“ብልዒ ሓላፊ ስም ተራፊ” እዩ’ሞ

2020-04-05 08:56:56 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1685 times

ኤርትራውያን ኣብ ፈታኒ ቀራና መንገዲ ካብ እንኣቱ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ዝመጻእናዮ መንገዲ ኩሉ ሳላ ተስፋ ዘይምቑራጽና ዝተሰግረ እምበር ኩርኳሕ ዘይተፈልዮ እዩ ነይሩ እንተተ ባህለ ምግናን ኣይኮነን። ነቲ ኩሉ ሰጊርና ክንበጽሖ እንምነዮ ህይወት ከኣ ጌና ኣይበጻሕናዮን።

ኣብዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ምውዳቕን ምትንሳእን ጉዕዞና እቲ ብደሆ፡ ብሰንኪ ጉጅለ ህግዲፍ ዝተፈጥረ፡ ብፖለቲካውን ሕገ-መንግስታውን መሰል ምስኣን፡ ሰብኣዊ መሰል ምግፋፍ፡ ኣብ ፍጹም ኢደወነናዊ ምልክን ኣርዑት ምውዳቕ፡ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዘይምህላው፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ልኡላውነት ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ምእታው ዝግለጽ ኮይኑ ጸኒሑ። ነዚ ኩነታት እዚ ብቃልሲ ስዒርና ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ ከኣ መላእ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ጸኒሑን ኣሎ። እዚ ከም ኤርትራውያን ንነዊሕ ግዜ ምሳና ዝጸንሐ ብደሆ፡ ምስ ናይ ካለኦት በዚ ንሕና ንሓልፎ ዘለና ዝሓለፉን ዝሓልፉ ዘለዉን ስዒረምዎ ኣብ ዓወት ዝበጽሑን ተመሳሳልነትኳ እንተለዎ፡ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ግና ኣብ ኤርትራ ዝመበቆሉ ዘቤታዊ ጸገም እዩ።

ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ እነሆ ሎሚ ካልእ መላእ ዓለም ዘንቀጥቅጥ ብደሆ ተደሪቡና። እዚ ኮቪድ-19 ዝበሃል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስቲ ምሳና ዝጸንሐ ኤርትራዊ ጸገም ነናቶም መንቀሊ፡ ኣተሓሕዛን ምምሕዳር ዘለዎም ኮይኖም፡ ኣይጸላለዉን ማለት ግና ኣይኮነን። እቲ ህዝብና ክሓልፎ ዝጸንሐ ኣሻኹ ህይወት፡ እዚ ሕጂ መጺኡ ዘሎ ሕማም ዝያዳ ሃሳዪ ንክኸውን ባይታ ዝምድምደሉ እዩ። እዚ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ነተን ብኹሉ መለክዒ “ከኣልቲ ኩሉ ኢና” ኢለን፡ ናይ  መሬት ወዴን ኣብ ናይ ህዋ ውድድር ኣትየን ዝነበራ ሃገራት፡ ክሳብ ክንዲዚ ከፍረሐን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ከም ህዝብና ዝኣመሰለ ብብዙሕ ናይ ወጽዓ ቀጸላታት ክሳቐ ዝጸንሐ ከውርዶ ዝኽእል ማህሰይቲ ኣዝዩ ከም ዝኸብድ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

ህዝብና ከምቲ ዝተገልጸ፡ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ሓድሽ ናይ ሻቕሎት ምዕራፍ፡ ኣብቲ ንቡር ኩነታት እውን ኣብ ዝለዓለ ኩለ-መዳያዊ ቅልውላው ዝጸንሐ እዩ። እቲ  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣቐዲሙ እውን ንብዙሓት ዓለም ለኻዊ ትካላት ከሻቕል ዝጸንሐ፡ ስእነት ጽሩይ ማይ፡ ስእነት ሓይሊ መብራህትን ስእነት መሰረታዊ ነገራት ኣብ ዕዳጋን ክሳብ ክንደይ ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት ምስዚ ዓለም ለኻዊ ሓደጋ ተጐዝጒዙ ንህዝብና ከም ዝሃስዮ ምስትብሃል ኣድላዪ እዩ። ዓቕሚ ትካላትን ክኢላታትን ጥዕና ኣብ ኤርትራ እውን ካልእ ዘየቕስን ጉዳይ እዩ። እዚ ሕጽረት እዚ ኣባና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዓለም ለኻዊ ትካላት እውን ከምብሓድሽ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ወትሩ ርኡይ ናይ ምሕባእ ኣመል ዘለዎ ጉጅለ ህግዲፍ እውን ብዘይካ “ክንድዚ ዝኾኑ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም” ዝብል መጻኢ መዋጸኦ ዘይእምት ቁርጽራጽ ሓበሬታ፡ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ንምስጋር ከለዓዕልን ኣፍ ኣውጺኡ ሓገዝ ክሓትትን ኣይስማዕን። ወያ “ምምሕዳር ህግዲፍ  ሓገዝ መፈወሲ መሳርሕታ ኣይቅበልን ኢሉ” እትብል ሓበሬታ እውን ፈኸም ትብል ኣላ። ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ ምጽቃጥን ካብታ ዝርካባ ሚድያኡ ምሕባእን ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። ምናልባት ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮታት፡ ኣብ ጥራይ ጐልጐል “ነብስና ስለ እንኽእል ሓገዝ ኣየድልየናን እዩ” ኢሉ ከይሕክል ዘየስግእ ኣይኮነን።

