ሓደጋ ኮቪን-19፡ ኮሮናቫይረስ!

2020-03-25 08:26:50 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1791 times

ኣብዚ እዋንዚ  ኮቪን-19 ኮሮናቫይረስ ብደረጃ ትካል ጥዕና ዓለም ዝለዓለ ደረጃ “ዓለም ለኻዊ ተላባዒ” ካብ ዝበሃል ንነጀው ናይ ኩልና ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ እዩ። ዋላኳ ኣብ ቅድሚ መላእ ዓለም ኣዛራቢ ተላባዒ ሕማም ክፍጠር እዚ ናይ መጀመርታ እንተዘይኮነ፡ ከም ኮሮና ብሓንሳብ ዓለም ዘንቀጥቀጠን ዘናወጸን ኣየጋጠመን ዝብሉ ብዙሓት እዮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፡ ምጣነ-ሃብታውን ካልእ መወዳደሪ መዳያትን ገዲፍካ፡ ከም ፍጡር ሰብ ህልውና ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ብምዃኑ እዩ። ዳይረክተር ትካል ጥዕና ዓለም ኢትዮጵያዊ ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ብ23 መጋቢት 2020 “ንመጀምርያ ግዜ ሓደ ሰብ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ከም ዝተታሕዘ ጸብጻብ ምስ ቀረበ፡ እቲ ቁጽሪ 100 ሺሕ ንክበጽሕ 67 መዓልታት ወሲድሉ። እቶም ቀጺሎም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ 100 ሺሕ ሰባት ኣብ 11 መዓልታት ተታዝሒዞም። ድሕሪኡ ዝተታሕዙ ካለኦት 100 ሺሕ ሰባት ከኣ ኣብ 4 መዓልታት ጥራይ እዮም ተለኺፎም።”  ዝበልዎ፡ እቲ ሕማም ክሳብ ክንደይ ግዜ ዘይህብ ቅልጡፍ ተላባዒ ምዃኑ የረድእ።

ብሰንክዚ ቀዛፊ፡ ዘይተጸበናዮ፡ ኣዝዩ ቅልጡፍ ተላባዒ ሕማም ብምዃኑ፡ ክንድዚ ሓሚሞም ክንድዚ ሞይቶም ኢልካ ኣሃዝ ክትጠቅስ ዕድል ዝህብ ኣይኮነን። ንኣብነት ክሳብ ንግሆ 24 መጋቢት 2020 ብዝሒ በዚ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት 378,912፡ ቁጽሪ ዝመቱ 16,515 ቁጽሪ ተታሒዞምስ ዝሓወዩ ከኣ 102,069 ነይሩ። እዚ ኣሃዝዚ እዚ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክሳብ ዝወጽእ ክሳብ ክንደይ ኣብ ተዓጻጻፊ ደረጃ በጺሕ ከም ዝኸውን ምግማት ኣየጽግምን። እዚ ሕማም ኣብ መዳይ ጥዕና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኹሉ ዕቤተን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝስረዓ፡ ኩሉ ክገብራ ከም ዝኽእላ እምነት ኣብ ዝተነብረለን ሃገራት በዓል፡ ቻይና፡ ኢጣልያ፡ ስፐይን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦትን ዝኸፈአ ጉድኣት ምውራዱ፡ ኣብ ልዕሊተን ንሃገርና ኤርትራ ወሲኽካ ናይዘን ኣቐዲምና ዝጠቐስናየን ሃገራት ኢድ ዝጽበያ፡ ቁጠባዊ ዓቕሚ፡  ምምሕዳራዊ ጽፈትን ዝርጋሐ ትሕተ ቅርጻን ዝጐድለን ወይ ዘየብለን ተጽዕኖኡ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ምግማት ኣየጸግምን። “ናይዚ ሕማም ፈውሲ እንታይ እዩ? መዓስ እዩኸ ዝምከት?” ኢልካ ሓቲትካ፡  መልሲ ዘይትረኽበሉ ምዃኑ ከኣ፡ ዝያዳ የሻቕል። እዚ ሕማምዚ ምስተመከተ እውን፡ ስንብራቱ ብቐሊሉ ከም ዘይሓዊ ድሮ ብዙሓት ኣርሒቖም ዝጥምቱ ክኢላታት ይግምቱ ኣለዉ።

ካብ ምልክታት ናይዚ ሕማም፡ ብርቱዕ ረስኒ፡ ደረቕ ሰዓል፡ ሕጽረት ትንፋስ ምዃኑ ብኽኢላታት ይንገረና ኣሎ። እዚ ምልክታት እዚ ናይ ካለኦት ምሳና ዝጸንሑ ሕማማት ምልክት እውን ስለ ዝኾነ ምልላዩ ኣጸጋሚ እዩ። መፈወሲኡ ክታበት፡ ከኒና ወይ መርፍእ ክሳብ ሕጂ ኣይተረኽበን። ኣብ ክንድኡ፡ ጽሬት ኣእዳው ምሕላው፡ ኣብ ሕድሕድካ ምርሕሓቕ፡ ኢድ ጨቢጥካ ሰላም ዘይምብህሃልን ከተህንጥስ እንከለኻ ኣፍንጫኻ ምኽዳንን ከም ዝኾኑ እውን ብፈላጣት ናይዚ ዛዕባ ይንገረና ኣሎ። እዚ ነቶም በእዳውካ ሰላም ምብህሃልን ምስዕዓምን፡ ሓቢርካ ምብላዕን ምስታይን፡ ሓቢርካ ምጉዓዝን ሓቢርካ ምጽላይን ኣካል ባህልናን እምነትናን ዝኾነ ክሳብ ክንደይ ምልማዱ ከም ዝኸብድ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ቁጠማዊ ዓቕምና ድኹም ምዃኑ እውን ኣብ ምትግባር እዚ መጠንቀቕታ ሓጋዚ ኣይኮነን።

