ኣብ ክንዲ ዘጽድፍዎስ፡ ዝድግፍዎ!

2020-06-12 20:00:29 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1785 times

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ፡ ንገለ ዘርብሕ ነቲ ካልእ ከኣ ዝብድል ዘይኮነ፡ ንኩልና ኤርትራውያን ብሓባር ዝብድል ናይ ሓባር ጨቋኒና እዩ። ንሱ ግና ምግዛእና ምእንቲ ክጥዕሞ ዝተፈላለየ መከፋፈሊ ሜላታት እንዳፈጠረ፡ ናይ ሓደ ወገን ደጋፊ ናይቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቓፊ መሲሉ ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይውዕልን። ሃይማኖት፡ ኣውራጃ ዓሌት፡ ዕድመ፡ ጾታ ንዝኣመሰሉ ናይ ብዙሕነትና መርኣያታት ከከም ኣድላይነቱ ኣብ ምክፍፋልና ዝጥቀመሎም ዝህቅኖም እዮም።

ኣብ ሓደ እዋን እዚ ብዘብለጭልጭ ሕብሪ ቀባቢኡ ዘቕርቦ ዝነበረ ከፋፋሊ ኣካይዳኡን ዘይትግበር መብጸዓታቱን ብገለ ግሩሃት ተቐባልነትን ነይርዎ እዩ። ብሰንክዚ ከፋፋሊ ኣካይዳኡ ውሱን ባይታ ምርካቡ ከኣ ኩሎም ኤርትራውያን፡ ረብሓኦም ሓድነት፡ ናጽነትን ሓርነትን ክነሱ፡ ኣብ ሕድሕዶም ተረሓሒቖምን ተጻሊኦምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ስንብራቱ ብቐሊሉ ኣብ ዘይሃስስ ረጽምን ጐንጽን ዝኣተውሉ ተመኩሮ ኣሕሊፎም እዮም። ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ ተመኩሮ ግና፡ በቲ ሓደ ወገን ንቕሓትን ተመኩሮን ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ጉሒላ ጉጅለ ስለ ዝዓበየ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይቲ ጉጅለ፡ ከፋፋሊ፡ ጨካን፡ ዓመጸኛ፡ ሸፋጥን ጠላምን ባህሪ ብተግባሩ ኣብ ደባባይ ስለ ዝወጸ፡ “ኩሉ” ኢልካ ምጥቕላልኳ ዘጸግም እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ  ንህግዲፍ ንከጽድፎ ኣንጻሩ ክስለፍ እንከሎ “ኣብ ክንዲ ዘጽድፍዎ፡ ዝድግፍዎ” ሒደት ካብ ስኽራን ዘይተመልሱ የለዉን ማለት ኣይኮነን።

እቲ ጉጅለ ግና ከምቲ “ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ይፈኩስ” ዝበሃል፡ ከፋፊልካ ዕድመ ስልጣንካ ናይ ምንዋሕ ጽሓዩ ትዓርብ  ከምዘላኳ እንተዘይሰሓቶ፡ ቁልቁል እንዳ ተነቑተ ስቕ ኢሉ ክዕዘብ ስለ ዘይክእል፡ ሜላታት ቀይሩ ህዝቢ ንምክፍፋል ላዕልን ታሕትን ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓለን። ነዚ ንምዕዋት ከኣ ኣብ ልምዓትን ረብሓ ህዝብን ክውዕል ዝግበኦ ዝነበረ ገዚፍ ንዋት መዲቡ፡ ሓንሳብ ካብ ህዝቢ ምስ ረሓቑ ናብ ንቡር ህይወት ምምላስ ዘጸገሞምን ህዝቢ ካብ ምብዳል ዝዕንገሉን ልኡኻቱ መዲቡ፡ ሓድነት ህዝብና በቲኑ ብጽሒቱ ንምውሳድ ካብ ምዕልባጥ ዓዲ ኣይወዓለን። ካብዚ ሓሊፎም እቲ ጉጅለ ከምቲ ቀደም ዝንገሮም ዝነበረ፡ ጥዑይ መሲልዎም ኣብቲ ስዑር ሕዛእቲ እንዳኹደዱ፡ ኣብ ክንዲ  ዘጽድፍዎ ዝድግፍዎ ሓሓሊፎም ይረኣዩ እዮም።

