እንተዘይሰመርናስ፡ ብሓበርከ ዘይንሰርሕ

2019-12-09 09:56:01 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1616 times

እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ፥ ፖለቲካዊ ፍልጠትና ትሑት ካብ ብምዃኑ ዲዩ ወይ እቲ ኣተሃላልዋና ዓጊቱና እንታይ ገደሰኒ ዓብሊሉ። እቲ ፖለቲካዊ ፍልልያትና ዘይምፍላጥን ኣግሂድና ዘይምዝራብን ዲዩ ነቲ ፍልልያት ከነጋፍሕ እምበር ከነጻብብ ዘይንሰርሕ ዘለና። ፖለቲካዊ ኣፍልጦ እንተዝህልወናኸ እንታይ ገደሰኒዶ ወይ እውን እቲ ፍልልያትና ዓጊቱና ክንብል ንኽእል። ሓውካን ሓብትኻን ብኽፉእ እናጠፍኡኸ ናባይ ጥራይ ኣይምጻእ እምበር እንታይ ገደሰኒኸ የብልዶ። ነዚ ኩሉ ዝኸይድ ዘሎ ክፉእ ተግባራትከ ብዓገብ ብምባል ጥራይ ይዕገትዶ።

ኩሉ እንተታት ኣኻኺብካ፡ ነቲ  ዘሎ ጭካኔ ዝመልኦ ምሕደራ ኣብ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ኩልና ንፈልጦ ኢና። ነዚ ካብ ፈለጥና ድኣ ስለምንታይ እቲ ንሕና ክንገብሮ ዝግበኣና ክንገብር ዘይከኣልና። ማለት ነዚ እናጸንሐ ኣደራዕ ዘውርድ ዘሎ ስርዓት ኣወጊድና ሰላም፡ ቅሳነት ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ክንምስርት ከምዘሎና ዘየሰማምዕ እንታይ ኣሎና። ዝጎደለና ነገር እንተልዩኸ ንኡኡ ፈሊጥና እንታይ ክነመሓይሽ ኣሎና ኢልና ከም ሰብ ክንሓስብ ዝዓግተና ጉዳይከ እንታይ ስለዘሎ ኢዩ። ብርግጽከ እቲ ናብ ቅኑዕ ጎደና ከኺደና ዝኽእል ሓባሪ ካርታ ፈጢርና  ነቲ እንደልዮ ለውጢ ከይነረጋግጾ ዘስገኣና ነገር ኣሎ ዲዩ። ማለት ነፍሲ ወከፍና ድሕሪ ለውጢኸ እንታይ እዩ ውጽኢተይ ምስ ዝብል ውልቃዊ ረብሓ ዲና ነተእሳስሮ ዘሎና። ወይ ነቲ ኣብ ሕሉፍ  ዝተፈጸመ  ግፍዕታት  ተሸኺልና ብሕጂ  ዝፍጸም ምንቅስቓሳትን ሓሳባትን  ከኸትል ዝኽእል ስግኣታት’ዩ ክንድዚ ዘረሓሕቐና ዘሎ። ንሱ እንተኾይኑ ድኣ ስለምንታይ ብግልጺ ምግላጽን ካብኡ ንምድሓን ዘኽእል ውሕስነት ዘለዎ ኩነትን ስምምዓትን ክንፈጥርን ህርድግ ዘይንብል፡ ኣብ ክንዲ ጸጸኒሕና እነኮማስዖ።

ሎሚ፥ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብውልቀ ይኹን ብእኩብ  ምእንቲ ሰላም፡ ቅሳነትን ምርግጋእን  ሃገርናን ህዝብናን ዝተኣማምን ክኸውን፥ ካብ ንናይ ውልቀ ረብሓ ዝግበር ተግባራት  ምቚጣብ የድሊ። እዚ ማለት ነቲ ምስ ኩሉ ፍልልያትና ሓቢርካ ናይ ምንባርን፥ መሰል ኩሉ ዜጋ ናይ ሓድሕድ ምኽባርን፥ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ብሃገራዊ ስምዒት ተደሪኽና ሓድነትና ዝድልድለሉ ጐደና ምኽታል ቀንዲ ጉዳይና እዩ።  ቀጺሉ እውን ናይ ሓድሕድ ምትእምማን ብትሕብባርን ዝጥጣዓሉ ኣገባብ ምእንቲ ክፍጠር፡ ኣብ ሓድሕድና ናይ ስኒትን፥ ነቲ  ዓበይቲ ወይ ፍርዝን ፍርዝን ዝበሉ ሽግራት ብዘይንሓፍነት ክዝረበሎም ከም ዝግባእ ዝኣክል ጻዕሪ ምክያድ ግቡእን ተደላይን ኢዩ።

