×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

መግለጺ ራብዓይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2014-08-26 10:17:06 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 31648 times

መግለጺ ራብዓይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ራብዓይ ምዱብ ኣኼባኡ ካብ 19-20 ከምኡ ውን ካብ 26-27 ሓምለ 2014 ኣካይዱ። ኣብ'ዚ 4 መዓልታት ዝወሰደ ኣኼባ'ዚ ማእከላይ ባይቶ ንውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ሃለዋት ሰዲህኤን ኣልዒሉ ብሰፊሑ ተመያይጡ።

ኣብ ውሽጣዊ መዳይ፡ መነባብሮ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናበኣሰ ብምኻዱ፡ ህዝቢ ይኹን ኣባላት ህግደፍን ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ዓው ኢሎም ምረቶም ዝገልጽሉ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ ተገንዚቡ። ናይ መጻኢ ዕድሎም ጸልማት ኰይኑ ዝተራእዮም ኤርትራውያን መንእሰያት ንስደት ክውሕዙን ኣብ ጕዕዞ ስደቶም ዘጋጥሞም ዘሎ ደረት ዘይብሉ ስቅያት ክዛይድ እምበር ክቕንስ ፈጺሙ ኣይተራእየን። ኣህጕራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስታት፡ ሕብረት ኣውሮጳን ትካላቱን ውን፡ ንፖሊሲታትን ተግባራትን ስርዓት ኢሳያስ ዝዅንን መግለጺታት ክህቡን ኣብ ልዕሊኡ ማዕቀብ ከንብሩን ኢዮም ተራእዮም።

ኣርባዕተ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝገበርዎ "ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓብትኻ ኣበይ ኣላ? ህዝብኻ ከመይ ኣሎ" ዝብል ንዅሉ ዜጋ ሓላፍነቱ ክስከም ዝጽውዕ ሓያል መልእኽቲ መርኣያ ወይ መንጸብረቕታ ናይ'ቲ ህዝብናን ሃገርናን በጺሖሞ ዘለዉ ሕማቕ ኵነታት ኢዩ። ሰዲህኤ፡ ነዚ ብኣርባዕተ ጳጳሳት ዝተገብረ መጸዋዕታ እናተቐበለን እናደገፈን፡ ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን እስልምናን’ውን ኣሰሮም ክስዕቡ፡ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ መጸዋዕታኡ የቕርብ።

በዚን ካልእ ብቐጻሊ ክኸይድ ዝጸንሔን ዘሎን ተቃውሞታት፡ ዝተሰናበደ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ጕጅለ ድማ፡ ካብ ሓቅታት ንምህዳም፡ ንሃልክን ንህዝቢ ንምድህላልን ምትዕሽሻውን ዝዓለመ፤ ቅዋም ክንደፍ ኢዩ፡ ለውጥታት ኣብ መንግስታዊ ቅርጻ ንገብር ኣለና፡ ኣብ ንግዲ ደቂሰባት ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰባት ንኣስሮም ኣለና፡ ዝምድናና ምስ ወጻኢ ይመሓየሽ ኣሎ፡ ቍጠባና ይዓቢ ኣሎ ዝብሉ ናይ ሓሶት ዜናታት ክዝርግሕን ኣደናገርቲ መብጽዓታት ክገብርን ይስማዕን ትርጕም ዘይብሉ ድራማታትን ትያትራትን ክሰርሕ ይርአን ኣሎ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ስርዓት ህግዲፍ፡ ነቲ ኣንጻሩ ክለዓል ዝኽእል ህዝባዊ ተቓውሞታት ኣንፈቱ ንምቕያር፡ ንህዝብና ብሃይማኖትን ብኣውራጃን ንምክፍፋል ዘዋፍሮ ዘሎ ሓደጋኛ ጐስጓሳት ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ብትሪ ይዅንኖ። ስርዓት ህግዲፍ ንዝዀነ ይኹን ክፋል ናይ ህዝብና ኰነ ሃይማኖታትና ዘይውክል፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣልሚሙ ዝድህኽ ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ተገንዚብና፡ ህዝብና በቲ ናይ ምክፍፋል ሜላታቱ ተደናጊሩ ደጋፍን ተጻራርን ተባሂሉ ነንሓድሕዱ ከይናቘት ክጥንቀቕ፣ ብኣንጻሩ ሓደ ኢድ ኰይኑ፡ ነቲ ጠንቂ ናይ ኵሉ ጸገማቱ ዝዀነ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ንምልጋስ ሓቢሩ ክቃለስ ይጽውዕ። መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት፣ ሃይማኖት ድማ ኣብ መንግስቲ ኢዱ ከእቱ የብሉን ዝብል መትከል ብምጽናዕ ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብዝረኽብዎ ግዝያዊ ረብሓታትን ሓለፋታትን ከይተላሉ፤ ዕላማኦም ንፍቕርን ሓድነትን ህዝቢ ዘሐይል መልእኽቲ ምትሕልላፍ ክኸውን ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ተማሕጺኑ።

