ሓድነትና ናይ ምህላውና ኣጀንዳ’ዩ

2020-10-08 08:37:19 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1409 times

ሓድነት ክንገብር እንከላና በቲ ሓድነት ኣቢልና እነረጋግጾ ናይ ሓባር ዕማም ክህልወና ናይ ግድን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ንሓድነት ክንጣበቕ እንከለና ህልውና ናይታ ናይ ኩልና ኣደን ሓብሓቢትን ዝኾነት ሃገርና እንዕቅበሉ መተካእታ ዘየብሉ ፍቱን መሳርሒና ስለ ዝኾነ ኢና። ህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ዘየገድሶም፡ ምናልባት እውን “ኣብ ምፍራሳ ረብሓ ኣለና” ኢሎም ዝሓልሙ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓይልታት ከኣ ኣንጻርዚ ዋሕስ ህልውነኣ ዝኾነ ሓድነት ክዓጥቁ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ሓድነት ነቶም ህልውና ልኡላዊት ሃገርና ዘገድሰና ኮነ፡ ነቶም ከዳኽምዋ ዝሓልሙ ወገናት እምኒ ማእዘን እዩ።

ኤርትራ ህልውነኣ ዘውሓሰት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕገመንግስታዊት፡ ዲሞክራስያዊት፡ ሰላማዊትን ምዕብልትን ሃገር ንክትከውን ዝብህጉ ደቃ፡ ብመብጸዓ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ንክሃንጽዋ ሓድነቶም ክዕቀብ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ሓድነት ጸረ ሃገር ዝኾኑ ገዛእቲ ንምንብርካኽ ጥራይ ዘይኮነ ምዕብልትን ቅስንትን ሃገር ንምህላው እውን ወሳኒ እዩ። ብኣንጻርዚ ብስማዊ ሃገርነት እንዳጨርሑ፡ ብዛዕብ ናይ ህዝባ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕቤት፡ ሰላምን ምሉእ መሰል ህዝባን ዘይግደሱ፡ ብዛዕባ ሲንጋፖር እንዳጨርሑ ናብ ኣተሓሳስባ ሰሜን ኮርያ ዝገሹ ጐሓላሉ፡ ብባህሪኦም ናይዚ ሃገር ናይ ምህናጽን ምሉእ መሰል ናይ ምውሓስን ሓድነት ተጻባእቲ እዮም።

ሓድነት ናይቶም ዕማሞም ብሓባር ዘዕውቱ ወገናት ክቡር ዋጋ ዘኽፍል፡ ግዜ ዝበልዕን “ኣብዚ ኣኺልዎ እዩ” ዘይበሃል ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ብሓደስቲ ምዕባለታት እንዳተገርሐ ዝጐዓዝ እዩ። እቲ ምእንቲ ሓድነት ዝኽፈል ዋጋ ብገንዘብ ዘይትመን፡ ግና ኣብ ኢድና ዘሎ እምበር ካብ ግዳም ብመልክዕ ሓገዝ ዝብርከት ውህብቶ ኣይኮነን። ነቲ ብሰንኪ ብኩራት ሓድነት ዘጋጥም ኣሉታዊ ሳዕቤንን ብሳላ ሓድነት ዝርከብ ጸጋን ከከም ጣዕሙ ከነስተምቕሮን ክንግንዘቦን እንተዘይክኢልና ንሓድነት ክንበቅዕ ኣይንኽልን ኢና። ተመኩሮና እንተዳስሲናዮ ከኣ ሓድነት ኣብ ዝበኾረሉ  ድኽመት፡ ሓድነት ኣብ ዝሃለወሉ  ከኣ ኣሳልጦን ብርታዐን  ምዃኑ ምርዳእ ኣየጸግምን።

