ቀዳምነትና ንኤርትራዊ ጉዳይና

2019-11-09 09:25:30 Written by  ኣዱሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1628 times

ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራዊ ወገናት ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት፡ ሱዳን፡ የመን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጅቡትን ኢትዮጵያን ክጽሕፉ፡ ክምድሩን ክካትዑን ንዕዘብ ኢና። ርግጽ እዩ ከምቲ ወለድና “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝብልዎ ናይ ቀረብካን ጐረቤትካን ኩነታት ይጸልወካ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባኡ ክትሻቐልን ክትሓስብን ኣገዳሲ እዩ። ከምቲ “ዓርክን ፈታውን እምበር፡ ጐረቤት ኣይምረጽን እዩ” ዝበሃል ጉዳይ ጐረቤትካ ትገጥሞ እምበር ትሃድመሉ ኣይኮነን። ብፍላይ ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ምስ ትግራይ ዘለና ምትእስስሳር ከኣ ሱር ዝሰደደ ስለ ዝኾነ ብኽንድኡ ደረጃ ከገድሰናን ከሻቕለናን ናይ ግድን እዩ።

ቅድሚዚ ጉዳይ ጐረቤትን ከባብን ግና ናትና ኤርትራዊ ዋኒን ኣለና። ጉዳይ ከባብናን ጐረባብትናን ክንዲ ዝደለዮ እንተሃደአን እንተተዓረየን፡ ናትና ኤርትራዊ ዘቤታዊ  ዋኒን ክሳብ ዘየዕረና ዋጋ የብሉን። ናትና ጉዳይ ብጋሕማጡ ኩነታት ጐረባብትናን ቀረብናን እንተዓረየ፡ እቲ ዝምድና ኣብ ሑጻ ከም ዝተሰረተ ህንጻ እዩ ዝኸውን። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ከኣ ጉዳይ ሃገርና ካብ ጉዳይ እዘን ዝጠቐስናየን ሃገራት ኣዝዩ ዝለዓለ ኣዛራቢ ኣብ ዝኾነሉ መድረኽ ንርከብ ምህላውና እዩ። ገሊአን ሃገራት ብዛዕባ ምምሕያሽን ምቕያርን ሕገ-መንግስቲ ክዛረባ እንከለዋ ንሕና ግና ሕገ-መንግስቲ የብልናን። ገሊአን ብዛዕባ ምስፋሕን ምጽባብን ዲሞክራስያዊ መወዳደሪ ሜዳ ክዛረበ እንከለዋ፡ ንሕና ግና ፈጺሙ ፖለቲካዊ ውድድር ዝበሃል የብልናን። ገሊአን ብዛዕባ ፍትሓውነትን ናጽነትን ምርጫ ክዛረባ እንከለዋ፡ ኣብ ዓድና ግና እታ  “ምርጫ” ከም ቃል እውን ኣብ መዝገብ ኣይሰፈረትን። ገሊአን ሃገራት ብዛዕባ ፍትሓውነት ፍርዲ ክዛረባ እንከለዋ፡ ኣባና ግና እሱራት ኣይኮነንዶ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ፡ ኣበይ ከም ዝተኣስሩ’ውን ኣይሕበርን እዩ። ኣብዘን ጐረባብትና ብዛዕባ ዝምድና መንግስትን ሃይማኖት መዛረቢ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሃገርና ግና “ምስ ኣምላኽ የራኽበኒ’ዩ” ዝበልካዮ እምነት ክትስዕብ ኣይፍቀደን። ኣብተን ዝርካበን ዝፍቀደለን ሃይማኖታት ዘሎ መንግስታዊ ኢድ-ኣእታውነት ከኣ ከምዚ እዩ ኢልካ ምግላጹ ዘጸግም እዩ። በዚ ኣገባብ ምውድዳር እንተቐጺልና እቲ ዝርዝር ኣዝዩ ነዊሕ እዩ።

ክብደት ጸገምና ክሳብ ክንድዚ ካብ ኮነ፡ ነዚ ጸገማት ስዒርና ናብ ራህዋ ክንበጽሕ፡ ብዙሕ መዛረቢ ኣጀንዳታት ክህልወና ውሁብ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ክሳብ ሕጂ ንኹሎም ኣብ ቃልስና እጃም ዘለዎም ወገናት፡ ኣይጸዋዕናን ኣይተማሕጸናን ማለት ኣይኮነን። ግደ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ውድባት ኣብዚ መዳይዚ ምስ ኩሉ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ዕዙዝ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝግበር ዘሎ፡ ኣኼባታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ከኣ ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራ በሪኹ ንክስማዕ ዕዙዝ ግደ ይጻወት ኣሎ። ህልዊ ጉዳይና ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ፡ ብሩህ ንክኸውን ዝግበር ጻዕሪ ምእንቲ ከድምዕ ውሁድ ከም ዝኸውን ምጽዓር መሰረታዊ እዩ። ወትሩ ካብ ምትህልላኽን ምጥልላፍ ወጺእና ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ንቃለስ፡  እንብለሉ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። ዝተበተነ ድምጺ እንተዘይተጠርኒፉ ጸዊዑ ከምስምዕ ከምዘይክእል ተመኩሮና ብግብሪ ዘርእየና ዘሎ እዩ። ትካላዊ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ኩነታት ምፍጣር ሓደ ካብቲ ዓወትና ዘውሕስ ቅድመ-ተደላይነታት እዩ እንብለሉ ምኽንያት’ውን እዚ እዩ።

