ዝኽሪ ብጹኡን ቅዱስን ፓትርያረክ ኣቡነ እንጠንዮስ

2022-02-20 21:01:35 Written by  ረዘነ ተስፋጽዮን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 867 times

እቲ ኣብ ዕለት 9 ለካቲት 2022 ዓ.ም ዝተፈጸመ ዕረፍቲ ፓትርያረክ ኣቡነ እንጠንዮስ: ንታሪኾም ዝምልከት በዞም ኣቦታት ቤተ- ክርስትያን ተዋህዶ ኣብ ስደት ዝርከቡ ብሰፊሕ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ መግለጺ ብርሃንን ጸልማትን ናይ ሓባር ጒዕዞ ከም ዘለዎም ኢና ተገንዚብና። እቲ ብብርሃን መንፈሳውነት ሰናይ ግብርን ጀሚሩ: ጒይኡ ብዓወተ እምነትን ጽንዓትን ዝዛዘመ፣ ንተኸታሊኡ ሓቅነትን ጽንዓትን ሚሂሩ ኣሎ።

እቲ ኣብ መጀመርያ ሰብዓታት ንኽልተ ዓበይቲ እምነተ ሃይማኖት ተጎዝጒዙ ንመበቆል ክርስትና መወደቢ ገይሩ ዝተበገሰ ፖለቲካዊ   ምንቅስቓስ ሰልፊ ነጻነት: ነቶም ንመሬት ሓሪሶም እምነት ኣምላኾም ኣብ ቅድሚኦም ገይሮም ፍረ ዘፍርዩ ዝነበሩ ሓረስቶስ: ኣብ ጎድኑ ኣሰሊፉ እኽሎም በሊዑ ኣብ ውሽጦም ተሓብሒቡ ክነሱ፣ እቶም መጀመርያ ሽበርኡ ዝጠዓሙን መላመዲ ምልካውነቱ ገይሩ ዝቐተሎምን ካብኦም`ዮም ነይሮም። ምስ ዕረፍቲ ርእሰ ቤተ-ክርስትያን ፓትርያረክ እንጠንዮስ ኣሕቢርና ክንዝክሮምን ክንበኽየሎምን ዝግበኣና ህዝቢ ምዃና ክርሳዕ ዘይብሉ ታሪኽ ኣሎና።

ቁሩብ ምስ ሰጎመ: እቲ ካልአይ ምዕራፍ ቀዛፊ ተግባር ንምሁራትን ቅኑዕ ሃገራዊ ራኢን ንዝነበሮም ተጋደልቲ መቊሑን ቀቲሉን። ጽንሕ ኢሉ ድማ የማናውያን ብምባል ጎብለላት ኣጽኒቱ። እዚ ሕጂ ንርእሰ ቤት-ክርስትያን ሓይሩ ስግኦም ዘማሰነ ናይ ጥፍኣት መንፈስ: ብደቆም ከም ዝጀመረ ዝነግረና ታሪኽ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኢዩ።

ኣብዛ ዓለማና በብግዚኡ ዝነበሩ ብታሪኽ ዝንገረሎም ሑሱማት ፖለቲካውያን ገዛእቲ ነይሮምን ኣለውን። ኣብዛ ጎርቤትና እትዮጵያ እኳ ኮልኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ዝበሃል ወተሃደራት መሪሑ: ኣብ መወዳእታ 1974 ኣብ ሓደ ግዜ 60 ሚነስተራትን ናይ ሰራዊት መራሕትን ምስኦም ድማ ንፓትራያረክ ተዎፍለዎስ ቀዚፉ። ኣብቲ እዋን፣ ነዚ ናይ ሕጂ ደመኛ ንፓትርያረክ እንጠንዮስ ኣኽሊል መንፈሳውነቶም ኣውሪዱ: ህዝቦም ዝጓስዩሉ ምርኩስ በትሪ ሙሴ ኣሕዲጉ: ኣብ ማሕዩር ን 16 ዓመት ዘማሰነ ናይ ጸልማት መሪሕ: ሸዑስ ኣምላኽ ደኣ ኑዛዜና ሰሚዑ ይቕረ ይበለልና እምበር ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ስዒብናዮን ኣገልጊልናዮን ኢና። ግን ድማ ንሃገርን ህዝብን ዝገበርናዮ ቃልሲ ካብዚ ጽዩን ስርዓት ፈሊኻ ክርአ ዘለዎ ቅዱስ ሃገራዊ ዕዮ ምዃኑ ክልለ ኣለዎ። እቲ መዘንግዕ! ሃገር ብመስዋእቲ ብሉጻት ደቃ ነጻ ምስ ወጸት ህዝብን ዓለምን ዝረኣዮን ዝሰምዖን: ነቲ በረኻ ሰቲርዎ ዝነበረ ምጽናት ኤርትራውያን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዕለት 12 1994 ዓ.ም ንስንኩላን ተጋደልቲ ኣብ ቃልዕ ረሺኑ። እታ ኣብ ብዂሪ ነጻነት ጉልባቡ ብንጹር ቅድሚ ምቕላዕ: ሓላይ ዝመስል ስልቲ ዝተጠቕመላ ቤተ- ክርስትያን ተዋህዶ ኣጽቂጣ ሽዑ። እቲ ሓልዮት ዝመስል ተግባር ናይቲ ቐዛፊ ንተግባሩ መዐደግ ግዜ ኢዩ ዝጥቅመሉ ነይሩ። ኣብቲ ኻልእ´ውንኮ ብብቕሩብ እናገማመዐዩ ጸይቂ ስርሑ ዘካየደ።

