ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዘይተነግረ እምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈጸሞ በደል የለን። እቲ ዘገርም ከኣ ከምቲ “ጠሪጣስ እንተትሓንከለይከ” ዝበሃል ዝነበረ፡ በደሉ ሓቢኡስ በዓል ደሓንን ገባር ጽቡቕን መሲሉ ክቐርብ ዝፍትን ምዃኑ እዩ። በደላቱ ምብዛሑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንኹሉ መዳያት ህይወት ህዝብና ክርምሰ ዝጸንሐ እዩ።
ኤርትራውያን ከምቲ “ኣቐምጥ ዝበልካዮ ኣየጥፍእ፡ ኣጸብቕ ዝበልካዮ ኣየኽፍእ” ዝበሃል፡ ህግደፍ ምስ ጠለሞም፡ በቲ ጥልመቱ ትዕግስቶም ካብ ዝውዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ኣብዚ እዋንዚ ካብ ውሽጢ ኮነ ካብ ደገ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን፡ ኮታ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝቃለስዎ ዘለዉ መግለጺ ቁጠዓኦም ኣንጻር ክሕደቱ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዞም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት ዝተመስረትሉ ነናቶም ኣተሓሳስባን ናይ ኣተገባብራ ሜላታትን’ኳ እንተለዎም፡ ምውጋድ ናይዚ ካብ ምጥፋኦም ድሕር ዘይብል ጉጅለ ግና፡ ናይ ሓባር ኣረዳድኣኦምን ቀዳማይ ተግባሮምን እዩ።
በደል ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ዶብ ሰጊሩ ንዞባናን ኪነኡን ዝብክል ዘሎ'ውን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብውዳበታቱ ኣቢሉ ገበናት ህግደፍ ካብ ዝቃወምን ዘቃልዕን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ምሕጽንታን መረረን ህዝቢ ኤርትራ ብምስማዕ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ሓደገኛ ብዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ኣብ ኤርትራ ዝበቖለ ጉጅለ፡ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኪኖኡ ዘሎ ከባብን ከይበከለ ንክመክን ኣብ ሰላምና ረብሓ ንዘለዎም ኣካላት ከሰምዕ ጸኒሑ እዩ። እቲ ጉጅለ ብሕገ-መንግስቲ ንከመሓድር፡ ግዱድ ዕስክርና ከቋርጽ ወይ ንጹር ቀጥዒ ከትሕዝ፡ ኤርትራውያን ዝኣመንዎ ሃይማኖት ናይ ምምላኽ መሰሎም ክሕሎ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ወይ ብናጻ ክልቀቑ፡ ክሳብ ሽዑ ከኣ ብቤተሰቦምን ከም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ ሰብኣዊ ትካላት ክብጽሑ፡ ብዙሓት ወገናት ክምሕጸንዎ ከም ዝጸንሑን ከም ዘለዉን ርዱእ እዩ። ብፍላይ ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ብዝምልከት ከኣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ መርማሪ ኣካል ኣውጺኡ ክሰርሕ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ሓንሳብ መንገዲ ጥፍኣት ምስሓዘ ናብ ልቡ ዘይተመልሰ ጉጅለ ኢሳያስ፡ ነዚ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት፡ እንተላይ ናይ ዓለምለኻዊ ሰብኣውን ፖለቲካውን ትካላት ምሕጽንታ ክህቦ ዝጸንሐ ምላሽ ብሓፈሻኡ ጸማም እዝኒ ምሃብን ምጽቃጥን እዩ። ሳሕቲ ድምጹ እንተተሰምዐ ከኣ ማእከሉ ክሕደትን ሸፈጥን ኮይኑ ጸኒሑ። ክሕደቱ ንከይክሻሕ ከኣ ኩለን ብሕታዊ ትካላት ዜናን ኩሉ ዘመናዊ መራኸቢ መንገድታትን ይዓጽው። ምእንቲ ዝምልከቶም ኣካላት ኩነታት ምኽባር መሰረታዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ከይምርምሩን ከየጻርዩን ዕንቅፋታት ይፈጥር። ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻሩ ድምጹ ከየስምዕ፡ ነቶም ምስክርነቶም ናይ ምሃብ ሕጋዊ መሰል ዘለዎም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ፡ ናብ ኤርትራ ምእታው ይኸልኦም። ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ንሕጊ ዘይምእዙዝ ተግባራቱ እዚ ጉጅለ፡ ኤርትራ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ካብ እትበሃል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ሳላ ዘመናዊ መራኸቢ መንገድታት ንኤርትራ እውን ፈንጢሱ ዝጸለዋ፡ እቲ ህግደፍ ክሓብኦ ዝደሊ ዝነበረ ገበናቱ ኣይተሓብአን። ምስዚ ነውራም ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ተሰሊፎም ዝዋስኡ ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ዝራሕርሕዎን ሕጂ ኣንጻሩ ዝቃለሱ ዘለዉን ባእታታት ከኣ ሓቀኛ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ ኣብ ምቅላዕ ዓብይ ግደ ተጻዊቶም እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ብዘይካ እቶም ኣዝዮም ውሱናት ተመሊሶም ዝረዓምዎ፡ እቶም ብሰንኩ ዝተሰዱ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን ኣብ ምቅላዑ ኣበርክተኦም ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ሕጂ እውን ካብዞም መንእሰያት እንጽበዮ ብዙሕ እዩ።
ጉጀለ ህግደፍ ግና ከምቲ “ትውሕጦ እንተበልኩዋስ መሊሳ ትጐስሞ” ዝበሃል፡ ነዚ ክፉእ ምስሉ ካብ ኤርትራ ናብ ከባቢና ከላብዖ ፈንጠርጠር ኢሉ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝረአ ዘሎ ኣሻቓልን ፍንጡሕን ኩነታት ከኣ ናቱ መርዛም ኢድ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘርኣዮን ዘርእዮ ዘሎን ብገበን ዘሕትት ጠገለ ዘይብሉ ኢድ ምትእትታው፡ ምናልባት ከምቲ ኣብ ኩነታት ኤርትራ ዝለመዶ ብምጽቃጥ ናብ ዘይሰግሮ ኣንፈት ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። ኣብዚ እቲ ኣብ ትዕዝብቲ ዝወድቕ፡ እቲ ንጥለመት፡ ወጽዓን ክሕደትን ናተይ ኢሉ ዝሓዞ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንበዖ ዲክታተር ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን። እቶም ሰማይ ዝሃገሮም፡ ንኤርትራ ከመይ ገይሩ ከም ዝረመሳ እንዳረኣዩን እንዳሰምዑን ዝተመሓዘውዎ መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሶማልያን እውን፡ ብህዝቦም ኮነ ብሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ትዕዝብቲ ወዲቖም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣትያቶ ዘላ ንክትወድቕ ናይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዕርክነት ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ሓደ ካብ ቀንዲ ጠንቅታቱ ገይሮም ዝወስድዎ ብዙሓት እዮም። ግምቶም ከኣ ቅኑዕ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ብጉዳይ ኢትዮጵያ ዝሕመዮን ዝኽሰሶን ዘሎ እውን ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ መሲሉ ክኸይድ ዝመረጸ ይመስል። እንተኾነ ኩሉ ግዜ ፋስጋ ስለ ዘየለ፡ “ህግደፍ፡ ክሳብ መዓስ እዩ ብምጽቃጥ ክሃድም” ዝብሉ ወገናት ድምጾም የስምዑ ኣለዉ። “ስቕ ዝበልና ዝዝረብ ስለ ዝሰኣና ዘይኮነ ስቕ ስለ ዝመረጽና ኢና” ዝብል ኣረጊት መህደሚ ፖሊሲኡ ከኣ ሎሚ ኣይክሰርሕን እዩ። ኢሳያስ ንሱ’ኳ እንተዘይተዛረበ ክዝረቦ ግድን እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ከም ዝተራእየ፡ ኢሳያስ ንናቱ ዘይረዊ ህርፋን እምበር ንናይ ካለኦት ኣተሓሳባ ቦታ ናይ ምግዳፍ ባህሪ የብሉን። በዚ ፍንውን ሃላልን ኣካይዳኡ ከኣ፡ ወዮ ደኣ ካብ ተመኩሮኡ ኣይመሃርን እዩ እምበር፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ቁማር እዩ። ድሕሪ ሕጂ ኣብ ዝጻወቶ ቁማራት ከኣ ተበላዒ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ህዝብና እውን ንሱ ብዝኣጉዶ ሓዊ ካብ ምንዳድ ዘይድሕን ምዃኑ እዩ። በዚ ይኹን በቲ ሕብረተሰብ ዓለም ሎሚ እውን ተጽዕነኡ ኣብ ልዕሊ እዚ ጉጅለ ከዛይድ ንጽውዕ። ምስዚ ግና ዓለምለኻዊ ተጽዕኖ መመላእታ እምበር፡ ንናትና ናይ ኤርትራውያን ግደ ከም ዘይትክእ ኣይንዘንግዕ።
ራብዓይ ክፋል
ከም ኤርትራውያን እቲ ርእሲ ኩሉ ዘገድሰና፡ ጉዳይ ሃገርናን ህዝብናን ኢዩ። ህዝብና እቲ ዝግብኦ ክብሪ ረኺቡ፡ ብፍትሒ ኣብ ሰላምን ብልጽግናን ክነብር ንደሊ ንምትግባሩ ድማ ንቃለስ። ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ክወርድ ዘይንደልዮ በደል ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታትን ሃገራትን ብኣና ይኹን ብካልኦት ክፍጸም’ውን ዘይንደልዮ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ጉዳይ ሃገሩ ውሳኒ ተራ ንክህልዎ ኢዩ ተቓሊሱ። ንገድሊ መሪሖም ናጽነት ዘዕቆቡ ተጋደልቲ እቲ ኩሉ ዝተሰዉእዎን ዝሰንከልዎን ሰላም፡ ብልጽግናን ፍትሕን ዝሰፈና ሃገር ንምምስራት ኢዩ ነይሩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ፍረ ቃልሲ ህዝብና ብሓደ ጉጅለ ተጨውዩ ሃገር ክትምዕብለሉ እትኽእል ዝነበረት መኣዝን ተሳሒቱ።
ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ምብጋሳ ክትገብሮም ዝነበርዋ ብዙሓት ኢዮም ነይሮም። ብቐንዱ ግን ሃገር ዝምርሓሉ ሕጊ ከተጽድቕ በዚ መሰረት ድማ መንግስታ ከተቕውም፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዓቕሚ ዘዋስእ ስርዓት ክትተክል፡ ምስ ዓለምናን ዞባናን ዘዋስእ ቅኑዕ ፖሊሲ ዝምድና ክትሕንጽጽ ኢዩ ዝግባእ ነይሩ። ኣብ ክንድኡ ግን ብናይ ሓደ ሰብኣይ ኣመራርሓ ተተኪኡ፡ ፊን ከምዝበሎ ድማ ሃገር እናሓመሰ ይነብር ኣሎ። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ኣመራርሕኡ ቀንዲ ጸላኢ ምዕባለን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ብሰንኪ ተናኻሲ ጠባያቱን ጸሕታሪ ውግእ ዝኾነ ተግባራቱን ዝፈጠሮም ጸላእቲ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ ክኾኑ ግድን ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ኢሰያስ ንዝጸልኦ ክጸልእ ንዝፈተዎ ክፈቱ እንተኾይኑ፡ ነቲ ንሃገርና ናብ ገደል ዝወስድ ኣመራርሕኡ ኣሜን ኢልካ ምቕባል ጥራይ ኢዩ ዝኸውን። ዲክታቶር ኢሰያስ ዝኣተዎምን ዘላዓሎምን ኣዕነውቲ ውግኣት ብሰላም ክፍትሑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ኢዮም። ኣብ ጉዳይ ደሴታት ሕነሽ ምስ የመን፡ ኣብ ጉዳይ ዶብ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዝተገብሩ ውግኣት ኩሎም ትርጉም ዘይነበሮም ካብ ዋግኦም ንላዕሊ ዋጋ ዘኽፈሉ ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋንቲ ዋና ጸሓፊ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝነበረ፡ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ኮፊ ኣናን ንናይ ባድመ ውግእ “ትርጉም ዘይብሉ ውግእ” ኢሉ ኢዩ ገሊጽዎ። በዚ ትርጉም ዘይብሉ ውግእ ዝመጸ ሳዕቢናት፡ ሞት፡ ዕንወት፡ ምምዝባልን ጽልእን ተመሊስና ነቲ ጠንቅታቱ ክንፍትሾን ነቲ ቅኑዕ፡ ቅኑዕ፡ ነቲ ጌጋ ድማ ጌጋ ክንብሎን ክንመሃረሉን እንተዘይኪልና፡ ግጉይ ኣመራርሓ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ውን ኣብ ጸድፊ ከእትወናን ንስቅያትና ከናውሖን ኢዩ።
ብጉጅለ ኢሳያስ ዝምራሕ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ጠቕሚ ህዝቢ ዝተመስረተ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ የብሉን። በዚ ከኣ ኤርትራ ፈታዊ ዘይብላ ካብ ዓለም ኣብ ተነጽሎ እትነብር ኢያ። ምስ ጎረባብታ ናይ ሓቢርካ እናተሓጋገዝካ ብሰላም ምንባር ፖለቲካ እትኽተል ኣይኮነትን። ኣብ ሶማል ዝተኸተለቶ ግልብጥብጥ፡ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ቀጠርን ኢማራትን ቀዋምነት ዘይብሉ ነቲ ሓደ ከተርሕቕ ምስቲ ካልእ ኣሻሩ ካብ ዝብል ግዚያዊ ጠቕሚ ዝነቅል መርገጻት፡ ነቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ቀንዲ መዕቆቢን ደጋፍን ዝነበረ ህዝቢ ሱዳን፡ ብጉጅለ ህግድፍ ናይ ኢዶም ዘይምርካብ መግለጺ ናይ ዝሓዞ ዘይጥዑይ ፖሊሲ ወጻኢ ዝምድናታት ኢዮም። ንኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ኣትዩ ብቐጻልነት ኣብ ምሕማሳ ይርከብ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምትእትታው ንጠቕሚ ህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነይሩ እንተዝኸውን'ኳ ኣይምሓሰመን። ግን ንማንም ዘርብሕ ኣይኮነን።
ኣቶ ኢሰያስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝትከል መንግስቲ ኣብ ብሔራት መሰረት ዝገበረ ፖለቲካ ክኸውን ከምዘይብሉ፡ ከምዝመኸረ ደጊሙ ደጋጊሙ ብኹርዓት ክገልጽ ተሰሚዑ ኢዩ። እቲ ብሸነኹ ዝግበር ዝነበረ ግን፡ ንብሄራዊ ፖለቲካ ዘሰጉማ ውድባት እትዮጵያ፡ ናይ ኦሮሞ ናጽነት ግምባር፡ ናይ ኦጋዴን ናጽነት ግምባርን ካልኦትን ንክዕወታ፡ ንህዝቢ ኢርትራ ድራሩ ኣሕዲጉ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሓቚፉ ይሕግዘን ነይሩ ኢዩ። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ንናጽነት ኤርትራ ዘይቅበሉ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ እንተተዓወቱ ድማ ተመሊሶም ንኤርትራ ክጎብጡ ድሕር ዘይብሉ፡ ከም ጉንቦት ሸውዓተን የኣርበኞች ግንባርን ዝተባህሉ ይሕግዝ ነይሩ። መራሕቲ ጉጅለ ህግድፍ ካበየናይ ስነ-መጎት ነቒሎም ኢዮም ነዞም ኣብ ኢትዮጵያ ተጻራሪ ዕላማታት ዘለዎም ሓይልታት ዝሕግዝዎም ነይሮም? ኢሰያስ ነዞም ተጻረርቲ ልኡላውነት ኤርትራ ዝኾኑ ሓይልታት ኢትዮጵያ ክሕግዝ ከሎ፡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ዘለዎ ክሕደት ኢዩ ብዝያዳ ኣመስኪሩ። እዚ ዘይሃገራዊ መርገጽዚ ዝያዳ ይጎድኣና ኣሎ። እዚ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ጎረቤት ህዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ በደል ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ደቁ፡ ገንዘቡ፡ ግዜኡን ጥዑይ ናይ ጎረባብቲ ዝምድናን ይኸስር ኣሎ።
ኤርትራ ብጅግንነት ደቃ ናጻ ሃገር ኮይና፡ ናጽነት ብዘምጽኡላ ከኣ፡ ብኣምራርሓ ኢሳያስ እናተበደለት ትርከብ። ናተይ እትብሎ ህዝባዊ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ኣይተተኽለን። ኣብ ረብሓታት ሃገር ዘይተሰረተ፡ ኢሰያስ ፊን ብዝበሎ ኣብ ዝመርሓላ ዘሎ ሃገር፡ ናቱ ፈተውቲ፡ ከም ፈተውቲ ህዝብና ጸላእቱ ውን ከም ጸላእቲ ህዝብና ክንቆጽሮም ዘይከኣል ኢዩ። በየናይ ኣብ ሃገራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ፖሊሲ ኢዩ ንህዝቢ ኤርትራ ”እዚኦም'ዮም ፈተውትኻን ጸላእትኻን” ክብሎ ዝኽእል። ኢሰያስ ዝፈጥሮም ጸላእቲ ናይ ባዕሉ ጸላእቲ ጥራይ ኢዮም ክኾኑ ዝኽእሉ። ንኣመራርሓ ኢሰያስ ዝጸልአን ዝተቓወመን ኤርትራዊ ይኹን ወጻእተኛ ከም ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ጌርካ ምልጣፍ ናይ ህግደፍ ስራሕ ኢዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገርን መራሕን ዘሎ ፍልልይ ምኽሓድ ማለት ኢዩ።
ንሕና ምስ ሃገራት ክንፈጥሮ ዝግባኣና ዝምድና ኣብ ናይ ሓባር ረብሓታት ዝተሞርኮሰ ኢድ ምትእትታው ዘየፍቅድ ናይ ሓድሕድ ናጽነት ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ብዝተኸተሎ ግጉይ ኣመራርሓን ኣፈታትሓ ግርጭታትን ዝወረደ ጉድኣትን ጽልእን ኣብ ምእራሙ ክንከይድ ከምዘሎና'ምበር ናይዚ ኣሉታዊ ውርሻ ቀጸልቲ ክንከውን ኣይግባኣናን። ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ጽልኢ ብተግባር ኣመስኪሩ ኢዩ። ንሕና ግን ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐ ኮይኑ ስለዝስመዓና፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝቕጽሎ ዘሎ ገበን ብዕጽፊ ንኹንኖ። ኣብዚ ኣብ ትግራይ ኣጒድዎ ዘሎ ሓዊ ተቓጺሉ ዕድሚኡ ክሓጽርን ህዝብና ራህዋ ክረክብን ድማ ዝከኣለና ንገብር።
ይቕጽል
MARCH 10, 2021 ETHIOPIA, NEWS, TIGRAY
My name is Berhane Kidanemariam. I have proudly served my country, Ethiopia, for decades at varying levels of public service. Prior to my current post, it was my great privilege to serve as Consul General of the Ethiopian Mission in Los Angeles. Currently, I am serving as the Deputy Chief of Mission to the United States at the Ethiopian Embassy in Washington, D.C.
Throughout my career, I have always been honest with government and party officials about concerns I have had with the direction of the country. I have suffered consequences, including being excluded from certain political affiliations, because of my differing views. Despite these challenges, I have always tried to put what I believe is best for my country above my political interests. I have long desired for Ethiopia to make the necessary reforms to ensure peace and prosperity for all its citizens.
