ተወከልቲ ህወሓት ኣብቲ ሎምዓልቲ ዝቕፅል ኣኼባ ኢህወዴግ ከምዘይሳተፉ ተገሊጹ
2019-11-17 09:53:46 Written by BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2402 times
ኣብቲ ትማል ዝተኻየደ ዘተ ውህደት ኢህወዴግ፡ ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት: ብዘይካ ጌታቸው ኣሰፋ ኩሎም ከምዝነበሩን ኣብ ሓደ ውድባዊ ኣቕዋም ፀኒዖም ከምዝወጽኡን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሴ ገሊፁ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ "ኢህወዴግ ብሽዱሽተ ድምጺ ተቓውሞ ጥራይ ንውህደት ኣጽዲቑ!" ብዝብል ካብቲ ግንባርን መራኸብቲ ሓፋሽን ንዝወጽአ ዜና ብዝምልከት ኣቶ ኣስመላሽ መብርሂ ሂቡ።
ንሱ፡ ናይ ቁጽርን ኣሃዝን ጉዳይ ዘይኮነ ህወሓት ኣብዚ ጉዳይ እዚ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ውድባዊ ኣቕዋም ሒዙ ምጽንሑን፡ ኣብቲ ድምጺ ዝወሃበሉ ዝነበረ እዋን ከኣ ምውጻእ ምእታው ተሳተፍቲ ስለዝነበረ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ ዝጸንሑ ኩሎም ተወከልቲ ህወሓት ንውህደት ከምዝተቓወሙን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ሎምዓልቲ ዝቕፅል ኣኼባ ኢህወዴግ ድማ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጡ።
ይኹን እምበር ሎሚ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ: ንኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ጥራይ ክረክብ ስለዝደለየ ክራኸቡ እዮም።
እቲ መስርሕ ገና መዓልቦ ስለዘይረኸበ ክሳብ ጉባኤ ከምዝቕጽልን ካብ ሕዚ ንደሓር ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ውድባዊ መትከልን ዕላማን ኣድሂቡ ከምዝሰርሕ እቲ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
- ጃዋር መሐመድ፡ "ኣባላት ፈጻሚት ኢህወዴግ፡ እቲ ውህደት ዝድግፍዎ ስለዝሰግኡ እዩ"
- 31 ዓመት ዝዕድመኡ ኢህወዴግ መን እዩ?
- "ሰተይቲ ዊስኪ ዝኾንኩም መራሕቲ ኢህወዴግ በጃኹም ማይ ዝሰኣነ ህዝቢ ከምዘለኩም ዘክሩ"
ኣብ መፃኢ ዕድል ህወሓት "ካብቲ ውድብ ወፃኢ ካልእ ሓይሊ ኣይውስንን'ዩ ኢሉ" ኣይተ ኣስመላሽ ወልደስላሰ።
"ቅድሚ ውህደት: ኣብ ሓበራዊ ዕላማን መትከልን ምርድዳእ ክግበር ነይርዎ፡ ዕላምኡ ኣብ ዘይተነፀረ ውድብ ውህደት ኣይተቐበልናን" ኢሉ።
ውድብ ህወሓት ኣብ ውህደት ኢህወዴግ ኣመልኪቱ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "ሓውን ሓሰርን ሓደ ክኾኑ ኣይኽእሉን" ከምዝበለ ይዝከር።
Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50449903