ድሕሪ ናጽነት ዝኣተናዮ ምዕራፍ

2020-06-02 06:06:52 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1501 times

ምውጋድ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብ24 ጉንበት 1991 ምስተጋህደ፡ ብግብሪ ኤርትራ ናጻ ሃገር ኮይና። ድሕሪ 3ተ ዓመታት ናጽነት ብ1993 ከኣ ብመንገዲ ረፈረንዱም ልኡላዊት ኮይና። እዚ ኩነታ ፖለቲካ ኤርትራ ሓደ ምዕራፍ ዛዚሙ ናብ ሓድሽ ሃገር ናይ ምህናጽ ምዕራፍ ምስግጋሩ ዘበሰረ  ነይሩ።

እዚ ኣብ ኤርትራ መግዛእቲ ዝተወገደሉ ማዕበል ኣብ ኢትዮጵያ እውን ለውጢ ኣኸቲሉ እዩ። እቲ ንኤርትራ ከም ቁርዲድ ጨምዲዱ ዝገዝእ ዝነበረ ስርዓት፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ እውን ስለ ዝተሳዕረ ኢትዮጵያ እውን ከም ኤርትራ ናብ ሕድሽ ምዕራፍ ኣትያ እያ። ዝርዝሩ ንኢትዮጵያውያን ዝግደፍኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ፡ ኢትዮጵያ መሰል ብሄራት ዝማእከሉ፡ ዘይምእኩል ምምሕዳር ዘውሕስ ሕገመንግስታዊ ባይታ ፈጢራ። በዘይካዚ ናብ ቅድሚ  ሕጂ ኣብ  ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕቤትን ሰፊሕ ዲፕሎማስያዊ ተፈላጥነት በጺሓ። ገለ ኢትዮጵያዊ ወገናት ግና ውድቀት ናይቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዝነበረ ሓይሊ፡ “ንኤርትራ ምስ ኣፍደገ ባሕራ ኣስኢኑና” ብዝብል ኣብ ዘይለዓቱ ተረድኦ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣትያቶ ዝጸንሐት ምዕራፍን መሪሕነቱን ኣይንእድዎን።

ኢሳያስ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንክልቴና ንክመርሓና ብስምዒት ዘይኮነስ ብልቢ ወኪለዮ ኣለኹ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብን ሃገርን ዘይኮና ሓደ ኢና፡ ኣብቲ ዳሕረዋይ ግዜ ውግእ ኣይከሰርናን፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ቃልሲ ከኣ 30 ዓመታት ኣባኺንና” ክብል ዝሰምዑ ኢትዮጵያዊ ወገናት፡ እዚ ዲክታተር ነቲ ብውድቀት ደርጊ ዝሰኣንዎ ኤርትራዊ ጸጋ ናብ ኢትዮጵያ ክመልስ ከም  ዝመጸ መልኣኽ ወይ ነብዪ ኣምሲሎም ከጸባብቕዎ ሰሚዕናን ተዓዚብናን። እዚ ንርዝነቲ ኤርትራ ናጻ ክትከውን ዝተኸፍለ ክቡር ኤርትራዊ ዋጋ ብምዝንጋዕ፡ ዋናቲ ናጽነት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ሓደ ጉሒላን መዕለበጥን  ጉጅለ ገይርካ ካብ ምርዳእ ዝነቅል ናይ ስንኩፋት ተረድኦ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ናጽነት፡ ንኢሳያስን ጉጅለኡን ብዛዕባ ድሕረ-ባይተኦም እኹል ኣፍልጦ ስለ ዘይጸንሖን ኣብ ናጽነት ብዝነበሮ ህርፋንን፡ “ሰብ ድሓን እዮም” ኢሉ ክቕበሎምን እምነቱ ከንብረሎምን ውሁብ ነይሩ። እቲ ጉጅለ ግና ነቲ ህዝቢ ብቕንዕና ዘንበረሉ እምነትን ኩነታቱ ኣማዓራርዩ ናብቲ ሓድሽ ምዕራፍ ንክሰጋገር ዝሃቦም ዕድልን መዝሚዙ እንታይ ከም ዝገበረ ኩልና እንፈልጦን ውጽኢቱ ሕጂ ንርእዮ ዘለናን እዩ። ሓደ ኣብነትኳ ንምጥቃስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕገመንግስቲ ክትግበረሉ እንዳተጸበየ፡ ኢሳያስ ግና እቲ ዝጸደቐ ተጓሒፉ’ዩ ምባሉ ናይ ጥልመቱ ዕምቆት መርኣያ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ካለኣይ ምዕራፍ ቃልሲ ይጽበዮ ከም ዝነበረ፡ ድምጻዊ ተኽለሚካኤል ገብሩ ኣባል ጉጅለ ባህሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እንከሎ “ድሕሪ ናጽነት እውን ግድል ኣሎ መሰላት ህዝብና ንክሕሎ” ከም ዝበሎ  ይርዳእ ነይሩ እዩ። እቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ግና ብኽልተ ምኽንያታት ከምቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ከቢድ፡ ንዊሕ ግዜ ዝወስድን ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበሮን። እቲ ቀዳማይ ምኽንያት እቲ ቃልሲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ሓባር ተመኩሮ ዝውንኑ ኤርትራውያን ዝካየድ ጐነጽ ዘየኸትል ኩልኻ እትዕወተሉ መስርሕ ዳግመ-ህንጻ እዩ ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ። እቲ ካለኣይ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ዝተጠርየ ተመኩሮን ዝሓደረ ምትእምማንን ንኣሳልጦ ካለኣይ ምዕራፍ ክሕግዝዩ ዝብል ተረድኦ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ውጽኢት ብኣንጻሩ ኮይኑ፡ ነዚ ካለኣይ ምዕራፍ ቃልስና ናብዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘለና ኩርኳሕ ዘደየቦን ግዜኡ ዘናወሖን ብዙሕ ወድዓውን በዓል ቤታውን ረቛሕታትኳ እንተለዎ፡ እቲ ቀንዲ ናይቲ እምነት ተነቢርሉ ዝነበረ ጉጅለ ጥልመትን ክሕደትን እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ መስርሕ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ድሕሪ ናጽነት ናበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዝነበረ ምስተረደ፡ ብዘይካቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብደረጃ ውድባት ሰልፍታትን ካልእ ምልዕዓላትን ዘካይዶ ዝነበረን ዘሎን ቀጻሊ ቃልሲ፡ ሕቶ ሓርበኛታት ማይ ሓባር፡ ምንቅስቓስ ተጋደልቲ 1993 ኣብ ድሮ ምእዋጅ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ማንፈስቶ ምሁራት በርሊን፡ ምንቅስቓስ ጉጅለ-15ን ምዕንባብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን መጽሐታትን፡ ሓያል ፈተነ ወዲ ዓልን ብጾቱን፡ ናይዚ ቀረባ ግዜ ስምዕታ ኤርትራውያን ዶክተራትን ንቕሎ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን፡ ዋላኳ በቲ ዝተጸበዮ ዕምቆትን ቅልጣፈን እንተዘይሰለጦ፡ ህግዲፍ ንምውጋድ ካብ ምቅላስ ዓዲ ከምዘይወዓለ ዘመልክት እዩ። ህግዲፍ ከኣ ነዚ ምንቅስቓሳትን ጠለባትን ክምልስ ዘይምኽኣሉ፡ ክሳብ ክንዳይ ካብ ጸወታ ወጺኡ ዘሎ ጉጅለ ምዃኑ ተቓሊዑ እዩ።

