ሕድሪ ስዉኣት ዝጠለመ፡ ብስዉኣት ክሽቅጥ ላግጺ‘ዩ

2020-06-16 17:00:12 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1553 times

ሰማእታት ወይ መስዋእቲ ማለት፡ ካልኦት ወገንካ ወይ ህዝብኻ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት በደል፡ ዓመጽ፡ ርግጸት ሰብኣዊ መሰል ነጻ ኮይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብሰላምን ቅሳነትን መታን ክነብሩ፡ ብፍቓድካ ምእንትኦም ብህይወት ምብጃው ማለት‘ዩ።

እዚ መስዋእቲ‘ዚ፡ ከምቲ ጉዕዞ ሓደ ማይልስ ብሓደ ስጉምቲ ይጅመር ዝብልዎ ምስላ፡ ቀዳሞት ክሓልፉ ብዳሕረዎት እናተተክአ እቲ ዕላማ ክሳብ ዝዕወትን ንዝተረኽበ ውጽኢት ዓቂብካ፡ ዳሕራይ ወለዶ ኣብ ዝኾርዓሉ ደረጃ ንኽበጽሕ ንመዋእል ዝቕጽል ባህርያዊ መስርሕ‘ዩ። ስለዚ‘ዮም ድማ ጀጋኑ ሰማእታትና፡ እታ ናይ መወዳእታ ህይወቶም ክትሓልፍ ከላ ሕድርኹም እዛ ሃገር እናበሉ ረዚን ሓላፍነት ኣሰኪሞሙና ዝሓለፉ።

ሃገር ማለት ከኣ ጎቦ ኩርባ ስንጭሮ ሩባ ዘይኮነስ፡ እቲ ምእንትኣ ዝብጀዉ ጀጋኑ ዝወለደ ህዝባ ሕጋዊ ክብሩ ተዓቒቡ ንቀጻልነታን ዕቤታን ሓላፍነት ተሰኪሙ ንዳሕረዎት ከመሓላልፍ ዝኽእል ህዝቢ ማለት‘ዩ።  ሎሚ ኣብዘን ኣዋርሕ 24 ግንቦትን 20 ሰነን ኴንና ክንሓስብ ከሎና፡ ዓሚቝ ምስጢር ሕድሪ ሰማእታትናን ተግባራዊ ኣካይዳ ህሉዋትን ብሓፈሻ፡ ኣረዳድኣ መንእሰይ ንምዕቃብን ንምቕጻልን ዘሎ ተኽእሎ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ከም ዘሎ ኣብ ውዱእ ገምጋም ክንበጽሕ‘ዩ ዘነጽረልና። እዚ ማለት እታ ብክንደይ መስዋእቲ ዝተረኽበትን ብታሕጓስን ደስታን ዝላን ደበላን ዝተቐበልናያ ነጻነት ብሓቂ ዕላምኣ ወቒዓዶ ወይ በርዒና። ሕድሪ ሰማእታት መሊስናዶ ወይስ ጠሊምና ዝብል ሕቶታት ብግቡእ ስለ ዘይመለስናእዩ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ሎሚ ዘሎናዮ ሕሰምን መከራን ኮይኑ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን‘ዚ ግን ኩሉ ሕቡእ ተቐሊዑ እሙንን ጠላምን ዝተነጸረሉ መድረኽ ስለ ዝኾነ፡ ብስም ስዉኣት እናታለልካ ምቕጻል ግዜኡ ዝሓለፎ ሽጣራ ጥራሕ ዘይኮነስ ብህይወት ዘሕትት ገበን‘ዩ። ዝኽሪ ሰማእታት እምበኣር ናይቶም ነጻነት ንምምጻእ ብረት ዝዓጠቑን ዘይዓጠቑን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከተማን ገጠርን፡ ምእንቲ‘ዛ ሃገር እናተቓለሱ ብጸላእን ዘቤታዊ ጠላማትን ዝተሰውኡ እኩብ ድምር ዝተገልጸን ዘይተገልጸን ቍጽሪ ሰማእታት ዘጠቓለለን ንዘልኣለም ክትዝከርን ክትከብርን ክትነብር ዝግበኣ ዕለት‘ያ።

ኣብዚ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ‘ውን፡ መስዋእቲ ናይቶም ድሕሪ ነጻነት ኣብ ልምዓት ሃገር ዓቢ ግደ ክህልዎም ዝግባእ ክንሱ፡ ብግጉይን ዘይሓላፍነታዊ ፖሊሲ ኢሳያስን፡ ንስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ዝጻሕተሮ ናይ ጐረባብቲ ውግኣትን መጻኢ ዕድሎም ጸልሚቱዎም ኣብ ጉዕዞ ስደት ህይወቶም ዝሓለፉን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ በቲ ከዳዕ ኢሳያስ ኣይከሰርናን ኢሉ ዝኸሓዶምን ዘጠቓልል ምዃኑ‘ዩ። እዚ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝነበረ ዓይነት መስዋእቲ ክኸውን ከሎ፡ ብመሰረት እዚ ኣብ ከባቢና ብፍላይ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ዘይርጉእ ኣካይዳ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት ክንሱ፡ ሰኽራም ኢሳያስ፡ ‘‘ጉዳይ ኢትዮጵያ ትም ኢልና ኣይንርእዮን ኢና‘‘ ምባሉን፡ ሎሚ‘ውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከተካ ትዕደም ምህላውካ ክትፈልጥን እምቢ ክትብልን ይግባእ። ከምዚ ዓይነት ምኽርን ሓበሬታን ወዮ ድኣ ኣይተሰምዐን እምበር ተደጋጊሙ ይግለጽ ምንባሩን ብዘይምስማዕካ ዝኸሰርካዮም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰይ ደቅኻ ተመሊስካ ምስትብሃል ኣድላዪ‘ዩ።  

