ፖለቲካ ኢትዮጰያ፡ ርክብ ህወሓትን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪን እንታይ ወጽኢት ተረኸቦ?

2019-11-19 11:11:46 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1977 times

ኣኼባ ኢህወዴግ Image copyright EPRDFofficial/FB

ብቐዳም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢህወዴግ፡ ውህደት ንምፍጻም ብዓብላሊ ድምጺ ውሳነ ክሓልፍ እንከሎ ህወሓት ግን ኣይተቐበሎን። ንጽባሒቱ ግን ወከልቲ ህወሓት ብፍሉይ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ተራኾቦም።

ሽዑ እቲ ውሳነ ምስ ሓለፈን ህወሓት ውህደት ምስተቓወን፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ረኺቡ ከዘራርቦም ከምዝደለየ፡ ኣባል ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሴ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሎሚ መዓልቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ድማ፡ እቲ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ዝተገበረ ዘተ ውጽኢታዊ ኣይነበረን።

ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ: ብድሕር'ቲ ብቐዳም ዝተገበረ ኣኼባ'ዩ ምስ ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ተራኺቡ።

ኣብቲ ዝነበሮም ሓፂር ፃንሒት ድማ ብዘይካ ሓደ ንስራሕ ናብ መቐለ ዝኸደ ምስቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ፈፀምቲ ስራሕ ከምዝተዘራረበ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እንታይ ተባህለ?

ኣብቲ ዘተ ብቐዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንህወሓት ዝቐረበ 'ምሕጽንታ'፡ ሕዚ'ውን ዳግም ክሓስቡሉን ብሓባር ክሰርሑን ዝጽውዕ ነይሩ።

ኮይኑ ግና ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ዝልወጥ ቅዋም ከምዘይብሎም ስለዝገለጽሉ እቲ ርክብ ፍረ ኣይተረኽቦን።

እቲ መስርሕ ገና ስለዘይተዛዘመ ግን ኣብ ዝቕጽል መድረኻት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ክራኸቡ ከምዝኽእሉ ትጽቢት ይግበር።

ኣብቲ ንነዊሕ እዋን ብኢህወደግ ክዝተየሉን ክጽናዕን ዝጸንሐ ጉዳይ ውህደት፡ ህወሓት በቲ ዝጸንሐ ኣብዮታዊ ዴሞክራሲፕሮግራም ክንቅጽል ኣሎና ስለዝብል እዩ እቲ ፍልልይ ተፈጢሩ።

ህወሓት፡ እቲ ውህደት ኣሃዳዊ ስርዓት ንምፍጣርን ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበርን ምዃኑ ክዛረቡ እንከለው፡ ነቲ ውህደት ዘሰላስል ዘሎ ወገን ግን ምስ ለውጢ ዝኸይድ ሓዲሽ ፕሮግራም ኣገዳሲ እዩ ይብሉ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪን ካልኦት ነቲ ውህደት ዝደገፉ ላዕለዎት መሪሕነት ኢህወዴግ ብወገኖም፡ ዋላ እውን ኣሃዳዊ ስርዓት እንተተመስረተ ሕብረብሄራዊ ፌደራሊዝም ከምዝቕጽል የረድኡ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50470408

Last modified on Tuesday, 19 November 2019 12:17