ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ፡ ቁማር ክኸውን እዩ

2020-02-11 09:02:34 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2165 times

ብቐደሙስ ብፖለቲካ ምጥላዕ መወዳእትኡ  እንትርፎ ኪሳራ ዓወት ኣየጎናጽፍን እዩ።  እቲ ከሎ ጋና ንሃገራዊ ረብሓ ዝጠቅም ከይሓሰብካ ንግዚያዊ ጥቕምኻን ስልጣን ንምብሓትን ዝግበር ሽርሓዊ ጸወታ እነሆ ካብ ውግእ ናብ ወረ ውግእ ደጊሙ የቀራርበና ኣሎ። ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ኣስተርሕዩ ክነብርን ንጉዳይ ሃገሩ ክከላኸልን ከማዕብልን ዝግበኦ ዝነበረ፡ ብሰንኪ ዘይምስምማዕ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፥ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ከምዝጠፍእ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ጠንቂ ድማ ከምቲ “ክልተ ጎራሓት ሓሙዂሽቲ ስንቆም” ዝበሃል፡ ክልቲኣቶም መንግስታት ግጉይ ኣገባብ   ብምኽታሎም ዘምጸኦ መዘዝ እዩ።

እቲ ናይ 1998 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኣኽሳሪ ውግእ፡ ኣብ መወዳእትኡ ብናይ ሰላም ውዕል እዩ ተዛዚሙ። እቲ ብኣልጀርስ ዝፍለጥ ናይ ሰላም ውዕል  “ቀያድን እግባይ ዘይባሃሎ ናይ መወዳእታን” ብይን ተዋሂብዎ እዩ። ይግባይ ዘይብሃለሉ ከበሃል ከሎ፡ ብዘይካ ኣብ ግብሪ ምውዓል ካልእ ምኽንያታዊ ሓሳብ ዘይቀርበሉ ማለት ምዃኑ ኩልና ንርደኦ ኢና።  ነዚ ብይን እዚ ከኣ ክልቲኣቶም መራሕቲ፥  ኢሰያስ ኣፈወርቅንን ነፍሰ ሄር መለስ ዜናውን ተመሊሶም ዕጻይ ምጻጻይ ከይበሉ ከቲመምሉ እዮም።

እዚ  ዝኸተምሉ  ስምምዕ ግን ሓደ ብሰዓርነት እቲ ካልእ ካኣ ብተሰዓርነት መንፈስ እምበር፡ ብልቢ ተኣማሚኖም እዮም ነቲ ብይን ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣሚነምሉ እንተልና፡ ነናቶም ፈንጂ ኣጻዊዶም ኢዮም ነቲ ብይን ዝተቐበልዎ። ኢሰያስ ነቲ ኣብቲ ውግእ ዝኸሰሮ ንኽዓብጥን ተመሊሱ ግዜ ንምኽሳብን ተቐላጢፉ ነቲ ናይ ሰላም መጸዋዕታ ተቐቢልዎ። መለስ እውን እቲ ውግእ ኣብ ጥቕሙ ተደምዲሙ ብምዕዋቱ  ነቲ ብይን ናብ  “ኣይሰላም ኣይውግእ” ክቕይሮ ከምዝኽእል ብምትእምማን እዩ ፈሪሙ።

