“ንሕናን ንሶምን” ዝብል ደው ክብል ይግባእ

2019-12-14 10:31:30 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1668 times

ኣብ ዓለምና ንዝጎደለ ዝምልእ፥ ንዝበለየ ዘሕድስ፥ ንዝተሰብረ ዝጽግን፥ ንዝፈረሰ ድማ ዝሃንጽ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ብዙሓት ኢዮም። በኣንጻሩ፥ ብእንጻር’ዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ዝሰርሕ ጥዑይ ዘይኮነ ኣእምሮ ዘለዎም’ውን ከምኡ ብዙሓት እዮም። እዚ ጥዑይን ዘይጥዑይን ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ነናቶም ባህርን ጠባያትን ክህልዎም ድማ ናይ ግድን እዩ። ካብዚኦም ከኣ ንምዕብልናን ብልጽግናን ዝሓስቡን፥ ህውከትን ዕግርግርን ዝፈጥሩን ኣለውዎም።

እዞም ተጠቒሶም ዘለው ባህርያት ማለት፡ ዓለምና ብኽልተ ተጻረርቲ ዝቖመት ምዃና እዩ ዝእምት። ንሱ ድማ ጻዕዳ እንተልዩ ጸሊም ይህሉ፥ ብርሃን እንተልዩ ጸልማት ይህሉ ማለት እዩ። በዚ መሰረት ሓደ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ክቐርብ እንከሎ፥ ናቱ ተጻራሪ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ከምዘሎ ክንርዳእ ኣሎና። ነዚ ተጻራሪ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ምስቶም ተጻራሪ  ርእይቶ  ዘለዎም ሰባት ኣብ እንረዳደኣሉን እንካን ሃባን ኣብ እንብለሉን ግዜ፥ ንናይ ሓሳብካ ምግላጽ ማዕርነትን፥ ናይ ምድምማጽን ኣገባብ ክንክተል ይግበኣና። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ነቲ ክልተ ዝተፈላለየ ርእይቶ ይኹን ሓሳብ ብናተይ ይበልጽ፥ ወይ ንምክልኻል ኣብ ዝብል ሙጉት ዘይኮነስ፥ ነቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ብፍልጠትን ኣእምሮኣዊ ብስለትን ቀሪብካ ነቲ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣብ ናይ ኩልኻ ረብሓ ብዘውዕል እወንታዊ ፍታሕ ንምብጻሕን ክንዋሳእ ይግባእ። ብተወሳኺ እውን እቲ ኣቀራርባናን ርክባትናን ንሓዲሽ ሓሳባት ዝቕበል መንፈስ ክህሉን፡ ንዓኡ ንምህብታም ዝግበር ምጉትን ኣብ ግምት ብምእታው፥ “እዚዶ ንዝሓሰብክዎ ክኾልፈኒ ወይ ግጉይ ኰይነ ከቕርበኒ” ካብ ዝብል ብደዓዊን፥ መን ከማይን ናጻ ኮይና ኣብቲ ዝቐርብ ሓሳብ እምበር መን የቕርቦ ኣሎ ዝብል ገዲፍና ክንዋሳእ ከለና ናይ እወንታዊ ባህሪ፡ ቅኑዕ ልቦናን ብልህነትን ዘልዎም ሰባት ምልክት እዩ።

እቶም ንምፍራስ ዝተዓጥቁ ሰባት ነቲ ዝሓዝዎ ዕላማ ኣብ ተግባር ክቕይርዎ ከለዉ፡ ዘቕርብዎ ሓሳብ ነቲ ንሕናን ንሶምን ዝብል እዮም ብዝያዳ ንቕድሚት ዘምጽእዎ። እዚ ነቲ ናቶም ሓሳብ ወይ ርእይቶ ዝያዳ ትዂረት ብምሃብ ነቲ ናይ ካልእ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ክስዕርዎን ክጭፍልቕዎን እምበር፥ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶ ወይ ሓሳብ ካብዚ ናተይ ይሓይሽ ይኸውን ኢሎም ንኽመራመሩሉ ዝብል ሕልና ፈጺሞም ኣየዘውትሩን። በዚ መሰረት ንዝተፈላለዩ ዛዕባታት ይኹን ርእይቶታት ጥቕሙን ጉድኣቱን መምዮም፥ ንረብሓ ኩሉ ዝኸውን ናይ ሓሳብ ምቅርራብ ብዘተኣናግድ ኣገባብ ምጥቃም፡ ናይ ድሌትን ምትብባዕን ሸውሃት የብሎምን። እዚ ዘይምህላው ድማ ነቲ ናይ ፖለቲካዊ ፍልልያት ምክእኣልን ምጽውዋርን ኣህሲሱ፥ ነቲ ክብርታት ዲሞክራሲ ንምግንዛብ ይኹን፥ ነቲ ዝግበር ምቅርራብን ልዝባትን’ውን እንተሃለወ፥ ሃናጽን ናይ ሓባር ዕላማታት ንምዕዋት ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ንምውናን ይዓግት። እዚ ባህሪ እዚ እዩ እውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰልፊ ይኹን ወይ እውን ንናይ ብዙሓት ሰልፍታት ኣብ ናይ ሓሳባትን ርእይቶታትን ድሌታትን ግቡእ ቆላሕታን ኣድህቦን ከይተዋህቦ ንምምሕዳሩ ዘሸግርን ናይ ሓሳባትን ርእይቶን ሓድነት ተሳኢኑ ኣብ ምፍንጫል ገጹ ዝምዕብልን።

