መግለጺ ሓዘን

2021-04-01 20:50:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1148 times

ዕረፍቲ  ኣቶ ዜና  ምሕረተአብ ብዓሚቕ ሓዘን ስንባድን ሰሚዕናዮ። ኣቶ ዜና ምሕረተአብ፡ ካብ ኣብኡ ኣቶ ምሕረተኣብ ኣስፈሃን ኣዲኡ ወይዘሮ ትብለጽ ለገሰን ብ5 ሰነ 1947 ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ተወሊዱ፡ ኣብ መበል 74 ዓመት ዕድመኡ ከኣ ብ28 መጋቢት 2021 ኣብ ሆስፒታል ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ መላእ ቤተሰቡን ፈተውቱን ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ሆስፒታል ዓሪፉ።

ኣቶ ዜና ምሕረተኣብ ትምህርቱ ኣብ ከተማታት ደቀምሓረን ኣስመራን ተኸታቲሉ። ትምህድቱ ምስ ወደአ ከኣ በቲ ዝተማህሮ ሞያ፡  ኣብቲ እዋንቲ ኣብ  ኣስመራ ባንኮዲናፖሊ ይበሃል ኣብ ዝነበረ ትካል ሰሪሑ። ዓቕሙ ንምምዕባል ከኣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ምሸታዊ  ትምህርቱ ቀጺሉ። ኣቶ ዜና በኹሪ ገዛ ስለ ዝነበረ ናእሽቱ ኣሕዋቱ  ኣብ ምእላይ  ምስ ወለዱ ዝተሓጋገዝ ግዱስ  ከም ዝነበረ ቤተ ሰቡ የመልክቱ።

ኣቶ ዜና ምሕረተኣብ  ኣብ ዝተጠቕሰ  ትካል እንዳሰርሐ፡ ህይወቱ ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡  ኣብ  ሃገሩን ህዝቡን ዝነበሮ  ፍቕርን ሓልዮትን እናዓዘዘ መጸ ። በዚ መሰረት ኣብ መወዳእታ 1975 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ተሰሊፉ።  መባእታዊ  ወተሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ምስ ወሰደ ከኣ፡  በቲ ዝነበሮ ሞያ ኣብ ክፍሊ ምቁጽጻር (ክፍሊ ኦዲት) ተበዲቡ፡ ነቲ ኣሰራርሓ ኣብ ምምዕባል ዓብይ ግደ ተጻዊቱ። ብዘይካዚ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ እውን ኣብ ብሪጌድ 19 ናይ ሓይሊ ፖለቲካዊ  ኮሚሳር ኮይኑ ተቓሊሱ።

ኣቶ ዜና፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተደፊኣ፡ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዋ፡  ኣብ ሱዳን ነብሱ ንምምራሕ ጽዒሩ።  ኣብ 1983 ድማ  ናብ ኣሜሪካ  ክስደድ ተገዲዱ፡ እነሆ  ከኣ ክሳብ ዕለተ- ዕረፍቱ ኣብኡ ጸኒሑ።

በዚ ኣጋጣሚ መላእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንመዋቲ መንግስተሰማያት የዋርሶ፡ ንስድርኡን  መላእ ቤተ ሰቡ ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም እናበልና፡ ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።

                     

Last modified on Thursday, 01 April 2021 23:02