እቲ ኣቦ ጸልማት ገበኑ ንምኽዳን ሓዳስ ኤርትራ ብምባል ምጽያቕ ባህልን ሪምን ምስ ገንፈሎ: ብሉጻት መማህራን ኮስኮስትን መሃርትን መንእሰያት መካነ የሱስ ክሳብ 3000 ዝኾኑ መንእስያት ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ እውን ዝነበርዎ: ብስነ-ምግባርን ፍልጠትን ክብሪ ሰብኣውነትን ተዓጢቖም ክግስግሱ ምስ ረኣየ: እዚ ምንቅስቃስ`ዚ ዕጸውዎ ክብል ንቕዱስ ፓትርያረክ እንጠንዮስ ትእዛዝ ሂቡ። ኣቦና ኣቡነ እንጠንዮስ: ኣነ ቤተ-ክርስታያን ደኣ ይኸፍት እምበር ኣይዓጹን ክብሉ መሊሰሙሉ። ካብዚ ዝነቐለ`ዩ ምኽንያት መሐይሪኦምን ነዚ ሕጂ ንዝኽሮም ነዘንትወሉ ዘለና ዕረፍቶም´ውን ዘስዓበ። ነቲ ክዕጾ ዝደለዮ ቤት-ክርስትያን ዓጽይዎ። ነቶም ብሉጻት መማህራን ከኣ ኣሲርዎም። ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ መቚሑ ኣለው። ንብጹእ ቅዱስ ፓትርያረክ እንጠንዮስ ንስግኦም ከማስን ኪኢሉ ኢዩ። ንእምነቶምን መንፈሳዊ ተልእኾምን ግን ክትንክፎ ኣይከኣለን ምስ እምነቶም  ብጽንዓቶም ኢዮም ዓሪፎም።

እዚ ሕጂ ንምስክረሉ ዘለና ተግባር ክሕደት እኩይ ሓሳብ ኣቐዲሙ ኣብ 1977 ቀዳማይ ጉባኤ ህዛባዊ ሓይልታት ኣብቲ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተጸውዐ: ንየሄዋ መሰኻኽር: ንበሃይን ጰንጠቆስተን ካብ ገጽ ኤርትራ ንምጥፍኦም ወሲኑ ነይሩ ኢዩ። ሽዑ ገስጋሲ ክመስል ነዚ እምነታት`ዚ ”ናይ ሃጸይነት መሳርሒ” ኢሊዩ ንውሳኔኡ ቀመም ዝገበረሉ። እዚ ውሳኔዚ ምስ ሓለፈ ኣባላቱ ከይተረፈ ንሰብኣውነትን እምነት ሰባትን ዝጻባእዩ ኢሎም ርእይትኦም ሂቦሙሉ ነይሮም። እቲ ንኣራሚ ናይ ሰላም ምኽሪ ሰሚዑ ዘይፈልጥ ሰብ መሰል ጋኔን: ንየሄዋ መሰኻኽር ኣብ ረፈረንዱም ኣይንሳተፍን ንዝብል ውሳኔኦም ምኽንያት ገይሩ ዜግነቶም ገፊፉ። ንብረቶም እውን ዘሪፉ። ንጵንቆስታውያን ሰበኽትን ፓስቶራትን ኣሲሩ ቦታ ጾሎቶም ዓጽዩ። እቶም ቀለልቲ ልቢ፣ ሽዑስ ሕራይ ገበሮም ኢሎም ኢዮም። ክብሪ ሰብኣውነት ዝገሃሰ ሰራም ተግባሩ ግን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተፈጺሙ። ቀጺሉ ንኹሉና ኣርኪቡልና። ንዂልና ዝጎዛዚ መርዚ ነስኒሱልና። ብኡ ተሰኒፍና ኸኣ ሓቢርና ከይነፍርሶ ኣብ ነንሓድሕድና እናተጣማመትና ገና ኣብ ዕንይንይ ኣለና። ንሱ ግን ከሓዲ ስርሑ ብምቕጻል እንሆ ንሃገርን መላእ ህዝብን ኣብ ዕዳጋ ኣእትዩ ንርእዮ።

