ሓደ ጫፍ ጥራይ ኣብ ክንዲ ንጐትት

2021-01-22 19:44:48 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1175 times

ተረኽቦታት ክንመዝንን ካብቲ ሚዛን መርገጽ ክንወስድን እንከለና ጉዳያትን ተረኽቦታትን ኢና ነወዳድር። ኣብ መስርሕ እቲ ምምዛን ኣብ ግጉይ መደምደምታ ምእንቲ ከይንወድቕ ከኣ ክንጥንቀቕን ንጉዳያት ብብዙሕ መልከዓት ክንርእን ይግበኣና። እቲ ኣብ ከምዚ ኩነታት ነዘውትሮ ጥንቃቐ ከኣ ሓደ ጫፍ ጥራይ ሒዝካ ብዘይምኻድ እዩ ዝግለጽ። ሓደ ጫፍ ጥራይ ሒዝና እንተከይድና ግና ሓደጋ ምኽታሉ ዘይተርፍ እዩ። ካብቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ  ምስቲ እቲ ካልእ ጫፍ ሒዙ ዝጐትት ኣካል ናይ ሓባር ረብሓን ሸቶን እንዳሃለወካ ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ህልኽ ከስዕብ ይኽእል። ናይ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ጠንቂ ዝኸውን ካብ ናትካ ንዝተፈልየ ናይ ካለኦት ሓሳብ  ቦታ ብዘይህብ “እታ ሓቅን ቅንዕትን ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ” ዝብል ጸቢብ ተረድኦ እዩ። እዚ ካብ ንኡስ ማሕበራዊ ርክባት ጀሚርካ ክሳብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ዘጋጥም ዘሎን ኣብ ተመኩርና ኣብ ብዙሕ መድረኻት ዝረኣናዮን ዋጋ ዝኸፈልናሉን እዩ።

ኣብቲ ጫፋት ምጉታት ከኸትል ዝኽእል ፍልልያት ዘስዕብ ምውድዳር፡ ናይ ቀደምን ናይ ሎምን፡ ዓብይን ንኡስን፡ ገዲምን ሓድሽን፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ሃይማኖታዊ እምነተይ እምነትካ፡ ቋንቋይን ቋንቋኻን፡ ከባብየይን ከባቢኻን፡ ተወጻዕን ወጻዕን……. ወዘተ፡ እንዳበልና ክንዝርዝር ንኽእል። ብዓብይኡ ከኣ ረብሓይዶ ረብሓኻ ዘንቅዶ ናይ ኣተሓሳስባ ውድድርን ምጉታትን ኣሎ። እዚ ምጉታት ኣብ ውሱን ኩርናዕ ዝድረት ዘይኮነ ሃገር ምስ ሃገር እውን ዝሕምስ ዘሎ እዩ። ኣብዞም ዝበልናዮም ውድድራት ከካብቲ ንጉዳያት እንመዝነሉ ኩርነዓት ዝነቅል፡ ሓላፍነታውያን እንተኮይና ክዕረቕ ዝኽእል፡ እንተ ጸቢብናን ሰሲዕናን ግና ናብ ዝበለሐ ጐንጽን ዕንወትን ዝወስድ  ፍልልይ ክፈጥር ይኽእል።  ናይዚ ኣብነት ንምርካብ ርሑቕ ከይከድና ናብ ህልዊ ኩነታት ዞባና ምቕላብ ጥራይ እኹል እዩ። ሃገርና ከኣ ናይዚ ዘሻቕል ተርእዮ ሞዴል እያ። እስኪ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ዘድሊ ልቦናን ምስትብሃልን ከረድእ እንከሎ ዝለገሶ ምዕዶ ንጥቀስ። ሓንቲ ካብተን 0-9 ዘለዋ መቑጸርታት ኣብ ወረቐት ተጻሒፋ ነይራ። ነዛ ቁጽሪ እቲ ሓደ ሰብ ካብ ናይታ ተጻሒፉዋ ዝነበረ  ኣተሓሕዛኡ ነቒሉ እዚኣ “ቁጽሪ 6 እያ” ኢልዋ። እቲ ሓደ ከኣ ካብቲ ናቱ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ናይታ ወረቐት ነቒሉ፡ የለን “የለን ቁጽሪ 9 እያ”  ኢልዋ። በዚ ክስሓሓቡ ዝተዓዘበ ሳልሳይ ኣካል ከኣ እቲ ፍልልይ ካብ ኣተሓሕዛ ናይታ ዝተጻሕፋ ወረቐት እዩ እምበር ክልቴኹም ቅኑዓት ኣለኹም በሎም። እታ ሓቂ ምስ ክልቲኦም እምበር ምስ ሓዲኦም ጥራይ ከም ዘይነበረት ኣረድኦም እሞ ካብ ምስሕሓብ ደሓኑ ይበሃል።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ህዝብን መንግስትን ምውድዳር ዝተለመደ እዩ። ከምቲ ግቡእ ህዝቢ፡ ህዝቢ እዩ። መንግስቲ ከኣ ብፈቓድ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን ካብ ህዝቢ ዝወጽእ ማዕረ ህዝቢ ናይ ምውድዳር መሰልን ደረጃን ዘየብሉ ትካል እዩ። እዚ ኣብ ንቡር ኩነታት ዝምድና ህዝብን መንግስትን ዝርአ እዩ። ኣብ ብዙሓት ብፍላይ ከምዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኢደወነናዊ ጉጅለ ህግዲፍ ግና ካብ ህዝቢ ተፈልዮም፡ ጠጠው ዝብልሉ ሕገመንግስታዊ ባይታ ስለ ዘየብሎም፡ ዘይናቱ ክነሶም ምስቲ ህዝቢ ተላሒጎም “ሓደ ኢና” ክብሉ ይፍትኑ። “ንሓና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ዝብል ናይ ህግዲፍ ናይ ሓሶት መዝሙር’ኳ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ብመንጽር’ቲ  ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍ ዘሎ ዝምድና ፈጺሙ ግጉይ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ኣእትዩ ራስያታት ይፍጽም ከም ዘሎ ብሰፊሑ ናይ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ  ዘሎ እዩ። ብዙሓት ተጋሩ “ህዝቢ ኤርትራ ወሪሩና” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ሓያሎ ኤርትራውያን ከኣ ምናልባት ስም ህግደፍ ብሕማቕ ክለዓል እንከሎ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ይልክሞ እዩ ዝብል ብዝመስል ነቲ ጉጅለ ናይ ምክልኻል ዝንባለ የርእዩ። እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዩ ንጉዳያት ኣብ ክንዲ ሓደ ጫፍ ምጉታት፡ ኣመዛዚንካ ምርኣይ ዘድሊ። ጉጅለ ህግደፍሲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ዶብ ሰጊርካ ዝፍጸም ምጥፍፋእን ሓጥያትን ኣብ ገዛእ ጉዳዩ እውን ህዝቢ ዝውክለሉ መርተዖ የብሉን። እዚ ነቶም ህግደፍ በዲሉና ዝብሉ ወገናት’ውን  ብሩህ ስለ ዝኾነ ምእንቲ ርትዓውነቶም ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ሓጥያት ከውጽእዎ ይግበኦም። እቲ ጉጅለ ግና መተሓጥይቲ ምእንቲ ክረክብ  ህዝቢ ክሕመ እንከሎ ከጽቅጥ ናይ ግድን እዩ።

