ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ግብጽን ሳዑዲ ዓረቢያን

2022-01-14 08:20:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 941 times

 Egypt and Saudi 1

ወተሃደራዊ ሓይልታት ግብጽን ሳዑዲ ዓረቢያን “ታቡክ-5” ኣብ ትሕቲ ዝብል መጸውዒ ናይ ሓባር ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዱ ከም ዘለው፡ “ደይሊ-ነውስ” ዝተባህለት ጋዜጣ ግብጺ ኣብ ናይ 9 ጥሪ 2022 ሕታማ  ኣፍሊጣ። እዚ ልምምድ ኣብ ሳዑዲ ዓረብያ ንመዓልታት ዝቕጽል እዩ ተባሂሉ።

እዚ ወተሃደራዊ ልምምድ ብመሰረት ሓባራዊ ልምምድ ኣብ መንጎ ኣዕሩኽን ኣሕዋትን ሃገራት ንወተሃደራዊ  ምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ብዝብል ምትእስሳር ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ደይሊ-ነውስ ግብጺ ሓቢራ።

ናይቲ ኣብቲ ልምምድ ዝሳተፍ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ግብጺ ኣዛዚ፡ ብዛዕባቲ ልምምድ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ልምምድ ሓሳባት ንምውህሃድን ተመኩሮታት ንምልውዋጥን ከም ዝሕግዝ ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ እቲ ልምምድ ናይዞም ተሳተፍቲ ወገናት ድሉውነት ምትሕግጋዝ ኣብ መደባት ምሕንጻጽን ምምሕዳሩን ናይ ሓባር ክእለትን ብቕዓትን ዘማዕብል ምዃኑ ተገሊጹ።

ስዑዳዊ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓይሊ ሰሜናዊ ምዕራብ ብወገኖም፡ እዚ ልምምድ፡ ናይ ክልቲአን ሃገራትን ናይቶም ዝሳተፉ ዘለዉ ባእታታትን ናይ ምትሕብባርን ተመኩሮ ምልውዋጥን ከምኡ’ውን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ክእለት ናብ ዝለዓለ ሞያዊ ደረጃ  ዘማዕብል እዩ ኢሎም።

እዚ ታቡክ-5 ዝተሰየመ መደብ ወትሃደራዊ ልምምድ  ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ብመንጽር ስፍሓቱ፡ ብዙሕነት ተሳተፍቱን ዓይነት ምንቅስቓሱን ዝለዓለ  እዩ። እዚ ልምምድ ኣብ መንጎ ወትሃደራዊ ሓይልታት ግብጽን ሳዑዲ ዓረቢያን ዘሎ ምትሕብባርን ዕቤት ውጽኢታዊ ዝምድናአንን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ዘረጋግጽ እዩ ድማ ተባሂሉ። ብዘይካዚ እዚ ምንቅስቓስ ናይ ሓባር ጸላኢኦም ንምምካት ኣብ ምውህሃድ ዓብይ ግደ ከም ዝህልዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። 

እቲ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝተፈላለዩ ናይ ባሕሪ፡ ምድሪ ኣየርን ኤክትሮኒካውን  ስልቲ ውግኣት ዘጠቓለለ እዩ። ምንቅስቓስ መጐዓዝያ፡ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝምልከት ኮይኑ ከምኡ ድማ ንሓለዋ ኣገዳሲ ንብረት ንዝጸዓና መራክብ ከም ዘጠቓልል ተፈሊጡ’ሎ። 

ሃገረ ግብጺ ቅድሚ ሕጂ እውን ምስ ሱዳን ተደጋጋሚ ናይ ሓባር ወታደራዊ ልምምድ ከተካይድ ከም ዝጸንሐት ዝዝከር እዩ።

Last modified on Friday, 14 January 2022 09:23