ሃገርና ኤርትራ፡ ካብ ምብትታንን ሓድነት ህዝብና ካብ ምልሕልሕን እነድሕነሉ  ቀንዲ ሓይልና ሓድነትና ምዃኑ ኩሉ ደምበ ተቓውሞ ዝኣምነሉ  ዝርድኦን እዩ። ይኹን እምበር ናብቲ መሰረት ከብጽሕ ዝኽእል መስመርን ናበይ መዕለቢናን ንኸይነንጽር እንትስ ብጉርሒ፥ እንተስ ብሽርሒ መደብ ዘይብሉ ሃንደበታዊ ንቕሎ ጥራይ ነብገስ ምህላውና እዩ እቲ ጸገም። ነታ ሓድነት ኣብ ግብሪ  ንምውዓል ናይ ብሓቂ ድሌት እንተልዩ፥ ማለት፥ ድሌት ጥራይ ዘይኮነስ ብርግጽ እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ክዕወት ዝኽእል ብሓድነትና ምዃኑ ንኣምን ኮይና፥ ሓዲሽ  ውድብን ፥ ምፍንጫላትን ዘይኮነስ፡ ኣብ ትግባሬ ክንጸምድ ኢና ዝጥለብ ዘሎና። ተግባር ማለት እቲ ክውሰድ ዘለዎ ኣገባብ ክሳብ ዝውሰድ ሕድገታት ምግባር  ዘድሊ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ።

ነቲ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘሎ ዓብይ ጸገም ክንፈትሕ እንተኮንና እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎና ሽግራት ቅድም ቀዳድም ንምፍታሕ ብዘይተጉላባነት ለይቲ ምስ መዓልቲ ክንጽዕር ይግባኣና። እዚ ክንገብር እንተዘይክኢልና ግና ኣብ ዘይተፈልጠ ሕቡእ ኣጀንዳ ንበሎ ወይ ንሕዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ጉዳያት ግዜናን ጉልበትናን ምጥፋእን ቃልስና ንኸንቱ ምዃኑን እዩ ዝሕብር። ንሕና ደምበ ተቓውሞ ነቲ ንኹልና ዘዕውት ጐደና ጠፊኡና ዘይኮነስ ክነተግብሮ ዘይምድላይና እዩ። ነዚ ዘመልክት ድማ እቲ ኣብ ንሓድሕድና እንገብሮ ቅሉዕ ይኹን ሽፉን ነፍሕታት ነቲ ጽባሕ ንገሆ ናብ በሪ ሰላም ዘብጽሕ መንግዲ ዝምልከት ንኸይንመያየጥን እንገብሮ መዕገቲ እዩ። ነዚ ጉዳይ እዚ ብዕቱብነት ክንተሓሓዞ እንተዀይና፥ ነቲ ጉድለታትና  ነቒስና ብምውጻእ ክመሓየሽ ዘለዎን ክድርበ ዝግበኦን ብክፉት ልቦና፡  ስሉጥን  ዝኾነ ውጽኢት ክህብ ዝኽእል ንናይ ሓባር ዓወት ባይታ ጋሪዱና ኣሎ። ነዚ ባይታ እዚ እምበኣር ብብዝረኣየና መሳዂቲ ክንኣትዎ ስለእንደሊ ንሓድሕድና ብምትፍናን እነሆ  ንህዝብናን ሃገርናን ክነድሕን ይኹን፥ ፍቕሪ ሓድሕድ ውን ክነጥሪ ዘይከኣልናን። 

ደጊም እቲ ናብ ሰላም ዘብጽሕን ንዓወትና ዘቀላጥፍን ስትራተጂ ንኹልና ዝጠምር ስምረት ምዃኑ በብውሽጥና ንኣምን ኢና። ይኹን እምበር ነዚ ኣምር እዚ ኣብ መፈጸምትኡ ንኸነብጽሖ፥ ክንሰምር ኢና፥ ተሰማሚዒና ኣሎና ዝብል ተግባር ዘይስነዮ ዘረባ፥ ውዑላትን፥ ኣኼባታትን፥ ወከልትና ውጽኢት ዘይብሉ ኮይኑ ይተርፍ ኣሎ። እዚ ካብ ዘይተዓወተ ደምበ ተቓውሞ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብትን ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲታትን ገምጊሙ ምእንቲ ለውጢ ክርከብ  ሓድሽ ኣተሓሳስባ ክሕዝ እዋኑ እዩ። ካብኡ ብዝተረፈ በበይንና እንተ ሃለኻ ውጽኢቱ እዚ ዘሎናዮ ሃለዋት እኹል ምስክር እዩ።  ስለዚ ቅኑዕ ኣተሓሳስባን፥ ልቦና ዝመልኦ ኣካይዳን፥ ሰላምን ይቕረ ምባልን ብምዝውታር ነቲ ድሌታትን ረብሓታትን ናይ መላእ ህዝብና ዘገልግልን ዘርብሕን እዩ። እዚ ከኣ ሓድነትና ኣደልዲልና ክብጻሕ ይከኣል እዩ። ነዚ ክንገብር እንተዘይከኣልና ድማ ከይተረሓሓቕናን ከይተነፋፈግናን  ሓባራዊ ስርሓት ክነካይድ ምስ እንበቅዕ፥ ንዜጋታትና ብኻራሩ ከም እንሳሳ ዝሓርዱን፥ በባትርን ኣእማንን ዝጭፍጭፉን ዘለዉ ጸይቅታት ክርዕዱን ኢዶም ክእክቡን እዮም።

Last modified on Monday, 09 December 2019 10:59