ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዘይሕጋዊ ምርሻንን፡ ምስዋርን ስቅያትን ከምዝፈጸመ ሕብረት ኣውሮጳ ከሲሱ

2021-03-23 20:09:43 Written by  ቢቢሲ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1668 times

ባንዴራ ኤርትራን ሕብረት ኣውሮጳን

22 መጋቢት 2021

ሕብረት ኣውሮጳ ሎሚ 22 መጋቢት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ከበድቲ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸመ ብምኽሳስ እገዳ ከም ዘንበረሉ ሓቢሩ።

ቤትምኽሪ ናይ ሕብረት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ብ[ብርጋዴር] ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ዝምራሕ ሃገራዊ ድሕነት መንግስቲ ኤርትራ "ንዝተፈጸሙ ከበድቲ ሰባዊ መሰላት ተሓታቲ" ምዃኑ ገሊጹ።

"ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ ዘይሕጋዊ ምርሻን፡ ምስዋር ሰባትን ስቅያትን ብኣባላቱ ተፈጺሞም" ክብል እቲ መግለጺ ከሲሱ።

ኤርትራ፡ እቲ ብቤት-ምኽሪ ሚኒስተራት ናይቲ ሕብረት ዝሓለፈ ውሳነ "ሃሳዪን ዓንቃጺን" ክትብል ተቓዊማቶ'ላ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ዘሕለፎ ውሳነ ክወስድ ሕጋውን ሞራላውን ስልጣን የብሉን" ድሕሪ ምባል እቲ ክስታት "ንካልእ ሃቐነ ተባሂሉ ንኤርትራ ንምስርጣይ ኣብ ዝተሰንዐ ክስታት ተሞርኲሱ" ዝወሰዶ'ዩ ብምብል ነጺግዎ።

እቲ ሎሚ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ን11 ውልቀሰባትን 4 ትካላትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ንቻይና፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሊብያን ደቡብ ሱዳንን'ውን ዝትንክፍ'ዩ።

"እቶም ኣብ መዝገብ ዝሰፈሩ ውልቀሳባትን ኣካላትን፡ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዘለዎም ሃብቲ ክድስክል ዝገብር'ዩ" ክብል እቲ ሕብረት ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ'ሎ።

"ሕብረት ኣውሮጳ ነዞም ዝተጠቕሱ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝኾነ ገንዘብ ከይህብ ተኸልኪሉ ኣሎ።"

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ እቲሕብረት ንህወሓት ናብ ስልጣን ንምምላስ፡ "ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽልኢ" ክፈጥር ይፍትን ኣሎ ክብል ከሲሱ።

"ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ዝፈረሰ ጉጅለ ህወሓት ንምድሓንን ናብ ስልጣን ንምምላስን ብህልኽ ይሰርሕ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ሕብረት ነቲ ኣብ ትግራይ ብምእታዉ፡ ከቢድ ግፍዕታት ከምዝፈጸመ ዝኽሰስ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ክልል ክወጽእ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ'ዩ። ኤርትራ ነቲ ብሓይልታታ ተፈጸሙ ዝብሃል ክስታት ይኹን ህላወ ሰራዊታ ኣብ ክልል ትግራይ ክትነጽጎ ምጽንሓ ይዝከር።

ኣብ ኤርትራ ላዕለዎት ሚኒስትራት መንግስቲ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ዝርከብዎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ብኣባለት ጸጥታ ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ተሰዊሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ሕንጻ ኤውሮጳዊ ሕብረት

ምንጪ ስእሊ,GETTY IMAGES

ካብዚኣቶም፡ እቶም ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣባላት ናይቶም ብ"ጉጅለ-15" ዝፍለጡ "ንምልካዊ" ኣካይዳ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነቐፉ ላዕለዎት ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝነበሩ ኣባላት ናይቲ ሕጂ ፈሪሱ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ይርከብዎም።

ኣብቲ እዋን ኣብ ቀይይ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት'ውን ክሳብ ሎሚ ተሰዊሮም ምህላዎም ይግለጽ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ነታ ሃገር ኣስታት 30 ዓመታት መሪሕዋ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኩሎም "ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ'ዮም" ብምባል ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎም'ኳ ክምጉት እተንጸንሐ፡ ወግዓዊ ክሲ ኣይመስረተሎምን፡ ኣብ ዝኾነ ቤት ፍርዲ'ውን ኣየቕረቦምን።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰባዊ መሰላት ዜጋታቱ ክግህስ ምጽንሑ ይኸሱ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሕብረት ኣውሮጳን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እናሻሕከረ ይመጽእ ምህላዉ ይንገር።

 

Last modified on Tuesday, 23 March 2021 21:14