ብመዳይ ሰልፋዊ ንጥፈታት፡ ራብዓይ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዓበይቲ ዲፕሎማስያዊ፡ ህዝባዊ፡ ዜናዊ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን ንጥፈታት ምክያዶም ተገንዚቡ። ሰዲህኤ ኣባል ኣህጕራዊ ምትእኽኻባት ዝዀነሉ ደረጃ ምብጽሑ ድማ፡ ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ምዃኑ ገምጊሙ። ኣብ ህዝባውን ዜናውን መዳይ’ውን፡ ሰልፍና ካብ ዘየድሊ ጐድናዊ ቍርቍሳት ወጺኡ፡ ኵሉ ቃልስታቱ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብምቅናዕ፡ ዝነኣድ ስርሓት ከም ዘመዝገበ ርእዩ። ብጕዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ሲና፡ ሊብያ፡ እስራኤል፡ ጅቡትን የመንን ናብ ዝተፈላለዩ ኣህጕራዊ ትካላት፡ መራሕቲ መንግስታትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን መዘክራት ብምልኣኽን ብኣካል ብምርኻብን ጸገማቶም መፍትሒ ክግበረሉ ኣበርቲዑ ተንቀሳቒስሉ ኢዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ካብ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ካብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ መንግስታት ኣውሮጳን ወግዓዊ መልስታት ረኺብሉ። ከምኡ'ውን፡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ጾር ብምስካም ንዓመታት ከካይዶ ዝጸንሐን ዘሎን ስርሓት ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍለሉ ግን ከኣ ዕዉት ምዃኑ ገምጊሙ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኰነ ኣብ መዳይ ክንክን ኣካለ ጽጉማን፡ ነቲ ዓቢ ጾር ተቐቢሎም፡ ክምውልዎን ከካይድዎን ዝርከቡ መኽሰብ ኣልቦ ማሕበራት ከምኒ ማሕበር ስዊስ ንቖልዑ ኤርትራ (ASSE), ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር (EDA), ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ (ADE)፡ ከምኡውን ካልኦት ተሓባበርቲ ትካላትን ውልቀ ሰባትን፡ ንዝካይድዎ ዘለዉ ጸዓታት ብምምዝካር፡ ካብ መድረኽ መጋባእያኡ ኣድናቖትን ምስጋናን ኣመዝጊቡ።

ኣብ ርእስ'ዚ፡ ናይ'ዞም ተቓሊሶም ዘቓልሱ ጽኑዓትን ውፉያትን ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣብ ምስላጥ ናይ'ዞም ዕዉታትን ዓበይትን ዲፕሎማስያዊ፡ ህዝባዊ፡ ዜናውን ማሕበራውን መደብ ዕዮታት ዝነበረ ኣበርክቶ ኣኼባ ብኣድናቆትን ናእዳን መጐስን ዘኪሩ።