“ሰራዊት ኤርትራ ናይ ህግዲፍ ድዩ ናይ ህዝቢ?” ዝብል እውን ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኢድ ኣእታውነትን ዝርያን ተተሓሒዙ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ  ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጸ፡ ረብሓኡ ካብ ረብሓ ህዝቡ ዘይፍለን ኣብ መጻኢት ኤርትራ ናይ ምትህድዳእ፡ ሓለዋን ምክልኻል ረብሓ ህዝብን ግደ ዝጽበዮ ስለ ዝኾነ ሰራዊት ኤርትራ ዘይበሃል ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦን ሕገመንግስታዊ ውክልና ዘይሃቦን ጉጅለ ህግድፍ ዝምረሓሉ ሕቡእ ፖሊሲ፡ ዝስልጥን፡ ዝዕጠቕን ተኣዚዙ ዝዋጋእን ምዃኑ ከኣ ህዝባውነት ከም ዘስእኖ ምዝንጋዕ ኣየድልን። ብመንጽር’ዚ እዚ ሰራዊት ናይ ብሓቂ ወዲ ህዝቢ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ብዛዕባቲ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘውርዶ ዘሎ በደል ቃሉ ከስምዕን ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድን ይግበኦ። ኮታ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝቐርቦ ከርኢ ይግበኦ። እቲ ኢሳያስ ዝንየተሉ ሓይልን ዓቕምን ናቱ ናይቲ ሰራዊት ሓይሊ ስለ ዝኾነ “ ኣንጻር ህግደፍ ዘይለዓል ካብ እገለ ስለ ዝሰጋእኩ እየ” ኢሉ ዝሃድመሉ ምኽንያት ቅቡል ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ንቀጻልነት እቲ ጉጅለ ክብል ንብረት ዝራሲ፡ መሰላት ዝግህስን ተኲሱ ህዝቡ ዝቐትልን እንተኾይኑ፡ ግና “ናይ ህግዲፍ ዘይኮነስ ናይ ህዝቢ እዩ” ክትብሎ ኣጸጋሚ እዩ። በዚ ኮነ በቲ ኣብዝን ካለኦት ተሃወስቲ ጉዳያትን ኣብ ክንዲ ሓደ ጫፍ ምጉታት ምምዝዛን ኣገዳሲ እዩ።

Last modified on Friday, 22 January 2021 20:46