ገለ ካብኡ ድማ፡ መጀመርያ 1994 ሃገራዊ ኣገልግሎት ንልምዓት ሃገር ብዝብል ምስምስ ወተሃደራዊ ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን፡ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ እቲ ዕላማ ንልምዓት ዘይኮነስ መዓስን ምስ መንን ምዃኑ ኣብ ዘይተፈልጠ ኲናት ትዳሎ ምህላውካ ክትርዳእን እምቢ ክትብልን ከም ዝግበኣካ ምግላጻ ትርስዖ ኣይብልን‘የ።

ኣብዚ እዋንዚ ዕድመ ስልጣን ውልቀ-መላኺ ንምንዋሕ ኣብ ዝሕሰብ መገዲ ዕንወት፡ ብቀዳምነት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ስዒቡ ድማ መላእ ደላይ ሰላምን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ኣብ ምድምሳስ ጭፍራ ህግደፍ ክምክት ግዜ ዘይህብ ህጹጽ እዋን ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ። እዚ መሃንድስ ጥፍኣት‘ዚ ከየልገሰ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ኤርትራዊ ድማ ከም ነጻን መንነትን ክብርን ዘለዎ ዜጋ ኮይኑ ክነብር መደብ ኮነ ድሌት ከም ዘየብሉ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ጭቡጥ ምስክር‘ዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግን መደብ ሰሪዑ ሃገር ኣዕንዩ ንህዝባ ኣጥምዩን ኣጽኒቱን ኣብ ዝተናውሐ መስርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላሳ መደቡ ንምዕዋት ይሰርሕ ምህላዉ ተረዲእና ክንቃለሶ ዘይምኽኣልና‘ዩ።  ነዚ ፈሊጡ ድማ‘ዩ ባዕሉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት “ ስምረት ምስ ኢትዮጵያ ዓመታት ይውሰድ ዘመን ብዘየገድስ ክትግበር ከም ዝከኣልን፡ በቲ ኤርትራ ኣብ ካርታ ናይ ዓለም ስለ ዝኣተወትን ናይ ባዕላ ባንዴራ ስለ ዘለዋን ትርጉም ኣለዋ ክትብል ኣይከኣልን‘ዩ፤ ሓደ ባንዴርኡ ኣብ ዓለም ዘንበልበለ ህዝቢ ጠምዩ ዝሓድርን መነባብሮኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ዝኸይድ እንድሕሪ ኮይኑ ሃገር‘የ ህዝቢ‘የ ክብል ኣይክእልን‘ዩ“ ኢሉ ክገልጾ ከሎ ሳዕቤኑ ክንርዳእን ካብኡ ንምድሓን ብኩሉ ዓቕምና ክንሰርሕ ዘይምኽኣልናን‘ዩ። እቲ ሕጂ ብምስጢር ዝመሃዝ ዘሎ መደብ ከኣ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኤርትራን ኤርትራዊ መንነትን ደምሲስካ፡ ሓንቲ ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ሕቡእ ዕላምኡ ንምፍጻም፡ ኣብ ሓደ ናይ ሃገርን ኤርትራዊ መንነት ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቃራና መገዲ ምህላውና ዘመልክት ብጫ መብራህቲ‘ዩ። ስለ ዝኾነ፡ መልስና ንሓድሽ ናይ ጥፍኣት መደብ ኢሳያስ እምቢ ምባልን ነጻነት ንምዕቃብን ንዘጋጥም መሰናኽላት እናመከትና ቍልፊ ሓድነት ተቐኒትና ክሳብ ፍጹም ዓወት ምቕጻል ኮይኑ፡ ቀዳማይ ዕዮ ገዛ ናይ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ማለት ልዑላውነት ሃገር ከይድፈር ውልቀ ምልኪ ከይፍጠር ሕግን ስርዓትን ብግቡእ ክትግበር ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ቀሲኑን ከቢሩን ክነብር ክሕሉን ክከላኸልን ሓላፍነት ዝተሰከመ ሃገራዊ ሓይሊ ስለ ዝኾነ።

