ጋዜጣዊ መግለጺ መስራቲ ጉባኤ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ሰሜን ኣሜሪካ (እዋና)

2022-07-15 07:40:19 Written by  ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ሰሜን ኣሜሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 921 times

ናጻ ዉደባና ዉሕስነት መሰልና ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ መስራቲ ጉባኤ እዋና ካብ 9 - ክሳብ 10 ሓምለ 2022 ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ ብዓወት ተዛዚሙ። እዚ ጉባኤ’ዚ ታሪኻዊ ዝገብሮ ናጻ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝመስረተ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቤትና፡ ኣሕዋትና ኤርትራውያን ኣብ ዝተኸልዎ ማእከል ማሕበረኮም ዝተኻየደ ምዃኑ ንተሳተፍቲ ተወሳኺ ሓበንን ኩርዓትን ዝሃበ እዩ ኔሩ።

ባህግን ሕልሚን ህዝብናን ስዉኣትናን ጠሊሙ ንዲሞክራስያዊ መስርሕ ጓዕጺጹ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ጠንቂ ድኽነትን ስደትን ዉርደትን ምዃኑ ዓለም ዝፈልጦ ክውንነት እዩ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ዘይምልከተና ኣብ ጐረበት ሃገር ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ዉሽጣዊ ዉግእ ዋሕስ ልዑላውነትና ዝኾነ መንእሰይ ወሎዶና ብሓይሊ ኣሳቲፉ የጽንት ኣሎ። ኣብ’ዚ ከይተደረተ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅሳነት ዘስኣነ ስርዓት ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዘይርጉእ ኩነታት ሃገርና ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወት ካብ ክፉእ ናብ ዝኸፍኤ ሃለዋት ክንወድቕ ምዃና ርዱእ እዩ። ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና ንቡር ሂወት ዝሰኣነት መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣቦ ዘይብሎም ቆልዑ ብዘይስሩዕ እቶት ክተዕቢ ትግደድ፡ ህጻናት ሒዛ ሃጽ ኢላ ትስደድ፡ ካልእ ዘርዚርካ

ዘይውዳእ ኣደራዕ ትስከም። ወላዲት ወላድ መኻን ኮይና። ብሓጺሩ ኣደ፡ ኣደ ምዃን ስኢና።

ኣብ’ዚ ክውንነት እዚ እትምስረት ዘላ እዋና፡

1)  ፍትሕን ሰላምን ዝሰፈና ኤርትራ ንምህናጽ፡ ሰብኣዊ መሰላት ብሓፈሻ መሰልን ማዕርነትን ደቂ-

ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምርግጋጽ ቀንዲ ዕላማኣ እዩ።

2)  ንፍትሕን ሰላምን ልዕልና ሕግን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቓልሲ ህዝብና እጃማ ክተበርክት እያ።

3)  ራእይ እዋና ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ብዘይድሩት ተሳትፎኣ ምሉ እ ሓርነትን ምዕሩይ ዕድላትን እትጎናጸፈሉ፡ ኣብ ኩሉ ጸጋ ሃገር ማዕረ ብጽሒት ክህልዋ፡ ዓቕማ ናብ ዝወሰዳ እት ዓብየሉ ኩነታት ምርግጋጽ እዩ።

4)  ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ይኹን ካልእ ቦታዊ፡ ከባብያዊ፡ ሃገራዊ፡ ዓለምለኻዊ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ዉድባት

ምትሕግጋዝን ምስራሕን ሓደ ካብ ዕላማታት እዋና እዩ።

5)  እዋና ዕላማታታ ንምዕዋት ኣባላታ ነብስና ከነማዕብል ብኣትኩሮ ክትሰርሓሉ እያ።

መስራቲ ጉባኤ እዋና፡ ካብ ብዙሕ ዞናታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝመጻ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተሳተፈኦ ኮይኑ ቅዋሙ ኣጽዲቑ፡

15 ኣባላት ቦርድ ከምኡ’ውን ሰለስተ ተጠባበቕቲ ዘለዎኦ መሪሕነት መሪጹ ብልዑል ፍናን ስርሑ ደምዲሙ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እዋና ኣብ ሃገርና ንህዝብና ጅሆ ሒዙ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብፍትሕን ልዕልና ሕግን ክትካእ ሓቢርና

ክንቃለስ ብፍላይ ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቅኑዕ ዕላማ እዋና ኣሚነን ክጽንበራና ንጽውዕ። ንኩሉኹም ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት እዋና ንምምስራት ዘካየድናዮ ጻዕሪ ዝሓገዝኩምናን ዘተባባዕኩምናን ምስጋና ነቕርብ።

ብዘይ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕምብብ ዲሞክራሲ የለን!

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና!

ዝኽሪን ክብርን ንስዉኣትና!

10 ሓምለ 2022

Last modified on Friday, 15 July 2022 09:44