ዶክተር ኣብይ ናይ ሰላም ሽልማት ተሰሊሙ ኢሰያስ ከ ደኣ

2019-10-14 06:49:46 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1974 times

ልክዕ እዩ ወዲ-ሰብ ኣብ ዕለታዊ ዕዮኡ ብዝፍረዮ ውጽኢት ክምጎስን ክሽለምን ጽቡቕ እዩ። ክፉእ ዝገብርን ዝጭቑንን ግና ኩሉ ግዜ ስሙ ብኽፉእ ስለ ዝለዓል መጎስን ሽልማትን ዘይኮነስ መርገምን ኩኔነን እዩ ዝገጥሞም።  ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ነዚ ናይ ሰላም ሽልማት ይበቕዖ ዲዩ ኣይበቕዖን ካልእ ኮይኑ፥ በቲ ናይ ሰላም ሽልማት ዘጽንዕ ሃገር ተመሪጹ ስለዘሎ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚ ንዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ እንቋዕ ኣሓጎስካ ክብሎ ግቡእ እዩ።

ብዛዕባ ከመይነት ናይ ሰላም ሽልማት ኣወሃህባ ምናልባት ኣብቲ ኣገባብ ኣመራርጻ ዘድልዩን ክማልኡ ዘለዎም ጉዳያትን ክህልው ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር እታ ዓባይ ነጥቢ ምኽንያት ናይዚ ሽልማት ኮይና ዝቐረበት፥ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ኩነታት “ኣይሰላም ኣይውግእ” ሎሚ ብሰላማዊ መገዲ ተረጋጊኡ  ወይ ፍታሕ ተረኺቡ ዝብል እዩ። ዶክተር ኣብዪ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝገበሮም ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ከምዘለዉ ማንም ዝኽሕዶ ኣይመስለንን። በዚ እውን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝብልዎ ዘለዉ እንተርኢና፥ እቲ ናይ ሰላም ሽልማት ሓደ ውልቀሰብ ደኣ ይውሰዶ እምበር ናይ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሽልማት ኢዮም ዝብልዎ።

እንቲ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ጉዳይ ግን ካብቲ ናይ “ኣይሰላም ኣይኲናት” ሎሚ ብሰላም ተደምዲሙ ኢልካ ዝውዳእ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ውጽኢት ኣለዎ? ኢልካ እንተሓቲትካ እትረኽቦ መልሲ የለን። ስለዚ እቲ ኣይሰላም ኣይኲናት ዝብል፡ እቲ ውግእ ደው እንተበለ ኣብ ኤርትራ ግን ኣብ ስግኣት፡ ዘይተረጋገአንን ሕንፍሽፍሽን ኩነት እያ ዘላ። እዚ ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ስምምዕ እምበኣር ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዝሰምዖ ነቲ ናይ ዶክተር ኣብይ ኣብ ክንዲ ኢሰያስ ኮይኑ ንኤርትራ ወኪሉ ክዛረብ ዝጸደቐሉ መስርሕ ጥራይ ኢዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ውለቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ንዓመታት ሓቢእዎ ዝጸንሐ ዕላማ ሎሚ በብቑሩብ የግህዶ ኣሎ።

ከምቲ እንግሊዛውያን ዝምስልዎ “the ends justfy the means”እቲ መወዳእታ ናይቲ ኣገባብ ወይ ሜላ መግለጺ እዩ። ገርሀኛታት ብምዃና ግን እነሆ እቲ ሰላሕታ ወራር ንጥፍኣት ኤርትራ መመሊሱ እዩ ቦሎኽ ዝብለ ዘሎ። ኣብዚ ህዝቢ ድሕሪቲ ፍጻሜ ከይነቅሕ ዘስግእ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ዲክታቶር ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ክፍጽሞ ዝደሊ ዝነበረ እነሆ “ነዓይ ወኪልካ ተዛረበለይ” ኢሉ ንዶክተር ኣቢዪ ክውክሎ እንከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ናይ የዋሃት ትርጓሜ ገርና ክንትርጉሞ ኣይግባእን።

ሎሚ ንኤርትራን ህዝባን ዝሃሰያ ዘሎ ኢሰያስ ንበይኑ ጥራይ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ መጀመርያ እቶም ኣብ ሰብዓታት ምስ ኢሰያስ ኮይኖም ንኢሰያስ ቅኑዕ ኣገባብ ትኽተል የሎኻን ኢሎም ንዝቃወሙ ዝንበሩ ዝጥፍእዎም ሰባት እዮም። ንሳቶም ድማ ገሊኦም ብህይወቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ክህልዉ ከለዉ ገሊኦም ድማ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይ መይቶም ኢዮም። ስለዚ ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራን ንሃገረ ኤርትራን እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበረ፡ ቅድሚ ምስላፉ እውን ከይተረፈ ብዙሓት ሰባት ስግኣታቶም ከም ዝነበሮም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክግለጽ ክንዕዘብ ጸኒሕና ኢና። እንተኾነ ግን በቲ ዝነበረ ናይ ሰውራ ቅልውላው ስለ ዝተሸፈነ ንብዙሓት ግሩሃት ኣደናጊርሉ እዩ። እቲ ካልኣይ ንሕና ኤርትራውያን ኣጸቢቕና ዘይነቓሕናሉ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዞባውን ኣህጉራውን ፍሕሶታት እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ እቲ ዝያዳ ዝምልከቶ ደምበ ተቓውሞ ተጠርኒፉ ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክገጥም ዘይምብቅዑ እዩ። እቲ ራብዓይ ነጥቢ ድማ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ደገ፥ ተቓዋማይ ይኹን ደጋፊ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ተጽዕኖ ፈጢሩ፡ ሃገሩ ከድሕንን መሰሉ ከውሕስን ኣይተንቀሳቐሰን።

ንሕና ኤርትራውያን ከምቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ነቲ ዝደልይዎ ሸርሕታት ንኽፍጽሙ ኤርትራ ነፍሳ ክኢላ ኣይተመሓድርን እያ ኢሎም ብቑተባ ኣዳኺመምዋ እዮም። ሎሚ እውን ብማዕዶ ኮይኖም ይኹን ብቐረባ ነቲ ብቤት ፍርዲ ዓለም ዝተበየነ ጉዳይ ዶብ ኣብ ክንዲ ክትግበር ዝጽዕሩ፥ 25 ኪሎሜተር መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ከምዝኸውን ገይሮም በዚ ተስፋ ዝቖረጸ መንእሰይ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ክጠፍእ ዓቢ ግደ ተጻዊቱ እዩ። እዚ ኹሉ ድማ፥ ኢሳያስ ናይ ነዊሕ ግዜ ሕልሙ ከተግብር ዝተወፈየሉ ህያብ’ዩ ዝመስል።  እቲ ሽልማት ናይ ሰላም ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ሓደገኛ ፍሕሶታት ዘተግብር ስለዝኾነ ኢሳያስ እውን ተሸላሚ ኢዩ ንምባል፡ ካብቲ “ኣብ ክንዳይ ኰንካ ቃል ኣቕርበለይ” ዝበሎ ሓሊፉ እንታይ ጭብጢ ምቕራብ የድሊ። ስለዚ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ ዓሳ መጻወድያ እንታይ ከምዘሎ ገና ክንበጽሖ ኣይከኣልናን እሞ ኣይንተሃመል።

Last modified on Monday, 14 October 2019 08:53