With the emergence of Prime Minister Abiy Ahmed, I, like many other Ethiopians, had big hopes for genuine reforms that could transform our political environment. In the beginning, Prime Minister Abiy inspired millions of Ethiopians with talk of reconciliation and change.
However, instead of fulfilling his initial promise, he has led Ethiopia down a dark path toward destruction and disintegration. Like so many others who thought the Prime Minister had the potential to lead Ethiopia to a bright future, I am filled with despair and anguish at the direction he is taking our country.
Instead of solving conflicts through dialogue, the Prime Minister has chosen to solve ideological and political differences by abusing the judicial system and using the military to suppress opposition to his rule.
Instead of increasing press freedoms, journalists have been arrested, assaulted, and assassinated.
Instead of leading a promised transition to democracy, elections have been repeatedly postponed; political leaders have been arrested on false charges; and opposition parties have been debarred and deregistered from participating in the electoral process. Major parties like the Oromo Liberation Front and the Oromo Federal Congress have withdrawn from the upcoming sham elections because the government has jailed their leaders without cause and shut down their party offices.
Some of the most disturbing events of Abiy’s tenure have been the killings of major political and civic figures. These include the assassination of Simegnew Bekele, the passionate project manager of the Grand Ethiopian Renaissance Dam; the murder of the Ethiopian Army Chief of Staff, General Se’are Mekonnen and his friend, General Gezae Aberra; the assassination of Dr. Ambachew Mekonnen and other leaders of the Amhara region; and the killing of the popular Oromo singer Hachalu Hundessa, which was immediately followed by the arrests of political leaders like Jawar Mohamed, Bekele Gerba, Lidetu Ayalew, and Yilikal Getnet, among many others. These assassinations all remain troubling mysteries in Ethiopia, and the true perpetrators have never been brought to justice.
On top of these issues, the continuous repression and killings in Oromia, the breakdown of law and order in the Amhara region, the violence in Metekel, and military conflict with Sudan signal a perilous future for Ethiopia under current leadership.
The most urgent crisis in Ethiopia, however, is the ongoing war in Tigray. In November 2020, the Ethiopian government launched a war on Tigray for the supposed purpose of a “law enforcement operation”. The government used its full military power, including ground and air assaults, against the Tigray region. Moreover, the government invited foreign forces from Eritrea and the United Arab Emirates (with the use of drone warfare) to attack its own people.
Tigray’s infrastructure has been completely and intentionally destroyed. Soldiers are systematically raping women and young girls. Hundreds of thousands of people are being displaced, killed, and deliberately starved.
While all of this is happening, the Ethiopian government is intensifying its campaign of lies and deceit by denying the presence of foreign powers, denying atrocities being committed against the people of Tigray, denying all the crimes it is responsible for while the whole world bears witness.
In the rest of Ethiopia, thousands of ethnic Tigrayans have been fired from their jobs, harassed, assaulted, and arrested. I call on the Ethiopian government leadership and its followers to stop these attacks on Tigrayans based on their identity and to stop the witch-hunt that is taking place against Tigrayans in Ethiopia and in the diaspora.
One of the ironies of a prime minister who came to office promising unity is that he has deliberately exacerbated hatred between different groups. By using Amhara militias to attack Tigray, the government has tried to ensure further animosity between Amharas and Tigrayans. By involving Eritrea in this war and allowing its military to commit atrocities and wanton destruction of Tigray, the Prime Minister has deliberately tried to increase enmity between ordinary Tigrayans and Eritreans. I urge all peace-loving Ethiopians and Eritreans to completely reject this strategy.
In addition to the abuses and killings of Tigrayan civilians, another tragic aspect of this war is the pointless deaths of thousands of Ethiopian army recruits and Eritrean conscripts for a cause they do not even understand. This self-destructive war has severely damaged Ethiopia’s economy, its productive capacity, and the military’s ability to provide security for the rest of the country. The government’s recklessness has not only damaged peace and order for Ethiopia, but it risks destabilizing the entire Horn of Africa as well.
Now, more than ever, there is a need for national political dialogue in order to salvage the last vestiges of the imploding Ethiopian state. Therefore, the government must release all political prisoners and bring all Ethiopian political groups together for an inclusive national dialogue to solve the problems the country faces.
The government must allow an independent, U.N.-led investigation into all areas of Tigray. As the government is a party to this conflict, it is in no position to investigate itself through its so-called Ethiopian Human Rights Commission, which serves as nothing but a fig leaf to the international community while the government pursues its crimes with impunity.
