ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣኡን ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2019-10-28 22:33:45 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1650 times

ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2019 ሰዓት 14፡00 ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ድሕሪ ብኣቦ መንበር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ናይ ሰላምታ መኽፈቲ፡ ኣብቲ መዛረቢ ኣርእስቲ ተኣትዩ።

ከምቲ ልሙድ ድሕሪ ፈስቲቫላትናን ጉባአታትናን ገምጋም ምግባር ኣገዳሲ ኮይኑ ምጽንሑ፡ ጨንፈርና ድማ ነዚ ናይ ዓመተ 2019 ዝነበረ ፈስቲቫልና ኣብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ኣኼባና ገምጋሙ ኣቐሚጡሉ ከም ዝነበረ ዝዝከር‘ዩ። ብግዜ ምሕጻር ኣብ ጉባአና ዘሎና ገምጋም ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚርና ዘይወዳእናዮ ስለ ዝነበረ ቀንዲ መዛረቢና ንሱ ኮይኑ እዩ ውዒሉ።

ድሕሪ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርናን ሃለዋት ህዝብናን ምዝርራብ ድማ፡ እቶም ብጨንፈርና ተወኪሎም ኣብ ጉባአ ዝተሳተፉ ኣባላትና፡ ብዛዕባ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ካብ ምስንዳኡ ኣትሒዙ ክሳብ ምድምዳሙ እናተመላልኡ መግለጺ ኣቕሪቦም። ካብኡ ብምቕጻል‘ውን ብኣኼበኛታት ዝቐረበ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ተኣትዩ። ኣኼበኛታት ድማ ርእይቶታቶም እናኣፍሰሱ ክሳብ ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ዝውዳእ ቀጺሎም።

እቲ ቀንዲ ኣኼበኛታት ዘተኮሩሉን ዘሞጐሱዎን ጉዳያት ድማ፡ ኣብ ሰልፍና ተኣታትዩ ዝጸንሐ ንጽፈትን ስሉጥነትን ኣሰራርሓ፡ ንዲሞክራሲ ንምስፋሕን ምዕማቝ፡  ግሉጽነትን ኣሳታፍነትን ኣባላት ሕጂ‘ውን ብዝበለጸ ስለ ዝተሰርሓሉ እዩ።

ንሱ ድማ፡-

  • ንድፊ ቅዋምን ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ኣቐዲሙ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ጨናፍር ሰልፊ ወሪዱ ክረዳድእሉ ስለ ዝሓገዩ፡ ኣብ ርእሲ‘ቲ ኣብ ጉባአ ናይ ግዜ ኣሳልጦ ዝሃቦ፡ ኣብ ጉባአ ዝተሳተፉ ወከልቲ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ምሉኣት ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምጽፋፍ ናይዚ 2 ዓበይቲ ዕማማት‘ዚ ተሳቲፎም ማለት‘ዩ። ስለዚ እዚ ኣሰራርሓ‘ዚ ንጉባአና ዝያዳ ዲሞክራስያውን ኣሳታፍን ስለ ዝገብሮ፡ ኣኼበኛ ንኢዱ።
  • ኣሰራርሓ ናይ ሓጻይት ሽማግለ‘ውን ከምኡ፡ ንመሪሕነት ሰልፊ ዝሕጸዩ ኣባላት ብኣባላት ምሉእ ጨናፍር ሰልፊ ስለ ኣብ ጨጨናፍሮም ዝተረቝሑ፡ ኣብ ጉባአ ድማ ብኣባላት ጉባአ ክውሰኹዎም ዕድል ተዋሂቡ፡ ነቲ ኣብኡ ዝግበር ምርጫ ብቑዓት ሰባት ተዘንጊዖም ከይተርፉ ዝሕግዝን ብብርቱዕ ምጽራይ ከም ዝካየድ ምግባሩን ኣኼበኛታት ኣሞጒሶም።
  • ኣብዚ ጉባአ‘ዚ ተሳታፍነትን ብቕዓትን ደቂ-ኣንስትዮ ጎሊሑን በሪኹን ዝተራእየሉ ስለ ዝነበረ፡ 8 ካብኣተን ኣባላት መሪሕነት ኮይነን ዝለ ዝተመረጻ መርኣያ ምሉእነት ሰልፊ ምዃኑ ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ።
  • ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ ኣኼበኛታት ዝረኣዩዎ ድማ፡ እቲ ኣቦመንበር ሰልፊ ካብ 2 ግዜ (ናይ ጉባአ ግዜ) ክምረጽ የብሉን ዝብል ገደብ ናይ ሓላፍነት ብቕዋም ደረጃ ምውሳኑ እዩ።
  • እቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ካልእ ዓበይቲ ጉዳያትን ጉባአ ዘውጽኦ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ቀንዲ ህይወት ናይ ሓይልታት ተቓውሞ ምጥርናፍ ወይ ሓቢርካ ምስራሕ ስለ ዝኾነ፡ ጉባአ ነቲ ቅድሚ 2 ዓመት ዝወጸ እማመ ናይ ምስ ኩለን ሰልፍታትን ውድባትን ተቓውሞ ዘተ ምክያድ ዝብል መርገጽ፡ ተጀሚሩ ዝጸንሐ ክቕጽልን ካልእ ዘይተጀመረ ድማ ክጅመርን ዝብል ኣፍ ደገ ናይ ዘተ ክፉት ምግባሩን ንመሪሕነት ሓላፍነት ምስካሙን‘ዩ።  

እቲ ድሕሪ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ዝትከል ደሞክራይያዊ ስርዓት ውሑስ ዝኸውን፡ ካብ ሕጂ ኩለን ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ ውሽጠን ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ከዘውትራ ምስ ዝኽእላ ጥራይ ምዃኑ ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ።   

ኣኼበኛታት ነዚ ጉዳይ‘ዚ ብሰፊሑ ተረዳዲኦሙሉን፡ ሰልፍና ድማ ከይሰልከየ ነዚ ኣብ ተግባር ክትርጕም ክጽዕት፡ ኩልና ተቢዕና ከይተሓለልና ክንቃለስ ኢና ብምባል ድሉውነቶም ኣረጋጊጾም።

በዚ ድማ ኣኼባ ኣብ ሰዓቱ ተደምዲሙ

        

Last modified on Monday, 28 October 2019 23:44