እዋናዊ መልእኽቲ ንፖለቲካዊ ወድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ

2020-02-26 22:04:09 Written by  ብዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1600 times

ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ፡ ብመልክዕ ተቓውሞ ኣዕናዊ ገበናትን ተግባራትን ጃንዳ ህግደፍ ተሰሊፈን ዓገብ ካብ ዝብላ 29 ዓመታት ኣቝጺረን። ይኹንምበር ኣብ ልዕሊ ጕጅለ ኢሳያስ ዘሰንብር ዘሰክፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ መተካእታ ዝኸውን ናይ ተስፋ ሓይሊ ምዃነን ዘተኣማምን ምልክት ከርእያ ኣይከኣላን።

እዚ ዘመልክቶ እንተልዩ፡ ኣብ ውሽጠን ሓደ መድሃኒት ዘይተረኽቦ ረማሲ ሕማም ምህላዉ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ከይፈወስካ ናይ ለውጢ ሓይልታት ምዃን ዘይሕሰብ‘ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ፡ እንሆ እታ ብክቡር መስዋእቲ ዝተረኽበት ልኡላውነት፡ እዚ ከዳዕ ውልቀ መላኺ ከም ናይ ውልቁ ንብረት ክጠላዓላ ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። ኣብዚ እዋን‘ዚ ብሂወት ከሎና ብሃገርናን ህዝብናን ዝላገጽ ኣይነፍቅድን ኢሉ ሓቢሩን ሓሪኑን ዘይለዓል ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ኣለኹ ምባሉ ትርጉም የብሉን። ትማልስ ልኡላውነት ሃገር ከም ህሉው ሓሲብና ቅዋም ይተግበር፡ ብቅዋም መሰረት ባይቶ ኣቚምና ዝጐደለ ንመልእ ካብ ዝብል እምነት ነቒልና ቅዋም ክትግበር፡ እሱራት ክፍትሑ ዝጠልብ ሕቶ ብመልክዕ ሰላማዊ ሰልፊ ነቕርብ ኔርና። እዚ ኣብ ሎሚ ኴንካ ክርአ እንከሎ፡ ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ካብ ምምህላል ዘይሓልፍ ልሙስ ወይ ምእዙዝ ዓይነት ሕቶምበር፡ ሕቶ ተቓወምቲ ሓይልታት ክኸውን ዝግባእ ኣይነበረን።

ናይ ብሓቂ ንለውጢ ዝቃለሳ ሓይልታት ክወስድኦ ዝነበረን መርገጽን መደብዕዮን፡ ኩሉ ዓቕመን ብሓደ ጸሚደን፡ ፍልልያት ወጊደን፡ ሃገርን ህዝብን ካብዚ ገሃነማዊ ጨቋኒ ስርዓት ብሓይለን ክገላገላሉ ዝኽእላ ውልውል ዘየብሉ ዘየናሕሲ ስጉምቲ ምውሳድ ጥራሕ‘ዩ። ነዚ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ሓድሕድ ክካሰሳን ከም ቀቓዊት ደርሆ ንግሆ ንግሆ ውድባት ክጫጭሓን መዋእለን ስለ ዘሕለፋ፡ እንሆ ኢሳያስ ሕሉፍ ሓሊፉስ ናብታ ህዝብና ፈንፊኑን ኣንጻራ ተቓሊሱን ነጻ ዝወጸላ፡ ከም ጐረቤት እምበር ከም ኣደን ኣካልን ዘይቅበላ ኢትዮጵያ ንምሕዋስና ክጽዕር ንርኢ ኣሎና። እዚ ከኣ ከምቲ ሕማቕ ዋና ዘለወን ኣባጊዕ ወኻርያ ትጻወተለን ዝበሃል ምስላ፡ ደምበ ተቓውሞ ብርቱዕ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘይኮነስ፡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ክነውሕን ከዳዕ ኢሳያስ ድላዩ ክፍጽምን ርሒብ ዕድል ብምሃበን ነፍሰን ክወቕሳን ንህዝበን እቕሬታ ክሓታን ንምኽሓሱ ብሓደ ክብገሳን እዋኑ ሕጂ‘ዩ።

