኦም ዓሚ፡ ቅድሚ ዓምን ቅድሚኡን ዝነበሩ ክነሶም ውሱን ምዕብልና ዘርኣዩ እዮም። መብዛሕተኦም ከኣ በቲ ሓደ ወገን ተስፋ ዝህቡ በቲ ካልእ ወገን ግና ብደሆና መሊሶም ዘዕዝዙ ኮይኖም ንረኽቦም። ህዝብና ኣብ መስርዕ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ህግዲፍ ሎሚ’ውን ቀጥ ኢሉ ጸኒዑ ምህላዉን ብሳላዚ ጽንዓቱ፡ ሰግኣት ህግዲፍ ይዓርግ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ተርእዮ እዩ። ናብ ደረጃ “ይኣክል” ምምድያቡ ከኣ ናይዚ ተደራቢ መርኣያ እዩ። ናይ ይኣክል ምልዕዓል ኣብ ዝጭበጥ ውጽኢት ንክበጽሕ ብዙሕ ምውሕሓጥ፡ ምርድዳእን ምውድዳብን ከም ዝተርፈና፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ዕለት ከነስተውዕለሉ ናይ ግድን እዩ። ብኣንጻሩ ብሰንኪ ህግዲፍ ሓፈሻዊ መነባብሮን ህይወትን ህዝብና ካብ ዝሓመቐ ናብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ይኸይድ ምህላዉ፡ ሃገርና መንእሰይ ዝሓረማ ኮይና፡ ናይ ብርሰት ደበና የንጸላልዋ ከም ዘሎ ክስቆረና ይግበኦ። ናይ “ርድኡንን ኣድሕኑንን” ኣውያት ሃገርና ከኣ ዓው ኢሉ ይስማዕ ኣሎ። ንሕና ሓቢርና “ኣለናልኪ” ኢልና ልሳን’ቲ ተዓቢሱ ዘሎ ህዝባና ክንከውን ዘይምኽኣልና ክብደት ናይቲ ኣብ ኣብ እንግደዓና ዘሎ ብድሆ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም፡ ናይ ቃል ዘይኮነ ናይ ተግባር ይኣክል ከነበርኽ ንጥለብ ኣለና።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ኣብ ጽባሕ 3ይን ሓድነታውን ጉባአና ኢና እንቕበላ ዘለና። እዚ ከኣ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣቀባብላና ንባሕቲ መስከረም ዝተፈልየ ይገብሮ። ምእንቲ ብግብሪ ዝተፈልየ ክኸውን ከኣ ሓቢርካ ብምስራሕ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ምድሓን ዘቐድም ውሳነታት ጉባአና ከነተግብር፡ ክንቃለስ ምዃና ኣብ ታሪኻዊ መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ቃል ንኣቱ።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ
1 መስከረም 2019
ATV: ህይወትና፡ ዕላል ምስ ተስፋይ ወ/ሚካኤል–3ይ ክፋል
Radio Demtsi Harnnet Kassel 29.08.2019
Written by Demtsi Harnnet Kasselኣብ መንጎ ናይ ለውጢ ሓይልታትን ምምሕዳር ህግዲፍን ዘሎ ፍልልይን ሓድነትን ብዙሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓጺሩ ክጥቀስ እንከሎ፡ ኣብ ኤርትራውያን ዘሎ ናይ ጨቋንን ነቲ ጭቆና ኣወጉዱ ራህዋ ከረጋግጽ ዝቃለስ ወገንን ዘሎ ተጻራሪ ዝምድና እዩ ኢልካ ምስፋሩ ዝከኣል እዩ። እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን መሰረታዊ ከምዘይኮነ እንሰማማዓሉ ናይ ኣተሓሳስባታት ፍልልይ ኣለና። ብዙሓት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ናይ ምዃና ምስጢር ከኣ ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ብዙሕነት እዩ።
ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኤርትራውነትና፡ ንሉኣላውነት ሃገርናን ህዝብናን ዘለና ክብርን ምእዙዝነትን፥ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘለና ኣቀባብላ፡ ብዓብይኡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓትን ናይ ጭቆና መሓውሩን ክውገድ፡ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ፍልልይ የብልናን። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግና፡ ኣብቲ ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትክኡ እንጐዓዘሉ ጐደና ንፈላለየሎም ጉዳያት ኣለዉ። ብእምነት ኩልና፡ ብሓፈሽኡ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ህግዲፍ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓት ዝዓሰላ ክትከውን ኣብ ዝብል’ኳ ናይ ሓባር ተረድኦ እንተሃለወና፡ ናይዚ ድሕሪ ህግዲፍ ንብህጎ ስርዓት ዝርዝር ትሕዝቶ ብሓባር ከይንቃለስ ዝዕንቅፉ ንኡሳን ፍልልያት ኣለዉና። እዞም ንኡሳን ፍልልያት፡ ኣከኣኢሉ ብሓባር ክወፍር ልባዊ ቅሩብነትን ተወፋይነትን ንዘለዎ ኣጸገምቲ ኣይኮኑን። ብውሽጡ ብሓባር ንምቅላስ ዘይተቐረበ ወገን ግና፡ ነቶም ንኡሳን ፍልልያት ኣዕብዩ መፈላለይቲ ክገብሮም ይኽእል እዩ። ከምቲ “እምብዛ እንተጠሚትካዮ ጸባ’ውን ይጽልም” ዝበሃል።
እቲ ካብ ዝብሰር 58 ዓመት ዝገበረ ዝተናወሐ ቃልስና ምእንቲ ሉኣላዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ምዕራፍት እዩ ሓሊፉ። ካብቲ ምዕራፍት ዝተተግበረ ኣሎ። ንመጻኢ እንትግብሮ’ውን ኣብ ቅድሜና ኣሎ። መጻኢ ቃልስና ብውሕዱ ህግደፍ ናይ ምውጋድን፡ ኣብ ዑናታቱ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ናይ ምህናጽን ምዕራፋት ዝሓቁፍ’ዩ ክንብሎ ንኽእል። ንተመሳሳልነትን ፍልልይን ኣብ ዝምልከት ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ብዙሕ ፍልልይ ኣይረኣይን። ኣብቲ ካለኣይ ምዕራፍ ግና ብሓባር ምቅላስ’ኳ ዘይከልኡ እንተኾኑ ኣብ ዝተወሰኑ ጉዳያት ፍልልይ ይንጸባረቑ እዮም። እዚ ክልቲኡ ምዕራፋት ኣብ ሓድሕዱ ኣዝዩ ዝጸላለው እምበር ነጻጺልካ ዝረአ ኣይኮነን። ቀዳማይ ምዕራፍ እንተዘየዕዊትና ነጢርና ካለኣይ ምዕራፍ ከነዕውት ኣይንኽእልን። ኮታ ምዕዋት እቲ “ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ” ዝማእከሉ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ንምዕዋት እቲ ምህናጽ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝማእከሉ ካለኣይም ምዕራፍ ቅድመ-ኩነት እዩ። ብንጹር ኣገላልጻ ህግዲፍ ኣብ ዘይተወገደላ ኤርትራ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራስን ልዕልና ህዝብን ዘውሕስ ስርዓት ምትካል ስለ ዘይከኣል።
እዚ ኣብ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትና ንርእዮ ዘለና ምምስሳልን ምፍልላይን፡ ኣባና ዝተጀመረ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ብብዙሕነት ዝወቀባ ሃገራት ዘጋጥም ተርእዮ እዩ። ኣብቲ ዘመሳስለካ ኣትኪልካ፡ ነቲ ፍልልይታካ ከኣ ኣከኣኢልካ ምዕዋት ዝከኣል ምዃኑ እውን ኣብ ብዙሓት ተመኩሮታት ተመስኪሩ እዩ። ስለዚ ንመስርሕ ፍልልያዊ ሓድነት ንሕና እንተዘይክኣልናዮ፡ ስለ ዘይከኣል ዘይኮነ፡ ናይ ምክእኣል ዓቕምና ስለ ዘይበቐዖ እዩ ክኸውን። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ኣብዚ መዳይዚ ዘሕብን ኣይኮነን። ዘሕብን ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ኣብዚ መዳይዚ ዘመዝገብናዮ፡ ናይ ግዜ፡ ንዋትን ህይወትን ዋጋ ቀሊል ኣይነበረን። ሕጂ ነዚ ዝሓለፈ ክሳራ ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ኣኽሳሪ ተመኩሮ ከምዘይድገም ምግባሩ ግና ዝከኣልን ኣብ ዝባና ዘሎ ሓላፍነትን እዩ።