ኣብዚ ክለዓል ዝኽእል ሓደ ሕቶ እንተሎ፡ እንተደኣ ክልተ ልኡላውያን ሃገራት ምዃነን ተኣሚኑ፥ እቲ ድሕሪ እቲ ውዕል ኣልጀርስ ክግበር ዝነበሮ ቀዳምነት ጉዳይ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ምምልካት እዩ። እዚ ከኣ ክልቲኣቶም መራሕቲ ነቲ ፖለቲካዊ ጸዋታት ክቕጽልዎ ምዃኖም ደጒሎም ዝሓለፍዎ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኢሰያስ ንስልጣኑ ክብል ክሳብ ሕጂ ንናይ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ወይ ድማ እቲ ብይን ኣብ ግብሪ ዘይምውዓል ምኽንያት ተጠቒሙ ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ንኽሕዞ መጻወቲት ካርትኡ ንሳ ኢያ። ዶብ ከይተሓንጸጸ ዝግበር የለን ኣይትሓዙኒ ኢሉ ከምዘይፈከረ፡ ተመሊሱ ነታ ትማሊ ዝተጋገያ ኢዩ ሎሚ’ውን መሊሱ  ዝደግማ ዘሎ።  ምኽንያቱ ስምምዕ ከበሃል ከሎ ግዜን ኣተገባብራን ወሲንካ ኢኻ ትሰማማዕ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ዝመስል ውግእ ዘቐመጦ ስትራተጂ ነይርዎ  ከብሃል ይከኣል። ንሱ ድማ  እቲ ብይን ተቐቢልናዮ ኢና እንተኾነ እቲ ምሕንጻጽ ንቤተ-ክርስትያንዶ ንመሬትዶ ኣብ ክልተ ዝኸፍል ስለዝኾነ ኢልካ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣራኺብና ክንዝትየሉ ምባል ንገዛእ ርእሱ ነቲ እግባይ ዘይበሃሎ ዝፈረምሉ ውዕል ምጥሓስ እዩ ዘመልክት። ምኽንያቱ እቲ ውዕል ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል  ማሕለኻታትን ንዓኡ ክዕንቅጽ ዝቐረበ በዓል ሓሙሽተ ነጥብታት ህያው ምስክር እዩ። እቲ ውጽኢት  ድማ ናብ “ኣይ ሰላም ኣይ ውግእ” ኣምረሐ፥ ክሳብ ሕጂ ድማ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ መሬት ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ ምቁጽጻር መንግስቲ ኤርትራ እዩ  ዘሎ። ናይዚ ኩነታት ኣይሰላም ኣይ ውግእከ መን ተረቢሑሉ እንተበልና ብቐንዱ ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ንኽነብር ምኽንያት ኮይንዎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ መንእሰይ ኤርትራ ሃገሩ ገዲፉ ክስደድ እታ ሃገር ብዘይ መንእሰይ ክትተርፍ ገይርዋ ኣሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ እቲ መንእሰይ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ጸንቂቑ ክወጽእ ከሎ  እቲ ነቲ ዘይተረፍ ውግእ  መደብ ዘለዎ  ንጥቕሙ ኢዩ።

እዚ ኹሉ ብሰላማዊ መገዲ ማለት እቲ ቅድም ውግእ መን ጀሚርዎ ብሕጊ ሓላፍነት ዝስከመሉ ኣካል ዝተፈልጠ ኮይኑ፡  እቲ ናይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ  ምርኻብን ምዝታይን ዝበሃል ቅድሚ እቲ ውግእ ክካዘድን ክቅጽልን ዝነበሮ ኢዩ። ሎሚ ውን እቲ ጉዳይ ዶብ ጠንቂ ናይ መጽነቲ ክልቲኡ ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ናይ ዶብ ዝምልከት ክልቲኡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ውዕል ኣልጀሪስ ተቐቢሎም ዝኸተምሉ ስለ ዝኾነ።

