ነታንያሁ፡ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ዝጥረዝሉ መገዲ ኣብዪ ኣሕመድ ኣማኺሩኒ

2019-10-03 19:36:49 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2597 times

3 ኦክተውበር 2019

ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ኔታንያሁ Image copyright MENAHEM KAHANA

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ እስራኤል ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ኣብ ምጥራዝ ክሕግዞ ቃል ከምዝኣተወሉ፡ ኔታንያሁ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ናብ እስራኤል ብምብጻሕ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ተራኺቡ ተዘራሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣብዪ ኣሕመድ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ኣብ ምጥራዝ ክሕግዞ ቃል ከምዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነታንያሁ ገሊጹ'ሎ።

ነታንያሁ ነዚ ዝገለጸ፡ ንጎስጓስ መረጻ ኣብ ዝተዘርገሐ ሓጺር ቪድዮ እዩ።

እቲ ቪድዮ ኣብ ወግዓዊ ፌስቡክ ናይቲ ነታንያሁ ዝመርሖ ሰልፊ ሊኩድ ዝተጠቀዐ ኮይኑ፡ ኣንጻር ስደተኛታት ምስ እትጉስጉስ ሓንቲ ንጥፍቲ ኣባል ናይቲ ፓርቲ እንትዘራረብ ዘርእይ እዩ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ናብ ኤርትራ ክጥረዝሉ ዝኽእሉ "ጽቡቕ ምህዞ" ብምቕራብ ክሕግዞ ከምዝኽእል ከምዝገለጸሉ እዩ ዝዛረብ።

"ኣብዪ ኣሕመድ ንወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን 'ምስ ኤርትራ ሰላም ከምዝፈጠርኩ ትፈልጥ ኢኻ። [ስደተኛታት] ብጽቡቕ ኩነታት ናብ ኤርትራ ክትመልሰሉ እትኽእል ዘበናዊ ውጥን ኣብ ምምጻእ ክሕግዘካ እኽእል እየ' ኢሉኒ" ይብል ኔታንያሁ።

እዚ ድማ፡ ንእስራኤል ቅድሚ ሕጂ ዘይነበራ ሓድሽ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ነታንያሁ ገሊጹ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ'ዚ ርእይቶ ንምርካብ ንጽዕር'ኳ እንተሃለና፡ ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ።

ንገለ ትሕዝቶ ናይቲ ምስ ኣብዪ ዝገበሮ ዘተ ክገልጽ ከምዘይክእል ዝተዛረበ ነታንያሁ፡ ነቶም ሓተትቲ ዑቕባ ካብ እስራኤል ንምጥራዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓገዝ ክገብር ምዃኑ ከምዘረጋገጸሉ ግን ገሊጹ።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 23 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣለዉ። ካብዚኦም፡ ብወግዒ ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ እቶም 16 ሽሕ ምዃኖም ይግለጽ።

ሕቶ ዑቕበኦም ተቐባልነት ዝረኸበ ግን ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ናብ እስራኤል ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ተቓውሞ ዘጓነፎ ኮይኑ፡ 'እቶም ዝተቓወሙኒ ኤርትራውያን እዮም' ምባሉ ከዛራርብ ጸኒሑ እዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49917799

Last modified on Thursday, 03 October 2019 21:39