Healing will only come to Tigray, and the rest of Ethiopia, when the government demands invading forces leave and ends this war, when there is a credible investigation into all the crimes committed, and when there is accountability for the perpetrators and justice for the victims.
I have loved serving as a diplomat for my country but I cannot do so at the expense of my values, and certainly not at the expense of my people. There is a cost to acting on one’s principles, but there is a bigger cost to abandoning them. I resign from my post in protest of the genocidal war in Tigray, and in protest of all the repression and destruction the government is inflicting on the rest of Ethiopia.
I hope all Ethiopians will join me in raising our voices to oppose the disastrous policies of this government. Despite all of its problems, I believe there is still hope for our country. We must stop viewing compromise as weakness. We must stop continuously seeking to dominate and annihilate our opponents. This will lead to nothing but our mutual destruction. We must learn to forgive each other so that we can live together. Ethiopia will only prevail if we choose the path of dialogue, understanding, and reconciliation.
Eritrea Hub | March 10, 2021 at 6:31 pm | Categories: Ethiopia, News, Tigray | URL: https://wp.me/p9mKWT-20d
ጉጅለ ህግደፍ “ሌባሌባ እንተበልዋስ፡ ሉዋሉዋ ዝበልዋ ይመስላ” ከም ዝበሃል፡ እነሆ በቲ ሓንሳብ ዝመረጾ ዘይጥዑይ መንገዲ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ በብዓይነቱ ገበናት ዝፍጽመሉ ሜዳ ጸቢብዎስ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ከስፍሖ ብዙሕ ግዜ ብብዙሕ ኣገባባት ፈቲኑ። ሎሚ ከኣ ከም መቐጸልታ ናይዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ ናይ ምስፋሕ ተግባራቱ፡ ኣብቲ ዓይኒ መፍተሉ ዘይፍለጥ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከም ዝኣተወ ጸሓይ ዝወቐዖ ሓቂ ኮይኑ ኣሉ።
ህግደፍ ካብ ኤርትራ ናብ ደገ ዘመዓዱ ጥዑይ ንምዝራእ ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገበናት ንምስፍሕፋሕ እዩ። እንተኾነ ብብዙሓት ወገናት እዚ ስግረ-ዶባዊ ምህዞኡ ከም ትጽቢቱ ተቐባልነት ኣይረኸበን። እዚ እከይ ሓሳቡ ከምቲ ዝተመነዮ ተቐባልነት ዘይረኽበሉን ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቶም ሓሳቡ ክሸይጥ ዝኸዶም ኣካላት ስለ ዘይገዝእሉ እዩ። ናይ ዘይምግዘኦም ምኽንያት ከኣ ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ንኻልእ ከምዘይበቅዕ ስለ ዝግንዘቡ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ግና “እንተስ ብገርሂ እንተስ ብጉርሒ” ጸረ ህዝቢ ተግባር ኢሳያስ ኣብቲ ብብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ረኺቡ። ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ዕዳጋ ምርካቡ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያውያን ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። እንተኾነ ናይቶም “ብሰንኪ ኣብ ዓዱ ዝመኸነን ዝተፈንፈነን ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ምቕባልና ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ዲፕሎማስያዊ መድረኻት ዋጋ የኽፍለና ኣሎ” ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ቁጽሪ ይበዝሕ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ።
ናይ ጉጅለ ኢሳያስ ኣብ ዘይንጹርን ዘይብሩህን ኩነታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምዝማድ፡ ኣብቲ እዋኑ ኣዝዩ ኣዛራቢ ነይሩ። ኣዛራብነቱ ኣብ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውናንን ጥራይ ከይተደረተ ናይ ግዳም ሓይልታት ኣጀንዳ እውን ኮይኑ ነይሩ። ዝያዳ ኣዛራቢ ዝኾነ ከኣ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሃንደበት ዝመጸ ስለ ዝነበረ እዩ። ይኹን እምበር በቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ከም በዓል ጉንበት 7 ዝኣመሰሉ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ብውሽጢ ውሽጢ ይስራሓሉ ምጽንሑ በዓል ኣንዳርጋቸው ጽጌ ኣቃሊዐምዎ እዮም። ንሕና እዚ ብብዙሕ ተንኮላትን ውዲታትን ዝተላዕጠጠ ዝምድና እንታይ ከም ዝወልድ ኣብ ምግማት፡ ከምዚ ንርእዮ ዘለና ከም ዝኸውን ናይ ምርዳእ ጸገም ኣይነበረናን። መረጋገጺና ከኣ ጨካንን ደረቐኛን ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ንኤርትራን ህዝባን ዘይኮነ ንኢትዮጵያ’ውን ከምዘይጠቅም ስለ እንርዳእ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና በቶም ብጉጅለ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይፍጸም ዝነበረ በደል ብግቡእ ዘይተረድኡ ወይ ከኣ ተረዲእዎም ክኑሱ ዘይተገደስሉ ኣካላት፡ እዚ ዝምድና እዞም መራሕቲ ናብ ራህዋ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ይወስድ ይኸውን ዝብል እምነት ኣንቢረምሉ ነይሮም። እቲ ብግብሪ ዝኸውን ዘሎ ግና እቲ ንሕና እቶም ነቲ ጉዳይ ብደቂቕ ክንከታተሎ ዝጸናሕና ዝገመትናዮ እዩ።
ሎሚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኣብ ትግራይ ይዋጋእ ከም ዘሎ ድሕሪ ክንደይ ናይ ሓሳባት ሓጐጽጐጽን ኣተሓባባእን ተረጋጊጹ እዩ። መራሕቲ ህግደፍን ብልጽግናን’ውን “ሓቢእካዮ ዘይሕባእ” ምስ ኮኖም ብዘይተወደን ብሓላፍዘላፍ ኣገባብን ክእመንሉ ተገዲዶም እዮም። “እቲ ሰራዊት ኣብኡ ኣትዩኸ እንታይ ይገብር ኣሎ?” ዝብል ከኣ ውዑይ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ። ኤርትራውያን ብዛዕባ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብ ትግራይ፡ ነቲ ዋና ኣሳሳይ ኢሳያስን ጉጅለኡን ገዲፍካ፡ እቶም ዝተረፍና እውን ኣብ ሓደ ዕቱብ ናይ ሓባር ሚዛን የለናን። ካብቲ ነዚ ተርእዮ መሚና ኣብ ናይ ሓባር ሚዛን ከይንበጽሕ ኣጸጊሙና ዘሎ ምኽንያታት ሓደ ንኤርትራን ህዝባን በቲ ሓደ ወገን፡ ንኢሳያስን ጉጅለኡን ከኣ በቲ ካልእ ወገን ዝተፈላለዩ ምዃኖም ኣብ ክንዲ ምርኣይ ደዋዊስካ ምርኣዮም እዩ። እዚ ከኣ ንኢሳያስ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ይምልስ ከም ዘሎ መሲሉ ገበናት ክፍጽም ዕድል ዝህቦ ዘሎ ናይ ሓሳብ በዓቲ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ብዙሓት ወገናት ቦታታት እንዳጠቐሱ፡ ገበን ከም ዝፈጸመ ይኸስዎ ኣለዉ። ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ማርያም ኣኽሱምን ድንገላን ዝተፈጸመ ቅትለት ከኣ ንኣብነት ዝጥቀሳ እዩ። ካብዚ ነቒሎም ኢሳያስ ኣብ ቅድሚ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ቀሪቡ ክኽሰስ ዝጽውዑ ኣለዉ። “ሰራዊት ኤርትራ ነዚ ገበናትዚ ውዒልዎ ድዩ ኣይወዓሎን?” ኣብ መስርሕ ምጽራይ ስለ ዘሎ ውጽኢቱ ክንርኣዮ ኢና። ናብቲ ሓቂ ክንመጽእ እንተኮይና ግና፡ ኢሳያስ ንክኽሰሲ ናብዚ ኣብ ትግራይ ፈጺምዎ ዝበሃል ዘሎ ጥራሕ ከይተቛመትካ እቲ ኣብ ኤርትራ፡ “ብዘይሕገመንግስቲ ዝመርሕ። ንዜጋታት መወዳእታኡ ኣብ ዘይፍለጥ ወትሃደራዊ ባርነት ዝጸምድ፡ ዜጋታት ንክስደዱ ምኽንያታት ፈጢሩ ዝደፋፍእ፡ መሰል ምእማን፡ ምዝራብ፡ ምውዳብ፡ ምጽሓፍን ምንቅስቓስን ዜጋታት ዝኸልእ፡ ብዘይ ፍርዲ ዝኣስር፡ ዝስውርን ዝቐትልን ……ወዘተ” እንዳበልካ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ገበናቱኸ ኣየኽስሶን ማለት ድዩ። ዘኽስስን ዘፍርድን ስለዝኮነ ኢና ከኣ፡ “ገበናት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ፡ ከይዝንጋዕ” ንብል ዘለና።
ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ንዘሎ ገበናት ህግደፍ ዝኹንኖ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፍጸም በደላት እውን ከምዘይድግፎን ከምይዘይሕተተሉን ፍሉጥ እዩ። ኣብዚ እቶም ንጉጅለ ኢሳያስ ዝረግሙን ዝኸሱን ሓይልታትን ህዝብን ትግራይ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይወዓሎ ከይልክምዎ ከስተብህሉ ይግበኦም። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዓቕምን ዕድልን እንተዝረክብ ነቲ ኢድ ኣእታውነት ጉጅለ ህግዲፍ ዓው ኢሉ ከምዝኹንኖ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ሰራዊት ኤርትራ ዝተወደበን ነብሱ ዝከላኸለሉን ኣድላይ እንተኮይኑ ከኣ ዘጥቀዓሉ መሳርሒ ዝወነነ ካብቲ ህዝቢ ዝሓሸ ነቲ ዘይከውን “ኣይከውንን እዩ” ናይ ምባል ተኽእሎ ነይርዎ። እንተኾነ ዋልታን ኲናትን ኮይኑ ብቐዳምነት ህዝቡ መድሓነ። ካብኡ ሓሊፉ ንገዛእ ርእሱ “ወራርን ሰራቕን” ካብ ዘብል ተግባር ናጻ ክኸውን መተገብኦ። ነቲ “ሰራዊት ኤርትራ ብጉጅለ ህግዲፍ ዝውጻዕ ዘሎ ቀንዲ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ እዩ። ህልውና ሃገር ናይ ምውሕስ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ኢሳያስ ሰላም ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ክስከም’ዩ።” ዝበሃሎ ዝምጥን ስጉምቲ ክወስድ ካብ ሎሚ ዝጥዕም ግዜ ኣይነበሮን። ብኣንጻሩ ንብዓት ህዝቢ ኤርትራ ዘይሓበሰ ሰራዊት፡ ስለምንታይ ናብ ትግራይ ከም ዝኸይድ ንህዝቢ ብሩህ ኣይኮነን። “ከይፈተወ ብህግደፍ ስለ ዝተገደድ እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ከኣ ፈጺሙ ምኽኑይ ኣይኮነን።
ሕብረተሰብ ዓለም ንኢሳያስን ጉጅለኡን ክምርቕ ኮነ ክረግም እንከሎ፡ መበገሲኡ ህልዊ ኰነታት ኤርትራ ክኸውን ይግበኦ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ እገዳ ክውሰን እንከሎ፡ እቲ ኣብ ግምት ዝኣተወ ርክቡ ምስ ኣልሸባብ እምበር፡ ዘቤታዊ ጉዳይ ኤርትራውን ኣይነበረን። ሎሚ ከኣ እዚ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝወጣወጥ ዘሎ መቕጻዕቲ ንገበናት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ፡ ከይዝንግዕ ነዘኻኽር።
ነዚ ናይ ሎሚ ኣጋጣምን ዕድልን ተጠቒመ፥ ንደቂ ኣንስትዮ ዓለም ብዝምልከት ሓሳባተይ ክገልጽ ኣፍቅዱለይ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን፤ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ክጸሓፍን ክዝረብን ክንብብን ንሰምዕን ኢና። እዚ ድማ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝግበር ሰላማዊ፥ ፍትሓዊ፥ ዲሞክራስያዊ፥ ምጣነሃብታዊ ወዘተ ቃልሲ ኣገዳስን ወሳንን ስለ ዝኾነ ኢዩ። ነዚ ፍርቂ ኣካል ዘይምጥማትን ዘይምስታፍን ምሉእ ዓወት ከምዝግብ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ዓለምና፤ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ኣባታዊ ስርዓት ዝጸንሐ ወጽዓታትን ዓመጻንትን ንምንጋፍ ኢየን ብናይ ሓባር ቃልሲ ንምዕዋት ሓቢረን ክቃለሳ ዝጽዕራ ዘለዋ። ቃልሰን እውን ከድምዕ ይረአ ኣሎ። ንኣብነት ዝኣክል፤ ለካቲት 14 ከም መዓልቲ ቃልሲ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝካየድ ግፍዒ፤ ሕዳር 25 ድማ ከም ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸረ ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝኽበር ኮይኑ ኣሎ።
ክቡራት ኣንበብቲ፤
ጓል ኣንስተይቲ፥ ከም ኣደ ንደቃ፥ ንበዓልበታ፥ ነሕዋታን ኣሓታን፤ ኮታ ንምሉእ ሕብረተሰባ ብፍቕሪን ሓልዮትን ደኺመ ከይበለት እተገልግል እያ። ብዙሓት ለባማት ክምስሉ እንከለዉ፤ ኣደ፥ ብርሃን ገዛ፥ ኣደ ዓንዲ ገዛ ይብሉ። ቆልዓ ካብ እተወልደሉ ዕለት ኣትሒዙ፥ ንምሉእ መዋእሉ መሰረት ዝኾኖ እተርእዮ ናይ ፈለማ መምህሩ፥ ኣደ ኢያ። ኣደ ብፍልጠትን ትምህርትን ክብ ክትብል እንከላ፤ ብሉጻትን ንቑሓትን ለባማትን ቆልዑን ወለዶን ንሕብረተሰብ ተበርክት። እዚ ድማ፤ ምዕቡል ሕብረተሰብ ንምህናጽ፤ ጓል ኣንስተይቲ ዓቢ ግደን እጃምን ከምዘለዋ ኢዩ ዝሕብረና። እንተኾነ ግን እታ ክንድዚ ኩሉ ኣገዳስነት ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ኣደ፥ እቲ ዝግበኣ ክብረት ይኹን ጻማ ትረክብ ኢያ ክበሃል ኣይከኣልን።
ክቡራት ኣንበብቲ፤
ኣብ ሃገርና ምልስ ኢልና ክንርኢ እንተዅይና፤ ኤሪትራ ብዙሓት ጀጋኑን ሰብ ታሪኽን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኔረንኣን ኣለዋኣን፤ የግዳስ ታሪኸንን ቅያአንን ተጎስዩ ዝሓልፍ ምዃኑ ዘሕዝን ኢዩ ጥራይ ዘይኮነ፥ ንታሪኽናውን ምሉእ ኣይገብሮን ኢዩ። ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ኣብነታት ታሪኽ ደቂ ኣንስትዮ ክጠቅስ፤
ታሪኽ ወ/ሮ ኢለን ኣደ ራእሲ ወልደሚኪኤል።
1837 ዓም፤ ኣይተ ሰለሙን ኣቦ ራእሲ ወልደንኪኤል፥ ብሰንኪ እርጋንን ብሕማምን ክልተ መንእሰያት ኣወዳት ገዲፎም ሞቱ። ወልደንኪኤል ወዲ 15 ዓመት፥ መርዕድ ድማ ወዲ 14 ዓመት ነበሩ። ኣይተ ሰለሙን ክሞቱ እንከለዉ፥ ውክልና ደቆም ንበዓልቲ በቶም ን ወ/ሮ ኢለን ሓጎስ ኢዮም ለበዋኦም ዝተናስሑ።
ወ/ሮ ኢለን ብዝነበረን በሊሕ ኣእምሮ፥ ተባዕ ጠባይን ክብ ናይ ምባል ድልየትን፤ ድሕሪ ሞት በዓል በተን፥ እቲ ንቦኽሪ ውላደን (ንኣይተ ወልደንኪኤል) ኢዩ ዝብጽሖ ኢለን ዝጽበይኦ ዝነበራ ስልጣን መዝነት፤ ናብ ደግያት ሃይሉ እተባህሉ ብምትሕልላፉ ዕረፍቲ ኣይረኸባን። ወ/ሮ ኢለን ድኻመን ከይጸብጸባ ናብቲ ሽዑ ጎይታ ትግራይ ዝነበረ ውበ፤ ስልጣን ንውላደይ ኢዩ ዝግባእ ንምባል ከዳ። ኣብቲ ዓዲ ብዝጸንሐ ሕግን ልምድን ድማ፥ ን ወ/ሮ ኢለን፤ ዕድመ ወደን ንዓቕመ ምምሕዳር ክሳብ ዝበቅዕ፤ ኣብ ክንዲ ወደን ባዕለን ስልጣን ሒዘን ከመሐድራ ተፈቕደለን። እቲ ዝተዋህበን ግዝኣት ጥንታዊ ሓማሴን (ማለት ክሳብ ምኽዓው ቆላ) ኢዩ ነይሩ። ወ/ሮ ኢለን ነቲ ዝተፈቕደለን ግዝኣት ሓማሴን ንምምሕዳር፤ ሓደ እሙን መኮነንን ዓኣስርተ ሽሕ ኣቢሎም ዝግመቱ ሰራዊት ኣኸቲሉ ኣሰነየን። እዚ ውሳነ ግን ኣሉታዊ ሳዕበናት ኢዩ ኣኸቲሉ። እቲምንታይሲ፥ ብኣንጻሩ ናይ ዝጸንሐ ልምድን ባህልን ሓማሴን፤ ብሰበይቲ ምምሕዳር ዘይምቕባል ኢዩ። ጸላእተን እንዳ ሃዘጋ ኣብ ጉራዕ ኣድብዮም ጸኒሖም ኣብ ኩናት ኣእተዉወን።ተራር ሰበይቲ ብምንባረን፤ ጥቕመንን ጥቕሚ ደቀንን ንከውሕሳ፥ ብረት ምልዓልውን ኣይሰነፋን። ንኣብነት ኣብ ኲናት ዓዲዜን ባዕለን ሰራዊተን መሪሐን ኣንጻር ተቓወምተን ገጢመን ስዒረን ኢየን። ወ/ሮ ኢለን ኣብቲ ናብ ብረት ግጥምያ ከምቲ ዋዕሮ ኣንበሳ ኩርኩር ሸደን መሪሓ ናይ ሃደን ጥበብእ ተመሓላልፍ፤ ነቲ መንእሰይ ውላደን (ወልደንኪኤል) ምስአን የፍርኦ ነበራ። ንውላደን እውን ኣብ ደረጃ ራእሲ ኣብጺሐንኦ ኢየን። እንተኾነ፤ ኣብ መወዳእታ፤ ወ/ሮ ኢለን ካብ ጸላእተን ሃዲመን ኣብ በት መቕደስ ኢየን ተዓቝበን ነይረን። ኮይኑ ግን ጸላእተን፤ ናይ ዑቕባ ሰብኣውን ሕጋውን ክብርታት ጥሒሶም፥ ካብ በት መቕደስ ኣውጺኦም ንጸላእተን ኣረከብወን። ጸላእተንውን ኣሲሮም፥ ብዘስካሕክሕ ኣሳቕዮም፥ ኣረሜናዊ ብዝኾነ ኣገባብ ቀተልወን።(መረብ ምላሽ፤ ሩፌሎ ፓሪኒ)
እቲ ዝገርም ግን፤ ኣብ ሕብረተሰብና እቲ ዝዝንቶ ታሪኽ ራእሲ ወልደንኪኤል ደኣምበር ታሪኽ ወ/ሮ ኢለን ኣይኮነን። ብመሰረቱ እቲ ጅግንነት ናይ ወ/ሮ ኢለን ኢዩ ንራእሲ ወልደንኪኤል ክፍለጥ ዝገበረ። ኣብ ባህልን ነዝን ከምዝን ንምጥቃስ ዝምሰል ምስላታት ኣሎ ኢዩ። “ንርስቲ ይማጎታላ ኣንስቲ” ዝብል ኢዩ። ኩሉ ጊዜ “ድሕሪ ዕዉት ሰብኣይ፥ለባም ሰበይቲ ኣላ” እውን ይበሃል።
ታሪኽ ናይዛ ርእሰከተማና ኣስመራውን እንተኾነ፤ ታሪኽ ናይ በላሕቲ ኤሪትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኢዩ። ኣብ ከባቢ 1500 ዓም ኣቢሉ ኣርባዕተ ንኣሽቱ ቁሸታት ነይረን። ኣብቲ እዋንቲ ነንሕድሕድካ ምጥቕቓዕ ልሙድ ኢዩ ነይሩ።ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ምጥቕቓዕ ንምምካትን ንምክልኻልን፥ በተን ደቂ ኣንስትዮ ከምዚ ዝብል ሕሳብ ይቐርብ: ”ቆልዑትና ዝጭወዩ፥ ሰብኡትና ዝሕረዱ፥ ጥሪትና ዝዝመታን ካብ ሃለዋ፤ ንጸላእትና ሓቢርና ንምምካት ምእንቲ ንክንክእል ሓቢርና ሓደ ዓቢ ዓዲ ምስራሕ የድልየና”። በዚ ናይዘን ደቂ ኣንስትዮ ሓሳብ ድማ፥ ካብ ኩለን ዓድታት ተወኪሎም ናይ ሓደ መዓልቲ ዋዕላ ይግበር።
ከም ባህሊ ነቲ ዋዕላ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ኢዮም ዝሳተፍዎ። በዚ ነቲ ናይተን ደቂኣንስትዮ ሓሳብ ግን ተቐበልዎ። እዛ ናይ ሎሚ ርእሰ ከተማና ኣስመራ ተባሂላ እተሰምየትሉ ምኽንያት፥ እተን ኣንስቲ መኺረን ኣስመራ ንማለት ኢዩ። ሽም ናይታ እትህነጽ ዓባይ ዓዲ ኣስመራ ክኸውን ተወሲኑ ኣብ ግብሪ ድማ ወዓለ።
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፤
ኣብ ሃገርና፥ ኩሉ እዃ እንተዘይበልና፤ ብዙሕ ዝዝንቶ ወይውን እተጻህፈ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኽ ኣሎ። ነዚ ናይ ምስናድ ሓላፍነት ናህና ስራሕ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ከዘኻኽር እፈቱ።
ህዝቢ ኤሪትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ፥ መሪርን ሓያልን ቃልሲ ኣካይዱ ኢዩ። እተን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮውን፥ ኣካል ናይዚ ቃልሲ ነይረን ኢየን።