በኣንጻሩ እቶም ንዝተፈላለዩ ርእይቶታት ተቐቢሎም ኣእምሮ ዝመልኦ ኣገባብ ተኸቲሎም፥ ኣብቲ ናይ ርእይቶታት ፍልልይ ተጻራሪ ክትዓት ወይ ምጉት ዕሙቕ ዝበለ ትኹረት ይገብሩ፡፥ ካብዚ ነቒሎም ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ርእይቶታት ብኹሉ ጎድንታቱ ብርትዓዊ ኣገባብ ምርድዳእን፥ ሕድገታትን ብምግባር  ንኹሉ ዓወት ዘጎናጽፍን ኣብ ማእከላይ ፍታሕ ዘብጽሕን መስርሕ ይኽተሉ። ስለዚ እዩ ድማ ምስቶም ብሓሳብን ብርእይቶን ዘይሰማምዕዎም ሰባት ብርትዓዊ ዝኾነ ኣቀራርባን ምድምማጽን ዝዓሰሎ ክትዓት የካይዱ። ከምዚ ዝዓይነቱ ክፉት ልቦና ዝመልኦ ክትዓት፡ ውጽኢት ብዝህብ ኣገባብ ንዝተፈላለዩ ርእይቶታት ካብ ፍልጠትን፥ ኣእምሮኣዊ ብስለትን ነቒሎም ኣብ ንኹሉ ዝዕግብ ፍታሕ ዝሰማምዑ። እዚ ድማ ከምቲ ስዋሚ ቪቨካናንዳ ዝበሎ፥ (ካብ ጉጉል) “ሓያልነት ናይ ኣእምሮ ልክዕ ከም ናይ ጸሓይ ጩራታት እዩ። ኣብ ሓደ ምስ ዝእከቡ ብርሃን ይህቡ ይብል።”

ብቕኑዕን ብሱልን ኣእምሮ ንዝኾነ ይኹን ኣትኩሮ ክትገብረሉ እንከሎኻ ኣብ ዘየድሊ ሓሳባት ወይ ርእይቶታት ኣይትሕምብስን ኢኻ። እንታይ ደኣ ነቲ ብዝያዳ ንኹሉ በሪሁን ጎሊሁን ንኽረአ ዝኽእል ሓሳባትን ርእይቶታትን ኣብ ምቕራብ ኢኻ ተድህብ። ከምዚ ዝዓይነቱ ቅኑዕን ኩሉ ክርደኦ ብዝኽእል እወንታዊ ሚዛንን ንምሃብ ኣብ ተድህበሉ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ሽግራት ወይ እውን ፍልልያት ብናይ ሓድሕድ ሰናይ ድሌታትን ዕጋበትን ንምምላእ ዘዕውት ይኸውን። 

ንሕና ከም ደቂ ሰባት መጠን፥ ብናይ ሓሳብ ወይ ርእይቶታት ፍልልይ ክንረሓሓቕ ንኽእል ኢና። ነዚ ናይ ሓሳብ ምርሕሓቕ ግና ከመይ ገርና ኣብ ናይ ሓባር ሓሳብ ከም ዝሰጥም ክንገብሮ እንተዘይክኢልና ናይ ውድቀት ምልክት እዩ ክኸውን። እዚ ምስቲ ናይ ሓደ ጥርሙዝ ነቲ ናይ ጸሓይ ጩራ ኣብ ሓደ ማእከል እንተምጺእካዮ ዘቀጻጽል ሓዊ ክፈጥር ዝኽእል ተምሳል ኢዩ። እዚ ጩራ ጸሓይ እዚ ካብቲ ማእከል ናይቲ ጠርሙዝ እንተኣርሒቕካዮ ወይ ኣዚኻ እንተቕሪብካዮ ነቲ ክፈጥረልካ እትደልዮ ሓዊ (ብርሃን) ኣይክትረኽቦን ኢኻ። እዚ እንታይ የመልክተልና፡ ንሕና ኤርትራውያን ምስ ኩሉ ብዝሕነት ቋንቋ፥ ሃይማኖትን፥ ኣውራጃን ብሓንቲ ሃገረ ኤርትራ ኢና እንውከል። ነዚ ብዙሕነትና ካብቲ ማእከላዊ ሃገራዊ መለለይና ብዘውጽእ ኣጠቓቕማ ክንጥቀም እንተተበጊስና፥ ኣብ “ንሕናን ንሳቶምን ክንጽመድ ምዃንና ርዱእ እዩ። ስለዚ ከም ኣብነት ደገፍትን ተቓወምትን፥ ገዲምን ሓዲሽን፥ ዓበይትን መንእሰያትን፥ ወዘተ ብዝብል  ምስ እንፈላለ፥ ልክዕ ከምቲ ጮራ ጸሓይ ካብቲ  ማእከል ኣዚና እንተርሒቕናዮ ወይ እንተኣቕሪብናዮ ብርሃን እንስእን፥ ንሕና ውን ብሰንኪ እዚ “ንሕናን ንሳቶምን” ምብህሃል ባና ሓርነት ክሕርመና ኢዩ።  ስለዚ ነዚ ንሕናን ንሳቶምን ዘብል ገዲፍና ኣብ ማእከል ኣምጺእና ምልኪ እንስዕረሉ ዓወት ንኽንጎናጸፍ ክንበቅዕ ይግበኣና።

Last modified on Saturday, 14 December 2019 11:34