ሓደነት ማለት እንታይ ማለት እዩ?

2019-09-19 07:31:16 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2155 times

ኩልና ከም እንርደኦ፥ ሓድነት ንኹሉ ሓደ ወይ ዘይፈላለ ትገብሮ ማለት ኣይኮንነ። ምኽንያቱ ሓደ ህዝቢ ብምሉኡ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ፥ እመነት፥ ድሌት ኣለዎ ማለት ስለ ዘይኮነ። ስለዚ ኩሉ ምሉእ ብምሉእ ክመሳሰል ከምዘይክእል ክንርዳእ ኣሎና። እቲ ቀንዲ ንኹሉ ህዝቢ ኣጣሚሩ ብዝሕዝ ብሓንሳብ ምስራሕ ብዝብል ኣምር ክጠራንፎን ከወሃህዶን ክኽእል እዩ። እዚ ብሓንሳብ ኰንካ ናይ ምስራሕ ሓድነት  ድማ ንናይ ኣባልነት ወይ ምትእስሳር (belongingnes) ስምዒት ሓድነት ማለት እዩ። እዚ ማለት፥ ኤርትራ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት፥ ቋንቋታትን፥ ዓሌታትን ዝውከሉ መነታት ኣለዋ፥ ይኹን እምበር ነታ ኤርትራ እትብል ሃገር ኩልና ንብልጽግነኣን ዕቤታን ብሓንሳብ ኰይንና ምስ እንሰርሕ ምዃንና ሓደ ይገብርና።

ኣብዚ ከም ደቂ ሃገር ኩልና ሓላፍነታውያን ክንከውን ኣሎና። ስለዚ ኣብታ ሃገር ንዝውለድ ዘበለ ኩሉ፥ ወለዶም ነቲ ጽቡቕ ባህልን ልምድን እናኽበሩ ብጽቡቕ ኣተዓባብያን፡ እናኽበሩ ክዓብዩ ከኽእልዎም ይግባእ። ሓደ ህጻን ምስ ተወልደ ኣብ ትሕቲ ሕቚፊ ወለዱ እንከሎ ተኣዛዝነት፥ ስነስርዓት፥ ሓቂ ምዝራብን ንደቂ ሰባት ዝጎድእ ዘይምሕሳብን ወዘተ፥ ኩሉ ጽቡቕ ዘበለ ስነ-ምግባር እንተማሂረምዎ ንሓድነት ዓብይ ኣበርክቶ ክህልዎም ይኽእል። ምኽንያቱ እቲ ኩሉ ኣተሓሳስባኦም ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብማዕረ ምርኣይን ምግልጋልን ዝብል ሰናይ ተግባራት ስለዝተዀስኮሰ።

እዚ ብግቡእ ዝተኾስኰሰ ህጻን ኣብ ዝጉብዘሉ እዋን ንልዕልና ሕግን ግዝኣተ ሕግን ዘኽብርን፥ ካብ ኩሉ ድሑር ኣተሓሳስባታት ነጻ ኮይኑ ብኣንነት ንኸይጥቃዕ ይሕግዞ። እዚ ከኣ ኣብ ክንዲ  ዘይተጸዋርነት ምዝራእ፡ ማለት ብቀቢላ ብሃይማኖት ብዘርኢ ወዘተ ምክፍፋል ገዲፉ ሕውነት፥ ስኒት፥ ይቕረ ምባልን ምትእምማንን ምጽውዋርን ንምፍጣር ይሕግዞ።