በዚ መስረት ብሕጂ ዝፈስስ ደም ከይህሉ ዘይተርፍ እንተኮይኑ ግን ንረብሓን ድሕነት ሃገርን ህዝብን እምበር መሳርሒ ውልቀ መለኽቲ ክኸውን ከም ዘይብሉ ምርዳእ ወሳኒ‘ዩ። እዚ ጥራሕ‘ዩ ከኣ ፋሕጠርቲ ኣጻፍር ኢሳያስ ዶብ ከይሰግራ፡ ክቅርሰማን ኤርትራ ልዑላውነታ ዘረጋገጸትን ብጀጋኑ ደቃ ዝተሓጽረትን፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብሰላም ዝነብረላን ሃገር ክንሃንጽ ዘኽእለና። ስለዚ ዘሎናዮ እዋን ደጋፍን ተቓዋምን ካብ ዝብል ኣረጊት ኣተሓሳስባ ወጺእና፡ ኣብ ልዕሌና ዘንጸላሉ ዘሎ ደበና መግዛእትን ምብርዓን ሕድሪ ሰማእታትና ክንምልስን ከነኽብርን ኣብዛ ክብርቲ ዕለተ-ዝኽሮም 20 ሰነ ቃል ኪዳንና ከነሐድስ‘ዩ ዝግበኣና። ክሳብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ብዙሕ ዝተሓብአ ምስጢራት ዝፈጠሮ ናይ ምድንጋር ተኽእሎ ምንባሩ ዝግመት ኮይኑ፡ ሎሚ ግን ቅሉዕ ድሌት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝተነጸረሉ እዋን ምስኡ ምውጋን ኣብ ዘይወዓልካዮ ገበን ኢድ ምሕዋስ ስለ ዝኾነ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ብፍላይ ኣብ ምክልኻል ሓይልታት ዘለዉ ዜጋታትና ክሓስብሉን ምስ ደለቲ ፍትሒ ክውግኑን ንመኽሮም። ካብኡ ብዘይፍለ ድማ ንኩሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝነብር ቀንዲ ግዳይ ናይዚ ውልቀመላኺ ዝኾኑ መንእሰያት በቲ ዕላምኡን መዕለቢኡን ዘይፍለጥ ናይ ምቅላስ ሸውሃት ዝዘርግ፡ ናይ ገለ ሰባት መግለጽን ሓበሬታን ብንቕሓት ክትምክቱን ኣንጻርዚ ብዕድልኩም ዝጻወት ጕጅለ ኢሳያስ ብሓባር ክትቃለሱን ኤርትራዊ ምኽረይ እልግሰልኩም።

ነዚ ንምዕዋት ክትለብሱዎ ዘሎኩም ዕጥቅን ስንቅን ከኣ ሓቀኛ ኣቃውማን ኣብ ሕግን ፍትሕን ዝነብሮ ብቕዓትን፡ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝነብሮ ፍቕርን ሓድነትን ንሱ ዝፈጠሮ ብሓባር ተቓሊሱን ብሓባር ተሰዊኡ ነጻነት ናይ ዘምጽአ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብግቡእ ክትፈልጡ መተካእታ ዘየብሉ ኣማራጺ እዩ። እዚ ከኣ ብሓቂ ክትጥቀሙሉ እንተክኢልኩም፡ ካብ ብዙሓት መጻሕፍትን ኣካል ናይዚ ነጻነት ዘምጽአ ሓርጐጽጐጽን ዝነበሩን ብህይወት ዘለዉ ዘመሓላልፉዎ ሃብታም ተሞኩሮ እናተመሃርካ ዝጥረ ጸጋ‘ዩ። ስለዚ ከምቲ ሓሓሊፉ ዝስማዕ ቃልሲ ኣረገውትን ንኣሽቱን ዘይኮነስ ንኩልና ብሓባር ዘጥቅዕ ለበዳ ስቓይ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ከነልግሶ ዝግባእ ሓባራዊ ሕማም ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግባእ። ኣብዚ እዋንዚ ውዳበ ዝለዓለ ጥርናፈ ናይ ለውጢ ምዃኑ እናተፈልጠ፡ ደምበ ተቓውሞ ብደረጃ‘ቲ ክኾንኦ ዝግብአን ክብርኻ ብዘይምኽኣለን መድረኽ ቀዲሙወን ከይከይድን ብቑዕ ብዘይኮነ ምኽንያት ዘልሓጥሓጥ ገዲፈን፡ ብዘይወዓል ሕደር ነዚ ውሁብ ወርቃዊ ዕድል መሪሑ ዘዐውት ጽላል ከቑማ ኣጥቢቐ እምሕጸነን።

ኣብ መወዳእታ፡ ንኩሎም ጸረዚ ድርብ ብድሆታት በብዝመስሎም ዝቃለሱ ኤርትራውያን ዘሎኒ ኣድንቖት እናገለጽኩ፡ ጽሓይና ዝበርቀሉን፡ ብዛዕባ ጸገምና ኣብ ርህውትን ፍትሓዊትን ኤርትራ ተራኺብና ነድግመሉ ነዊሕ ከም ዘይኮነ ዘሎኒ እምነት እገልጽ።

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና!

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!

ውድቀት ንጃንዳ ህግደፍን መሰልቶምን!

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

15 ሰነ 2020  

Last modified on Tuesday, 16 June 2020 19:03