ኣኼባ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ-ጽሕፈታት ሰልፊ ዘሎ ድኽመታት’ውን ፈቲሹ፤ ነዚ ሽግራት'ዚ ንምፍታሕ ድሕሪ ኣኼባ ባይቶ ምዝዛሙ ብዕቱብ ክተሓሓዞ ወሲኑ። ማእከላይ ባይቶ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዝጋባእ 2ይ ውድባዊ ጕባኤ ሰዲህኤ ኣመልኪቱ ብዕቱብ ተመያይጡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንኻልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ እተሰናድእ 9 ኣባላት ዘለውዋ ሽማግለን፡ ከምኡ'ውን፡ ንመሪሕነት ዝዀኑ ባእታታት እተጽንዕን እትሓጽን 5 ዝኣባላታ ሽማግለ ኣቚሙ።

ፈስቲቫል 2014 ብዝምልከት፡ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ብኣባላት ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ዝዀኑ ኣሕዋት ዝቐረበሉ ጸብጻብ ሰሚዑ። ኣኼባ፡ ነቲ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ዘካየደቶ ጻዕርታት ኣመጒሱ። ናይ ሎምዘበን ፈስቲቫል ብደረጃ ምድላዋቱን ተኻፋልነቱ ካብ ዝሓለፉ ፈስቲቫላት ሰፊሕን ፍሉይን ክኸውን ምዃኑ'ውን ተገንዚቡ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ውድባት ክካየድ ዝጸንሐ ሓባራውን ካዕባውን ርክባት ሽቶኡ ክሳብ ዝሃርም፡ ሰዲህኤ ከይሰልከየ ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ራብዓይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ናይ ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ደምበ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ፡ ሰረታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ድማ እናተሸምቀቐ ይኸይድ ከም ዘሎ መዚኑ። እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርአ ዘሎ ምክፍፋል ግን ኣዝዩ ኣሻቓልን ብህጹጽ ክፍታሕ ዘለዎ እዋናዊ ሕቶን ምዃኑ ኣስሚርሉ። ካብ'ዚ ብምብጋስ፡ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘይተወከሉ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝርከብዎ ንህልዊ ኵነታትን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንምፍታሽን መፍትሒታት ምቕራብን ዝዓለመ ሰሚናር ኣብ ሓጺር ግዜ ክግበር ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ርእዩ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ጕባኤኡ ዘጽደቖ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ክሰምሩ፣ ናብ ፍጹም ምጽንባር ክበጽሑ ዘይክእሉ ውድባት ድማ ብዝተሓተ ነጥብታት ተሰማሚዖም ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ሓቢሮም ክሰርሑን ዘለዎ እምነት ደጊሙ ብምዝኽኻር፡ ኵሎም ተቓወምቲ ንተግባራውነቱ ብዕቱብ ክሰርሑ ጸዊዑ።

በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ናይ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ደለዪቲ ለውጢ ዝዀኑ ምጥርናፋት ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ዝገብርዎ ዘለዉ ተቓውሞታት እናተባብዐን እናኣመጐሰን፡ ሓቢሮም ዝስርሕሉ ኵነታት ንምምችቻእ ብዝሓየለ ድሌትን ብንጹህ መንፈስን ክብገሱ ከምዘለዎም ድማ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ኣዘኻኺሩ። ከምኡ'ውን፡ ናይ ኤርትራውያን ናይ ተቓውሞ ሚድያታት፡ ተራኦም ብቐሊሉ ዘይርአ ስለዝዀነ፡ ንሓድነት ህዝብን ተቓወምትን ዘሐይል ስርሓት ክድግፉን ከተባብዑን ኣትኵሮኦም ድማ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ክኸውን ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣዘኻኺሩ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ኣትኵሮ ኣህጕራዊ ናይ ዜና ማዕከናት ኣብ ኤርትራ ክኸውን ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራን ሲቪላውያን ማሕበራትን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣስሚርሉ።

