ኣብ ዓመታዊ ምርኢት መጻሕፍቲ ዮተቦርግ፤ ኤርትራውያን ተሳቲፎም፡ ኣባላት ኣምነስቲ ኢንተርናሸናልን ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታትን ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕዋት ከይሰልከዩ ክቅጽሉ ምዃኖም ሓቢሮም

2019-10-01 21:40:17 Written by  ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1570 times

እቲ  ዉሩይ ናይ መጻሕፍቲ ምርኢት( Expo ወይ Bokmässa ) ዝፍለጥ  ዓመት ዓመት ኣብ  ከተማ  ዮተቦርግ ዝካየድ 2ተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን  ሓንቲ ደራሲትን ተሳቲፎም ።

ካብ ዕለት 26 መስከረም  ክሳብ 29 መስከረም 2019 ዝቅጽል መርኢት ናይ መጻሕፍቲ ኣብ  ኣዝዩ ዓቢ ኣደራሽ ናይ ክልተ ደርቢ ከተማ  ዮተቦርግ ስቨንስክ ሜሳ  ዝካየድ ዘሎ ኣሽሓት ሽወደናውያን ይኹኑ ወጻእተኛታት ደረስቲ ጸሓፍቲ ዝሳተፉሉ ኮይኑ፡ እዚ ሎሚ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ምዕባሌ ናይ ዲጂታል ማስ መዲያ ተክንሎጂን ትርኢትን ሓበረታን ዝህቡ ትካላት ፡ ሰሚናር ብኪኢላታትን ፡ ኣገደስቲ ፖሊቲከኛታት ዓውደ ክትዕን  ዝካየደሉ ብኣሽሓት በጻሕቲ ከዕለቅልቅ ይርከብ። ኣብዚ ሰፊሕን ኣገዳስን ምርኢትን መሸጣ መጻሕፍትን  ሃነጽቲ ሰሚናራትን ፡ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ማለት ኣሮን ብርሃነ ሓላፊ ብሕታዊ ጋዜጣ ሰቲቲ ኣማሓድሪ ዝነበረ ካብ ካናዳ፡ ኣማኒኤል ግርማይ ሓላፊ ጠረበዛ  ዜና ናይ ነጻ ማዕከን ራዲዮ ኤረና ካብ  ፈረንሳ ፡ ደራሲት ይርጋኣለም ፍሳሃ ካብ ጀርመን  ተሳቲፎም።

Amnisty Sweden 29.09.2019

ብዕለት 26 መስከረም በብተራ ንህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ዘሎዎ ዘይምዕሩይ ምሕደራን  ተመክሮኦምን መግለጽን፡ ካብ ተሳተፊ ዝተሓተቱ ሓያሎ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልሲ ሂቦም። ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ጋዜጠኛታት ደሃይ ኣልቦ ዝወረደ ኣደንጻዊ  ኢሰብኣዊ  ግፍዕታትን ንምሕባር ብማሕበር ነጻ ዳዊት ኢሳቅ ዝተዳለወ ምስሊ ኮንተይነር  ስም ስእሉ ሰሓብን  ኣገዳስን ነይሩ። ቀጺሉ ንምሸቱ  ዕለት 26 ከኣ ካብ ሰዓት 18.00 ክሳብ 20.00 ብኣምነስቲ ኢንተርናሸናልን ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብን ዝተዳለወ ምስዮት መግለጺ ክትዕ ሕቶን መልስን ብሓቂ ሰነዳዊን መሃርን ነይሩ። እዞም ክልተ ማሕበራት ማለት ኣምነስቲ ኢንተርናሸናልን (ወ/ሮ ካሪ  ኮፐር ) ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብን (ብዮርን ቱንበክ )ንቃልሲ  ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝዕወት ከይሰልከዩ  ክቅጽሉ  ምዃኖም ሓቢሮም ። ኣብዚ ምስዮት እዚ ወኪል ራዲዮድምጺሓርነት ሓው ጸሃየ ቀለታን ወኪል ራዲዮ ኤረና ኣብ ሽወደን ሓው ዮውሃንስ ተስፋርያምን  ተሳቲፎም ኣምሲዮም።

Last modified on Tuesday, 01 October 2019 23:53