ህግዲፍ፡ ሎሚ’ውን ኣጽቅጥ

2020-01-22 09:17:28 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2418 times

ንህግዲፍ ብሰንክቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን በደላትን ግህሰታትን ብዘለና ዓቕሚ ክንቃለሶ ጸኒሕና። ሕጂ እውን እቲ ቃልሲ ክሳብ ህዝባዊ ዓወት ቀጻሊ ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ ቀጻሊ ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገርን ህዝቢ ሓራ ናይ ምውጻእን ቃልስና ከኣ፡ ንዘመናዊ ጭቆናን ግህሰታትን ናይቲ ንኤርትራን ህዝባን ዝሕምስ ዘሎ ጉጅለ፡ በብመዳዩ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከነቃለዖ ጸኒሕና። እዚ ቃልስና እቲ ህግዲፍ ብቐጻሊ ባዕሉ ንባዕሉ ዘቃልዖ ዘሎ ተወሲኽዎ፡ ሎሚ ምስማዕን ምርኣይን ምእማን ስለ ዝኾነ፡ ምርዳእ መንነትን እንታይነትን ህግዲፍ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ፍኹሰት ኢሳያስ ኣፈወርቒ ብግቡእ ኣብ ዝተነጸረሉ ደረጃ  በጺሕና ኣለና።

Timket 2020 Gondor

ከምቲ “ይሓይሽ እንተበልኩዎስ፡ ዝገደደ” ዝበሃል፡ ህግዲፍ በቲ ዝንገሮ ዘሎ ተኣሚኑን ጌጋታቱ ተቐቢሉን ኣካይዳኡ ከመሓይሽ ባህርያቱ ስለ ዘይፈቕደሉ፡ እነሆ እቲ ወጽዓን ግህሰትን ስለ ዘየዕገቦ፡ ኣብ ልኡላዊት ኤርትራ ናብ ምውጋይ ዝወስዶ መንገዲ ዓቐበት ትልኽ ይብል ኣሎ።

  • ናይ ዘራጊቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓጐሱ ንምግላጽ ኣፍልቡ እንዳ ወቐዐን ርእሱ እንዳነቕነቐን፡ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዮም ዝብሉ፡ ድሕሪ ሕጂ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም። ነዚ ከነዕውት ከኣ ብቐጻሊ ክንሰርሓሉ ኢና”
  • ናይ “ሚኒስተር” ዑስማን ሳልሕ፡ “ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና”
  • ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር፡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ “ብስም ኤርትራ ኣብ መድረኻት ክምድርን ናይ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ክሰርሕን ተወኪለ እየ”
  • ናይ ኢትዮጵያዊ መጀር ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት ብተደጋጋሚ “ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ምጥቃም ሕጋዊ መሰል ኣለዋ”
  • ናይ ጋዜጠኛን ፖለቲካዊ ተንታንን፡ ኢትዮጵያዊ ትዕቢተኛ ታምራት ነገራ፥ “ንኤርትራ ናብ ደረጃ ንእሽቶ ናይ ቀደም ጠቕላይ ግዝኣት ኣሩሲ ከነውርዳ ኢና፡ ኤርትራ ሓደ ኤምባሲ ጥራይ እዩ ዘድልያ፡ ንሱ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ። ኤርትራዊ ካብ በትሪ ሓሊፉ ካልእ ክዕጠቕ የብሉን”
  • ናይ ኢትዮጵያዊ ዓይነ-ስዉር ጋዜጠኛ ተድሮስ ጸጋየ፡ “ውዕል ኣልጀርስ ጽባሕ ቀዲድካ ዝድርበ ተራ ወረቐት እዩ”፡ ዝብሉ ኣበሃህላታት፡ ሰሚዕናን ርኢናን። ኣዚና እውን ተገሪምና።

እዞም ኩሎም ዘይፍትሓዊ ኣበሃህላታት፡ ናይ መልክዕ እምበር፡ ናይ ትሕዝቶ ፍልላይ ዘይብሎም፡ ኢሳያስ ህልውናኡ ቅድሚት ሰሪዑ ብዝሃንደሶ፡ ዘይሓላፍነታውያን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ልኡላውነትናን ክብርናን ውዲት ይኣልሙ ከም ዘለዉ ዘመላኽቱ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ወዮ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ልኡላውነት ዝህድድ ሃቐነታት ምድግጋሙ ምስ ቀጸለ፡ ይሻቐል ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ሻቕሎት እንተዘይበዚሕዎ ኣይውሕዶን እዩ። ምኽንያቱ ዝፈሰሰ ደምን ዝተከስከሰ ኣዕጽምትን  ደቁ እዩ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ዘሎ። እዚ ሻቕሎቱ ተሓቚኑ ጻዕዩ፡ ንህግዲፍ ክጸርግ ናብ ዝኽእል ግብራዊ ህዝባዊ ማዕበል እንተዘይማዕቢሉ፡ ሻቕሎት ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ገለ ወገናት ሎሚ ብግብሪ ስጉምቲ ምውሳድ፡ እንተዘይኮይኑ ምጽሓፍን ምዝራብን ለውጢ ኣየምጽእን እዩ፡ ክብሉ ይስምዑ እዮም። እቲ ዝጸሓፍን ዝዝረብን ናይ “ናብ ግብራውነት ንስገር” መልእኽቲ ዘሕፍልፍ ምዃኑ ግና ክዝንግዕዎ ኣይግባእን።