ኣብዚ መዳይዚ ምእንቲ ከነድምዕ ክንዝንገዖም ዘይግበኣና ሓያሎ መሰረታዊ ጉዳያት ኣለዉ። ኤርትራ ብዙሕነታዊት ሃገር ስለ ዝኾነት፡ እዚ ብዙሕነት ዝወልዶ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከም ዝህሉ ከሎ ጌና ምርዳእ የድልየና። ነዚ ፍልልያት ክንፈርሖ ወይ ካብኡ ክንሃድ ዘይኮነ፡ ከም ጸጋ ወሲድና ካብ ምምሕዳሩ ካልእ መተካእታ ከምዘየብልና ክንእመን ናይ ግድን እዩ። ንዝሓለፈ ተመኩሮና ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣሉታዊ ክንመሃረሉ እምበር ክንደግሞ ከም ዘይግበኣና ናተይ ኢልና ክንሓስበሉ ዝግበኣና እዩ። ማለት ነቲ “ንታሪኽን ሕሉፍን ኣይንረሰዓዮ፡ እንተኾነ ናቱ እሱራት ክንከውን ኣይግበናን” ዝብል ብግብሪ ክንስቆረና ይግባእ። ኣብ ሎሚ እንዳነበርና፡ ንጽባሕ ረሲዕና ንድሕሪት ተመሊስና ብዛዕባ ትማሊ ጥራይ ክንሓስብ እንተኾይና ግና ከምቲ “ዝገበረኒ ክገብር ዓዲ ነየጋብር” ዝበሃል፡ ግዳይ ሕነ ምፍድዳይን መፍቶ ህግዲፍን ክንከውን ኢና። ካብዚ ሓሊፉ፡ ከም ሰልፍታትን ውድባትን ነናትና “ዕላማና” ኢልና እንቃለሰሉ ኣተሓሳስባ’ኳ እንተሃለወና ንናይ ካለኦት ሓሳብ እውን ቦታ ክንህብ ይግበኣና። ሓሳብና ክንህብ ጥራይ ዘይኮነ ክንቅበል’ውን ሓላፍነትና እዩ። ናይ ካለኦት እንተዘይሰሚዕና ናትና ሓሳብ ክስማዕ ውሕስነት የብሉን። “እታ ሓቂ ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ” ምባል ከኣ ድርቅናን ዘይኣካብን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ስርዓተ-ዲሞክራሲ ንዘቑሙ መሰረታውያን ኣዕኑድ ምእዙዛት ምዃን ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ።
ከምቲ ኩልና ዘይንስሕቶ፡ ናትና ናይቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካውን ሲቪላውን ውዳበታት ተሰሪዕና ንቃለስ ዘለና ሓላፍነት ኣዝዩ ውሱን እዩ። ብፍላይ ኣብ ናይ ድሕሪ ህግዲፍ መጻኢት ሓዳስ ኤርትራ እቲ ወሳኒ ህዝቢ እዩ። ዕላማ ቃልስና ክጠቓለል እንከሎ እውን ናይ ህዝቢ ወሳንነትን ልዕልናን ሕገ-መንግስታዊ ውሕስነት ዝረኽበሉ ስርዓት ምትካል እዩ። ስለዚ ኣብቲ ጽባሕ ብሕጋዊ ኣገባብ ብናጻ እንወዳደረሉን ህዝብና ብመንገዲ ሕገ-መንግስቱ ኣቢሉ ዝውስኖ ጉዳያት ኣቲና፡ ሎሚ መፈላለይ ዛዕባታት ምጽሕታር ንቃልስና ንድሕሪት ካብ ምጉታት ሓሊፉ ካልእ ዋጋ የብሉን። ሎሚ ኣብ ጉዳይ መሰል ብሄራት፡ ኣብ ሕቶ ሸሪዓ፡ ጉዳይ መሬት፡ ምምሕዳር ብዙሕነት፡ ብዓብይኡ ድማ ኣብ ኣመላልሳ ዲሞክራስያዊ ሕቶ ኣብ ኤርትራ ፍልልይ እንተልዩና፡ ነዚ ፍልልያት ኣብ መወዳእታኡ ንምብጻሕ እንደክምን ቀዳማይ ምዕራፍ ቃስና ከነደናጉን ኣይግበኣናን። ኣብ ክንድኡ ከም ነጥበ-ፍልልይ ሒዝናዮ ናብቲ ጽባሕ ናይ መወዳእታ ልኡላውን ቀያድን ውሳነ ዝውስን ህዝቢ እንተቕረብናዮ እዩ ዝሕሸና። ስለዚ ይውሓድ ይብዛሕ ኣብቲ ዘሰማምዓና ኣትኪልና ንቃለስ። ኣብዚ እንተኣድሚዕናን እቲ ብሓባር ምቅላስ እንተ ኣኽሲቡናን፡ ሎሚ ንፈላለየሉ ዛዕባ ጽባሕ ናብ እንሰማማዓሉ ናይ ምምዕባል ዕድል ኣለዎ። ስለዚ ፍልልያትና መሰረታዊ እንተዘይኮኑ፡ ከምዚ ናይ ቀረባ ተመኩሮ ሰዲህኤን ሃድኤ-ሕድርን ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ምዃን፡ ፍልልያትና ዕሚቕ ኮይኑ ልኡላዊ ውሳነ ህዝቢ ዘድልዮ እንተኾይኑ ከኣ፡ ኣብቲ ንሰማማዓሉ ብንኡስ ፕሮግራም ኣብ ሰፊሕ ጽላል እንዳተሓጋገዝና ናብቲ ኣብ ቅድሚ ህዝብና እነካይዶ ናጻን ሕጋውን ናይ ኣተሓሳስባ ውድድር ክንበጽሕ ክንበቅዕ ይግበኣና።
Khartoum dispatches more troops to control Port Sudan tribal violence
Written by Sudan Tribune (ST)
August 28, 2019( KHARTOUM) - The streets of Port Sudan were calm on Wednesday after the resumption of intercommunal clashes on Tuesday evening in some residential area of the Red Sea coastal town.