እዛ ዕድል‘ዚኣ ብኣውራጃ፡ ብወገን፡ ብስልጣን ክቈራቘሳ እንተኣምሊጣተን ግን፡ ብሃገራዊ ጥልመት ካብ ናይ ኢሳያስ ብዘይንእስ ተኸሰስቲ ምዃነን ክርድኣ ይግባእ። ኣብዚ ሃገርና ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ትሰሓገሉ ዘላ እዋን፡ ብዛዕባ ድሕሪ ምህላው ሃገር ክለዓል ዝግብኦ ኣጀንዳ ኣልዒልካ ምፍልላይ፡ ካብ ዘይብቕዓት ሓሊፉ ክሕደትን ጥልመትን ሰማእታት ዘመልክት‘ዩ። ብሓድነት ንጃንዳ ህግደፍ ምልጋስ ንበገስ ማለት፡ ወውድባትና ኣፍሪስና ኣብ ሓንቲ ንጠርነፍ ማለት ከም ዘይኮነ፡ ንባዕሉ እዛ ንህዝቢ ኤርትራ ደም ድፋጭኡ ተስትዮ ዘላ ኣዕናዊት ውድብ ህግደፍ ህያው ምስክር‘ዩ። ሓደ ምዃን ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ሃገር ናይ ምድሓንን ዝዓለመ ኮይኑ፡ ነናትካ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት ሃልዩካ፡ እታ ሃገር ምስ ደሓነት ኣብ ጽላል ሃገራዊ ቅዋምን ሰፊሕ ደሞክራስያዊ ዓውድን ተወዳዲርካ ስዒርካ ክትመርሕ ተሳዒርካ ክትምራሕ ድሉው ምዃን‘ዩ።

እቲ ስልጣን ናይ ህዝቢዩ እናበልና ተሓቢእናሉ ዘሎና መጋረጃ ዝቕንጠጠሉ ኣገባብ ድማ እዚ‘ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ሕደግ ሎሚ ብከቢድ ስቓይ ተማሂሩስ ኣብቲ ኣብ ዘመን መግዛእቲ ዝነበረሉ እዋን‘ውን ባዕሉ ቈጽሊ ዘየውደቐሉ ክመርሖ ከም ዘይደሊ፡ ዝመርሖ ዝመርጸሉ ፍሉይ መለክዒ ዘለዎ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ንመን ይመርጽ ዕድል ክወሃቦ ጥራሕ‘ዩ ዝግባእ።

ኣብዚ ብዘየወላውል ክንጸር ዝግባእ እንተልዩ፡ ከምቲ ላም ፍርቂ ጎና ሰቢሓ ፍርቂ ጎና ነይትዓብር ዝብልዎ ኣቦታትና፡ ሓንቲ ኣውራጃ ብዘይተን ካልኦት ኣውራጃታት፡ ሃይማኖት ምስልምና ብዘይ ሃይማኖት ክርስትና ወይውን ሃይማኖት ክርስትና ብዘይ ምስልምና ምልእቲ ወይ ስብሕቲ ኤርትራ ክትህሉ ዘይከኣል ምዃኑ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ‘ዛ ብኩሉ ዓይነታ ዝተማልአት ኤርትራ ዝርከቡ ንኣሽቱ መሰናኽላት ከኣ ኣብ ፍትሓዊ ባይቶ ዓደቦ ዘቲኻ ዝፍትሑን ዝስተኻኸሉን ምዃኖም ክንኣምን ይግባእ። ኣብዚ ክንበጽሕ ግን ናይ ሎሚ ዘሎ ቀሊል ዘይኮነ ሃገራዊ ብድሆ ክንምልስ ኣዝዩ ዘየገላብጥ ጸቢብ ግዜ ምዃኑ ተረዲእና፡ ኣብ ተግባር ምውፋርን ሃገር ምድሓንን‘ዩ። እዚ ከኣ ምንቅስቓስ ይኣክል ምስ ኩለን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ብሓደ ንምስራሕ፡ ብፍላይ ውድባትን ሰልፍታትን ወይ ከዕግብኦ ወይ ክስዕብኦ መተካእታ ዘየብሉ ኣማራጺ‘ዩ። እቲ ጉዳይ ሃገራዊ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ዝፈላልየና የለን። ፍልልይ እንተልዩ ኣብ መን መርሐ ዝብል ሕቶ ኮይኑ ብህዝቢ ዝምለስ ዛዕባ‘ዩ።