ኣብ ምወዳእታ ሓምሳታት ሰላማዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤሪትራ ንሃገራዊ ናጽነት ኣብ ዝጀመረሉ፥ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣካል ናቱ ኮይነን ይቃለሳ ነይረን እየን። ካብቲ ዝፍጽምኦ ዝነበረ ገለ ኣገደስቲ ስራሓት፥ መልእኽትታት ምብጽጻሕ፥ ሓበረታታት ምምሕልላፍ፥ ብፍላይ ዃ ኣብ ሱዳን ተሰዲደን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፥ ዓቢ እጃም ኣካዪደን ኢየን። 1961 ዓም ብረታዊ ቃልሲ ኤሪትራ ምስ ተበገሰ፥ እቲ ቃልሲ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤሪትራ ኢዩ ነይሩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ መዓንጥአን ሸጥ ኣቢለን፥ ካብ መጀመርታ ኣትሒዘን ኢየን ኣካል ናይ ሰውርአን ዝኾና። እቲ ኣብ ኩሉ ከተማታት ብፊዳኢን ዝካየድ ዝነበረ ዓመልያታት/ስርሒታት ፤ ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ነይረንኦ ኢየን። ብዙሓት ኣብቲ ስርሒታት/ዓመልያታት ዝተሰውኣ ውን ኣለዋና ኢየን። ብተወሳኺ ንተጋደልቲ ዘድሊ ዝነበረ ነገራት ከም መልእኽትታት፥ ኣፋውስ፥ ክዳውንቲ፥ ኣጽዋር፥ ምዝርጋሕ ሕበረታ ይኹን ሓዲሽ ሓበረታታት ምእካብ ካብ ጸላኢ ተሓቢኤን ይፍጽምኦ ነይረን፤ ብዓቢኡ ድማ፥ ንሰውርአን ብገንዘብ ምሕጋዝ፥ ንተጋደልቲ ምምጋብ፥ ኣሰብኡተን ናብ መዳ ምስ ዝሳተፉ፥ ናይ ስድራበት ሓላፍነት ወሲደን ደቀን ብምዕባይ፤ ሰፍ ዘይብል ሓላፍነትን ቃልስን እካይደን ኢየን። ነዚ ዝፍጽማ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፥ ኣብ ከተማ ኣብ ገጠር፥ ኣብ ስደት፥ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ዝነበራ ኢየን።
ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ ከም ህዝበን፥ እቲ ባዕዳዊ መግእቲ ዝፍጽሞ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ወጽዓታት፥ ግፍዕታትን ዓመጻትን ስለ ዝመረረን፤ ሃገራዊ ቃልሲ እቲ እንኮ መተካእታ ዘይብሉ ምዃኑ ኣሚነን፥ ካብ ስሳታት ጀሚረን ናብ ብረታዊ ቃልሲ ተሳቲፈን ኢየን። ብፍላይ ኣብ ሰብዓታት ድማ ብብዝሒ ተሰለፋ። እንተኾነ ኣብቲ መጀመርያ፥ ኣብ ባህልና ጠበንጃ ምሓዝ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ስራሕ ስለዝነበረ፤ ሰውራና ሓንጎፋይ ኢሉ ተቐቢልወን ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ኣብ ዘይቦትአን መጺአን ብዝብል ነጻጊ መንፈስ ይርእየን ዝነበረ ውሑድ ኣይነበረን።እቲ ብባዕዲ ዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ ግን ወድን ጓልን ዝፈሊ ኣይነበረን። ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ ንሜዳ ክስለፋ ከለዋ፥ ልክዕ ከምቶም ደቂ ተባዕትዮ ንመሰል ህዝበን ድኣምበር፥ ንስብእነት ኣይነበረን።
ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ በቲ ተባዕ ጻዕረንን ጽንዓተንን መኪተን ንተቐባልነተን ኣብ ግብሪ ኣረጋገጽኦ። ናይ ስራሕ ብቕዓትን ማዕርነትን ብግብሪ ኣርእየን ኢየን። ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ተመዲበን ገድላዊ ስርሓት የካይዳ ነይረን ኢየን። ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ፥ ሕልፊ ኩሉ ዝገበራ፥ነቲ ከቢድ ቀሊል እናገበራ፥ ብፍቕሪ ብተወፋይነት፥ ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክሓልፍ እናበላ፥ ኣዝዩ ዘገርምን ዘስደምምን ስራሓት ኣካይደን ከብቅዓ፤ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ተሞክሮ ከምዝምስክሮ፤ ነቲ ዝግብአን መሰል ጌና ኣይረኸባን።
ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ደሓርውን ናጽነት ዘረጋገጸ ቃልሲ ሰውራ ኤሪትራ፤ 30% ደቂ ኣንስትዮ ዝተሰለፋሉ ኢዩ ነይሩ። ጀጋኑ ተጋደልትና ኣብ ሕብረተሰብና መሰረታዊ ለውጢ ኣርእየንን ኣረጋጊጸንን ኢየን። ነቲ ንጓል ኣንስተይቲ ከም ለውህ፥ ፈራሕ፥ ጎደሎ፥ ጽግዕተኛ ዘርኢ ዝነበረ ኖርም፤ እቲ ጸቓጢ ኣባታዊ ስርዓት ዝፈጠሮ ብልምዲ ዝጸንሐ ድኣምበር፥ ምስኣተን ዝተፈጥረ ዘይምዃኑ ብተግባር ምሂረን።
ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ተሳታፍነተን ኣብቲ መሪሕ ኣካል ነይረንዶ?
ኣይነበራን። መላኺ መንግስቲ ኢሳያስ ባህርያቱ ኣይኮነን። ሎሚ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ብዙሕ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሓረመሉ ስርዓተ መንግስቲ ኢዩ ዘሎ። ኩሉ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መላኺ ስለዝኣተወ፤ እቲ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣካል ናይቲ ብመላኺ ኢሳያስ ዝዝወር ግንባር ንስሙ ዝቖመ ድኣምበር፥ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝጣበቕ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ።
ሕልሚ ናይዘን ጀጋኑ ተጋደልቲ ነበር፤ ናጽነት ረኺበን፥ ምሉእ ሓርነት ህዝበን ክርእያ መሰላተን ክሕለወለን ኢዩ ነይሩ። ከም ወዮ “ኣይመርገም ኣይምርቓ” ዝበሃል፥ ህዝብና ሕማቕ ረኺቡ።
ድሕሪ ናጽነት እቲ ክሕደት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኢዩ ዝጀመረ።6000 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትአን ኣብ ቅድመ ግንባር ዝነበራ 10,000 ናቕፋ ሂቡ ኣጣየሰን። መናበሪ ይኹን መዕቆቢ ዘይብለን ኣብ ጥራሕ ጎጎል ኢዩ ደርቢዩወን። ከም ህዝበንን ብዙሓት ተጋደልትን ምስቶም ፍረ ሰውራ ዝኾኑ ፍቱዋት ደቀንን፤ ኣብ ድኽነት፥ ስደት፥ ምኽዳም፥ ስእነት ስራሕን ሕማምን ተሸሚመን ይርከባ።
ድሕሪ ናጽነት መሰለን ሓቲተንዶ? እወ፤ 1993 ዓም ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንመሰለን ኣብ ዝሓተታሉ፥ እቲ መልሲ ናይ መላኺ ኢሳያስ፤ ጠለባት ህዝቢ ክብልሽ ዕላምኡ ስለዘይኮነ፤ ከም ኣመሉ ናይ ምሕጫጭ መልሲ ኢዩ ሂቡወን። እተን ገለ ሞያ (ትምህርቲ) ወይ ነዊሕ ተሞክሮ ዝነበረን ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮውን እንተኾና ኣብ ትሕቲ`ቶም ሓደ ሞያን ተሞክሮን ዝነበሮም ተጋደልቲ ደቂ ተባዕትዮ ኢየን ተመዲበን። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተጋደልቲ ሓለፍቲ ክኾኑ እንከለዉ፤ እተን ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጸሓፍቶም ኢየን ኮይነን።
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፤
ናጽነት እኩብ ድምር ቃልሲ ህዝቢ ኤሪትራ ኢዩ። ደቂ ኣንስትዮ ታሪኽና ክንስንድ መድረኽ ይጽበየና ኣሎ። ነተን ብጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝጽሕፋን ኣብ ናይ ሓበሬታ ማዕከናት ዝምጉታን ቃለማሕተታት (ኢንተርቪዩው) ዝገብራን ደቂ ኣንስትዮ ከየመገንኩወን ክሓልፍ ኣይደልን። ተግባራተን ኣብ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ዓቢ እጃም ክህልዎ ምዃኑ ዘየጠራጥር ኢዩ።
ታሪኽ ኣሉታውን ኣወንታውን ሰነኻት ኣለዎ። እንታይ ጽቡቕ ጌርና እንታይ ተጋጊና ምስ እንመዝን፤ ታሪኽ ክንፈልጥን ክንርዳእን ንኽእል። ንሓዲሽ ወለዶ ድማ ንምህረሉ።
ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ ከምቲ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ዝገበርኦ ሎሚውን ብምሉእ ድሌት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፤ ርኡይ ግደ ከበርክታ ባዕላተን ክብገሳ ኣለወን። ከም ደቂ ኣንስትዮ ባዕልና ክንዋሳእን ንደምበ ተቓውሞ ክንዓስሎን ይግባእ። ደቂ ኣንስትዮ ኤሪትራ ኣብ ሲቪካዊ ማሕበራት፥ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ምውሳእ ከድልየና ኢዩ። ልክዕ ሲቪካውን ፖለቲካውን ቃልሲ ኢድ ን ኢድ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ኢዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ውድብ ዝመርሕ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ሰልፊ ስለዝኾነ፤ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ኣቲኻ፥ ነቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዘገልግል ውሳኔታት ምዕዋት ሓደ ካብ ቃልስና ክኸውን ይግባእ።ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓጋጊ ኣካል ክመጻሉ ዝኸላሉ መንገዲ፤ ኣብቲ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ምስ ዝሳተፋን ዝህልዋን ትራሕ ኢዩ። ነዚ ክብል እንከለኹ፤ ኣብ ስልጣን ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ቦትአን ባዕለንን ብድልየተንን ብኽእለተንን እምበር ከም ምጽዋት ክወሃበን ዝጽበይኦ ክኸውን ከምዘይብሉ ንምጥቃስ ኢየ።
ዓረብ ስፕሪንግ ዝፈጠሮ!