ነዚ ብዝምልከት ኣብነት ክኾነና፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ሓደ ከምቲ “ብዘበን ውበ ዝጸመመስ ውበ ክብል ይነብር” ዝበሃል፡ ርእዩ ከምዘይረኣየ ኮይኑ ናብ ልቡ ምምላስ ዘጸገሞ ኤርትራዊ ከነዕልል ጀሚርና። ውዝቢ ኣብቲ ዕላልና “ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ኣሎዶ የለን?” ዝብል ጉዳይ ኣልዒልና። ናተይ ርኢቶ ፍሉጥ እዩ። እቲ ምሳይ ዘዕልል ዘሎ ንቡር ሰብ መሲሉኒ፡  ድሕሪ ውሱን መብርሂ “ኣብ ኤርትራ ደኣ እንታይ ፍትሒ ኣሎ” ኢለ ደምደምኩ። እቲ ምሳይ ዕላል ዝጀመረ ከኣ ነዓይ ከምዚ ብዛዕባ ኤርትራ ዘይፈልጥ ገይሩ ብምውሳድ “ፍትሕን ሰላምን ደኣ ከም ኣብ ኤርትራኸ ኣበይከ ኣሎ” ክብለኒ ጀመረ። ድሕሪዚ ኣብ ከውሒ ከም ዝጸመድኩ ተረዲአ፡ ኮንደኾን ይዕገሰለይ ኢለ፡ “ፍትሒ እንተዝህሉ ደኣ ስለምንታይ በዓል እገለ ክሳብ ሎሚ ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ኣለዉ?” ኢለ፡ ንገለ ፍሉጣት ኣባላት ጉጅለ-15 ጠቒሰ ሓተትኩዎ። እዚ ካብ ህግዲፍ ዕሙት ርኢቶን ባዶ ድፍረትን ዝወረሰ መተዓልልተይ፡ “ንሳቶም ደኣ ቀደም እንድዮም፡ ገሊኦም ንዕደመ-ልክዕ ማእሰርቲ ገሊኦም ከኣ ንሞት ብወዲ ኣፈወርቂ ተፈሪዶም” በለኒ። ድሕሪኡ እዚ ሰብ እቲ ሓድሽን ቁሩብ ርቕቕ ዝበለን ኣደጋግፋ ህግዲፍ ዘይኮነስ ኣብቲ ናይ ዘበን እኒእኒ ኣዳጋግፋ ከምዘሎን፡ ምስኡ ምዝራብ ኣብ ከውሒ ምጽማድ ምዃኑ ተገንዚበን፡ ነቲ ስቕ ኢሉ ዝዕዘብ ዝነበረ፡ ብናይቲ መማጽእቱ ኣዘራርባ ዝሓርበቶ ሳልሳይና ብዓይነይ ምልክት ገይረሉ ነቲ ጉዳይ ገዲፍናዮ ናብ ካልእ ዛዕባ ኣቲና።

“ኣደይ ዘዕጠቓኒ መቐነት ኣይፈትሕን” ዝብል ኣበሃህላ ናይ ጽንዓት ዘይኮነ ናይ ድርቅናን ዓሻ ህልኽን መግለጺ እዩ። “ገ እንዳበሉኻዶ ትጋገ” ከኣ ናይ ህድማ ዘይኮነ፡ ምዕባለታት ኣገናዚብካ ሚዛንካ ናይ ምትዕርራይ ውሕልነት እዩ። ኣብ ከምዚ ንሕና ኤርትራውያን ንርከበሉ ዘለና ኩነታት፡ ኣብ ሓደ እዋን ቅኑዕ መሲሉካ ዝረዓምካዮ ሚዛን፡ ደሓር ግና ብግብሪ ግጉይ ምዃኑ ምስ ተኣመንካ፡ “ደጊም የለኹሉን” ኢልካ መንገዲ ደሓን ምሓዝ ናይ መስተውዓልቲ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ከኣ ብዙሓት ትማሊ ንህግዲፍ ዝድግፉዎ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርሕርሕዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻሩ ዝቃለሱ ዘለዉ። ብኣንጻሩ ሓደ እዋን ቅኑዕ መሲሉካ ዝሓዝካዮ መንግዲ፡ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ ግጉይ መንገዲ ምዃኑ እንዳነገረካ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ” ብዝብል ኣምር ደሪቕካ፡ መሳርሒ ናይቲ ከተጽድፎ ዝግበኣካ ጉጅለ ደጋፊ ምዃን ናይ ጥዑያት ኣካይዳ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ነቶም ነቲ ጉጅለ ኣብ ክንዲ ዘጽድፍዎ ዝድግፍዎ፡ ምኽንያት መደገፊኦም እንታይ ምዃኑ ሓቲትካዮም፡ ካብ እንጽርጽሮትን ምጉብዕባዕን ሓሊፎም ዕቱብ መልሲ የብሎምን። ምናልባት  ካብቲ  ዝምልከቶም ኤርትራዊ ኣጀንዳ ወጺኦም ወያነ ከምዚ ገበረት በዚ ሓለፈት ካብ ምባል ሓሊፎም ካልእ መልሲ የብሎምን።  እቶም ኣብ ክንዲ ዝድግፍዎ ከጽድፍዎ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ግና ነቲ ጉጅለ  ዝቃወምሉ ምኽንያት፡ ሕድሪ ሰማእታትን መብጸዓ ህዝብን ስለ ዝጠለመ፡ መሰል፡ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ እምነት፡ ምንቅስቓስ ስለ ዝኸልአ፡ መወዳእታ ኣብ ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርና ስለ ዝንብር፡ ቋንቋ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ስለ ዘይዛረብ፡ ኣብ ገዛእ ብመስዋእትኻ ዘውሓስካያ ሃገርካ ሰሪሕካን ነጊድካን ክትዓቢ ናጽነት ስለ ዝነፍግ፡ ምስ ዲሞክራስን ምርጫን ስለ ዘይቃዶ፡ ብሕጊ ዘይኮነ ብጉልበትን ዓመጽን ስለ ዝመርሕ፡ ኤርትራዊ ጉዳይ ገዲፉ ኣብ እንዳማቱ ኢድ ስለ ዘእቱ፡ ኣብ ልኡላውነት ሃገር ስለ ዝዋገ፡…….ወዘተ እንዳበሉ፡ ነዊሕ ናይ መልሲ ዝርዝር ከቕርቡ ይኽእሉ። ስለዚ እቶም ከጽድፍዎ ዝግበኦም ዝድግፍዎ ዘለዉ ሒደት ኤርትራውያን ሕጂ እውን ደንጉዮም እምበር፡ እቲ ግዜ ስለ ዘይሓለፎም ሃየ በሉ  ናብ ልብኹም ተመለሱ ንብሎም።

Last modified on Friday, 12 June 2020 22:02