ሓድነት እምበኣር ልክዕ ከም ሓደ ተኽሊ ማይን፥ ማዕድንን፥ ንፋስን፥ ዋዕን ዘድልዮ፥ ንሓድነት ድማ፥ ጉርሒ፥ ውሽጣውሽጢ ምስራሕ፥ ቅጥፈት፥ ተንኮልን፡ ጽልእን ዘይኮነ፡ ኣሳታፍነት ተጸዋርነት፥ ግሉጽነት፥ ፍቕሪ፥ ንብዙሕነት፡ ሃይማኖት ይኹን ሓሳብ ምቕባል፥ እዩ ዘጠጥዖ። ሓድነት ንሓድሕድና ምፍቓርን ንኹልና ዘርብሕ ብማዕረን ርህራሄን፥ ምትሕብባርን ዝመልኦ ምግልጋል የድሊ። እዚ ምስ እንገብር እቲ ሓድነት ኣንብሎ ናብቲ ኣቕጣጫ ብዘይ ኣፈላላይን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ዝኾነን ርኹብን ስኡንን እውን ኣዚዩ ዘይፈላለየሉ፡ ንኹሉ ዘሕጉስ ጥዑይ ህይወት ሕብረተሰብ ንምፍጣር ዘብጽሕ ይኸውን።

ብሓጺሩ ሓድነት፥ ዘርኡ፥ ሃይማኖቱ፥ ብሄሩ፥ ዓሌቱ ቋንቋኡ፡ ጾትኡ ብዘየገድስ ሓደ ምዃን ማለት ብሃገራዊነት ኣተሓሳስባን ስምዒትን ህንጸት ሃገርን ንኹልና ብማዕረ ከምትብጸሓና ዘርእየና ምሉእነት ናይቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዘሎ ክፋላት ማለት እዩ። እዚ ማለት ሽሕ እኳ ኣብ ኤርትራ እቲ ናኣሽቱ መግለጺ መንነታት ከም ሃይማኖት፥ ባህልን ቋንቋን ዝኣመሰሉ እንተለውዋ፥ እቲ ሓደ ዝገብረና ግን ኩልና ኤርትራውያን ምዃና እዩ። ምኽንያቱ እዛ ኤርትራ ትበሃል ብሓድነት ናይ ብዙሕነት ዝቖመት፥ ብዓሌት ወይ ብሄር ወይ ሃይማኖት እንተተሸራሪፋ ክንዕቅባ ኣይንኽእልን ኢና። እንተዘይዓቂብናያ ከኣ እቲ ዝተጠቕሰ ሃይማኖት ይኹን፥ ብሄር፥ ቋንቋ፥ ልምዲ ባህሊ ፈጺሙ ኣይክህሉን እዩ።

ሓድነት እምበኣር ሃገር ኣብ ምምስራትን፥ ምህናጻን ቀንዲ ረቛሒ ካብ ኮነ፥ ኣብ ክብርታትና ወይ ወግዒታትና ሓባራዊ  ስምምዓት ክህልወና ኣለዎ። እዚ ምስ እንገብር ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን  ማዕረ ረብሓን ዝተአስረተ ሓባራዊ ምትእምማን ምህናጽ ሓጋዚ ይኸውን። ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ እንበጽሕ ድማ እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ሓድሕድ ይፍጠር እሞ ናይቲ ክመጽእ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤናት ይኹን ሽግራት ወይ ግድላት ንምፍታሕ ሓባራዊ ርድኢት ይፈጥረልና። ብተወሳኺ ናይ ካልኦት ድሌታት፡ ወጽዓ፡ ስቅያትን ሽግራትን ናይ ምፍላጥ ኣተሓሳስባና ክነማዕብልን ናይ ምድግጋፍን ምጽውዋር መንፈስና ክብ የብሎ። በዚ ከኣ እታ ሃገርን ህዝባን ሓቢሩ ንዝኾነ ይኹን ሽግራት ንምፍታሕ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ብምጥራይ “ንወገነይ ንኣውራጃይ ንሃይማኖተይ ልዕሊ ኩሉ” ዝብል ሓሳብ ብንኹልና ክርህወናን፥ ከርበሓናን ዝኻል ሓሳብ ይትካእ እሞ ሓቢርና ናይ ምስራሕን ምንባርን መንፈስ የኻዕብተልና።

Last modified on Thursday, 19 September 2019 09:33