ዓውደ-መጽናዕቲ ኤርትራውያን ምሁራትን ክኢላታትን

2021-09-01 08:06:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1374 times

ኤርትራውያን ምሁራትን ክኢኣታትን፡ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ዝግደስ ትካል፡ ፖሊስን ምምርማርን መሰረት ንምንጻፍ ብ14 ነሃሰ 2021 ኣብ ከተማ  ዋሽንግተን ዲሲ ዓወደ መጽናዕቲ ኣካይዶም። እዞም 150 ዝኾኑ ኣብ ዋሽንግተን መእከቢ ኣዳራሽ ካቶሊካዊት ዩኒቨርስቲ ዝተራኸቡ፡ ድሕሪቲ ዓውደ መጽናዕቶም ጋዜጣዊ መግለጺ  ኣውጺኦም። ናይዚ ዓወድ መጽናዕቲ ዓላማ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራን  ጽልዋኡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምምይያጥ ምንባሩ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ። ብዛዕባ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ዝምልከት ኣቐዲምካ መደባት ምትላም ዝምልከት’ውን ቀንዲ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተዘርበሉ ዛዕባታት ነይሩ። ኣብዚ ብኤርትራዊ ትካል ምምርማር ንፖሊስን እስትራተጀን ድሕሪ ውድቀት ግዝኣት ኢሳያስ  ዝተዳለወ ዓውደ-መጽናዕቲ እቶም 150 ምሁራትን ክኢላታትን ብኣካል ዝተሳተፉ ክኾኑ እንከለዉ፡ 5 ደርዘን ዝኾኑ ከኣ ብመንገዲ ዙም ተሳቲፎም። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ካለኦት ድማ ብዝተፈላለዩ መሕበራዊ መራኸብታት ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ወጻኢ ከይተረፈ ከም ዝተሳተፍዎ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ብምቕራብ ኮነ ምይይጥ ብምክያድ ዝተሳተፉ፡ ፕሮፈሰር በረኸት ሃብተስላሴ ካብ ዩኒቨስርሲቲ ሰሜን ካሎሮና፡ ፕሮፈሰር ኪዳነ መንግስተኣብ ካብ ዩኒቨርሲቲ ፐንሲልቫኒያ፡ ፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ ካብ 1970 ጀሚሮም ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ንጡፍ ተሳቲፊ፡ ዶ/ር ሳባ ኪዳነ ናይ ማሶን ዩኒቨርሲቲ ምርቕትን ኣቶ ኑረዲን ዓብደልቃድር ካብ 1970ታት ጀሚሮም  ኣብ ማሕበረ ኮማዊ ንጥፈታት ህዝቦም ኣብ ምልዕዓል ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ዘለዎምን ከም ዝርከብዎም ካብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ምርዳእ ይከኣል።

እቶም ኣቕረብቲ ጽሑፋት ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ግርጭታትን ቁጠባዊ ውድቀትን፡ ገንዘባዊ ዘይህድኣት፡ ድሕንነት፡ ትሑት ትሕተ-ቅርጻ፡ ዝለዓለ ሸቕለተ-ኣልቦነት፡ ዋሕዚ ናብ ስደትን ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ ግዱድ ውትህድርና፡ ጨካን ኣገባብ ማእሰርትን ስነ-ኣእሙራዊ ጸገማትን ዝምልከቱ ዝርዝራት ንምይይጥ ኣቕሪቦም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምስግጋር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ብደሆታትን  ወተሃደራት ዝነበሩን ኣብ ስደት ዝጸንሑን ኤርትራዊ ዜጋታት ምስቲ ሕበረተሰብ ከም ዝውሃሃዱ ምኽኣልን ዝያዳ በዳህቲ ዛዕባታት ከም ዝኾኑ ጠቒሰምዎም።

እቶም ተሳተፍቲ ምሁራት ኣብቲ መድረኽ ከም ዝገለጽዎ፡ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ቅቡል ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከይትከል ዓንቂጹ ከም ዘሎ ጠቒሶም። ካብዚ ነቒሎም ከኣ ኣብ ኤርትራ ሰላማዊ ምስግጋር ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን እቲ ዝምስረት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዳግማይ ከይጭወን ምጥንቃቕ ከም ዘድሊ ኣዘኻኺሮም። ተሳተፍቲ ኣብ መጻኢ ንብልጽግና ኤርትራዊ ዜጋ ቀዳምነት ዝህቡ ኣካላት ብመንገዲ ምርጫ  ፈሊኻ ምፍላጥ ዘኽእል ኣገባብ ካብ ብሕጂ ክሕንጸጽ ከም ዝግባእ ኣስፊሮም።  ምስዚ ኣተሓሒዞም ንተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ኣጉሊሖም ጠቒሰምዎ።

ካልእ ተሳተፍቲ ምሉእ ብምሉእ ዝተረዳድእሉ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዞባና ጠንቂ ዘይምርድዳእ ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ  ህግደፍ ንምብዳህ፡ ሓድነትን ውህደትን ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካውን ሲቪካውን ማሕበራቱን  ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ኣበርክቶ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ነዚ ኣተግቢርካ  ናብ ሸቶ ንምብጻሕን ከኣ ሰፊሕ ስሙር ግንባር ወይ ጉባአ ምክያድ ከም ዘድሊ ተሳተፍቲ ኣስፊሮም።

ናይ ኤርትራ ኣገዳሲ ክሳዳዊ ኣቀማምጣን ብዙሓት ኤርትራውያን ምሁራት ኣብ ወጻኢ ምህላዎምን ንመጻኢ ቁጠባዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባና ሓጋዚ ስለ ዝኸውን፡ ድሕሪ ውድቀት እቲ ጉጅለ ቁጠባዊ ዋዕላ ምክያድ ከም ዘድሊ ኣዘኽኺሮም። እቲ ጉጅለ ምስ ጐረባብቲ ክፈጥሮ ዝጸንሐ ህውከት፡ ሓደ ብደሆ ኮይኑ፡ ነዚ ብዝምልከት ምስሊ ኤርትራ ንምዕራይ፡ ቀጻሊ ህንጸትን ምትእምማን ናይ ምፍጣር ስረሓት ንምትግባር ኤርትራውያን ምሁራት  ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ኣዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ኣስተዋጸኦ ከበርክቱ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ጠቒሶም።

Last modified on Wednesday, 01 September 2021 10:10