The city has been the scene of days of fighting during which firearms and white arms were used in ethnic violence. Last week the intercommunal clashes lasted from Thursday until Saturday evening.
Sudanese authorities, on Tuesday, sent for the second time additional military reinforcements from the Rapid Support Forces (RSF) to the eastern Sudan city to control the security situation an put an end to the clashes between the Beni Amer and Nuba residents.
Eyewitnesses told "Sudan Tribune" that calm returned to the city on Wednesday, after a night of tension in the town as a result of renewed skirmishes between the two parties on Tuesday evening.
They confirmed that the burning of houses - free of residents - on Tuesday evening affected several houses in the neighbourhoods of Riyadh, Dar Al-Naeem and the Al-Mattar.
On the other hand, security sources confirmed the arrival of RSF troops to be deployed in the troubled areas to establish security.
The Central Committee of Sudan doctors (CCSD) announced on Monday that the clashes of Port Sudan left 37 dead and dozens of injuries.
The report said that the hospital emergency departments in Port Sudan received 126 injuries ranging from mild to moderate, and the critical injuries requiring surgical intervention were transferred to Osman Dagna Hospital.
The Red Sea Governor, Major General Essam Abdel Farraj, and the State Director of the Intelligence Service have been relieved by the Sovereign Council on Sunday after their failure to control the crisis.
(ST)
ATV: ህይወትና፡ ዝርርብ ምስ ወ/የሱስ ዓማር - 3ይ ክፋል
It’s Time the Pentagon Finds an Alternative to Djibouti
Written by Michael Rubin
The United States need not leave Djibouti, but it is time to consider a Plan B for otherwise a single whisper from Beijing to Djibouti’s president could cripple America’s ability to defend itself and its allies.
by Michael Rubin
SPONSORED CONTENT
Recommended by
What goes around comes around, however. To date, China has tolerated the presence of its geopolitical competitors in Djibouti, and the Djiboutian government has been happy to leverage its location to collect rents from as many outside powers as possible. But, not every investor in Djibouti is equal. China has financed a water pipeline for Djibouti, as well as a railroad to Addis Ababa, the capital of Ethiopia. While U.S. aid to Djibouti peaked at $31 million in 2017, a Chinese company signed a preliminary $4 billion natural gas deal with Djibouti that same year.
That aid disparity might be enough to tip the scales toward deference to Beijing’s interests, but Djibouti’s corruption makes a tilt toward China—should Chinese authorities demand it—more likely. Djibouti has had only two leaders since its independence—Hassan Gouled Aptidon ruled the country with an iron fist for the first 22 years after its independence. Upon his death, his nephew and handpicked successor Ismaïl Omar Guelleh took over, and has run the country ever since. Corruption remains a major problem in the country, with few deals able to proceeds without Guelleh or his relatives personally benefiting, if not in bribes then in business contracts which any Western country would consider a conflict of interest.
With time, however, U.S. military planners expanded U.S. access to facilities in Romania and Bulgaria, as well as northern Jordan in order to offset reliance on an increasingly erratic Erdoğan. While the Pentagon continues to double down on Qatar, nearby Bahrain could provide an alternative. Not only does it host the U.S. Fifth Fleet but, during Operation Desert Storm, Bahrain’s Isa Air Base hosted four times more American planes that Qatar’s Al Udeid Air Base does now.
regardless, is not exclusive. Berbera is a deep-water port able to accommodate most U.S. ships.
Rather than risk American security and interests, Secretary of State Mike Pompeo, Assistant Secretary of State Tibor P. Nagy, Jr., and U.S. Ambassador to Somalia Donald Yamamoto should recognize that military ties have never equated to formal diplomatic recognition: Just ask Syrian Kurds, Iraqi Kurds, or Taiwan. In both the Middle East and East Asia, however, a generation of officials recognized that they should prioritize American security and defense above more mundane and tendentious concerns.
Michael Rubin is a resident scholar at the American Enterprise Institute.