ደንበ ተቓውሞ ህዝባዊ ሰረታቱ መታን ክሰፍሕን ናብ ዓወት ክበጽሕን፣ ናይ ምግላልን ምንጻግን መንፈሳት ገዲፉ፣ ከምቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝገበርናዮ: ንዂሎም ምስ'ቲ ገዛኢ ጕጅለ ስርዓት ህግደፍ ዝወገኑ ደቂ ሃገር ናብ ደንበ ተቓውሞ ክሰጋገሩ ክጽውዕ፣ ንስርዓት ራሕሪሖም ንእተጸንበርዎ ከኣ ክሳዕ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ዝትከል ሓንጐፋይ ኢሉ ክቕበልን፤ ኣብ ቅድሚ ርትዓዊ ቤት ፍርዲ ከይቐረቡ ከም ገበነኛታትን ክሱሳትን ክገልጾም ከም ዘይግባእ ኣስሚሩሉ።

ራብዓይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ዓሚ ኣብ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ንመላእ ህዝብታት ዓለም ዘንቀጥቐጠ ህልቂት ናይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ መርኣያ ናይ'ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ምዃኑ ኣስሚርሉ። ነቶም ነዚ ሽግር'ዚ ንምቅላሕን ንህዝብና ንምጽንናዕን ብደረጃ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ዝተገብሩ ፈተነታት መጐሱ ይገልጽ። እንተዀነ ግን፡ ሬሳታት ኤርትራውያን ብግቡእ ከይተለለዩ፡ ገለ'ውን ክሳብ ሕጂ ካብ ባሕሪ ከይወጹ፡ እቶም ሬሳታቶም ዝወጸ ድማ ግቡእ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ዘይምርካቦም ኣዝዩ ከምዘሕዘኖ ገሊጹ።

ኣኼባ፡ ነቲ ኣብ ጋዛ ኣብ መንጕ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ሓዘኑ ይገልጽ። ንስድራቤታት ናይ'ቶም ቤተሰቦም ዝተጐድእዎም ንጹሃት ዜጋታት ድማ ጽንዓት ክህቦም ይምነ። ሰዲህኤ፡ ውግእ መፍትሒ ናይ'ቲ ሽግር ከምዘይኰነ ይኣምን። ክልቲኦም ሸነኻት፡ ኣብ መኣዲ ልዝብ ኮፍ ኢሎም ንኽልቲኡ ህዝብታት ቅቡል ዝዀነ መፍትሒታት ከቕርቡ ድማ ይምሕጸን። ነቶም በዚ ውግእ'ዚ ኣዝዮም ተጐዲኦም ዘለዉ ፍልስጤማውያን ድማ ሰብኣዊ ረዲኤት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ዕድላት ምምችቻእ ሓላፍነት ናይ መንግስታትን ትካላትን ዓለም ምዃኑ የገንዝብ።

ኣብ መጠረስታ፡ ራብዓይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዓመታዊ መደብ ዕዮ ሓንጺጹ፡ ነዚ ዘተግብር ሓድሽ ፈጻሚ ሽማግለ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ።

በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ውን፡ ስውእ ተቓላሳይ ኣስገዶም ገብረመድህን (ወዲ ባሻይ)፣ ከምኡ’ውን፡ ስውእቲ ተቓላሲት መብራት በየነን(ጓል በየነ) ስውእ ተቓላሳይ ዘካርያስ ፍስሃየን ካብ መቓልስቶምን ቤተሰቦምን ብሞት ምፍላዮም ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ ንዅሎም ሰማእታት ኤርትራ ዘኪሩ።

ብተወሳኺ ንድሕነት ናይቲ ካብ ከሰላ ሱዳን ተጨውዩ ክሳብ ሕጂ ብዘይፍለጥ መንገዲ ተሰዊሩ ዝርከብ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተቓላሳይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ኩሎም ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣህጉራውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን፡ ዝኽእልዎ ጻዕርታት ከበርክቱ ጸዊዑ።

ንማሕበራዊ ፍትሒ፡ ንሰላምን ዲሞክራስን ንቃለስ

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንሰማእታትና

27 ሓምለ 2014

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 12:18