ስለዚ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ከምቲ ሓጋዚታ ዝረኣየት ዓሻ ሰበይቲ መዲዳ ትሓብእ ዝበሃል ምስላ፡ ነዚ ብነድሪ ተበጊሱ ዘሎ ምንቅስቓስ ይኣክል ኣብ ጎኑ ተሰሊፈን ክሰርሓን ንባዕለን ኩሉ ዘየፍሪ ምትርማስ ኣወጊደን ህዝበን ንምኽሓስ ሃገረን ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዓጸፋ ክሰርሓን ይግባእ። በዚ መሰረት ከኣ ነዞም ከዳዕ ኢሳያስ ብዝኸፈተሎም ዕድል ተጠቒሞም፡ ልኡላውነትና ረጊጾም ስኖም እናመወጹ ኣብ ሃገርና ኣትዮም ተጠቀምቲ ወደባትናን ጸጋታትናን ንምዃን ዘንባህቑ ዘለዉ በዓል ተኣምራት ነገራን መሰልቱን፡ ኤርትራ ከም ወትሩ ዋናታታ ከም ዘሎናያ ከነረጋግጸሎም ዝግበኣና ሎሚ‘ዩ። ኣብዚ መስርሕ‘ዚ ዓቕምን ሓላፍነትን ሓይልታት ምክልኻል ጎሲኻ ዘይሕለፍ ቀንዲ ሃገራዊ ሓይሊ ስለ ዝኾነ፡ ዋላ እቶም ብፍላጥ፡ ብጠቕሚ፡ ወይ ብግርህነት ሃገር ትከላኸሉ ዘለኹም መሲሉኩም ግን ንዕምሪ ስልጣን ኢሳያስ ንምንዋሕ ክሳብ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩም ገበን ዝፈጸምኩም ከይተረፈ፡ ነዚ ኣብ ሃገርኩም ዝግበር ዘሎ ገበንን ምፍራስ ሃገራዊ ልኡላውነትን ተገንዚብኩም፡ ኣብ ጐድኒ ህዝብኹም ክትስለፉን ታሪኽኩም ከተሐድሱን እዋኑ ሕጂ‘ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ሓዳግን እቕረበሃልን ስለ ዝኾነ፡ ሕጂ ምስ ትኽሕስዎ እቲ ቀደም ኣብ ልዕሌኹም ዝነበሮ ልዑል ኣኽብሮት ከም ዝመልሰልኩም ክትተኣማመኑ ይግባእ። ስለ ዝኾነ ኩሉ መሰናኽል ሰጊርኩም ብስርሒት ፈንቅል ንጸላኢ ደምሲስኩም ልኡላዊት ሃገር ክዉን ዝገበርኩም ጀጋኑ፡ ሎሚ እቲ ኣብ በዓቲ ፍልልይኩም ተሓቢኡ ሃገርና ዘዕኑን ፍረ ሰማእታትና ከንቱ ዝገብርን፡ ክብሪ ጀግንነትኩም ዝድውን ሕልና ኣልቦ ዝሩግ መዓንጣ ኢሳያስ ንምእላይ ትስእኑ ኢኹም ኢሉ ዝኣምን ኤርትራዊ ከም ዘየለ ክትርድኡ ይግባእ።

ኣብ መደምደምታ፡ ንሕና ብደገ ንስኹም ብውሽጢ ዓቕምና ብምውህሃድ ሃገርና ካብ ዕንወት ህዝብና ካብ ስቓይ ከነድሕን ዘሎና ግዜ ሓጺር ምዃኑ ተረዲእና ንቀላጠፍ።

ብዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

22.02.2020

Last modified on Wednesday, 26 February 2020 23:10