Source=https://nationalinterest.org/feature/it’s-time-pentagon-finds-alternative-djibouti-75966
ብዙሕነት ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ጸጋ ወይ ብደሆ ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ኣለዎ። ጸጋ ዝኾነሉ፡ ዝተፈላለዩ፡ ቋንቋታት፡ ባህልታት፡ ሃይማኖታዊ እምነታትን ምምሕዳራዊ ከባብታትን ዘወንን ሃብቲ ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ዝጠቐስናዮ ብዙሕነት ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግናን፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብመንጽር ሓደ ዓይነት ሕብሪ ዘለዎን ብዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝወቀበን ዕንበባ መሮር ይምስልዎ። እቲ ብልጫ ዘለዎ እቲ ብዝተፈላለዩ ሕብርታት ዘጌጸ ዕንበባ ከም ዝበሃግ ከኣ ይሰማምዑ። ንብልጫ ብዙሕነት ከኣ በዚ ይምስልዎ።
ብዝሑነት በዳሂ ወይ ፈታኒ ዝኸውን እዚ ዝተጠቕሰ ብልጫኡ ክውንን ብዘኽእል ኣገባብ ንምምሕዳሩ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ስለ ዘለዎ እዩ። ካብዚ ክሳነን ክከኣኣልን እንከሎ መልዕ ዝኸውን ንብዙሕነት ዘቕውም፡ ሃይማኖት ይኹን ጾታ ወይ ምሕዳራዊ ኣከባቢ መዚዝካ ላዕለዋይ ቦታ ኣትሒዝካ ንናይ ካለኦት ኣነኣኢስካ ናይ “ናተይ ይበልጽ” ኣተሓሳስባ ከተንግስ ክትፍትን እንከለኻ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝኾነ ወገን ንዓኡ ዝውክል መለለይ ብዙሕነቱ ክነኣኣስን ኣብ ታሕቲ ክስራዕን ሕጉስ ስለ ዘይከውን መልሲ ንምሃብን ንምክልኻልን “ናተይከ ካብ ናይ መን ንኢሱ?” ስምዒት ይፈጥር እሞ፡ ወዮ መልክዕን ሓበንን ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረ ብዙሕነት መዋጠጥን መረሓሓቕን ይኸውን። እዚ ክሳብ ክንደይ ኣጸጋምን ሃሳይን ምዃኑ ንምርዳእ ኤርትራውያን ናይ ካለኦት ተመኩሮ ንጠቕሰሉ ዘይኮነ ናትና ዋጋ ዝኸፈልናሎ ናይዚ መዳይዚ ሃብታም ተመኩሮ ኣለና።
እዞም ናይ ብዙሕነትና መለለይ ዝበልናዮም ዝውክልዎ ኣተሓሳስባ ኣለዎም። ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ካብ ዝረኣየሎም ምኽንያታት ሓደ ከኣ እዚ ናይ ኣቀዋውማ ብዙሕነት እዩ። ስለዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ምኽሳቱ ውሁብ ስለ ዝኾነ፡ እቲ መፍትሒ ንኹሉ ጨፋሊቕካ ብፍቶት ኮነ ብግዲ ሓደ ወካሊ ኣተሓሳስባ ምፍጣር ዘይኮነ፡ ንኹሉ ኣሳኒኻን ዝዓብየሉ ዕድል ሂብካን ምክእኣል ኣማዕቢልካ ቦታ መሰል እዩ።
እዚ ንምዕዋት ካብ ዝውሰዱ ስጉምትታት ሓደ ኣብ ትካላትን መድረኻትን ሸነኻውን ዘይሚዛናውን ዘይኮነ ምዕሩይ ውክልና ከተረጋግጽ ምብቃዕ እዩ። ምዕሩይ ውክልና ስለ ዝደለኻዮን ዝበሃግካዮን ባዕሉ ዝረጋገጽ ዘይኮነስ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ፡ ብምዕብልና ዝጽለው፡ ብወድዓውን በዓል ቤታውን ጽልዋታትን ዓቕምታትን ዝረጋገጽ እዩ። ከምቲ ንውክልና ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ብቕዓት ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ፡ ንብቕዓት ዝጓሰየ ውክልና እውን ዝያዳ ሓደገኛ እዩ። ነዞም ክልተ መሰረታዊ ጉዳያት ውክልናን ብቕዓትን ምስናይን ምቅዳውን ከኣ ኣገዳሲ ግና ድማ በዳሂ እዩ።
ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ መሰረታዊ መዋጸኦ፡ ሓደ ኣካል ካብ ጸቢብ ቀጽሪ ናይቲ ዝውከለሉ ናይ ብዙሕነት ባእታ፡ ሃይማኖት ድዩ ኣውራጃ ወይ ጾታ ወጺኡ፡ ብዛዕባቲ ኩሉ ብዙሕነትና ኣሳንዩ ዝጻወተሉ ሰፊሕ ሜዳ ዝግደስ ኣተሓሳስባ ከተጥሪ ክበቅዕ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሓላፍነታዊ ኣድህቦ ኣብ ዝተጥርየሉ፡ እቲ ኣብ ምስልምና ዝኣምን ማዕረኡ ብዛዕባ ክርስትና ክሓስብ ይበቅዕ። እቲ ክርስትያ እውን ከምኡ። ወዲ ሓደ ኣውራጃ ማዕረቲ ኣውራጃኡ ብዛዕባ ካልኦት ኣውራጃታት እውን ይሓስብ። ኣብ ጾታ፡ ባህልን ካልእ መለለይ ብዙሕነት እውን ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። ስለዚ እቲ ኣካላዊ ውክልና ዝህልዎ ጽልዋ’ኳ ኣድላይን ዘይከሓድን እንተኾነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ስፍሓትን ምሉእነትን ግና ኣዝዩ ኣድላይ እዩ። ስለዚ ሓደ እምነት፡ ኣውራጃ፡ ጾታን ካልእን ህልውናኡ ብኣካላዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመንጽር ኣተሓሳስባ እውን ክንዕቅኖ ይግባእ። ነዚ ዝያዳ ንምብራህ ብደግኡ ንእምነትካ፡ ንጾታኻ፡ ንኣውራጃኻ ዝመስል ክነሱ፡ ብኣተሓሳስባኡን ግብሩን ግና ንዓኻ ዘይመስል ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ እዩ። ገለ ግሩሃት ውሽጡ ከይመርመሩ፡ ዝተጠልሙ ክንሶም፡ ዝተወከሉ መሲልዎም ዝዕንድሩ ኣይሰኣኑን። እዚ ኣብ ጉርሒ ህግዲፍን ግርህነት ሰዓብቱን ብትሑት ደረጃ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ።
ኣብዚ ሎሚ እዋን ንኤርትራ ይገዝእ ንዘሎ ህግዲፍ፡ ከም ናይ ሓደ ካብቲ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘቖመ ዝንባለ ወካሊ ገይሮም ይወስድዎ እዮም። ንሓንሳብ ናይ ክርስትያን ይብልዎ ንሓንሳብ እውን ሓደ ኣውራጃ ይዕድልዎ። ኣብ ጥራይ ጐልጐል “ናትና እንድዩ” ዝብልዎን ኣብ ዕሩቕ ዝባኖምን ጥሙይ ከብዶምን ዝከላኸልሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ንሱ እቲ ጨቋኒ ጉጅለ ግና ኣይኮነንዶ ንሓደ ኤርትራዊ ዝንባለ ሃይማኖት ድዩ ኣውራጃ ንብምልእታ እታ ሃገርን ህዝባን እውን ዝውክል ኣይኮነን። ህግዲፍ ንኤርትራዊ ብዙሕነት ዘመሓድር ዘይኮነ፡ ናቱ ኣካል ኤርትራዊ ብዙሕነት ዘይኮነ፡ ጸቢብ መእከቢ ዓንኬል ዘለዎ እዩ። መእከቢ ነጥቡ፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ጾታ ወይ ካልእ ዘይኮነ፡ ኢሳይያሳዊ ዲክታተርነት እዩ። መለለይ ኢሳይያሳዊ ዲክታተርነት ክኣ፡ ጭቆና፡ ዘይእዉጅ ሜላዊ ባርነት፡ ፍትሒ ምንፋግ፡ ኩሉ መሰላት ምኽላእ፡ ህዝቢ ምክፍፋል፡ ውግእ ምጽሕታር፡ ብልኡላውነት ሃገርን ልዕልና ህዝብን ምውጋይ፡ ብዓብይኡ ከኣ ብትርጉም ሓይሊ ምግዛእ እዩ።
ስለዚ ንህግዲፍ ክንስዕሮ ኣብቲ ብባህሪኡ ዘይክእሎ ድኹም ጐድኑ ክንበልጾ ይግበኣና። ንህግዲፍ ካብ ዘጸግሞን ዘይወሓጠሉን፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣመሓዲርካ ሃገር ከተቕንዕ ሓላፍነት ምውሳድ እዩ። ብኣንጻሩ ህግዲፍ ዝሰልጦ ጸቢብ ስምዒታት መዝሚዙ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኣንጻሩ ዝስለፍ፡ ኣብ ሕድሕዱ ከም ዝፋጠጥ ጌርካ ሃገር ናብ ቁልቁ ህዝቢ ድማ ናብ ብርሰትን ምብትታንን ምድፋእን ምንቋትን እዩ። ንሕና እምበኣር ነቲ ህግደፍ ዘጻውዶ መፈንጥርያታት ንምፍሻል ብዙሕነትና ናይ ምምሕዳር ብቕዓትና ከነመስክር ይግበኣና።
More...
