ኣተሃላልዋና’ውን ሓደ ብደሆ’ዩ

2019-12-24 10:25:01 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2090 times

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቅድሚ በሃግቲ ለውጢ ኤርትራውያን ዘሎ ብደሆታት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ብዓብይኡ እቲ ብሰንኪ ዓመጸኛ ጨቋኒ ጉጅለ ህግዲፍ፡ ናይ ሕገመንግስቲ ዘይብላ፡ ብሕጊ ዝቕየዱ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት መንግስቲ ዘይረኣየላ፡ ልዕልና ፍትሕን ሕግን ዝተሓረማ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ ምርጫ ዘይፈተነት፡ መንእሰያታ ኣብ ሃገሮም ምስ ጸበቦም ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡላ፡ መሰረታዊ መሰላት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብን ነጻነት ኣብ ዝመረጽካዮ ሃይማኖት ምምላኽ ዝተሓረመላ፡ ኣብ ዓለም ኣብ ኩሉ ናይ ኣሉታ ዝርዝር ቅድሚት እትስራዕ፡ መራሒኣ ብልኡላውነታ ክጣላዕ ዝደናደን፡ ኮታ ኣብ ኢድ ሓደ ጥዑይ ኣተሓሳስባ ዘይብሉ ጽሉልን ዘራግን ሰብኣይ ናይ ዝወደቐት ሃገር ዜጋ ምዃን፡ ክሳብ ክንደይ ከቢድ፡ መሪርን ኣሻቓልን ብደሆ ምዃኑ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ፍታሕ ግና ምሽቓል ዘይኮነ፡ ነቲ ሻቕሎት ናብ ራህዋ ንምቕያሩ ተቢዕካ ምቅላስ ጥራይ እዩ።

ኣብቲ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ተዳዕኒኑ ዘሎ ምእማኑ ዘጸግም ድሑር ምምሕዳርን መንግዛእትን፡ ጉጅለ ህግዲፍ ስዒርካ፡  ሕገመንግስታዊት፡ ብዙሕነታዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ  እነካይዶ ዘለና መሪር ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ እውን ብደሆታት ኣለዉና። ክሳብ ሎሚ ነቲ ብውሽጣዊ መስርሑ’ውን ተሓቚኑ እንዳመሽመሸ ዝኸይድ ዘሎ ምምሕዳር ጉጅለ ህግዲፍ መኪትና ከነወግዶ ናይ ዘይምኽኣልና ምስጢር ከኣ ነቶም ኣብ ደንበ ለውጢ ዘለዉና ብደሆታት ክንሰግሮም ዘይምብቃዕና እዩ። እንተኾነ ግዜ ይነውሕ፡ ምስ ግዜ ምንዋሕ ከኣ ጸገም ህዝብና ዝያዳ ይስዕርር እምበር፡ ስዕረት ጉጅለ ህግዲፍስ ዘይተርፍ ምዃኑ ክንእመን ይግበኣና። ህግዲፍ እውን ለኪሙ ንክጠፍእ ደኣ የዕገርግር ኣሎ እምበር ዕምሩ ይሓጽር ከምዘሎ ከም ዘይስሕቶ ምልክታት ንዕዘብ ኣለና።

ነቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግዲፍ ክንዕወት ዘይምኽኣልና ኣገራሚ ዝገብሮ ከኣ፡ እቶም ከይንዕወት ዓጊቶምና ዘለዉ ብደሆታት፡ ብቕንዕና፡ ብሓልዮትን ብትብዓትን እንተንብገስ መፍትሒኦም ኣብ ኢድና እንከሎ ምዃኑ እዩ። ብመንጽርዚ ክንዕዘቦ እንከለና፡ መድሃኒቱ ኣብ ኢድና ብዘሎ፡ በበይንኻ ኮይንካ “እህህ” ናይ ምባል ሕማም ኢና ንሳቐ ዘለና። እቲ ፍትን መድሃኒት እምበኣር ኩሉ ግዜ ከም እንጠቕሶ፡ ኣብ ፖሊሲ ፍልልያዊ ሓድነት ረጢብካ፡ ዘራኽበካን ዘየራኽበካን ኣነጺርካን ቀዳምነታትካ ሰሪዕካን ምጽውዋርን ምክእኣልን ዓጢቕካ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ሰሪዕካ ንቕድሚት ምስጓም እዩ። ናይዚ መድሃኒት ፍቱንነት ኣባና ዝጅምር ዘይኮነ፡ ብመጽናዕትን ምምርማርን ዝተደገፈ ብናይ ብዙሓት ወገናት ተመኩሮ ተፈቲኑ ዘድመዐ እዩ።