ኣብ ቱኒዝያ ዝተረኽበ ሓዲሽ ተርእዮ፤ ኣብቲ ብቃልሲ ዝተመዝገበ ሓዲሽ ናይ ቱኒዝያ ቅዋም፤ ንፈለማ ጊዜ ንዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ዝከላኸል ምዕራፍ ከም ዝጸድቕ ብምግባር ተዓዊቱ። እዚ ድማ ኣብ ሃገራት እዕራብ ናይ መጀመርያ ዓቢ ታሪኻዊ ስጉምቲ ኢዩ። እቲ ዘሐጉስ፥ ሎሚ ኣብ ፓርላማ ናይ ቱኒዝያ 21% ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን ኣለዋ። እተን ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ደቂ ኣንስትዮ ንምእታው ብርቱዕ ቃልሲ ኣካይደን ኢየን።
እዚ ድማ ነዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣብ ባህልና ኩሉ ጊዜ ስልጣን ክበሃል እንከሎ፥ ንተባዕታይ ከምዝምልከት ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ኣሓት፦ እቲ መገዲ ክጅመር ኣለዎ። እቲ መስርሕ ባዕሉ ኣይጅምርን ኢዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምራሕ ንክመጻ ዕድል ናይ ምንቕቓሕ ክረኽባ ኣለወን። ንኣብነት ኣብ ሽወደን ነተን ኣብ ምምራሕ ክመጻ ዝድለያ፤ እቲ ሰልፈን ዝእክል ትምህርታዊ ተመክሮታት ይህበን (ትሬይኒንግ)። ኣባናውን ነዚ ዕድል`ዚ ከነተኣታትዎ ናትና ቃልሲ የድሊ።
ብዙሓት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ናይ ፖለቲካ ተዋሳእቲ ኮይነን፥ ንሕና ዓቕሚ ኣለና ኢለን ባዕለን ኣብ ምምራሕ ክኣትዋ ክንርኢ ተስፋ እገብር።
በዚ ኣጋጣሚዚ፤ ነተን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ናይ ፖለቲካ ተዋሳእቲ ኮይነን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባትን ሰልፍታትን ከይተሓለላ ዝቃለሳ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፤ ከምኡውን ነተን ሓያላት ኣክቲቪስትታት ደቂ ኣንስትዮ ሞጎሰይን ኣድናቖተይን የመሓላልፍ።
ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የለን
ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና
ኣልጋነሽ ያቖብ
መጋቢት 8 ፡2021
ሽወደን

ገድሊ ደቂ ኣንስትዮ

ሳልሳይ ክፋል
ብዘይካ ኣብ ዝጽሕትሮ ህውከትን ውግእን፡ ኣብ ሰላም ክነብር ዘይኽእል ፋሽስታዊ መራሒ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቀንዲ ጸላኢ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኢዩ። ኣብ ታሪኽ ሃገራት ሓደ መራሒ ሃገር በዚ ደረጃ’ዚ እመርሖ ኣለኹ ንዝብሎ ህዝቢ ክጸልእን ክንዕቕን ሳሕቲ ተርእዮ እዩ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ኤርትራ ክብሩን ሰብኣዊ መሰላቱን ጥራይ ኣይኮነን ገፊፍዎ፡ ከይነብር ሂወቱ ከይዕንግል፡ ተማሂሩን ሰሪሑን ከይምዕብል ኣጊድዎ ኢዩ። ካልኦት መለኽቲ ስርዓታት ምስ እንርኢ ህዝቢ ንኣረኣእያኦም ተኸቲሉ ክኸይድ ዝቕስቡ’ውን እንተኾኑ፡ ህዝቢ ናብርኡ ከመሓይሽ እናደገፉ ዝያዳ ክርብሓሉ ዝኽእል መሰረተ ልምዓታት ብምህናጽ ኣብቲ ሃገር ምዕባለ ከምጽኡ ይረኣዩ ኢዮም። እቲ ሽግር ብናቶም መላኺ መንገዲ ስለዝኸድዎ’ምበር ሃገሮም ንካልእ ኣሕሊፎም ዘይህቡ ኢዮም። ዉልቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ግና፡ እመርሖ ኣለኹ ንዝብሎ ህዝብን ሃገርን ዝንዕቕን ዝጸልእን እንትርፎ ዕንወትን ስቓይን ስደትን ሞትን ካልእ ጽቡቕ ነገር ከምጽእ ዘይከኣለ መራሒ ኢዩ።
እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ በደላት ኣይኣክልን ኢሉ እንሆ ኸኣ ሎሚ ንህዝብና ኣብ ውግእ ዘይምልከቶ ጎረቤት ሃገር ጠቢስዎ ይርከብ። እዚ ንህዝቢ ዕላምኡ ፍሉጥ ዘይኮነ፡ መዓስ ክውዳእ ኢዩ ዘይተፈልጠ፡ ክንደይ ዋጋ ከኽፍል'ዩ ዘይተገምገመ ውግእ ንህዝቢ ኤርትራ ዛጊት ዓቢ ዋጋ ኣኽፊልዎ ከምዝህሉ ክግመት ዝከኣል ኢዩ። ዘዕርፎ ናይ ግዳም ጸቕጥታት እንተዘይረኺቡ ብተዋሳእቲ ሓይልታት ናይዚ ውግእዚ ከቢድ ጉድኣት ከየውረደ ብተሎ ዝውዳእ ኣይመስልን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ነዚ ውግእዚ፡ ዓለም ኣቓልቦኣ ኣብ ምርጫ ፕረሲዳንት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረትሉ ምጅማሮም ብሰላሕታ መደቦም ንምፍጻም ኢዩ ነይሩ። ብዝወሓደ ክሳራ ኣብ ሓጺር ግዜ ንህወሓት ድምጻን ድምጽማጻን ከጥፍእዎም መዲቦም። ዝወጠንዎ መደብ ክሰልጠሎም ኣይከኣለን። ብኣንጻሩ ንዓኣቶም ዘይተጸበይዎ ክሳራ ወሪድዎምን ይወርዶም ኣሎን። “ሓደ ሰላማዊ ሰብ ኣይቀተልናን” ዝበልዎ ውግእ ብኣሽሓት ዝቑጸር ሰብ ብግፍዒ ተቐቲልዎ ሰፍ ዘይብል ንብረት ዓንዩ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ስፍርኡ ተዘናቢሉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ተሰዲዱ። ንዓመታት ኣብ ትግራይ ዑቕባ ረኺቦም ብሰላም ዝነብሩ ዝነበሩ፡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳያት ናይ ሞትን መጭወይትን ምብትታንን ኮይኖም ኢዮም። እቲ ብሕቡእ ክውዳእ ተሓሲቡ ዝነበረ ውግእ ዓለም ፈሊጥዎ፡ ብርቱዕ ቁጠዐ ድማ ኣኸቲሉ።
እቲ ውግእ ክጅምር ከሎን ሎሚን ዘሎ ኣሰላልፋ ሓይልታት ተቐይሩ ኢዩ። ክጅምር ከሎ ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ሸነኽ ናይቲ ኣቢይ ዝመርሖ መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን በቲ ካልእ ሸነኽ ኢዮም ተሰሊፎም ነይሮም። ሎሚ ግና ኣብቲ ኣሰላልፋ፡ ነቲ ኣቢይን ኢሳያስን ዘካይድዎ ዘለው ውግእ ዝጻረር ሓይልታት በዚሑ ኣሎ። ዋላ ንህወሓት ንምድሓን ኢሉ እንተዘይኮነ፡ በቲ ኣቢይን ኢሳያስን ዘካይድዎ ዘለዉ ብናይ ውግእ ሕግታት ዘይምራሕ ገበናዊ ተግባራት ወያነ ይጽውዖ ንዘሎ መፍትሒ ተጸንቢረሞ ክኸዱ ይረኣዩ ኣለዉ። ድምጽታት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት ኣህጉራዊ ማሕበራትን ኣብዚ መስርዕዚ ኣትዮም ኣለዉ።
ብቐንዱ ግን፡ ሰራዊት ኣብይ፡ ኢሳያስን ክልል ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈጺመሞ ብዘለዉ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዕንወትን ምብስባስን ንህዝቢ ትግራይ ኣዚዩ ኣቖጢዕዎን ኣጨኪንዎን ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ከረሳርስዎን ክኸስብዎን ዝኽእሉ ኣይመስሉን። እቲ በደል ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ሓይሊ ህወሓት ፈልዩ ዝተፈጸመ ስለዘይኮነ፡ ዋላ ቀደም ዝምድናኦም ምስ ህዝቢ ገለ ጨዳድ እንተነበሮ ሎሚ ግን ሰጢሙ ኣንጻር በደልቱ ክቃለስ ገይርዎ ኢዩ። ብሄርተኝነት ትግራይ ዋላ ካብ ቅድም ዝነበረ እንተኾነ፡ ሎሚ ግና ዝያዳ ክግንፍል ይረአ ኣሎ። እዚ ሓያል ስምዒት’ዚ ሓድሽ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ዝሕዘሉ ገፊሕ ምናልባታት ኣሎ። ትግራይ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ኮይና ትቐጽልዶ ኣይትቐጽል ዝብል ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከም ዓቢ ሕቶ ክለዓል ምዃኑ ዘይተርፍ ኢዩ። እዚ ውን ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ምጽላዉ ዘይተርፎ ኢዩ።
ሕጊ ንምኽባር ተባሂሉ ዝተጀመረ መጠነ ሰፊሕ ውግእ፡ ንወተደራዊ ዓቕሚታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሃስይዎ ምህላዉ ዘየጠራጥር ኢዩ። ወያነ ተመሊሶም ናብ ቤተ-መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ከምዘይክእሉ ርዱእ ኢዩ። ብዓንተብኡ ውን ኣብቲ ብኢትዮጵያውያን ዝተኻየደ ኣቢይ ኣሕመድ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዘምጽኣሉ ለውጢ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ኣብ ትግራይ ተደሪቶም ኢዮም። ወያኔ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊን ኣተሓሳስባን ካብ ኢትዮጵያ ክጠፍኡ ግና ዘይመስል ነገር ኢዩ። ሎሚ ኢትዮጵያ እትኸደሉ ዘላ ፈደራላዊ ስርዓት ፈሪሱ ብኣሃዳዊ ስርዓት ክትካእ ዝደልዩ ካብ ብሔረ ኣምሓራ እንተዘይተረኺቦም ካልኦት ብሔራት ዝቕበልኦ ኣይኮናን። እቲ መሰረታዊ ጠንቂ ናይዚ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ውግእ እዚ ኢዩ፡፡ ኢትዮጵያ በየናይ ስርዓት ትመሓደር ኣብ ዝብል ኢዩ እቲ ፍልልይ። እቲ ካልእ መመኽነይታታት መሐወስታ ጥራይ ኢዩ። ዋላ ንወያነ ካብ ፖለቲካዊ ጸወታ እንተኣውጽእዎም እቲ ሽግር ዝፍታሕ ኣይኮነን። ካብ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝዝውሮ ኣቢይ ኣሕመድ ትጽቢት ዘይግበር ኮይኑ'ምበር፡ መፍትሒ ናይዚ ሽግርዚ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝሳተፍዎ ፖለቲካዊ ሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ኢዩ።
ናብ ኩነታት ኤርትራ ክምለስ፡ መንግስቲ ጉጅለ ህግደፍ ንኹሉ መዳያት ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ብክትንክፍ ዝኽእል ደረጃ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእቲዩ ኣሎ። እዚ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ እንተዝኸውን ዝሕባኣሉን ዝከሓደሉን ምኽኒያት የብሉን። እዚ ብህዝቢ ኤርትራ ቅቡል ክኸውን ዘይክእል፡ ኢሳያስ ውልቃዊ መደባቱ ንምዕዋት፡ ስልጣኑ ንምንዋሕን ንምስፍሕፋሕን ዝኸዶ ዘሎ ካብ ሙዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ካብኡ ተሳዒሩ ክወጽእ ኩሉ ቃልሲ ከካይድ ኣለዎ።
ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነዚ መንግስቲ ኢሳያስ በዚ ኣብ ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣብ መላእ ዓለም ኣንጻሩ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋሁ ንጥቕሚ ኤርትራ ከውዕልዎ ክጽዕሩ ይግባእ።
ይቕጽል