ATV: ህይወትና፡ ዕላል ምስ ተስፋይ ወ/ሚካኤል – 2ይ ክፋል
Radio Demtsi Harnnet Arabic Sweden 03.08.2018
Written by Demtsi Harnnetሰዲህኤ፡ ብትብዓት ሰልፉ የሕድስ፡ መሪሕነት ቀይሩ ሃገራዊ ሓድነት ይዕቅብ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሓደ ካብቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ክረአ ዝጸንሐ ዘሕዝን ባህሊ፡ መራሕቲ ባእታታት ኣብ ግዜኡ ብዘይጸገም ስልጣን ክትለቁ ፈቓደኛታት ዘይምዃን እዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይዚ ሕማቕ ተግባር ኣብነት እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ እዚ ዲክታቶር፡ ካብቲ ብ1971 ውድብ ዝመስረተሉን ደሓር ካብ 1991 ብኢደ ወነኑ ናብ ስልጣን ዝደየበሉን ወሲኽካ፡ ን48 ዓመታት ዝኣክል ግዜ ኣብ ስልጣን ኣሎ።
ንሰዲህኤ ብዝምልከት ግና፡ ብፍሉይነት ዝረአ፡ ነዚ ምስ ምብሓት ስልጣን ዝተሓሓዝ ሕማቕ ባህሊ ኣብ ምቕያር ኣብነታዊ እዩዶ ኣይበሃልን? እስኪከ ነዚ ብዝምልከት ተስፋ ዝህብ ውሑድ ኣብነታት ንርአ፡
ዕድመ ሰዲህኤ 10 ዓምታት በጺሑ ኣሎ። ኣብዚ ሓጺር ናይ 10 ዓመታት ግዜ፡ እዚ ሰልፊ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመርጸ ሓድሽ ወሲኽካ፡ 4 ኣቦመንበራት ቀይሩ። ኣስማቶም ምስቲ ኣሳእሎም ተጠቒሱ ኣሎ።
ብመትከል፡ ቅዋም ሰዲህኤ ማእከላይ ባይቶ ኣብቲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣቦመንበር ክመርጽ እዩ ዘፍቅድ። ነቲ ዝጸንሐ ኣቦመንበር ዳግማይ ክመርጾ እቲ ቅዋም ይፈቅድ እዩ። እቶም ዝተረፉ 8 ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ እውን ኣብ ዓመት እዮም ብማእከላይ ባይቶ ዝምረጹ። ማእከላይ ባይቶ ካብቶም ዝጸንሑ ኣባላት ፈጻሚ ዳግማይ ክመርጽ ሕጋዊ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓደ ባእታ፡ ኣብ መንጎ ጉባአታት ንክልተ ክፍለ ግዜ (ተርም) ኣቦመንበር ኮይኑ ምስ መረሐ፡ ካብኡ ንላዕሊ ንኣቦመንበርነት ሕጹይ ኮይኑ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት ኣቦመንበር ኣብ ዓመታዊ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶ እንዳተመርጸ ዝለዓለ ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሓሉ ግዜ 8 ዓመታት እዩ።
ሓድሽ መሪሕነት ሰዲህኤ
ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ቪስባደን ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ እውን ነዚ ተባዕ ሰልፍን መሪሕነትን ናይ ምሕዳስ ባህሊ ቀጺልዎ እዩ።
ኣብዚ ሓድሽ ናይ ሰዲህኤ ፈጻሚ ሽማግለ፡ እቲ 6 ናይ ሓላፍነት ቦታታት ብሓደስቲ እዩ ተታሒዙ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ነቲ ሓላፍነት ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሓድሽ እዩ፡ ሰክረተር ሰልፊ ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያት ሓድሽ እዩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት እንተኾነ እውን ነዚ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ሓድሽ እዩ።
ቅዋም ሰዲህኤ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመርጸ ኣቦመንበር፡ ዝርዝር ሕጹያት ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ናብ ማእከላይ ባይቶ ክቕርብ እሞ፡ ድሕሪኡ ማእከላይ ባይቶ ንነፍሲ ወከፎም ከድምጽ እዩ ዝእዝዝ። እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ንክመርሕ ብጉባአ ዝተመርጸ ማእከላይ ባይቶ፡ ብኣቦመንበር ዝቐረበሉ ሕጹይ ነጺጉ ኣብ ክንድኡ ናቱ ሕጹይ ከቕርብ መሰል ኣለዎ።
