ኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ሕልሚ ኢሳያስ

2023-09-15 07:34:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 941 times

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ መሪር ቃልሲ ኣካይዱ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ፡ ናይ ምውጋእ ህርፋን ስለ ዝነበሮ ዘይኮነ፡ ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ እዩ። ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕን ዓሚቕን ትርጉም ዝነበሮ ኮይኑ፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ሃገርን ሓርነት ህዝብን ናይ ምልባስ ኣርሒቑ ጠማቲ ራኢ ዝሰነቐ እዩ ነይሩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻውን መተካእታ ዘይነበሮን ምንባሩ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰረጸ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ብፍትሓውነቱ ግቡእ ታሪኻዊ ቦታ ዝረኸበ እዩ።

ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ ናጽነት ብኹሉ መለክዒ ቅቡል ክነሱ ስለ ዘይተዋሕጠሎም ኣይተቐበልዎን። ኣይተቐበልዎን ጥራይ ዘይኮነ፡ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ንምኹላፍ ዘይፈንቀልዎ ኣእማን ኣይነበሮምን። “ኤርትራ መሬታ’በር ህዝባ ኣየድልየናን” ዝብል ጨካን ፖሊሲኦም ከተግብሩ ፈቲኖም’ውን  ኣይተዓወቱን ። እንተኾነ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ፡ ዘይተኣደነ ቁጠባውን ሰብኣውን ክሳራ ደኣ ኣኽፊሎም እምበር፡ ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ ንድሕሪት ኣይተመልሰን። ምስጢር ዓወት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ  ብመንጽር እቲ ሽዑ ዝነበረ ሚዛን ኣሰላልፋ ሓይልታት፡ ኣጽዋርን ዘይመጣጠን ብዝሒ ህዝብን ናይ ብዙሓት መዛረቢ  ነይሩ። እቲ ምስጢር ግና ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነትን ጽንዓትን ኣብ ምዕዋት ናጽነት እዩ ነይሩ። ነዚ ዝተረድኡ ገዛእቲ ነቲ ምስጢር ዓወት ንምፍራስ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምዝራግ ብብዙሕ መልከዓት ፈቲኖም እንተኾነ ኣይተዓወቱን።

ብዘይካቲ  ናይ ማሕበር ኣንድነት ምንቅስቓስ ኣብ 50ታት፡ ብድሕሪ ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ እውን፣ ተሓቢኦም ኤርትራ ኣካላ ዝኾነት ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ዘይተዓወተ ሕቡእ ናይ ሕልሚ ባህጊ ዝነበሮም፡ ኤርትራውያን ነይሮም እዮም።  ሓደ ካብኣቶም ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ  ካብ ቅድም ዝጀመረ ድሕሪ ናጽነት እውን ዝቐጸለ መዘራረቢ ዛዕባ እዩ። እዚ ቅድም ሓሜታ ዝነበረ ደሓር ግና ብዙሓት ወገናት ምስክርነቶም ሂበምሉ እዮም። ሓደ ካብ ገዳይም መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣቶ መስፍን ሓጐስ፡ ኢሳያስ ብ1991 ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኣፍዓበት ዝጸውዖ ኣኼባ ማእከላዊ ኮሚተ ናይቲ ግንባር፡ ንዝተወሰኑ ኣባላት ፈልዩ ዝተወደአ ብዝመስል ሓበሬታ፡  “ምስ ኢትዮጵያዊ ግንባር ኢህወደግ ናይ ሓባር መንግስቲ ክንምስርት ዳርጋ ኣብ ምርድዳእ በጺሕና ኣለና” ከም ዝበለን ተቓውሞ ምስ ኣጋጠሞ ድማ፡ “ደሓን እሞ ህጹጽ ኣጀንዳ ስለ ዘይኮነ ዘይንገድፎ” ብዝብል ኣተሃድማ ዕቡያት ከም ዘርኣየ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ገሊጽዎ እዩ። እዚ ንኢሳያስ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ጥልመቱ ሰሚዖም ከምዘይሰምዑ ኮይኖም ዝሓለፍዎ ሽዑ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ዝነበሩ እውን ኣብ ትዕዝብቲ ዘውደቖም እዩ፣

