ኤርትራ ምስ ሶማሊያ ዝህልዋ ዝምድና ዳግማይ ከም እትሓስበሉ ምግላጻ ተሓቢሩ

2024-12-27 11:08:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 155 times

ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ድሕሪ ምስ ኣቢይ ዝገበሮ ስምምዕ ኣንካራ ርክብ ኣብ ኣስመራ

 ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኣ ምስ ሶማሊያ ናብ ሕማቕ ደረጃ ክወርድ ተኽእሎ ከምዘሎ ምግላጻ ሶማሊያ ጋርድ (Somaliguardian)፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ። ኤርትራ ነዚ ዝገለጸት ድሕሪ’ቲ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግዜ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝጸንሐ ወጥሪ ብመንጎኝነት ቱርኪ  ብዘተ ክፍታሕ ኣብ ስምምዕ ምብጻሑ እያ። ኤርትራ ነቲ ናይ ኣንካራ ስምምዕ ህዉኽን ዘይንጹርን ብዝብል፡ ብትሪ ከም ዝነቐፈቶ ድማ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ዓብደልቃድር እድሪስ ዝተባህለ ኣማኻሪ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃን ሶማሊያን፡ ሶማሊያ ከም ልኡላዊት ሃገር ዝገበረቶ ዲፕሎማሲያዊ ስምምዕ፡ ኤርትራ ዘይተጽበየቶ፡ ህዉኽን ሃሳይን እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ዓብደልቃድር እድሪስ ኣተሓሒዙ ከም ዝገለጾ፡ ድሌት ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊያ ኣብ ምርካብ ንግዳዊ ወደብ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መደበር ምምስራት ምዃኑ ከም ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣተሓሒዙ ድማ ሶማሊያ ብዛዕባ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ መርገጺ እግሪ ምርካብ ክትሓስበሉ ኣለዋ ዝብል መጠንቀቕታ ኣቕሪቡ። ኤርትራ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣስጋኢ ምዃኑ ብምርዳእ ንዝምድናኣ ምስ ሶማሊያ ዳግማይ ከም እትሓስበሊ ከኣ ጠቒሱ።

እቲ ብ13 ታሕሳስ 2024 ኣብ ኣንካራ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ሶማላውያን እውን ሓያል ህዝባዊ ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ፈጢሩ እዩ። ብዙሓት ሶማላውያን ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ዘለዎም ዘይዕግበት ኣንጸባሪቖም እዮም። እቲ ፕረሲደንት ድሕሪ ስምምዕ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምፍታሕ ጽኑዕን ቀጻልን ዲፕሎማሲያዊ መንግግዲ ኣብ ምኽታል ንድሕሪት ከም ዝተመልሰ ገይሮም ብምርዳእ ሕርቃኖም ዝገለጹ’ውን ብዙሓት እዮም።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ናይ ኤርትራ ሻቕሎት ብሰንኪ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምስሕሓብ፡ ዝምድነኣ ምስ ሶማሊያ  ከተሕይል ዝጸንሐት ግብጺ እውን ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣተሓሳሲብዋ ኣሎ። በዚ መሰረት ሶማሊያ ብ25 ታሕሳስ 2024 ልኡኻታ ናብ ኢትዮጵያን ግብጽን ክትሰድድ እንከላ ፕረሲደንታ ድማ ናብ ኤርትራ ምጋሹ ዝዝከር’ዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ መንጎአን ወተሃደራዊ ግጭት ስለ ዝተፈጥረ እሞ፡  ናይ ምክሳስ መግለጽታት ብምውጸአን እቲ ኣብ ኣንካራ ዝበጸሐኦ ስምምዕ ከይፈርስ ንቡዝሓት ዘተሓሳስብ ኮይኑ’ሎ።

Last modified on Friday, 27 December 2024 12:21