ቃልስና ሕቶ ወለዶ ድዩ?

2019-10-10 07:33:46 Written by  ተስፉይ ጸጋይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1733 times

 ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ከም ህዝቢ ኩሉ ግዜ ዝነብር ስለዘየለ፡ እቲ ዝተወልደ ይዓቢ ይኣርግ ይመውት እዚ ዝነበረን ዘሎን እዩ።

ኣብ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ከም ኣብነት እንተወሲድና ብፍላይ ምስ ምምጻእ ግዝኣት ኢንግሊዝ ኣብ 1941 ድሕሪ ስዕረት መግዛእቲ ጥልያን፡ ነቲ ዝነበረ ወለዶ ናብ ቃልሲ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝዛዘወን ዘበገሰን ነይሩ።  ነቲ ድሕሪ 20 ዓመት ዝተወለዐ ሰውራ ኤርትራ መንጸፍ እውን ንሱ እዩ ነይሩ። እቲ ንመግዛእቲ እንግሊዝን ምምሕዳር ፈደረሽን ዝተቓለሰ ወለዶ እውን ብሓቒ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ምንባሩ ዝዝንጋዕ ኣይመስለንን።

ሓደ ወለዶ ነቲ ዝተረከቦን ዝጸንሖን ኩነታ ክቕይር እዩ ዝደሊ። እዚ ነቲ ንሱ ከም ተካኢ ወለዶ ዘልዕሎ ሓሳብን ዘጓንፎ ዕንቕፋታትን ንምእላይ ዝገብሮ ኣብ ሚዛን ብምእታው እዩ ዝትግበር እንተተባህለ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ኣይኮነን።

ኣብ ሰውራ ኤርትራ ምልስ እንተ ኢልና  ናይ ገድሊ ወለዶ ዝብሎ ሓደ ካብ'ቲ ቐንዲ ዝጠመቶ ክእርሞ ዝተበገሰ ነቲ ኣብ ግዜ ፈደረሽን “እወ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ” ንዝብል ኣደራዕ ከም መበገሲኡ ኢዩ ወሲድዎ። ብእኡ መሰረት ከኣ እቲ ናይ ትማሊ ወለዶ ኤርትራ ከም ሃገር ክትከውን ዝኸፈልና ንኽፈል ባዕዲ ከልግስ ዘለዎ እዩ ኢሉ።

ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቓልሲ እቲ ዝተደልየ ማለት ንኤርትራ ነጻን ልዕላዊትን ሃገር ናይ ምግባር መስርሕ  ተደምዲሙ። ጎድኒ ጎድኒ ናይ እቲ ቐዳማይ ዕላማ ኣብ'ታ እትፍጠር ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ሓራ ንኽኸውን እዩ ነይሩ። እዚ ድማ እቲ ዝቕበል ወይ ተካኢ ወለዶ ዝቕጽሎ መስርሕ እዩ ነይሩ።

ሎሚ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ እንኸዶ ዘለና መንገዲ ንበይኑ ሓደ ወለዶ ጥራይ ዘካይዶ ቓልሲ ኣይኮነን። ብከምኡ ክኸይድ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ብባህሪቲ ቃልሲ ወለዶታት እናተሓጋገዙን እናተማሃሃሩን ነቲ ዘጋጥም ኩነታት ስለ ዝምክትዎ። ኣብዛ ዘለናያ ኩነታት እንተጠሚትና እቲ ዝጐበዘን ዝሸምገለን ዝኣረገን ማለት  እቲ መንእሰይን እቲ ዝዓቢ ዘሎን እናተጸላለዉ እዮም ዝጐዓዙ።

እንበኣር ሎሚ “ይኣክል” እንብሎ ዘለና፡ ናይ ሓደ ወለዶ ዕማም እዩ ወይ ንሓደ ወለዶ ጥራሕ ዝምልከት እዩ  ምባል ዝዓበየ  ጌጋ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ነዚ ብሂል ዝደግሙ ስለዘለዉ ብህድኣት ምክታዕን ምምይያጥን የድልየና ኣሎ። ንሱ እዩ ድማ ነቲ ዘፈላልየና “ይኣክል” እንብለሉ።

ልክዕ እዩ ከም ሓደ ኣባል ናይቶም ናይ ገድሊ ወለዶ፡ እቲ ንዓና ዝትክእ ወለዶ ነቲ ግድነት ኮይንዎ ዝቕበሎ ሓላፍነትን ሕድርን ተሰኪሙን ነቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ተመክሮ ቀሲሙን ነቲ ሓላፍነት ክስከሞ፥ እንተዘይከኣለ ድማ እቲ ዝስዕቦ መንእሰይ ወለዶ ክትክኦ ምዃኑ ከይዘንጋዕኩ፡ እቲ ነቲ መንእሰይ፡ “ምስ እዞም ዓበይትን ኣረግቶትን ኣይትኺድ” ዝብል ርእይቶታት ቅቡል ኮይኑ ኣይረኣየንን። ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ ድማ ንሕና እቶም ናይ ገድሊ ወለዶ ኢና ኣብ'ዚ ሕማቕ ኩነታት ኣውዲቕናዮ ዘለና ነዚ መንእሰይ።  ስርዓት ኢሰያስ ብዓብይኡ ኮይኑ ንሓና እውን እጃም ኣለና። ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ዝግበር መስርሕ እምበኣር፡ ንሕና እቶም ናይ ትማል ወለዶ ነታ “ምልኪ ምልጋስ” እትብል እንተረኣናያ ጽቡቕ እዩ። እታ ናብ ድሞክራሲ ምሰጋገር ዘረጋግጻ ግን እቲ ተካኢ ወለዶ ምዃኑ ይኣመን።

Last modified on Thursday, 10 October 2019 09:35