ኣብ ድሮ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፡ ኣብ ከተማ ለንደን ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ሀርማን ኮሀን ኣብ ዝመርሕዎ፡ ወከልቲ  ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ’ውን ኢሳያስ ነዚ ዘይተዓወተ ኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ሕልሙ ከም ዘንጸባረቖ ብሰፊሑ ይንገር እዩ። እንተኾነ  ተወከልቲ ህወሓት “ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ንናጽነት ተቓሊሱ ከብቅዕ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ኣይግበኦን” ብዝብል ንህርፋን ኢሳያስ ስለ ዝነጸግዎ ሕልሙ ኣይሰመረሉን። ህወሓት በዚ ኣብ ለንደን ዘንጸባረቖ መርገጹ፡ ኮነ ኢሉ “ኤርትራ ኣነጺሉ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘስኣነ እዩ” እናተባህለ ክሳብ ሎሚ ዝኽሰሰሉ ዘሎ እዩ። ኣሜሪካ ግና ከም መቐጸልታ ናይቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይድሌቱ   ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ንምቑራን ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ኣብ ኣኼባ ለንደን እውን ደጋፊት ርኢቶ ኢሳያስ ከም ዝነበረት ርእዮምን ሰሚዖምን ዝምስክሩ ብዙሓት እዮም። ኢሳያስ ካብቲ ኣጋጣሚቲ ንደሓር “ወያነ ዓባይ ኢትዮጵያ ካብ ምምራሕ ኮሊፎሙኒ” ዝብል ቂም ከም ዝጸንሖ ድሕሪኡ ዝተራእዩ ወስታታት መስከርቲ እዮም።

ኢሳያስ ድሕሪ ናጽነት ንዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝምልከት ይህቦ ኣብ ዝነበረ መግለጽታት   “ኪኖ ዶብ ክንሓብ ይግበኣና፡ ነቲ ዶብ ትርጉም ናብ ዘይብሉ ብርኪ ክንቅይሮ ኢና” ዝብሉ ሓረጋት የዘውትር ምንባሩ፡ ብመንጽርቲ ሕልሙ ዝምዘን እዩ። ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ገንዘብ ናቕፋ ከተሕትም እንከላ ኢሳያስ እምብዛ ሕጉስ ከምዘይነበረ ዘዘትዉ ብዙሓት እዮም። ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 “ውግእ ባድመ” ዝብል ስም ይወሃቦ እምበር፡ ጠንቁ ዶብ ከምዘይነበረ ኢሳያስ ባዕሉ ደጋጊሙ ተኣሚንሉ እዩ። ጉዳይ ዶብ ካብ ዘይነበረ ኢሳያስ ነቲ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ጽልዋ ዝነበሮ’ሞ “ዓንቂፉኒ ክብሎ ዝጸንሐ፡” ሓይሊ ህወሓት ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣሊኻ ኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ሃንቀውታ ከም ዝነበሮ ምስቲ ዝሓለፈ ተመኩሮኡ ብምዝማድ ብዙሓት ዝርድእዎ እዩ።

ድሕሪቲ ውግእ ከምቲ ዝደለዮ ዘይምዃኑ፡ ብዙሓት “ከምድላየይ ከይገብር ከዕንቅፉኒ እዮም” ዝበሎም ነባራት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ክትኣምኖ ዘሸግር ክስታት እናጠቀነ ምእሳሩ እውን ናበይ ገጹ መንገዲ ይጸርግ ከም ዝነበረ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ብሓደ ወገን እቶም ግዳያት ኢሳያስ እንታይ ከም ዝደሊ ምልክታት ከርእዮም ዝጸንሐ ክነሱ፡  ክሳብ ክንድዚ ክሳዶም ንማሕረድቲ  ምሃቦም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ እቶም ክሳብ ሎሚ ምስኡ ዘለዉ ብጾቶም ኣሕሊፎም ምሃቦም ዘገርም እዩ።

