መልእኽቲ ምሕዝነት መንእሰያት EPDP ናብ ኮንፈረንስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ

2014-08-26 15:23:23 Written by  ኣማንኤል በራኺ Published in Youth Corner Read 110690 times

ዝኸበርኩም ኣካየድቲ ኮንፈረንስ መንኣሰያት ኤርትራን፡

ዕዙዛት ተሳተፍቲን

ንሕና መንእሰያት ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት፡  ኣቢልና፡ ነዚ ኣብ ዋሽንግትን ዲ.ሲ. ሕ.መ.ኣ. እተካይድዎ ዘለኹም፡ ኮንፈረንስ መንእስያት  ኤርትራ፡ ምኽንያት ብምግባር፡  ዕውት ክኽውን ምንዮትና እናገለጽና  ንመላእ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ሰላምታናን፡ ምሕዝነትናን ክነመሓላልፍ ንፈቱ።

እዚ ብሰፊሕ ተሳትፎ መንእሰያት ዝጋባኣ ዘሎ ኮንፈረንስ፡  ዕድመ ምልኪ ኣብ ምሕጻር፣ ህዝብና ብሰላምን ራህዋን ዝነብረሉ፡ ዲሞክራስያዊ ባህሊ ኣብ ምስሳን፡ ዓቢ እጃሙ ከም ዘልዕል ድማ ንተኣማመን።

በዚ ኮንፈረንስ'ዚን ኣካየድቱን መላኣ ተሳተፍቱን ኣቢልና ከኣ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንተቓውሞ ሓይልታቱ ድማ ብፍላይ፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ቃልስታቶም ከሕንኑ ጸዋዒትና ነቅርብ።

ኣብ መደምደምታ ምሕዝነታዊ መልእኽትና፡ ነዚ ኮንፈረንስ ንምስንዳእ ዘካየድኩሞ ሰናይ ጻዕሪ ኣናመጎስና፡  ዚጋባእ ዘሎ ኮንፈረንስ  መንእሰይ ኤርትራ፡ ንዓቕምን መሃዝነትን ተወፋይነትን መንእሰይ ሃገርና፡ ኣገንፊሉ፡ ነቶም ትጽቢት ዝንበረሎም ዕማማት ኮንፈረንስ ብዓወት ኣሰላሲሉ፣ ኣብ ሃገርና ኣወንታዊ  ነባሪ ለውጢ ንምምጻእ ዘብቅዕ እዋናዊ ውሳኔታት ከሕልፍ ንምነየሉ።

ሓውኹም

ኣማንኤል በራኺ

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይት መንእሰይት ሰ.ዲ.ህ.ኤ

25 ሚያዝያ 2012

ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓቢርና ንቃለስ !!

Last modified on Thursday, 28 August 2014 16:56