ኣዘርባጃን ንኤርትራ ከሲሳ

2025-01-08 22:05:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 92 times

ኣዘርባጃን ሰለስተ ባንደራኣ ዘምበልብላ ዝነበራ ጃላቡ ብሓይልታት ኤርትራ ስለ ዝተታሕዛኣ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ክሲ ከም ዘቕረበት ሮይተርስ ሓቢራ።  ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኣዘርባጃን ኣይዛን ሃጂዛዳ ብ8 ጥሪ 2025 ብዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ጀላቡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2024 እየ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተታሒዘን።

ወሃቢ ቃል ኣይዛን ሃጂዛዳ ንሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብተን  ብ7 ሕዳር 2024 ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተታሕዛ ሰለስተ ጃላቡ ብጠቕላላ 18 ሰባት ከም ዝነበሩን ኩሎም ኣዘርበጃውያን ከም ዝኾኑን ኣፍሊጡ። እተን ጀላቡ ብመትረብ ስዊዝ ኣቢለን ናብ ኣቡዳቢ እናተጓዕዛ ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ናብ ማያዊ ክሊ ኤርትራ ምስ ኣተዋ እየን ተታሒዘን።

እተን ሲኤምኤስ ፋህሊያን፡ ሲኤምኤስ ኢጂድን ሴኤምኤስን-3ን ዝተሰምያ ጀላቡ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ኣዘርባጃን ክፍሊ ባሕሪ ካስፒያን ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ኮይነን፡ ዋላኳ ምስ ሓለፍቲ ኤርትራ ርክብ እንተገበራን ኣድላይ ዝበሃል ዝርዝር ሓበሬታ እንተቕረባን መፍትሒ ክረኽባ ከምዘይከኣላ ነቲ ኣዘርበጃናዊ ወሃቢ ቃል ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢራ። ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኣዘርባጃን ብመንገዲ ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣቢላ ናብ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ መልእኽቲ ከም ዝሰደደት ኣፍሊጣ። ነተን ጃላቡን ሰራሕተኛታተንን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ጌና ቀጻሊ ከም ዘሎ እውን ተሓቢሩ።

Last modified on Wednesday, 08 January 2025 23:12