ንህግዲፍ ስዒርና፡ ነቲ ብሰንኩ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ድሕረት፡ ጨንቂ፡ ድኽነትን ክሳራን ንምውጋድ እንቃለሰሉ መዳያት ብዙሕ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ንሽሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝበሃል፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ምዕዋትና ምስጢር ካብ ሓድነት ወጻኢ ዝምዘን ኣይኮነን። ስለዚ ኢና ከኣ “ሓድነትና ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኣጀንዳና’ዩ” እንብል። ወሳኒ ግብራውነት ናይዚ ኣጀንዳ ከኣ ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮ ቃልስናን ዓወትናን ተመስኪሩ እዩ። ገዛእትና እውን  ምስጢር ዓወትና ምዃኑ ተረዲኦም ዝተዓጥቁ እንተተዓጠቑ፡ ሓድነትና ክሳብ ዘየፍረሱ መግዛእታዊ ቀጻልነቶም ኣብ ኤርትራ ከረጋግጹ ከም  ዘይክእሉ ተረዲኦም ብዙሕ ሓድነት ዝፍሑቕ መጻወድያታት ዘርጊሖም እዮም። እንተኾነ ሳላ ጽንዓትን ኣርሒቕካ ምርኣይን ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ዘጻወድዎ መፈንጠርያታት ዋላ ሓንቲ ኣይሓዘሎምን። ጉጅለ ህግዲፍ እውን ምስቲ ሎሚ ዘለናሉ ምዕባለ ዝተፈልየ ምዃኑ ደኣ ብመልክዕ ይፍለ እምበር፡ ንሓድነትና ብኸምቲ ከገልግሎ ዝኽእል ንምልማሱ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓለን። ዕድሜኡ ካብ ዘሕጽሩ እቲ ቀንዲ  ሓድነት ህዝብና ምድልዳል ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ከኣ፡ ምእንቲ ቀጻልነቱ ካብ ምድኻም ሓድነት ህዝብና ንድሕሪት ከምዘይብል ርዱእ እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ንምስዓር ካብ ሓድነት ናይቶም ኣብ ኤርትራ  ወጽዓ ፈሪሱ ራህዋ ክህነጽ እንቃለስ ወጻኢ ካልእ ተኣምር ከምዘየለ ካብ እንርዳእ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ሃገርና ናብ ንቡር ክብራ ደይባ ንክትምዕብል ዝብል ሓሳብ ኣብ ቅድሚት ምስ ተሰርዐ፡ እዞ እዚ ብዘይሓድነት ኣብ ግብሪ ከምዘይውዕ ዝተረድኡ ወገናት ገለን ብውዱብ ገለን ከኣ ብውልቂ ምእንቲ ሓድነት ክምሕጸኑ ጸኒሖም። ውጽኢቱ ግና ኣይኮነንዶ ሽዑ ሎሚ እውን ትሕቲ’ቲ ንደልዮ ምህላዉ ርኡይ እዩ። ንሓድነት ክሳብ ክንድዚ እንዳበሃግናዮ እሞ እቲ ናብኡ ዘብጽሕ መንገዲ ኮነ ዝኽፈሎ ዋጋ ኣብ ኢድና እንዳሃለወ፡ ስለምንታይ ደኣ ከምቲ ንደልዮ ዝይሰለጠና? ዝብል፡ ብፍላይ ኣብዚ ወጽዓ ህዝብና እናዳኸበደ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ናይ መብዛሕትና ሕቶ እዩ። ከምቲ ሓድነት ንህግዲፍ ናይ ምስዓር ኣጀንዳናን ምስጢርናን’ዩ እብሎ፡ ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ግድን  ክርከብ ዝግባኦ እምበር ጓሲኻዮ መሕለፊ ኣቋራጭ መንገዲ የለን።

ከምቲ ሓድነት መስርሕ እዩ ዝበልናዮ፡ ኣብቲ ናይ ምርግጋጹ ጉዕዞ እንዳጋላህካዮም ዝሕለፉ ዕንቅፋታት ኣለዉ። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ናይ ካለኦት ሃገራት ወይ ህዝብታት ተመኩሮ ከይተጸበና ናይቶም ፈቲናዮም ግና ዘይተዓወትናሎም ከም፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊሕ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካልኦት ግንባራትን ልፍንትታትን ክንመሃረሎም ይግበኣና። ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ግዜቲ ተዋሳኢ ዝነበረ፡ ውድብ፡ ሰልፊ ኮነ ባእታ፡ “ሽዑ ክገብሮ ዝግበኣኒ ዝነበረ ዘይገበርኩዎ እሞ ሎሚ ክደግሞ ዘየብለይ እንታይ ኣሎ?” ኢሉ ክሓትት ግዜኡ እዩ። ክገብሮ ዝግበኦ ዝነበረ ዘይገበሮ ከም ዝረክብ ፍሉጥ እዩ። ምርካብ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ግድን ሎሚ ከዕርዮ ክበቅዕ ይግበኦ። ከምዚ ዓይነት ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ሕድገትን እንተዘየጥሪና ግና ወትሩ  ብሓድነት መከቲ ዘይኮና ናፋቕቲ ኮይና መፍቶ እቶም ሓድነት ክለዓል እንከሎ ርእሶም ዘሕምሞም  ክንከውን ኢና።

ኣብዚ እዋንዚ  ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ፡ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ሓድነት ቅኑዕን ተስፋ ዝህብን እዩ። ፖሓኤ ሓድነት ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ዕማም እምበር ንዓኡ ጥራይ ከምዘይምልከት ተገንዚቡ፡  ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩርና ኣብዚ መዳይ ይመሃር ከምዘሎ ዘርእዩ ምልክታት እውን ኣለዉ። እንተኾነ ካብቲ ኣብ መስርሕ ሓድነት ክዓሞ ዝግበኦ ቁሩብ እዩ ሰጒሙ ዘሎ።  ስለዚ ምትእምማን እንዳኣሕየለ ነቲ ጉዕዞ ዘብዘብ ክውስኸሉ መድረኽ ዝሓተቶ ዘሎ እዩ። ነዚ ንክበቅዕ ከኣ ኩልና ዝያዳ ንቕድሚት ነማዕዱ እምበር፡ ብዝሓለፈ ቅርሕንቲ ተጸሊና ብጐቦ ዓይኒ ኣይንጠማመት። ካብ   ብዝሓለፈ ንጸባጸብ ዝያዳ ንመጻኢ ነማዕዱ፡ “እቲ መዋጸኦ ንናይ ኩልና ኣተሓሳስባ ኣብ ግም ዘእትወ እምበር ኣባይ ዘሎ ጥራይ ኣይኮነን” ንበል። ማዕጾ እንካን ሃባን ምጽውዋርን ኣስፊሕና ንኽፈቶ። ነዚታት እንተርዒምናዮ  ኣብ ቅድሜና ጠጠው ዝብል ጸረ ሓድነት ተሰዓራይ እዩ። ኮታ ሎሚ ሓድነት ንኤርትራውያን ቀዳምነት ዝሕዝ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኣጀንዳ ምዃኑ ንካልኢት’ውን ኣይንዘንግዕ።

Last modified on Thursday, 08 October 2020 10:39