ቅዱስ ፓትርያረክ እንጠንዮስ ነቲ ፈተና ስዒሮም ንውርሻ ላዕላይ መንግስቲ ሓሊፎም ኣለው። ንጉዕዞኦም ዝገልጽ ግጥምታት መዛሙራት መደራታት ዜተታት ተኻይዱ። ገናውን ይካየድ ኣሎ። እውራ ግን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሶም ንጉዕዝኦም ዘብርሀ ጥቕሲ ዝጸሓፉ ኣለው። ከምዚ ዝብል፣ ” ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣለኹ። እታ መዓልቲ ምስንባተይ`ውን በጺሓ እያ`ሞ: ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጉያ ወዲአ: ነታ እምነት ሓልየ። ደጊምስ ጎይታይ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ: በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና እቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዂላቶም ድማ ኢዩ እምበር ንዓይ ጥራይ ኣይኮነን”። ካልኣይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢመተዎስ ምዕራፍ 4 ካብ ቊጽሪ 5 ክሳብ 8። ኣቦና እንጠንዮስ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ዝተነበየሎም ቅዱሳን ሓደ ኢዮም።

እቲ መሪሕ ጸልማት ኣብታ ዝድህካ ዘሎ ሃገርን ህዝባን ዙፋን ሰይጣንነቱ ተኺሉ: ንቑዱሳትና ደፊሩ: ቤተ-ክርስትያናትና ዓጽዩ ኣድባራትናን ቅርስታቶምን ጊሂሱ ኢዩ። እዚ ተግባር´`ዚ ማዕረ እቲ ብርሃን ይስጒም እሎ። ኣብ መወዳእታ ግን ጸልማት ብብርሃን ክስዓርዩ።

ቅዱስ ፓትራያረክ እንጠንዮስ ጒዕዞ መንፈሳውነቶም ገና ብህጻኖም ከለው ኢዩ ዝጅምር። ኣብኦም ቀሺ ገብረመድህን ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለውዮም ንገዳም ዝወፈይዎም። ታሪኾም ነቲ ኣብ ኦርት ዘፍጥረት ምዕራፍ 22 ዘሎ ዛንታ ኣቦና ኣብርሃም ወዲ ታራ ዝማሳሰል`ዩ። ኣቦና ኣብርሃም ንኣይሁድነት: ክርስትናን ምስልምናን ዝጠመረ ኣቦ እምነት ኣምላኽና ኢዩ። ኣብርሃም ምስ ኣረገ ሳራ ሰበይቱ ናይ ምውላዳ ግዜ ምስ ሓለፈ ትንቢት መጺኡ ክትወልዲ ኢኺ ውላድኪ ድማ ገጽ ምድሪ ዝኸድን ህዝቢ ክኽውንዩ ተባሂልዋ። እስሃቅ ተወሊዱ። ግን ድማ እግዚኣብሄር እምነት ኣብርሃም ክፍትን ደልዩ: ነቲ ሓደ ወድኻ ሰውኣለይ ስለ ዝበሎ: ካርኡ መዚዙ ገመድ ተማሊኡ ናብቲ መስዋእቲ ዘቕርበሉ ቦታ ምስ ወዱ እናተጓዕዘ: ኣቦይ እቲ ዝስዋእ ኣበይ ኣሎ ኢሉ ይሓቶ እስሃቅ ነብኡ ኣብርሃም። ኣብርሃም ከኣ ወደይ እቲ ዝስዋእሲ ኣምላኻ ሒዚዎ ኣሎ ይብሎ። እታ ህሞት ናይ መስዋእቲ ምስ ኣኸለት: ኣብርሃም ካርኡ ናብ ወዱ ከቕርብ ምስ ጀመረ ድምጺ እግዚእብሄር መጺኡ ነቲ ኣብ ጎድኑ ዝቐረበሉ ገንሸል ክስውኦ ገዲፍዎ።

መስዋእትን ስጋዊ ስቓይን ኣቦና ፓትርያረክ እንጠንዮስ ብዓይኒ መንፈሳውነትን ሕልናን ተመልኪትካ ንዓናን ነመጻኢ ታሪኽ ወለዶናን መርኣያ ጽኑዕ እምነትን ሓይልን ኢዩ። ምስዋእቲ እምነትን ንተስፋና ዘኾለዐ ከአ ኢዩ። በቲ ኻልእ ድማ እዚ ታሪኽ፣ ደወል ስምዕታ እውን ኣለዎ። ብልብን ኣእምሮን ካብ ባርነት ፍርህን ዘይምትእምማንን ተናጊፍና ኣስላምና ክርስትያና ነዚ ሕሱም ጸላኢና ምስምስ ከይደሌና ኣንጻሩ ብዂሉ ሓይልና ደው ምባል: መገዲ ህይወትን እምነትን ኣቦና ፓትርያረክ ምስዓብ ኢዩ።

ዕላማ ጸላኢና ንዂሉ ሰብኣውነትናን ክብሪ ህልውናናን ኣጽኒቱ: ከም ሃገርን ህዝብን መጣልዒ ፖለቲክኡ ንምግባርና ዝወሰነዩ`ሞ ደጊምሲ ይኣክል ንበሎ።

እግዚኣብሔር ንሃገረ ኤርትራ ዓቂቡ ምሕረት ህዝባ ድማ የርእየና።

ረዘነ ተስፋጽዮን-ሽወደን

19 ለካቲት 2022

  

Last modified on Sunday, 20 February 2022 22:06