ናብዚ ፍቱን መዋጸኦ ዝበልናዮ ክንበጽሕ ኣካላዊ ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ከነጥሪ ናይ ግድን የድልየና። ነዚ ክንበቅዕ ከኣ ተቐራሪብካ፡ ምልዛብን እሂንምሂን ምብህሃልን መተካእታ ዘየብሉ ኣገባብ እዩ። ተመዓዳዲኻ ቅኑዕ እዩ እትብሎ ሓሳብ ክትህብ እምበር፡ ናይ ካለኦት ብዘይ ብኣታቶም ዘይኮነልካ፡ ንሳቶም እውን ብዘይበኣኻ ዘይኮነሎም መኻይድኻ ሓሳብ ክትቅበል ቅሩብ ዘይምዃን  ክሳብ ሎሚ ኣየዕወተናን። ሎሚ እውን በዚ ዘየዕወተና መንግዲ ክንቅጽል ኢና እንተ ኢልና ከኣ ጉልበትን ግዜን ካብ ምብኻን ሓሊፍና እነምጸኦ ለውጢ የለን። እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዕዘቦ ዘለና፡ ንሓሳብካ ምሃብን ናይ ካለኦት ሓሳብ ምቕባልን ናይ ምምጥጣን ተስፋ ዝህብ እዩ። እዚ ተስፋ ዝህብ ምድምማጽን  ምቅርራብን ዝንባለ፡ ዳርጋ ኩሉ ክበሃል ይከኣል ብመንገዲ ዘመናዊ ስልጣነ ዝወለዶ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝካየድ ልዝብ ዝተጠርየ እዩ። ብኣካል ዘይፋለጡን መልከዖም ዘይረኣኣዩን ሰባት ብዛዕባ ኣዝዩ ወሳኒ  ህዝባውን ሃገራውን ዛዕባ ምዝርራብ ንቡር ኮይኑ ኣሎ። ነቲ ዝግበር ዝርርባት ብምስሊ ናይ ምስናዩ ፈተነታት እውን ንዕዘብ ኢና። እዚ ሳላ ዘመናውነት ዝረኸብናዮ ዕድል ኣዝዩ ዝነኣድ ዘበን ዘምጸኦ  መዋጸኦ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ምስ ኩልቲ ኣበርክተኡ ክንዲ ብኣካል ተራኺብካ እንዳተረኣኣኻ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ሓዊስካ ምዝታይ ከምዘይከውን ግና ብሩህ እዩ። እቲ ብሰንኪ ኣተሃላልዋና ዘጋጥመና ብደሆ ከኣ ኣብዚ ይንጸባረቕ። ብዙሓት ናይዚ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣካላት፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጠለባቶም ንምምላእ ኣብ ስረሓት ስለ ዝጽመዱ፡ ክንድቲ ዝደልይዎ ኣብ ቃልሲ ዝውዕል ግዜን ንዋትን ክምድቡ ዝጽገሙ ምዃኖም ከኣ ነቲ ብኣተሃላልዋና ዝፍጠር ብደሆ መሊሱ ዘራጉዶ እዩ። 

እዚ ዘመናዊ ናይ መራኸቢ ጥበብ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዘለዎ ዘይተመጣጠነ ዝርጋሐን ጽሬትን እውን ኣብ ኣድማዕነት ናይቲ ዝግበር ርክባት ናቱ ተጽዕኖን ብደሆን ኣለዎ። እቶም ተጠቀምቲ ናይዚ መራኸቢ ሜላ፡ ብዛዕባቲ መራኸቢ ዘለዎም ብቕዓትን ኣፍልጦን ዘይተመጣጠነ ምዃን እውን ከምኡ ተጽዕኖኡ ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ረቂቕ መራኸቢ ከልምዓካ ኮነ ከጥፈኣካ ዝኽእል ርቀት ዘለዎ ኮይኑ፡ ዝሓቶ ወጻኢ እውን ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ካልእ ብደሆኡ ከኣ ከምቲ “ርሑቕ ዓዲ መሕሰዊ” ዝበሃል፡ ርሑቕ እንከለኻ ኣብ ቀረባ ከም ዘለኻ፡ ውሑዳት እንከለኻ ብዙሓት መሲልካ ብምቕራብ ዘይኮንካዮ ኮይንካ ንምቕራብ ዕድል ዝኸፍት ብምዃኑ’ውን ሃስያ ኣለዎ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ነቲ ዘለናዮ  ኣጸጋሚ ኣተሃላልዋ፡ ብናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ካብ ምብዳህ ሓሊፉ ካልእ መተካእታ የብልናን።

Last modified on Tuesday, 24 December 2019 11:27