
ኣብቲ ኣብ ከተማ ጎንደር፡ ክልል ኣምሓራ፡ ዝካየድ ዝነበረ ጽምብል በዓል ጥምቀት፡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ቁጽሪ ናይቶም ምውታት ክሳብ 10 ከም ዝበጽሕን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካልኦት ኣብቲ ሓደጋ ቆሲሎም ምህላዎምን'ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
እቲ ሓደጋ፡ ሓደ ኣብ ውሽጢ ታሪኻዊ ቤተመንግስቲ ሃጸይ ፋሲለደስ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ መድረኽ ብምፍራሱ ዝሰዓበ ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ።

ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ኣብታ ከተማ ዝተፈጸመ ጽምብል፡ ልዕሊ 15 000 ወጻእተኛታት ዝተሳተፍዎ'ዩ ነይሩ።
ክልተ ወጻእተኛታት "ፊኲስ ጉድኣት" ከም ዝወረዶም ድማ፡ ማዕከን ዜና ፋና፡ ንሰብመዚ'ቲ ከባቢ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ፋና፡ ኣብ ጸብጻቡ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝቖሰሉ'ውን ጠቒሱ'ሎ።
እቶም ሰብመዚ ኣብቲ ሓደጋ ሂወቶም ዝሓለፈ ሰባት ከም ዘለዉ'ኳ እንተረጋገጹ፡ ቁጽሪ ናይቶም ግዳያት ግን ዛጊት ኣይጠቐሱን።

ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ሳህለ ወርቅ ዘውዴ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተረኺባ መደረ ከም ዘስመዐት ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣቃሊሐን።
ወይዘሮ፡ ሳህለወርቅ፡ ኣብ መደረኣ'ውን "እዚ ዝረአናዮ ሓደጋ" ብምባል ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ኩነታት ክትዛረብ ተሰሚዓ ነይራ።
Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-51180182