ብዛዕባ ኤርትራና ክንዛረብ እንከለና ኣብ ግምት ከነእትዎም ካብ ዝገባና ጉዳያት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሎሚ ኮይና ንድሕሪት ንጥምት፡ ኣብ ሎሚ ኮይና ብዛዕባ ጽባሕን ድሕሪኡን ክንሓስብ ይግበኣና። ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ተመኩሮና ብዙሓት ክንፈትሖም ዝገበኣና ዝነበሩ ጸገማት ስለ ዘይፈታሕናዮም፡ ናብ ዘይተደላይ ኣቕጣጫ ዝመርሑናን ስንብራት ዝገደፉልናን ኣለዉ። ሎሚ ነዚኣቶም ዳግማይ ከይንጋገ ከም መምሃሪ ካብ ምውሳድ ሓሊፍና፡ ናይ ሕሉፍ እሱራት ኮይና ከም ቀንዲ ኣጀንዳ ክንዛረበሎም ኣይገበኣናን። እንተተዛረብናሎም እውን ቁስሊ እምበር፡ ስንብራት ስለ ዘይሓዊ ግዜን ጉልባትን ካብ ምብኻን ሓሊፉ ፋይዳ ኣይህልዎን። ካብዚ ሓሊፉ ግዳይ ናይቲ ህግዲፍ ዝጻውዶ ኣብ ሕሉፍ ናይ ምንባር መፈንጠርያ ከይንኸውን ምጥንቃቕ የድልየና።

ጉጅለ ህግዲፍ፡ ኤርትራዊ ጉዳይ ኣጀንዳኡ ክኸውን ኣይደልን እዩ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ዕለታዊ ተኹሲ ስለ ዘይስማዕ ጥራይ ሰላም እዩ ኢሉ ክሓልፎ ይደሊ። እቲ ህዝብና ብደምጸ-ኣልቦ ተዂሲ ዝሳቐዮ ዘሎ ንዓኡ ኣይንታዩን እዩ። ከም መርኣያ ህድማኡ ካብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ እዩ ከኣ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣይሰለጦን እምበር ሓደ እዋን፡ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ብዛዕባ ኣስታት 480 ሚልዮን ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኢና ክንሓስብ ዘለና  ኢሉ ክግደረልና ሰሚዕናዮ ኢና። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ተጠሊዑ “ቀዳምነትና ጉዳይ ኢትዮጵያ ምትህድዳእ እዩ” ክብል እውን ሰሚዕናዮ ኢና።  ብግብሪ ግና ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘየድመዐ ኣብቲ መህደሚ ክጥቀመሉ ዝደሊ ሰፊሕ መድረኽ ከምዘየድምዕ ተረዲኡ ድሮ ጸግዑ ሒዙ ዘሎ። ብኣንጻሩ ንሕና ጉዳይና በይኑ ተነጺሉ ዝረአ ከምዘይኮነ’ኳ ዘይንስሕቶ እንተኾና፡ ከም ቀንድስ ብዛዕባና ኢና እንዛረብ። ናትና ኣቐሚጥና ምስቲ ብቐጥታ ዘይምልከትና ኣጀንዳ ምልሓግ ግና ምናልባት እውን ህድማ ክኸውን ይኽእል። ጉዳይና ዋላ ኣዚና ኣርሒቕና እንተኸድና፡ ኣብ ዘለናዮ መጺኡ “ኣለኹ” ኢሉ  ከርክበና ናይ ግድን እዩ።

ሓደ ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግበና ጉዳይና ንኹሉ ኤርትራዊ በብደረጃኡ ዝምልከቶ ምዃኑ እዩ። ሓደ ገዛ ዝሰርሕ ሓደ ድማ ኣብቲ ስሩሕ ገዛ ዝኣቱ ዘይኮነ፡ ኩልና ኢና ነቲ ንኹልና ዘጽልል ገዛ ክንሰርሖ ዝግበኦ። ኩሉ በብጽሒቱ ኣለዎ እምበር፡ ቃልሲ ኣንጻር ህግዲፍ ኤርትራዊ  ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት፡ ምሁራትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተ-ሰብን በብጽሒቶም ዘበርክትሉ ዓብይ ዕማም’ዩ። እቲ ቃልሲ ንውድባት ማሕበራትን ጥራይ ከምዝምልከት ወሲድካ ወሰን ሒዝካ “ከምዚ ዘይትገብሩ፡ ከምዚ እንተትገብሩ መተሳተፍና” ዝብል ኣገላልጻ ቅቡል ኣይኮነን። እቲ ብኻለኦት ክግበር እትደልዮ ባዕልኻ ክትገብሮ ምስታፍ እዩ እቲ ግቡእ መዋጸኦ።

Last modified on Saturday, 09 November 2019 10:28