እምበኣር እዚ ጉዳይዚ፡ ናብቲ ካብ ቀደሙ እውን ዝቐበጽናዮ ጉጅለ ህግደፍ ዝገበረ ይግበር ኢልካ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ኤርትራውያን በቲ ልሙድ ልግስና ክንተሓጋገዝ ይግበኣና። ሓቂ እዩ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ህግዲፍ ንኹሉ ብገዛእ ብገንዘቡ ናይ ምጥቃም መሰሉ ገዲቡ ስለ ዘድከዮ፡ ከምቲ ኣብ ገለ ሃገራት ንዕዘቦ ዘለና ርኹባት ዝበሃሉ ወገናት ነብሶም ክኢሎም ንዜጋኦም ክሕግዙ ኣይክእሉን እዮም። ምናልባት እውን ብውሱን ዓቕሞም ሓገዝ እንተገበሩ “ካበይ ኣምጺእኩም ትሕግዙ ኣለኹም” ከይበሃሉ ዘይሰግእሉ ምኽንያት የብሎምን። ብዝኾነ ግና ዋላ እውን ንእሽቶ ትኹን፡ ንጐረቤትካን ኤርትራዊ ወገንካን ካብታ ዘላትካ ናይ ምክፋል ባህልና ሎሚ ኣብዚ ወሳኒ ኩነታት ከነዘውትሮ እዋኑ እዩ። ከምቲ “ላምካስ ሒሕ ትበለልካ፡ ዋላ ደም ትተሓለበልካ” ዝበሃል፡ ተስፋ እውን የዕንግል እዩ። እዚ ዘለናዮ ግዜ ሓሊፉ እንጸውየሉ እዋን ክመጽእ እዩ እሞ “ብልዒ ሓላፊ ስም ተራፊ” ከም ዝበሃል ልግሲ እንዳሓደረ ዘሕጉሰና ተግባር ምዃኑ ኣይንረስዕ።

ብዘይካዚ እዚ ከቢድ ጸገም ኣጋጢምሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካተን ንህግዲፍ ምጽብባቕ  ዝሓዳረን፡ ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጠን ሚድያታት፡ ህዝቢ መማረጺ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ዘበናዊ ሚድያ የብሉን። ሓበሬታ ቀንዲ መከላኸሊ ናይዚ ሓደገኛ ሕማም ኮይኑ ከም ዘሎ ከኣ፡ ከካብ ገዛእ ርእስና ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ስለዚ እቶም ወጻኢ ካብ ኤርትራ ዘለዉ ንጡፋት ከምቲ ጀሚረምዎ ዘለዉ፡ ብቐጻሊ ንህዝብና ሓበሬታ ከስንቑ ይግበኦም። ህዝብና ከኣ ነቲ ዝረኽቦ ሓበሬታ ብዘለዎ ዓቕሚ ከይነዓቐን በቲ ተጻዒንዎ ዝጸንሐ ጸገም ከየማረረን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ይግበኦ። ብሰንኪ ሕጽረት ማይ ደጋጊሙ ናይ ምሕጻብ ጸገም ከም ዘጋጥሞኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ተረሓሒቕካ ምኻድን ኢድ ጨቢጥካ ሰላም ዘይምብህሃልን ግና ንህግዲፍ ዘይጽበየሉ ኣብ ኢዱ ዘሎ እዩ እሞ ከተግብሮ ይግበኦ። ስነስርዓት ጸሎትን ካልእ ተኣኪብካ ዝዝውተር ባህላዊ ጉዳያት እውን ነዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ከዘውትር ኣብ ኢዱ ዘሎ እዩ እሞ ይገደሰሉ።

Last modified on Sunday, 05 April 2020 11:00