ብ2018 ኢሳያስ ምስ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ክዛመድ እንከሎ፡ እቲ ብንጹር ዝተራእየ ደሓር እውን ብግብሪ ዝተረጋገጸ፡ ንህወሓት ከም ናይ ሓባር ጸላኢ ወሲድካ እንተተኻኢሉ ካብ ገጽ ምድሪ ምጥፋእ እንተወሓደ ድማ ኢሳያስ ኢትዮጵያ ንክመርሕ ዕንቅፋት ናብ ዘይኮንሉ ደረጃ ንምውራዶም ምንባሩ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ኢሳያስ ነዚ ውዲት ናይ ምፍሓሱ ምስጢር መቐጸልታ ናይቲ ስለ ዝኾለፍዎ ሕነ ክፈዲ ክሕንሕኖ   ዝጸንሐ እዩ።

ምስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት፡ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና እነእትወሉ ጉዳይና እምበር ስቕ ኢልና እንዕዘቦ ኣይኮነን።” ክብሎ ዝጸንሐን ደጋጊሙ ንዶር ኣብይ “ንስኻ ምርሓና ኣነ ድማ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ”  ዝበሎን ኣዛሚድካ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዘይተዓወተ ሕልሙ ዘንጸባርቕ እዩ ነይሩ። ኣብይ ኣሕመድ “ኣነን ኢሱን እንተ ተደሚርና እንካፈሎ ወደብ ዓሰብ እዩ”  ዝብሎ እውን ናብቲ ሕልሚ ኢሳያስ ዘቕነዐ እዩ።

 ኣብዚ ቀረባ ግዜ መስራትን ነባር መራሕን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ፈታዊ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ምዃኖም ዝንገረሎምን ኣቶ ለንጮ ለታ፡ በቲ ሸው/BETTY SHOW ምስ ዝተባህለ ዩቱብ ኣብ ዝገብርዎ ቃለ-መጠይቕ “ኢሳያስ ኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ መደብ ነይርዎ። ንሱ እንተዝትግበር ከኣ ኢትዮጵያ ናይ ወደብ ጸገም ኣይመሃለዋን። ኣብ ታሪኻ ድማ ነዊሕ መራሒ መረኸበት። እንተኾነ መራሕቲ ህወሓት ኢሳያስ ንኢትዮጵያ ክመርሕ ስለ ዘይደለዩ እቲ ዝሓለሞ ኣይተዓወተን።” ብዝብል ምስክርነቶም ምሃቦም እዮም። ካብዚ ዝዓቢ ኢሳያስ ዘይተዓወተ ኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ሕልሚ ከም ዝነበሮ ዘረጋግጽ መርተዖ የለን። ነባር ኢትዮጵያዊ ፖለቲከኛ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርስ እውን ብተደጋጋሚ ተመሳሳሊ ምስክርነት ክህቡ ካብ ዝጸንሑ ሓደ እዮም። “ሎሚኸ ቀቢጹ ድዩ ኣይቀበጸን?” ድማ ሓቢርካ ዝርአ እዩ። ከምቲ “ደርሆሲ እንተዘይበላዕኩዎ ይጽሕትሮ” በለት ዝበሃል፡ “ኣነ ዘይመርሓ ኢትዮጵያ ክትዝረግ ኣለዋ” ካብ ዝብል ቅርሕቲ ከምዘይወጸ ግና  ምልክታቱ ንርእዮ ዘለና እዩ። ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይናቱ ጠንጥኑ፡ ካልእ ይደሊ ምህላዉ ምርዳእ ግና ዘጸግም ኣይኮነን።

Last modified on Friday, 15 September 2023 09:41