ሓድሽ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ 35 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ኣባላትን 5 ናይ ምድማጽ መሰል ዘየብሎም ተጠባበቕትን ኣለዉዎ። እቶም ተጠባበቕቲ ዋላ’ኳ እንተዘየድመጹ ኣብ ኣኼባን ካልእ ንጥፈታት መሪሕነትን ዝሳተፉ እዮም። ካብዞም 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን እቶም 19 ሓደስቲ እዮም።
ዋላ’ኳ ውጽኢቱ ትሑት እንተኾነ፡ ብዙሕነት ኣብ ጉባአታት ሰዲህኤ ዝለዓለ ቆላሕታ እዩ ዝወሃቦ። ንኣብነት ኣብዚ ሓድነታዊ ጉባአ 14 ደቂ ኣንስትዮ ተሳተፍቲ ነይረን። ካብኣተን 8 ኣብ መሪሕነት ተመሪጸን።
ሰዲህኤንሓጻይት ሽማግለኣኡን
ሰዲህኤ ካብቲ ዝተመስረተሉ ቅድሚ 10 ዓመታት ንነጀው፡ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ንመሪሕነት ይበቅዕ እዩ ኢሎም ዝኣመንሉ ሕጹይ ናብ ጉባአ ከቕርቡ ብዘሳትፍ ሓጻዪ ሽማግለ መዚዙ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ። ኣቦመንበር ሓጻዪ ሽማግለ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ብጻይ ገብረእግዝኣብሄር ተወልደ፡ ኣብቲ መስርሕ 29 ጨናፍርን 8 ኣብ በበይኑ ከባብታት ዝርከቡ ኣባላት ሰልፍን ኣብ ምሕጻይ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ከም ዝተሳተፉ ሓቢሩ። ጉባአ ንዝወሰኾም 4 ሓዊስካ ንምርጫ ማእከላይ ባይቶ ዝቐረቡ ሕጹያት 58 ነይሮም። ጉባአ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝመረጸ ከኣ ካብዞም 58 ሕጹያት እዩ።
እዚ ሓድነታዊ ጉባአ ሓላፍነት ሓጻዪ ሽማግለ ክብ ኣቢሉ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ዞባታትን ጨናፍርን ወሲኽካ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሰልፊ፡ ክትግበር ወሲኑ። ሓጸይቲ ሽማግለታት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ናብ ምርጫ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ሕጹያት ከቕርባ እየን። እዚ ምዕቡል ኣቀራርባ ሕጹያት፡ ኣብ ጉባአ ሰልፍታት ኣብ ዞባ ስካንድንቪያን ካለኦት ሃገራትን ብዕዉት ዝዝውተር እዩ።
እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ናይ ዝተመርጹ ኣባላት መሪሕነት እዩ
===============
ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ
- ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ሰልፊ
- ብርሃነ ደበሱ ምክትል ኣቦመንበርን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይን
- መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት
- ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና
- ሃብተሚካኤል ተኽለ (ዶ/ር) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት
- ፍሰሃየ ሓጐስ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት
- ክፍለዝጊ ገብረመድህን ሰክረተር ሰልፊ
- ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ
- ያሲን ኢብራሂም ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያት
ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ (ብመስርዕ ፊደል ላቲን)
- ዓብዱ ሓሰን
- ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል
- ኣክሊሉ ግርማይ (ዶ/ር).
- ኣልጋነሽ ይስሃቅ
- ኣማኑኤል በራኺ
- ኣስገደት ምሕረተኣብ
- ኣሰፋው በርሀ
- ድራር መንታይ
- ኤርትራ ኣልኣዛር
- ፈቨን ጊደዎን
- ገባር ዑቕበ
- ገብረህይወት መለስ
- ግርማይ ክፍለ
- ሃይለ ወልደሚካኤል
- እድሪስ እስማዒል
- መድሃኔ ህብትዝጊ
- ነጋሲ ሓምደ
- ንጉሰ ጸጋይ
- ረዘነ ተስፋጼን
- ተኽለብርሃን ሃይለ
- ተስፋጋብር ወልደጊዮርግስ
- ትዕበ ተኪኤ
- ጸጋይ ተስፋይ
- ትኩእ ተስፋይ
- ወልደየሱስ ዓማር
- ጸሃየ ኣርኣያ
ተጠባበቕቲ ኣባላት መሪሕነት
- መዓሾ ሰለሙን
- ሑመድ መሓመድ ኣሕመድ
- ተስፋማርያም ክብረኣብ
- ገነት ሃብተገርግስ ወልዱ
- ግርማይ ተመስገን (ቀሺ)