ሓለዋ ንልኡላውነትና ቀጻሊ’ዩ

2020-10-25 14:10:42 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1391 times

መሰረት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ልኡላዊት ሃገርን፡  ኣብታ ልኡላዊት ሃገር ኩሉ መሰላቱ ምውሓስን ምንባሩን ሎሚ’ውን ካብዚ መስመርዚ ከይወጸ ይቕጽል ምህላዉን ርዱእ እዩ። እቲ ናብዚ ዘብጽሕ ጉዕዞ ነዊሕን መሪርን፡ ክቡር ዋጋን ግዜን ዝሓተተን ሓያሎ ተኸታተልቲ ምዕራፋት ዝሓቁፍን ምዃኑ ህዝብና  ናብቲ ቃልሲ ክኣትውን እንከሎ ዝተረደኦ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ “ናጽነት ወይ ሞት” ዝብል ዝጨረሖ ኣምሪሑ ክስለፍ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ክሳብ ዓወት ተሪሩ ኣብ ቃልሲ  ክቕጽል  ዝወሰነ ምንባሩ  ዘመልክት እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣቐዲሙ ከም ዝመርርን ዝነውሕን ዝተረድኦ ጉዕዞ ተጓዒዙ ዝተሓተቶ ዋጋ ሳላ ዝኸፈለ ኤርትራ ብ1991 “ናጽነት ወይ ሞት” ግብራዊ ኮይኑ ናጻ ኮይና። ብሕጋዊ መልክዕ ከኣ ብመንገዲ ናይ ህዝባ ውሳነ (Referendum) ብ1993 ልኡላውነታ ለቢሳ። እዚ ካብቲ ምዕራፋት ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝደመቐን ዝለዓለን ነይሩ። እዚ ብኹሉ መለክዒ ጸብለል ዝብሉኻ ንሓቅን ፍትሕን ደፊኖም ብሓይሊ ዝንየቱ ዝነበሩ ናይ ግዳም ገዛእቲ፡ ብሳላ ሓድነትን ትብዓትን ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ብዘየዳግም ዝተበደሃሉ እዩ። እዚ ተመኩሮ ንካለኦት ምእንቲ መሰል ርእሰ ውሳነኦም ዝቃለሱ ወገናት’ውን ኣፍደገ ዝኸፈተን ሓድሽ ምዕራፍ ዓወት እዩ። ብዘይካዚ እዚ ምዕራፍዚ ነቲ ቀጻሊ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት “ድሕሪ ናጽነት’ውን ግድል ኣሎ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ” ዝተዘመረሉ ምዕራፍ ቃልሲ መንገዲ ዝጸርግ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ካልእ ወሳኒ ዝገበሮ ምኽንያት እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ቀጻሊ ምዕራፋት ቃልሲ ንምዕዋት ዝጽበዮ ጻዕርን ቃልስን ከም ዝህሉኳ እንተዘይዘንገዐ፡ ብመንጽርቲ ምእንቲ ናጽነትን ልኡላውነትን ዝተኻየደ ቃልሲ፡ እዚ ዳሕረዋይ ዝቐለለ  ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ነይርዎ። እዚ ግምቱ ከኣ ኩልና ኤርትራውያን፡ በሃግቲ ሰላም፡ ልዕልና ሕጊ፡ ምኽባር መሰረታዊ መሰላት፡ ሰላምን ዲሞክራስን ስለ ዝኾና፡ ዓቕሚ እንተዘይሓጺሩናስ ኣብ ሕድሕድና ምውጣጥን ምጥልላምን ኣይክህሉን እዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ እዩ። ብግብሪ ግና እቲ ኩነታት ከምኡ ኣይኮነን። ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ኤርትራዊ ዝመስል ብግብሪ ግና ካብ ገዛእቲ ዘይድሕር ጸረ ህዝቢ ጉጅለ ህግዲፍ ስለ ዝተፈጥረ።

ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ልኡላውነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኮይና ምስተመዝገበት፡ ኣብ ጉዳይ ምህናጻ እንተዘይኮይኑ ኣብ ቀጻልነታ ከም ልኡላዊት ሃገር ዘማትእ ኣይነበሮን። ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ በቶም ክገዝእዋ ፈቲኖም ዝተሳዕሩ “ገዛእቲ ነበር” እውን ንልኡላውነታ ንድሕሪት ዝመልስ ሕቡእ ስምዒት እንተዘይኮይኑ ሰማዒ ዝረክብ ድምጺ ኣይነበሮን። ኣብ ገዛእ ከርሳ ኣንጻራ ዝተጠንሰ ሎሚ መዓልቱ ሓልዩ ዝውለድ ዘሎ ጥልመት ከም ዝነበረ ግና እነሆ ሎሚ ተጋሂዱ።  ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ እሞ ሰብ ኣኪበን ይወልደኦ” ዝበሃል ከኣ ኢሳያስ ወዮ ውሽጠ ውሽጢ ዝሓቑኖ ዝነበረ ተንኮል  ብዘሕፍር ኩነታት ተጠሊዑ ክድርጐሖ ንሰምዖ ኣለና። እቶም ንኤርትራ ከም ጡብ ኣዲኦም ቀቢጾማ ዝነበሩ ተረፍመረፍ መግዛእቲ ከኣ ብሃተፍተፍ ዲክታተር ኢሳያስ ተተባቢዖም ናብ ባሕሪ ኤርትራ እንዳማዕደዉ ከንባህቑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ካብዚ ሎሚ ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ኢሳያስን ጉጅለኡን  ዝተዓጸወ መዛግብቲ እንዳገንጸልካ ናይ ጣዕሳ ንፋስ ናይ ምዝራው ሃቐነታት ብዙሕ እንመሃሮ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ኣብ መስርሕ ዝተናውሐ ቃልሲ ሓደ ምዕራፍ ዛዚምካ ናብቲ ዝቕጽል ክትቋመት እንከለኻ፡ ናብቲ ዝተሰግረ ምዕራፍ እውን ምቕላብን ቀጻሊ ሓለዋ ምክያድ ዘይስገር ሓላፍነት ምዃኑ እዩ። ብግብሪ ኣብዚ ብኸመይ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ኮይና ኣብ ድልዱል መሰረት ምእንቲ ክትህነጽ ክንቃለሰሉ ዘለና ምዕራፍ ንልኡላውነታ ዝምልከት ቀጻሊ ሓለዋ ከም ዘድልየና ንዕዘብ ኣለና። እነሆ ከኣ ወዮ ናብ ብኸመይ ኤርትራ ሕገምንስታዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራስያትዊትን ትኸውን ኣድሂቡ ዝነበረ ምሉእ ዓቕምና፡ እንተላይ ናብ “ብኸመይ ኤርትራዊ ልኡላውነት ይዕቀብ” ናብ ዝብል ከነማዓዱ ኣብ እንግደደሉ፡ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ምዕራፍ ክንኣቱ ተገዲድና ኣለና።

ኤርትራ ናይ ጽባሕ  እንታይ ዓይነት ስርዓተ መንግስቲ የድልና? ዜጋታታ ተጠቀምቲ ናብ ዝኾንሉ ደረጃ ንምብጻሕ ኣየናይ መንገዲ እንተሓዝና እዩ ዝምረጽ? ኣብ ዝብሉ ተወዳደርቲ ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫታት ከም ዘለና ፍሉጥ እዩ። ዕላማና ሓደ፡ ኤርትራ ናይ ምህናጽን ምምዕባልን እንዳሃለወ ኣብ ዝተፈላለዩ፡ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ናይ ምውዳብና ምስጢር ከኣ እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትና እዩ። እዚ ፍልልያትዚ ጽባሕ ኣብ ሕቑፊ ሓደ ህዝቢ ብድምጹ “ይርሓሰና” ዝበሎ ሕገመንግስቲ ስለ ዝመሓደር ጸጋ እምበር ዘሰክፍ ኣይኮነን። ናብኡ ክንበቅዕ ግና ናይ ግድን “ናይ ኩልና” እንብሎ ውሑስ ናይ ሓባር መዋስኢ መድረኽ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ። ንሱ ከኣ ኤርትራዊ ልኡላውነት ኣጽኒዑ ዝዓቀበ ናይ ሓባር  መድረኽ እዩ። ምጥርናፍ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ከም ኣውንታዊ ኣብነት ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ዝጥቀስ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተዋሕሰሉ ነናትካ ኣተሓሳስባ መዚዝካ ንቕድሚት ኣምጺእካ ምውጣጥ ግና ከምቲ “መርዓዊ ዘይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዝበሃልዩ ክኸውን። ስለዚ ነዚ ንኹልና ዘዋስእ ናይ ሓባር  ልኡላዊ መድረኽ ኩልና ብሓባር ክንዕቅቦ ናይ ምርጫ ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ። ሓቢርካ ምቅላስ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ግዜታዊ ግደታ እምበር፡ ተደለኻ ትኣትዎ እንተዘይደለኻ ከኣ ትጥንጥኖ ኣይኮነን።

እዚ ዕማምዚ ትሕቲ ኤርትራውነት ዝኾኑ ስምዒታትን ናይ መንነት ኣተሓሳስባን ንቕድሚት መዚዝና ወይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ጉዳያት ንምጽብጻብ ቀዳምነት ሂብና ንሓለዋ ልኡላውነትና ካለይ ደረጃ እነትሕዞ ዋኒን ኣይኮነን። ንኹሉቲ ጸጋታትና ዝኾነ ብዙሕነትና ኣመሓዲርና ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ከምትህነጽ ከይዘንጋዕና ኤርትራዊ ልኡላውነት ኩልና ኤርትራውያን በብዓቕምና እነበርክተሉ ሰፊሕ፡ ወሳንን እዋናውን መድረኽ እዩ።

Last modified on Sunday, 25 October 2020 15:12