“ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ይፈኩስ”

2020-03-06 08:00:46 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2110 times

ጉዳያት ምሕባእ፡ ምናልባት እንተመለቑዎ ድማ ምኽሓድ ቀንዲ ባህርያት ጉጅለ ህግዲፍ እዩ። እዚ ሜላ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘርእዮ ጠባይ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብሰፊሑ ክንርእዮ ዝጸናሕና እዩ። ጉጅለ ህግዲፍ ኣብዚ መዳይዚ ኣዝዩ ሕሙም ክነሱ፡ ጥዑይ መሲሉ ንምቕራብ ዝጥቀመሉ መንገዲ ከምቲ “ስንኩል ንስንኩል ይዋቕዑ ብድንኩል” ዝበሃል፡ ከም ቻይና፡ ቨንዝዋላ፡ ኩባን ራሻን ዝኣመሰሉ ተመሳሳሊ ኢንታ ዘለዎም መንግስታት መሰኻኽር ገይርካ ምቕራብ እዩ። ንሳቶም ከምዚ ኣብ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተራእየ፡ ዓይኖም ዓሚቶም ይምስክርሉ ንሱ እውን ከምኡ ንምስክርነት ደኣ ኣይበቅዕን እምበር ይምስክረሎም።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ብኩራት መስርሕ ፍትሒ፡ ምስዋርን ብዘይ ፍርዲ ምድጓንን እሱራት፡ ምግሃስ መሰላት እምነት፡ ሓሳብካ ምግላጽን ምእካብን ….. ኢልካ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ግህሰታት ሓቢእካ ክሕባእ ስለ ዘይከኣለ፡ ህግዲፍ ብሓሳዊ ምስክርነት ደቂ መዛምሩ ክድሕን ኣይከኣለን።

እቲ ካልእ ህግደፍ ሓጥያቱ ንምኽዋል ዝጥቀመሉ መንገዲ፡ ብሓፈሻ ኣብዚ ዛዕባ ዝግደሱ ኣካላትን ባእታታትን ብፍላይ ድማ እተን ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ኤርትራ ክከታተላ ዝምዘዛ ሰብ መዚ ናብ ኤርትራ ከይኣትዋ ምኽልካል እዩ። ኢሳይስ ነዚ ከም መፍትሒ ዝወስድ ንሱ እምበር፡ ዓለምና ኣብ ናይ ዘመናዊ መራኸቢ ጸልማት ከምዘየላ ስለ ዘይርዳእ እዩ። ዋላ እቲ ንሱ ክሓብኦ ዝደሊ ኣብ ከምዚ ናይ ቀረባ መዓልታት መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት እንተተነግሮ በቶም ናብ ግኡዝ ነገር ቀይሩ ዝልእኮም በዓል ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣቢሉ ዘይሕባእ ክሓብእ ይፍትን እሞ መስሓቕ ሸራፋት ይኸውን።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ወገናትን ነቲ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ዓሚቕ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብዝምልከት፡ በብግዜኡ ዝቐርበሎም ውሳነታትን ለበዋታትን ከተግብር ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ዘሕምም ተጽዕኖ ብዘይምሕዳሮም ዕቃበና ከነንብር ጸኒሕና ኢና። ሕሉፍ ሓሊፎም ህግዲፍ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኣባል ክኸውን ምምዛዞም ከኣ ካብ ዕቃበ ሓሊፉ ዘቖጥዕ እዩ። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን ከምቲ “ሓቅስ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብርእሳ ትወጽእ” ዝበሃል፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ “ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ይፈኩስ” ዝበሃል፡ እቲ ሓቂ ሓቂ እቲ ሓሶት ከኣ ሓሶት ካብ ምዃኑ ከምዘይሓልፍ ፍሉጥ እዩ። እነሆኳ እተን ኣብዚ እዋንዚ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተላ ዘለዋ ወይዘሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ኣብ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ብዝምልከት ናይ ቃል ጸብጻብ ምስ ኣቕረባ፡ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ዝተፈላልዩ ወገናት ሻቕለቶም ይገልጹ ኣለዉ።

“ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ፡ ነቲ ደረት ዘየብሉን ቀንዲ ጠንቂ ስደት መንእሰያትን ኮይኑ ዘሎን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ካልእ ሲቪላዊ ምርጫ ስራሕ ዘይምህላው፡ ጾታ ዝመሰረቱ ግህሰት፡ ግዱድ ውትህድርና ደቂ ኣንስትዮ፡ ሃሳይ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዝርከቦ ዝፍጸም ዘሎ ሓደገኛ ግህሰት መሰላት ሻቕሎትና ቀጻሊ እዩ።” (ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መበል 43 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል)

“ኤርትራ ብሩህ መጻኢ ከም ዘለዋ ንኣምን። ምሉእ መሰል ኣብ ዝኽበረሉ ኩነታት ምስ ህዝባ ምትሕግጋዝ ክህልወና እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና በቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ግህሰት መሰላት ሻቕሎትና ዕዙዝ እዩ። ኣብ ምኽባር መሰረታዊ መሰል፡ ሓርነትን ድሕነትን ህዝቢ ለውጢ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ርትዓውን ማዕርነታውን ኣተሓሕዛ እሱራት መሰረታዊ እዩ። ኣብ ናጽነት ሃይማኖታዊ እምነት፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምእካብን ለውጢ ክረኣይ ኣዝዩ ኣድላይ እዩ።” (ልኡኽ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ መበል 43 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል)

እዞም ወገናት፡ እቲ ዘሻቕል ኢሎም ጠቒሰምዎ ዘለዉ ዝርዝር ብመለክዒ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ሃለዋት እኹል ኣይኮነን። ዝያዳ ክዓሙቕ ነይርዎ። ከምቲ ግቡእ ንጉጅለ ህግዲፍ ክነቕፉ እንከለዉ፡ ብዘይሕገ-መንስቲ ዝገዝእ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ዘየብሉ፡ ካብ ምርጫን ተሳትፎ ህዝብን ዝሃድም፡ ብናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ኢሎም ክጅምሩ መተገብኦም። እንተኾነ ኣብዚ ሎሚ በጺሐምዎ ዘለዉ ሻቕሎት ካብ በጽሑ፡ ናብቲ ንጽበዮ ንወድዓዊ ኩነታት ኤርትራ ብግቡእ ዘንጸባርቕ መርገጽ ከም ዝምዕብሉ ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ፡ ተስፋ ዝህብ እዩ። ብዓብዩ ከኣ ንዓና ዝምልከት እንድዩ ንሕና ሰብ ጉዳይ ንመለኣዮ።

እቲ ሻቕሎት እውን ንህግዲፍ ብግብሪ ቀጺዑ ብሰብኣዊ ሕግታት ከም ዝግዛእ ዝገብርን ካብ ግህሰት ዝእድብን ክኸውን መተገበአ። እንተኾነ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ንሳቶም ኣብዚ ካብ በጽሑ ንሕና ከኣ በዚ ተተባቢዕናን ስምዕታና መኺኑ ከም ዘይተረፈ ተገንዚብናን ህግዲፍ ሓሶቱ ጸንቂቑ ጥራዩ ኢዱ ክሳብ ዝተርፍ ክንቃለሶ ኣለና። ናይ መርገጽ ለውጢ ብሓደ ጸሓይ ገዚፍ ኮይኑ ዝመጽእ ዘይኮነ፡ ብመስርሕ በብንእሽቶይ ከም ዝውህለል ክንኣምን ይግበኣና። እንተ እቲ “ሓሶትን ስንቅን እንዳሓደረ ይፈኩስ” ዝብል ኣብ ጉዕዞ ህግዲፍ እውን ክትግበር ምዃኑ ብዙሓት ምልክታት ንርኢ ኣለና።

Last modified on Friday, 06 March 2020 09:10