ሎሚ  እቲ ኣብ ትግራይ ብገለ ወገናት ብጉልባብ ኣግኣዝያን ዝበሃል ዘሎ፡ ተጋሩ  ክንስና  ኣብ ክልተ ተመቒልና፥ ምስኡ  ድማ ዓሰብ ናትና ኢያ ክንብል ኣሎና ዝብል ዝቕልቀል ዘለዉ ናይ ገለ ወገናት ወስታታት ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። እዚ ምስቲ  ናይ ካልኦት ኣህዛብ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ባድመ ይኹን ኣፍደገ ባሕሪ ብምስኣን ዝተበጽሐ ውዕል ጉዳይ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ስለዝኾነ፡ ፈጺምና ኣይንቕበሎን ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ንሓዋሩ እንታይ ክፍጠር እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሉ ሸነኻት በቲ ዝዝረብ ዘሎ ዘረባታትን ብጋህዲ ይኹን ብስውር ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣጽዋር ምኹማርን ደማሚርካ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘጽንት ጐስጓስ ኢዩ። እዚ ከኣ ነቲ ናይ ሰላም መንገዲ ገዲፍካ፡ ዝካየድ ዘሎ ናይ  ቃላት ውግእን ምድላዋትን ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ንምኽሳር እምበር፡ እቶም ብህዝቦምን መንእሰያቶምን ዝጣልዑ ዘለዉ ዋላ ሓንቲ ኣይክኾኑን ኢዮም። እቲ ሽግር ግን እዘን ክልቲአን ሃገራት ሰላምን ምርግጋኣን ተሓሪምወን ህዝበን ካብ ምምዕባል፡ ምብልጻግን ስልጣኔን ርሒቖም ንዘልኣለም ክተፋነኑ ክነብሩ ኢዮም።

በዚ መሰረት እቲ ድርቅናን እቲ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ኣይንግዛእን ዝዓይነቱ እምቢታ፡   ምልክት ናይ ብሓይልኻ ምጥቃም እዩ ትርጉሙ። ምኽንያቱ እቲ ብይን ንኸይትግበር ብኹሉ ሸነኻት ሽርሒታት እዩ ዘንጸላልዎ ዘሎ ። እዚ ከኣ እቲ ሓደ ቅድሚ ምሕንጻጽ ዶብ ክንዛተ ዝብል ዝነበረ ሕጂ ዶብ መዛረባ ኣይኮነን ብዝብል ምስምስ ጃላ ክገድፎ ከሎ፡ እቲ ሓደ ድማ ጉዳይ ዶብ ንኢትዮጵያ ብምልእታ ዝምልከት’ዩ ዝብል መናቖቲ ምልክት ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። ስለዚ ድማዩ ጉዳይ ብይን ዶብ ኣብ ተግባር ንኸይውዕል እቶም ንስልጣኖም ክከላኸሉ ዝደልዩ ከም ካርታ ናይ መን ተዓወተ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ። እዚ ማለት ብርኢቶይ እቲ ውግእ ብቐሊሉ ሸጠጥ ከምዝብል ናይ ግዜ ሕቶ እምበር  ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ውግእ ደመና፥ ንህዝብና ዘጥፍእን ንልኡላውነት መሬትና ድማ ኣብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ከምዝኸውን ተረዲእና ነዚ ንምግታእ ኩሉ ዝካኣለና ክፍጽም  ንሕተት ኣለና። ሃገርና ክነድሕና እንተዀና ብናይ ጥዑም ቃላት ዝወሃብ ወይ እውን ንልብና ዘረሳርስ ዘረባ ሰሚዒና ክንህመል ኣይግባእን። እዚ ስለዝኾነ ንሕና ኤርትራውያን ቅድሚ ሕጂ ሃገርና ስለ ዝበልና፡ ትምክሕታውያን ተባሂልና ኢና። ይኹን እምበር ሎሚ  ነዛ ሃገር ክንሓስበላ ዲና  ወይ  ኢድና ሂብና  ስቕ  ክንብል ኣብ ክልተ ምርጫታት  ንርከብ ኣሎና። በዚ እንኸዶ ዘሎና ድማ እንተዘይ ተጠርኒፍና ተዛሪብና ይኹን ጽሒፍና ክነስምዕ ኣይክንክእልን ኢና፥ ሃገራዊ መንነትናን ሓድነትናን  ድማ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቕ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እታ ሃገር ውን ከይንስእና ኣብ ዘሰክፍ ኩነት ኢና ንነብር ዘሎና።  

Last modified on Tuesday, 11 February 2020 10:05