ብዕለት 06 መጋቢት 2021 ዓ.ም.ፈ ክልተ ጨናፍር ሰዲህኤ ሃገር ሽወደን ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ንክብርን ዝኽሪን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ 5ተ ሰዓት ዝወሰደ መግለጺ ርሱን ዓሚቅ ክትዕ ተካይዱ። እዚ ታሪካዊ ሙዉቅ ምሸት ድሕሪ ናይ ክልተ ኣቦ መንበራት ሰላምታን ሓጺር መእተውን ንብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ዕድል ተዋህበ። እዚ ኣገዳሲ ሃብታም ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣደታት ሓያሎ ዓመታት ቅድሚ ሰውራን ኣብ ሰውራ ዝተጻውተኦ ተባዕ ቆራጽ ግደ ምዉቅ መሃሪ ብሓቂ ተንካፊ ዝኾነ ትንተና ረዚን ሰነዳዊ ግብራዊ ብኣዝዩ ኣገራሚ ዝኮነ ኣቅሪባቶ። ኮይኑ እዚ መስተንክር ብልሓት ጽሮት ንድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ፡ ካብ ጊዜ ባዕዲ ንላዕሊ ኣብ ጊዜ ሰውራ በዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨቋኒ ጉጂለ ዝተፈጸመ ዝመረረን ዝኸፋኤን ንግደ ኣደ ወላዲት ኣምኪኑ ኣብ ምዕባይ ደቃ ባህሎምን ክብሮምን ኣህሲሱ ዘጽነተ፡ ካብ ሳሕል ጀሚሩ ክሳብ ሳዋ ብምዕናዉ ኣረመኤናዊ መደባቱ ብምትግባር እንሆ ሃገረ ኤርትራ ምስላን ክብራን ደምሲሱ በቲኒዋ ይርከብ ብምባል ኣልጋነሽ ብቀደም ተኸተል ብኣብነት ተቀምጦ። ቀጺላ ሕጂ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ኣዝዩ መሪር ቀባጽ ኢሰብኣዊ ነውራም ግህሰት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ እሞ ከኣ ብደቅናን ኣሕዋትና ዘርእና ንክትዛረበሉ ከም ሰብ እውን ዘሕፍር እዩ ብምባል ብዓሚቅ ጓሂ ምስትንታን መግለጺኣ ትድምድም። ብምቅጻል ንታሪኻዊ መደረ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ብምድናቅ ኩሉም ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣገናዕ ብምባል ዓቢ ሓበንን ኩርዓትን ንቀጻሊ ቃልሲ ዕጥቆም ከበሩኹ ቃሎም ኣሔዲሶም። ብምቅጻል ብጻይ መንግስተኣባ ኣስመሮም ኣባል ፈጻሚ ሽማገለ ሰልፍን፡ ኣባል ኣዋሃዲት ሽማገለ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝኾነ ዕድል ተዋሂቡ፡ ሃለዋት ሰልፍን ንጥፈታቱን ምዕባሌታቱን ሓቢሩ፡ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብጽፉፍ ልክዕ ሃለዋትን በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ሓቢሩ። ብጻይ ዶ/ሃብተሚካአል ኣባል ፈጻሚ ሽማገለ ሓላፊ ናይ ገንዘባዊ ጉዳይ ሰልፊ ብጹምቅ እሩም ኣገባብ ሳላ ዉፍይነት መላእ ኣባላት ሰልፊ ዝምስገን ትሕዝቶ ከም ዘሎ ኣበሲሩ፡ ብምቅጻል እውን ንምእላይ ናብ ሱዳን ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዕዉት ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ርእሲኡ እውን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ብኣባላት ሰዲህኤ ዝልኣኽ ዘሎ ሓገዝ ሰናይ ተበግሶ ኣድኒቁ። ሳተፍቲ ኣኼባ ብምሉኣቶም ንዝተዋህበ መግለጺ መሪሕነትናን ሰልፍና ኣብ ምዕዋት ሓባራዊ ቃልሲ ፕሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘበርክቶ ዘሎ መሪሕ ግደ ኣመስጊኖም፡ ይኹን እምበር ምስ ዚ ሎሚ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ኤርትራ ልዕላውነታ ብክድዓትን ጥልመትን ቃልሳ ኣንዳዕዲዑ ናብ ኢትዮጵያ ከምበርክኻ ኣግሂዱ ይሰርሕ ስለ ዘሎ ንድሕነት ሃገርና እኹል ኣይኮነን ብምባል ፡ ብዝያዳ ማዕረኡ ንምልጋሱ ዘምርሕ ቃልሲ ከሰጋገር ኣሎዎ ብምባል ተሪር ምሕጽታ ኣቅሪቦም ተማሳሳሊ ምይይጥ ቀጻሊ ክኸውን ኣስሚረምሉ። ኣብ መደምደምታ ከኣ ንነብሰሔር ወልዱ ዮውሃንስ ብዝነበሮ ሓያል ተሳትፎ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምዝካር ናይ ሓዘን ተሳተፍቲ ምኻኖም ገሊጾም ብዝኽረ ስዉኣት ኣኼባ ተዛዘመ።
More...
ደሃይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ሰሜን ኣሜሪካ
Written by ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ብምዃነን ንሳተን ከይተሳተፈኦ ዝዕወት ኩለንተናዊ ናይ ለውጢ መስርሕ የለን። ወሳንነት ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ቦታአን ብዝነቐለ 8 መጋቢት ከም ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትኽበር ተወሲና። 8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን መሪር ቃልስን እዩ። እቲ ናብዚ ዘብጸሐ ታሪኻዊ መስርሕ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ንምጥቃስ እንተዘይኮይኑ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።
እዛ ዕለት እዚ ቦታ’ዚ ክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ተራእዩ። ቀንዲ ሕቶ ናይዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዛዕባ ማዕረ ክፍሊትን መሰል ምድማጽ ኣብ ግዜ ምርጫን ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላዚ ቃልሰን መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ። እዚ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዝተፈላለየ ዕለታትን ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብወግዒ ክትክበር ክኢላ።
ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ” ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድሌትን ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ዘርኣየና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ካልእ ካብ ተመኩሮ ዘረጋገጽናዮ ሓቂ እዩ።
ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። እንተኾነ ካብ ምዕዋት እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ሓሊፉ ኣርሒቑ ዝጥምት ንቕሓትን ውዳበን ኣይነበረንን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ኣንንጻር ድርብ ወጽዓ ክቃለሳ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኸብድ ከኣ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።
ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኩነታት ግና ከከምቲ ህልዊ ምዕባለ ናይቲ ዓመት ክፈላለ ናይ ግድን እዩ። ዓምን ቅድሚ ዓምን ዝነበረ ኩነታት ምስ ናይ ሎሚ ዘበን ይፍለ እዩ። እዚ ፍልልያትዚ ከኣ ንኣዘኻኽራ 8 መጋቢት ይጸልዎ። ቀንዲ ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነት ክረኽባን ኢዩ። ነዚ ክውን ንምግባር “ንመጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላሰል ይግባእ። ብመጽርዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2021 ኣብ ሃገርና ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ምረት ደቂ ኣንስትዮን ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ጸገም ህዝቢ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮረናቫይርስ ዘስዓቦ ቅልውላው ናይቲ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገም ምድርራብ ዘርኢ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ኣሓትን ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ። ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ብምእታዎም ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ሻቕሎት ኣብ ዘለዋሉ እያ 8 መጋቢት 2021 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ግን ኣብኡ ዝድረት ዘይኮነስ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ዝምልከት ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።
8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልስን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶን ንከይርሳዕ ዝዝክራላ እምበር፡ ዝሓለፈ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳላ ዕለት ክትከውን ኣይግበኣን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮ እሱራት ከይኮና ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መጻኢ መንገዲ ዝጸርጋላ እያ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ወሳኒ ግደ ግና ናተን ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ተቓሊሰን ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ክወጻ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጐነን ናይ ምስላፍ ሓላፍነተን ዘይስገር እዩ። ናብዚ ክበቕዓ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዘብቅዐን ስልጡን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ግድን’ዩ። ደቂ ተባዕትዮ’ውን ካብቲ ጸኒሓዊ ኣመለኻኽታ ወጺኦም፣ ተጠቀምቲ ናይቲ ዲሞክራስያውን ማሕበራውን ለውጢ ምዃኖም ተገንዚቦም ብማዕሪኡ ክስጉሙ ይግባእ።
ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ናቱ ምኽንያታት እዃ እንተለዎ፣ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ ዘይስገር ዓብይ ብደሆ እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ወትሩ ፍሉይ ግምት ሂቡ’ዩ ዝሰርሓሉ። በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ብኸምዚ ደረጃ ግቡእ ቆላሕታ ምሃብ ሓደ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ከኣ እቲ ቀንዲ ብደሆ እዩ።
8 መጋቢት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘለኣለም ትንበር!
ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታት ኤርትራ