ልኡኻት ሳተላይት ተለቪዥን (ERISAT) ኣብ ከተማ ኦክላንድ-ካሊፎርንያ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶም

2020-02-22 19:47:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜናን ብህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ. Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2509 times

ኣብ ክተማታት ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ምስ ህዝቢ ንምርኻብ ካብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት፣ ብ16 ለካቲት 2020 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ሰፊሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ኣኼባ ኣካይዶም።

ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ዓበይቲ ከተማታት ሳንፍራንሲስኮ፣ ሳንሆዘ፣ ሳክራመንቶ፣ ሳንታሮዛን ካልኦት ከተማታትን ተጓዒዞም ናብቲ ብማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ማ.በ.ኤ.ደ.ለ) ዝተዳለወ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ ብ16 ለካቲት 2020 ኣብ ከተማ ኦክላንድ፣ ሰሜን ካሊፎርንያ ተኻይዱ።

ብሓልዮት ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል (ማ.በ.ኤ.ደ.ለ) ዝተዳለወ ኣኼባ፣ ግዱሳት ገዳይም ተቓለስቲ፣ መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሳተፈ፣ ንኤርትራዊ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ዝወከሉ፣ ንመብዛሕትአን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎም ሃገራውያንን ዝጠርነፈ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ተሳትፎ ምንባሩ ዝያዳ ድምቀት ዘንጸባረቐ ነይሩ።

ካብ ጸጋም ንየማን ኣብ ስእሊ ዘለዉ ክቡራት ልኡኻት ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት፡ ፊልሞን ሓጎስ፣ ብኮሙኒከሽን-ተክኖሎጂ ዝነጥፍ፡ ዘካርያስ ገሪማ፣ ናይ መደባት ዳይረክተር፡ ዮኤል ኪሮስ ኣካያዲ ፋኑስ ስቱዲዮ፡ ዘካርያስ ክብረኣብ፣ ኣካያዲ ስቱድዮ መስትያት ቤትና እዮም። ተሳታፋይ ህዝቢ ንዩኤልን ዘካርያስ ክብረኣብን ኣብ ተለቪዥን ብዘቕርብዎ ዜናን ሓበሬታን፣ ሓተታን ቃለ-መሓትትን ተላልይዎም ነይሩ እዩ፡ ንሳቶም ግን ብኣካል ክራኸብዎን ምስኡ ኢሂን-ምሂን ክበሃሃሉን እዮም መጺኦም።

ኣርባዕቲኦም ልኡኻት በብተራ ዝተወልድሉን ዝዓበይሉን ድሕረ-ባይታ ብምሕባር፣ ገለ ካብኦም ኣብተን ናጻ ዘይመንግስታዊ ጋዜጣታት ምብርካት ጀሚሮም ምንባሮም፣ ሓደ ካብኦም’ውን ኣብ ክፍሊ ዜና ብሓላፍነት ናይ ሓደ መደብ ሓላፊ ኰይኑ ከምዘገልገለን ሓቢሮም። ኣብትሕቲ ግፍዓውን ምልካውን ስርዓት ክነብሩ ስለዘይመረጹ ግን፣ በብመንገዶም ብእግሮም ተጓዒዞም፣ ዶብ ሰጊሮም ክሳብ’ዚ ሕጂ ዝነብርሉ ዘለዉ ሃገራት ከምዝበጽሑ ንተሳተፍቲ ዝመሰጠ ተሞክሮታት ጕዕዞኦም ኣካፊሎም።

ኣመሰራርታ ሳተላይት ተለቪዥን ኤሪሳት ክገልጹ ኸለዉ፤ መደብ ስርሖም ብሓሙሽተ ዝኣባላታ ቦርድ ድሕሪ ምቛም፤ ካብ ካሊፎርንያ ናይ መኽሰብ ኣልቦ ላይሰንስ ሕጋዊ ፍቓድ ብምውጻእ እዮም ተበጊሶም። ብውሑዳት ዝተጀመረ ዕማም፣ እናዓበየ ዝኸደ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ምሉእ ዓለም ዝሳተፉ ዝተፈላለየ ሞያ ዘለዎም ግዱሳት ኣበርከትን ተሓባበርትን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝሓቖፈት ምዃናን ብቐጻሊ ኣብ ምምዕባል ትርከብ ምህላዋን ብዝርዝር ኣብሪሆም።

ብኤሪሳት፡ ዝዳሎ ርእሰ ዓንቀጻት (ኤዲቶርያል) ኣብዘን ዝስዕባ መትከላት መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ከብርሁ ከለዉ፡

