ኢትዮጵያን ሶማሊያን ሓቢረን ክሰርሓ ምስምመዐን መግለጺ ኣውጺአን
2024-12-12 10:26:14 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 214 timesቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ብ11 ታሕሳስ 2024 ኣብ ርእሰ ከተማ ቱርኪ ኣንካራ፡ ብመንጎኝነት ናይታ ሃገር ፕረሲደንት ጠይብ ኤዶጋን ናይ ሓባር መግለጺ ስምምዕ ምኽታሞም ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢራ።
ክልቲኦም መራሕቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን፡ ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ሕግታትን መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃን ኣኽቢሮም ክሕልዉን ድሉዋት ምዃኖም በቲ ስምምዖም ኣረጋጊጾም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ካብ ናብን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ሕቶ ዝነቅል ኩለ መዳያዊ ረብሓ፡ ልኡላውነት ፈደራል ረፐብሊክ ሶማሊያ ብዝዕቅብ ክረጋገጽ ምርድደኦም ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ። ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ፡ ንድሕሪት ገዲፎም ኣብ መጻኢ ናይ ክልቲኦም ረብሓ ናብ ዘረጋግጽ ከተኩሩ ምርድድኦም ተጠቒሱ።
ነቲ ዝተሰማምዕሉ መግለጺ ብዝምልከት፡ ካብ 25 ለካቲት 2025 ጀሚሩ ኣብ 4ተ ኣዋርሕ ዝፍጸም፡ በቲ ሓደ ወገን ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እትረኽበሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ናይ ሶማሊያ ልኡላውነት ዝዕቀበሉ መስርሕ ንምዝርጋሕ ከም ዝተሰማምዑ ተፈሊጡ። እቲ መግለጺ፡ ንኣበርክቶ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ኣካል ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ ንዘለዎ ኣበርክቶ ኣፍሎጦ ክወሃቦ ድማ ተሰማሚዖም ተባሂሉ።
ብዘይካዚ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መዳይ ንግዲ፡ ናይ መሬት ክራይን ዝኣመሰለን ዘጠቓልል፡ ሓቢሮም ዝረብሕሉ መስርሕ ከመዓራርዩ ምስምመዖም ተጠቒሱ። እዚ ስምምዕም ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ልኡላውነት ሶማሊያ ብዘውሕስ፡ ዘተኣማምን፡ ውሑስን ቀጻልን ኣፍደገ ባሕሪ እትረኽበሉ ኩነታት ክፍጠር ዘኽእል ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ምስፋሩ ተፈሊጡ።
ክልቲኦም ወገናት ፕረሲደንት ቱርኪ ጠይፕ ኤርዶጋን ኣቀራሪቡ ናብቲ ብደረጃ ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብደረጃ ዞባ’ውን ምርግጋዝ ኣብ ምስፋን ክሕግዝዩ ዝተባህለ ስምምዕ ሰለ ዘብጽሖም ኣመስጊኖም፡ ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ደገፉ ከይፍለዮም ምጽወዖም’ውን ኣብቲ ዝተሰማምዕሉ መግለጺ ምስፋሩ ተመልኪቱ። ፕረሲደንት ኤርደጋን ብወገኑ፡ ነቲ ስምምዕ “ናብ ሕድሽ ምዕራፍ ዘእትው ሓድሽ ተበግሶ” ከም ዝበሎ ተነጊሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተሰማምዕሉ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ ብ1 ጥሪ 2024 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ መረዳድኢ ሓሳባት (MEMERANDUM OF UNDERSTANDIG) እሞ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ናብ ዝለዓለ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ንክኣትዋ ጠንቂ ዝኾነ ሰነድ ዝምልከት ብቐጥታ ኣይተጠቕሰን።