ጉጅለ ኢሳያስ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሐን መመሊሱ ዝዓኩኽ ዘሎን ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ብናትካ መጽናዕትን ምምርማርን ኣሰኒኻ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ንባብ ዝምጥን ስጉምቲ ክወስድ ባህሪኡ ኣየፍቅደሉን እዩ። ናቱ ኣካይዳ ኣብ ክንዲ ነቲ ብደሆ ፊትንፊት ምግጣም፡ ዘይዛመድ መህደሚ ምስምስ ፈጢርካ ካብቲ ሓቂ ምህዳም እዩ ዘቐድም። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኤርትራዊ ዋኒኑ ገዲፉ ናብ ደገ ብምምዕዳዉ ንህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ብዘይምሃብ። ከምቲ “ንበዓል ነጐዳስ ሓዊ ደብሶ” ዝበሃል፥ ሕሉፍ ሓሊፉ ኤርትራዊ ዋኒኑ ኣቐሚጡ፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ “ከም ጉዳይና ወሲድና ኢድና እነእትወሉ እምበር፡ ስቕ ኢልና እንዕዘቦ ኣይኮነን” ብዝብል ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምልከቶ መዘዝ ክዕድመሉ ዝሰማዕናዮ።  ምናልባት እዚ ጉጀለ ንሓንሳብ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ንሓንሳብ ድማ ብዛዕባ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ክህውትት እንከሎ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ ተቐባልነት ዝትከኣሉ ይመስሎ ይኸውን። እንተኾነ እዚ ኣብ ክንዲ ካብ ውሽጢ ናብ ደገ፡ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ከስርሖ ዝፍትን ዘሎ  ፍሑኽ ከይበለ ዝተኾርመሸ  ዲፕሎማስያዊ  ፈተነኡ፡  ብናይ ብዙሓት ተመኩሮ ፍሽለቱ ዝተረጋገጸ እዩ።

ቃልስና ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ዝኣተናዮ ምዕራፍ፡ ክንድቲ ህዝብና ዝጽበዮ ዘይምዃኑ ይርደኣና እዩ። እንተኾነ ከምቲ ገለ ተስፋ ቆሪጾም ተስፋ ንከቕርጹን ዘየለ ትስፋ ህግዲፍ ከለምልሙን “እንተ ጸርፊሞ ዝገደፍና የብልናን፡ እንተ እተን ኣሓ ከይደን እየን” ዝብልዎ ኣይኮነን። ተወሳኺ ክቡር ዋጋን ግዜን ደኣ የኽፍለና እምበር፡ ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ከም ዝዕወትስ ኣይንወላወለሉን ኢና።