- ህዝብናን ላኣላውነት ኤርትራን ዘኽብር

- ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኽተል

- ወገናዊ ኣጀንዳ ዘይብሉ ኰይኑ ዝዳሎ

- ጸላኢ ህዝብና ህግደፍ ምዃኑ ዝኣምነን እዩ ኢሎም።

መግለጺኦም ምስወድኡ፣ ኣብ በይ-ኤርያ ኣምባሳደር ኤሪሳት ዶክተር ነጋ ወልደሩፋኤል ንኣጋይሽ እንኳዕ ድሓን መጻእኩም ብምባል ንዘካይድዎ ኣገልግሎት ሓበሬታን ምንቕቓሕን ንህዝብና ሞጐሱ ገሊጹ። ብዘይ ባጀት ዝዕወት መደብ ስለዘየለ፣ ምንጪ ባጀት ድማ ካብ ህዝቢ ስለዝዀነ፣ ዓቕምታትና ዘፍቅዶ ክንሕግዝ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ርእሲ’ቲ ንሱ ዘወፍዮ፣ ካብ ዘካይዶ ጎስጓስ፡ ከም ኣብነት ጠቒሱ፣ ብዛዕባ ኤርትራዊ ዓርኩ ተኸታታሊ ኤሪሳት፣ ብኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ጭቆና ኩሉ ጊዜ ክሻቐል ዝሰምዓቶ ኣመሪካዊት በዓልቲ ቤቱ፣ ንሳ’ውን ከምኡ ኣብ ምሽቓል ኣትያ፡ ኤሪሳት ኣኼባ ከካይዱ መጺኦም ኣለዉ ኢለ ምስሓበርኩዎም፡ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ንምውዳቕ፣ ኤሪሳት ዓቢ ግደ ከምዝህልዋ ስለዝኣመኑ፣ ሓገዞም ናይ $1,000.00 ቸክ ሰዲዶምለይ ክብል ሓቢሩ። ስለዚ ኣኼባ እንዳተኻየደ ወፈያ ዝቕበሉን ዝምዝግቡን ተዳልዮም ስለዘለዉ ወፈያና ንጀምር ድሕሪ ምባሉ፣ በብተራ ወፈይቲ ወፈያኦም ብሽሕ፣ በማእትን ወፍዮም። ጠቕላላ ኣታዊ ድማ ልዕሊ $16,000.00 በጺሑ ይቕጽል’ውን ኣሎ። ዶክተር ነጋ ንዕለት 29 ለካቲት 2020 ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ ካብ መሪሕነት ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቶ ፍቕረ ጋይም ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ኦክላንድ ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ርእሲ ንዋታዊ ወፈያታት፣ ኣገዳሲ ርእይቶታት፣ ምትብባዕን ለበዋታትን ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንልኡኻት ኤሪሳት ካብ ዝተለገሱ ሓሳባት፡

- ንሃገራዊ ጉዳያትና ቀዳምነት ሂብና ንስራሕ፡ በጃኹም ዘየድሊ ኣውራጃዊ ክትዓት ኣይተልዕሉ/ላ፡ “እታ ሃገር እንተዘየላ’ኮ እታ ኣውራጃ የላን” ዝብል ናብ ህዝቢ ዘቕንዐ ለበዋ ቀሪቡ

- ኣጆኻ ኣጆኺ እናበልና ኢና ናጽነት ኣምጺእናያ፡ ሕጂ ድማ ኣጆኹም ኣጆና እናበልና ፍትሓዊ ስርዓትና ከነምጽእ ንቃለስ፣ ይከኣል ድማ እዩ

- ዝተፈላለዩ ወለዶታትና ክምኡውን ዝተፈላለያ ፖሊቲካውን በርጌሳውን ውድባትና፣ ብሓባር ክሰርሓን ንምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ክስዕራን፤ ኤሪሳት መላግቦን ብምውህሃድ ዘቃልስን ጎስጓስ ሚድያ ከተካይድ ንላቦ።

ድሕሪ ኣኼባ ንመዘከርታ ናይ ሓባር ስእሊ ተላዒልና። (ማ.በ.ኤ.ደ.ለ) ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ንኽብሪ ኣጋይሽ ዘዳለዎ ናይ ድራር ግብዣ ንዅሉ ተሳታፊ ኣኼባ ዓዲሙ፣ መብዝሕትና ድማ ኣብኡ ምስ ኣጋይሽ ከነዕልልን ክንላለን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምሸት ኣምሲና።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ !!!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና !!!

(ማ.በ.ኤ.ደ.ለ)

Last modified on Saturday, 22 February 2020 21:08