መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ!

2021-09-21 07:46:52 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1222 times

ኤርትራን ህዝባን ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል እዮም። ምኽንያቱ ህዝቢ ካብ ሃገር፡ ሃገር ከኣ ካብ ህዝቢ ፈላሊኻ ዝረኣዩ ስለዘይኮኑ። ኣብዚ ኤርትራውያን ነካይዶ ዘለና ናብ ዲሞክራሲ ናይ ምስግጋር ቃልሲ፡ ኣብ ዝተወሰነ እዋን “ ንህዝቢዶ ንሃገር ኣቐዲምና ነድሕን?”  ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ምስሕሓብ ነይሩ’ዩ። ብፍላይ ከኣ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ምጥራር ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውዕዉዕ ኣጀንዳ ኣብ ዝነበርሉ  ኣዝዩ ርሱን መካትዒ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘቤታዊ በደል ንምሕባእን ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥምዛዝን፡ ነቲ ደሓር ባዕሉ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣውሪድዎ ዘሎ “ልኡላውነት” ካብ ጉዳይ ህዝቢ ፈልዩን መጢጡን ከቕርቦ ፈቲኑ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ግና ብዘይካቲ ህዝቢ ናይ ምግልጋል ኣጀንዳ ዘየብሉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ውዳበታቱን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ፈላሊኻ ብምሓዝ “ሓደ ምስ ወዳእኩ ናብቲ ካልእ ክሓልፍ እየ” ዝበሃሎ ዘይኮነ፡ ብሓንሳብ ዝዕመምን ተመጋጋብን ምዃኑ ኣብ ዝተረደኣሉ ደረጃ በጺሕና ኢና። እዚ ከኣ ምትላል እቲ ጉጅለ ካብ ዝተዓጽፈሉ  ተረኽቦታት ሓደ እዩ።

ኣብ ንቡር ኩነታት ጉዳይ ሃገር ካብ ህዝቢ ንላዕሊ ዝምልከቶ ኣካል የለን። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ኣብ ዝመንዘዓሉ መዋእል ኣመስኪርዎ እዩ። ኣብ ከምዚ ኤርትራ ብዘይንቡር ኩነታት ትሓልፈሉ ዘላ መስርሕ ግና፡ እቲ ኣሰራርዓ ግምጥልሽ ኮይኑ፡ ንጉዳይ ሃገርን ህዝብን ሓደ ዕሉል ዓመጸኛ ጉጅለ ኣብ ዘኹድደሉ ኢና ንርከብ ዘለና። እዚ ከም ቁርዲድ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተላሒጉ ዘሎ ጉጅለ፡ ዝጭቁን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዛ ሃገር ምስ ህዝባ ክምጥዋ ትንዕምንዕ ዝብል ዘሎ እዩ። መሰረታዊ ምኽንያት ናይቲ ህዝቢ ኤርትራን ውድባቱን ዝቃለስሉ ዘለዉ ከኣ ነዚ ዝንቡዕን ዘይንቡርን ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘድንን ውሑዳት ርእሶም ዘቕንዕሉን ኣሰላልፋ ኣወጊድካ ልዕልና ህዝቢ ናብ ንቡር ቦታኡ ንምምላስ እዩ።

 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንልዕልናን ወሳንነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሓደ መሰረታዊ ዓንዲ ናይ ቃልሱ፡ ኣብቲ መሰረታዊ ሰነዱ “ሰዲህኤ ምልካዊ ስርዓትን ንሱ ዘተኣታተዎ ኣዕናዊ ሳዕቤናትን ኣልጊስካ ኣብ እትምስረት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዝሰፈና ንመሰልን ክብርታትን ኩሎም ዜጋታታ ብማዕረ ንምርግጋጽ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታታን ሰላማዊ ውድድርን  ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ብዝብል ኣስፊርዎ ኣሎ። ኣብ ሰነድ ምስፋር ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ኣካላት ለውጢ ብሓባር ንምዕዋቱ፡ ብመንገዲ መስርሕ እንካን ሃባን ዘሎ እዩ።

ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ መሰረታዊ ጸገማት ህዝቢ ክፈትሕ ዘብቅዕ ዓቕሚ ኮነ ባህሪ የብሉን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጽዒንዎ ዘሎ ብበብዓይነቱ ዝግለጽ ጭቆና ዘይፈተሐ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ገሊኡስ ነቲ ነባር ጸገም ከጋድድ፡ ኣብ ገሊኡ ከኣ ሓደስቲ ጸገማት ክምህዝ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።  እዚ ጉጅለ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጽነት ናይ ምምጻእን ልኡላውነት ሃገሩ ናይ ምሕላውን ግደታ እምብር፡ በቲ ብዋጋኡ ዝመጸ ጸጋታት ናጽነት ናይ ምጥቃም መሰል ከም ዘለዎ ኣይኣምንን እዩ። እዚ ከኣ “ኣነ እየ ዝሓስበልካ’ሞ ዝበኩኻ ግበር” ብዝብል ክቱር ትዕቢቱ እዩ ዝግለጽ። ጉጅለ ህግደፍ ከምዚ ናይ ምግባሩ ምስጢር ፍሉጥ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንከምዚ ዓይነት ብደዐ ምጽማሙ ግና ሕቶታት ዘልዕል እዩ።

ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብና እዩ ተረጋጊጹ። በዚ ከኣ ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን  ናእዳ ሓፊስሉ እዩ። እንተኾነ ምእንቲ ናጻነት ብዝኽፈሎ ዋጋን ዘርእዮ ጀግንነትን ክንየት ጉጅለ ህግደፍ ኣገሪህዎ እዩ። እዚ ኩሉ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ኣዝዩ መሪር ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ከኣ ናይቲ ዝተዳህለሎ ዋጋ እዩ። ደጊም እቲ መፍትሒ በቲ ዝሓለፈ ክምለስ ዘይከኣል “ኣህህ” ምባል ዘይኮነ፡ “ይኣክል በቓ” ክትብል ምኽኣል እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ናይ ኢዱ ከምዘይረኸበ ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት መስካሪ ስለ ዝኾነ ካልእ ኣካል፡ ኣብ ሃገሩ “መሊኡ ዘይረገጸ፡ ሓሳብ ልቡ ዘይገለጸ፡ ወሊዱ ዘየዕበየን ኣብ ቁምነር ዘየብጽሐን፡ ፍትሕን ስርዓትን ዝጸምኦ” እናተባህለ ክዝርዝረሉ ዝጽበ ኣይመስለንን። ብዓይኡ ከኣ  ናይ ሰላም፡ ልምዓት፡ ድሕነትን ዲሞክራስን መሰሉ ፈጺሙ ዝተነፈገ ህዝቢ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ወዮ ክንዲ ናጽነት ንዝኣመሰለ መሰረታዊ ጉዳይ ብክቡር ዋጋ ኣውሒሱስ፡ ፍረ ናይቲ ኮስኲሱ ዘዕበዮ ተኽሊ ኣብ ምሕፋስ ግን ዘይበቐዐ  ተባሂሉ ይንቀፍል ከም ዘሎ  ነጋሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ርግጽ እዩ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ መጀመርያ እምነት እንተነንብረሉ ጌጋ ኣይምተባህለን። ኣብቲ መስርሕ ኣሰጓጉማኡ ርእዩ “ክሳብ እትኣምን ኪድ፡ ካብ ዘይትኣምን  ግን ተመለስ”  ዘይምባሉ ግና ዘተዓዛዝብ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ ህዝብን ሃገርን ንምጥፋእ በቲ ዝጀመሮ ክዕዘር እንተዘይኮይኑ፡ ንድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ጽላለ በጺሑ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸሞ ገበናት ውሒድዎስ፡ እነሆ ሎሚ ከኣ ዝያዳ ቀይዲ በቲኹ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ካብ ኤርትራ ሓሊፉ ዞባና ንክዘርግ ከዕገርግሮ ዝጸንሐ፡ ብንቡርኳ ከይተዓደመ ኣብ ሃገረ ኢትዮዮጵያ፡ ትግራይ፡ ጎንደርን ወሎን ከይዱ ብህይወት ኤርትራውያን ዕሸላት ይጻወት  ኣሎ። ናይዚ ኢድ ኣእታውነቱ ሳዕቤን ብዙሕ ኮይኑ ብቐረባ “ኣይማዮም ኣይሰማዮም” ኣብ ዝኾነ፡ ካብ ንቀጻልነት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ሓሊፉ ኤርትራዊ ረብሓ ኣብ ዘየብሉ መንእሰያትና ይህልቕ  ኣሎ። ድሮኳ ኣብዚ ሓድሽ መገሸኦም እውን ብናይ ውግእ ገበናት ክኽሰሱ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ኣብ ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡  ኣብ ኤርትራ ኮንካ ኣማዕዲኻ ኣብ እትርእዮ ተደሪቱ ዘይክተርፍ ክኸውን ከም ዝኽእል ኤርትራዊ ምስትውዓል የድልዮ። እዚ ሻራዊ ጉዕዞ ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ጓና ዝሃልቅሉ ዘለዉ እዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኤርትራ ናብ እትፈርሰሉ ደረጃ እውን ክምዕብል ከም ዝኽእል ህዝብና ከስተብህለሉ አዘኻኽሮ። ስለዚ ሕጂ እ’ውን እቲ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ዕድል ምሉእ ብምሉእ ኣይተጸንቀቐሞን’ሞ ህዝቢ ኤርትራ ሕሳብካ ክትገብር አዘኻኽር።

Last modified on Tuesday, 21 September 2021 09:49