እምበኣር ወያ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ልዕልና፡ ቁጠባዊ ጸብለትነትን ማሕበራዊ ብልጫን ንምጭባጥ ክትወዳደር ዝጸንሐት ዓለምና፡ እነሆ ሎሚ ንብመለኣ ኣብ ዝምልከት ናይ ከም ፍጡር ምህላውን ዘይምህላውን ብደሆ የፋጥጠላ ኣሎ። ወዮ ከም ዋዛ፡ ንሓንሳብ “ግዜ 3ይ ውግእ ዓለም ከጋጥም እዩ፡” ወይ ድማ “ምጽኣት ዓለም ኣኺሉ እዩ፡” ክበሃል ዝጸንሐ “እዋእ ወዮ ዝተፈርሐስ ኮይኑ ግዲ” ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ በጺሕና ኣለና።

እዚ ጉዳይ ቫይረስ ኮሮና ማሕበራዊ ቀዛፍነቱ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ መልክዕ ክሕዝ ጀሚሩ ኣሎ። ንኣብነት መራሒ ኣሜሪካ ነዚ ሕማም ኣንጻር ኩሉ ዝተኸፍተ ዓለምለኻዊ ሓያል ውግእ ክነሱ፡ ናይ ቻይና ሕማም ቫይረስ ክብሎ ምፍታኑ እዚ ዛዕባዚውን ኣካል ናይቲ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ልዕልናኻ ምርግጋጽ ውድድር ይኸውን ኣሎ ዘስምዕ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን በቲ ዘይምሕር ቫይረስ ህግዲፍ ክንሳቐ ዝጸናሕናን ካብዚ ስቓይዚ ክንወጽእ እንቃለስ ዘለናን ኢና። ብሰንክቲ ህግዲፋዊ ቫይርስ ከም ሃገርን ህዝብን ህልውናና ከይጠፍእ ስግኣት ጸኒሑና። ሎሚ ከኣ እነሆ ከምቲ፡ ድምጻዊ ነፍስሄር ኣብርሃም ኣፈወርቂ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ ካብ ሕማቕ ናብ ኣዝዩ ዝሓመቐ ተሰጋጊርና፡ ከም ህዝቢ ከይንበርስ ከም ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ኣብ ቅድሚ ሓደጋ ኣለና። ነቲ ንጭቆና ህግዲፋዊ ቫይረስ ሓንጐፋይ ኢልና ዘይተቐቢልናዮ፡ ንኮሮና እውን “ምስ ሰብካ መዓት ዳርጋ ገዓት” ኢልና ከይረዓምና ብዘለና ዓቕሚ ክንቃለሶ ይግበኣና።

እዚ ዘለናዮ ኩነታት ኣይኮነንዶ ንሕና ኣብ ኣዝዩ ዝተሓተ ደረጃ ዕቤትን ዘይርጉእ ኩነታትን እንርከብ፡ ነቶም “ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ከኣልቲ ኩሉ” ክበሃሉ ዝጸንሑ ኣካላት እውን ኣዋጢሩ ዘሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ፈታኒ ኩነታት ክንገብሮ ዝግበኣና፡ እቶም ዝሓሸ ናይ ምምርማር ዓቕምን ኣፍልጦን ዘለዎም ኣካላት ዝህብዎ ምኽርን ምዕዶን ምቕባልን ምትግባርን እዩ። እቶም ብሰንኪ ገፋዒ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ኣብ ሃገሮም ንህዝቦም ናይ ምግልጋል ዕድል ተነፊግዎም ፈቐድኡ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ሕክምና ክኢላታት ከካብ ዘለዉዎ ኩርናዕ ንህዝብና በብቋንቋኡ ብምስትምሃር ዜግነታዊ ግቡኦም ክፍጽሙ ይግበኦም። ንሓ እውን ንጽወዖም። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ተለቪዥን ኣሰና ቀሪቦም ብዛዕባዚ መብርሂ ክህቡ ዝተዓዘብናዮም ኤርትራውያን ክኢላታት ተግባሮም ኣብነታዊ እዩ እሞ ንሳቶም ክቕጽልዎ፡ ካልኦት እውን ክስዕብዎ ዝግባእ እዩ። ካለኦት ኤርትራዊ ማዕከናት እውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብቐጥታ ሓበሬታ ንምርካብ ዘይተዓደለ ህዝብና ኣብ ምክትታሉ ክሰርሓ ይግበአን። ኤርትራውያን ኩልና ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ተስፋ ምቑራጽ፡ እዚ ለበዳዚ ከምቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ  ዝበልዑ በሊዖም ከም ዝሓልፉ ለበዳታት፡ ከም ዝሓልፍ ተስፋ ክንሰንቕ እምበር፡ ተስፋ ክንቆርጽ ኣይግበኣናን።

Last modified on Wednesday, 25 March 2020 09:29