ሎሚ እውን ጋና ከምቲ፡ “ጭራን ጉድን ብድሕሪት እዩ” ዝበሃል፡ እነሆ እቲ ክድዓት መመሊሱ ይዓርግ። ኣብ ድሮ በዓል ጥምቀት 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ጐንደር፡ ናይ ሜዳ ምርኢት ካርኒቫል ብናይ ቀደም ኤርትራ ኣብ ትሒቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ እንከላ፡ ዘርኢ ካርታ ( ) ኢትዮጵያ ወቂቡ ከም ዝነበረ ብናይታ ጋና ዋናኣ ዘይተፈልጠ ኢትዮጵያ መንግስታዊ ሚድያ ተገሊጹ ነይሩ። እነሆ ከኣ እቲ ንኤርትራ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ዘስፈረ ካርታ፡ ብናይ ኣማሓራ ዝመረጽዎ ሰንደቕ ዓላም ኢትዮጵያ ተጐልቢቡ ኣብ ብዙሓት መርበባትን ማሕበራዊ ሚድያታትን ንዕዘቦ ኣለና። ኣንበሳድር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሰመረ ርእሶም ዝመርሖ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተዓዲሙ ተሳቲፉ፡ ነዚ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ዝተሳእለትሉ ካርታ እንዳ ረኣየ፡ ነቲ ጽንብል ጥምቀት ኣብ  ጐንደር፡ ባርኔጥኡ ግጥም ኣቢሉ ክንእዶ ኩልና ብእዝንና ሰሚዕናዮ ብዓይንና እውን ርኢናዮ።

ሓደሓደ ቀቢጾም ዘይቀብጹ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግዲፍ፡ ያኢ ንህግዲፍ እሙን ኤርትራዊ መንግስቲ መሲልዎም፡ “ነዝስ እቲ ሰብኣይ ባዕሉ ካብ ኢትዮጵያ መብርሂ ክሓትሉ እዩ” ዝብል ተስፋ ኣሕዲሮም ኣለዉ። እንተኾነ እዚ ናይቲ ኮነ ኢልካ በብቑሩብ፣ ፍሑኽ ክብል ዝጸንሐ ሰላሕታዊ ክሕደት መቐጸልታ እምበር፡ ሓድሽ ስለ ዘይኮነ፡ ህግዲፍ ሎሚ’ውን ከምቲ ዝለመዶ ከም ዘጽቅጥ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ዕሉል ብናይ ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ህይወት ዝሕተት ቀታሊ ሰመረ ርእሶም፡ ምስ ኤርትራዊ ሕልናኡን ሕድሪ ስውኣቱን እንተዝነብር ደኣ እንታይ ዘጸቢ ነይርዎ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ምልክታኡ ኣስሚዑ ረጊጽዎ መወጸ። ዝለኣኾ መንግስቱ ከኣ ንሱ ብዘቕርቦ ጸብጻብ መሰረት፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ መብርሂ ምሓተተ። እንተዘየለ ህግዲፍ ብናይ ግዳም ሃፈጽታ ተሳዒሩ ዝረዓመን ኤርትራዊ ክብሪ ዘራኸሰን ስለ ዝኾነ እነሆ ከም ልማዱ ኣጽቂጡ።

ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ሃገርና እዚ ሓድሽ ኣይኮነን። እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናብ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዘእተወናን ክቡር ዋጋ ክንከፍል ዘገደደናን እውን ናይ ህዝብና ባህጊ፡ ብናይ ግዳም ሓይልታት “ኣጀዃትኩም በሃልነትን” ናይ ውሑዳት ኤርትራውያን ተንበርካኽነትን”  ምስተጨው እዩ። ሎሚኸ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና ነብስና እንተዘይኣሲርና፡ እዚ ዘይድገመሉ እንታይ ተኣምር ኣሎ?፡ ካብ ሕሉፍ ክንመሃር ድሉዋት እንተሊና ግና፡ ክድገም ድዩ ኣይድገምን ኣብ ኢድና ዘሎ እዩ። እንተ ኤርትራ፡ እንተገደደስ ዳግማይ መስዋእትን ቃልስን ደኣ ትሕትት  እምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጓዕጺጽካ ኤርትራ ካብ ምዃና ዝዓግታ ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ። በዓል ኢሳያስ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝኾዓትዎ ጉድጓን፡ ነዚሐምዎ ዘለዉ መርዝን ፈዊስካ፡ ኤርትራ ንምድሓን እቲ ቃልሲ ቀሊል ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ እቲ ዕድል ሕጂ እውን ካብ ኢድና ኣይወጸን። በዚ ዘለናዮ ናይ “ሮማዕ ኢልና ነርክበሉ” ኣካይዳ እንተቐጺልና ግና፡ ታሪኽ ንገዛእ ርእሱ ደጊሙ ጉዳይና ካብ ኢድና ዘይወጸሉ ምኽንያት ኣይክህሉን እዩ።

Last modified on Wednesday, 22 January 2020 10:34