ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታታ ካብታ ሃገር ንምውፃእ ክዳለዉ ፀዊዓ

2021-11-04 19:35:41 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1023 times

3 ሕዳር 2021

ኤምባሲ ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ,AMERICAN EMBASSY

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉን ናብ ኢትዮጵያ ክገሹ ንዝተለሙን ዜጋታቱ ናይ መገሻ መጠንቀቕታ ኣውፂኡ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብናይ ፌስቡክ ገጽ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ዜጋታት ኣሜሪካ ካብ ኢትዮጵያ ንምውፃእ ክዳለዉን፡ ናብ ኢትዮጵያ ንምጋሽ መደብ ዘለዎም ድማ ትልሞም ብትኹረት ክርእይዎ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣማስዩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዝጸንዕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ድሕሪ ምእዋጁ'ዩ፡ ኤምባሲ ኣሜሪካ ነዚ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ዘሎ።

ካቢነ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ነተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ብምቁፅፃር ንቕድሚት ይግስግሱ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምግላፆም'ዩ እቲ ኣዋጅ ተኣዊጁ።

እዚ ድማ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ ብዘይ ትእዛዝ ቤት-ፍርዲ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከእትዉን እገዳታትን ገደባትን ከንብሩ ስልጣን ዝህብ'ዩ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ንዜጋታቱ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታት ኣሜሪካ ካብታ ሃገር ንምውፃእ ክዳለዉ፡ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምጋሽ ትልሚ ዘለዎም ድማ ውሳንኦም ክኽልሱ ብትሪ ነገንዝብ” ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ክጓዓዙ ከም ዘይፍቀደሎም ብምዝኽኻር፡ ኣብ ዝሓለፉ ብዙሓት መዓልታት ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ዓፋርን ትግራይን እናዓረገ ይመፅእ ዘሎ ጎንፂ፡ ኩነታት ድሕንነት እታ ሃገር ውሑስነት ክስእን ከም ዝገበሮ እቲ ኤምባሲ ገሊፁ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰሜን ዘራኽቡ መገድታት ብሰብ መዚ ፌደራል ብምግዳቦም ፀገማት መጓዓዝያን ምግዳዕ ተጓዓዝትን ብሓፈሻ ዘይፅኑዕ ሃዋህዉ መገሻ ፈጢሩ'ዩ ክብል እቲ ኤምባሲ ይገልጽ።

ብሰኑይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ንገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ንምግታእ ህዝቢ ኢትዮጵያ 'ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን' ሒዙ ክኸትት ጸዊዑ እዩ።

ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታቶም ትግራይን መሻርኽቶምን ንስርዓት ኣብይ እንተደኣ ዓልዮሞ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቑሙ ምዃኖም ገሊጹ'ሎ።

''እንተደኣ እቲ መንግስቲ ወዲቑ ናይ ግድን መሰጋገሪ መንግስቲ ከነቕውም ኢና" ድሕሪ ምባል፡ ሃገራዊ ዘተ ከም ዝህሉ ኣብይን ሚኒስተራቱን ግን ናብ ቤት-ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ንሮይተርስ ሓቢሩ ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ሓይልታት ትግራይ ብፍላይ ናብ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ዝገብርዎ ግስጋሰ ጠጠው ከብሉን ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክወጽኡን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጸዊዑ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራይስ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሃገሩ ከም ዘሻቕላ ብምግላጽ፡ ኩሎም ወገናት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነት ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ተኩሲ ጠጠው ክብሉ ደጊሙ ኣተሓሳሲቡ።

ብምኽንያት እዚ ኲናት፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ብዝተገብረ ውግኣት ካብ ክልቲኡ ወገን ዛጊት ቁጽሮም ዘይተገልጸ ኣሽሓት መንእሰያት ተቐቲሎም፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ከኣ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህይወቶም ንሓደጋ ጥሜት ዝተቓለዐ ሰባት ከም ዘለው ጸብጻባት የረድኡ።

Source=ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታታ ካብታ ሃገር ንምውፃእ ክዳለዉ ፀዊዓ - BBC News ትግርኛ

Last modified on Thursday, 04 November 2021 20:39