ንሓድነታዊ ጉዕዞ ዝተወስደ ተባዕ ስጉምቲ

2019-08-10 09:15:30 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1583 times

ብዛዕባ ኣድላይነት ሓድነት ክዝረብ ወይ ክጸሓፍ እንከሎ፥ ኩሉ ዝኣምነሉ ሓሳብ ምዃኑ ምንም ጥርጥር የለን። እቲ ሽግር ኣብ ተግባር ናይ ምውዓል እምበር ነቲ ሓሳብሲ ዝነጽጎ ኣካል ፈጺሙ የለን። ነዚ ዘመልክት ኩልና፥ ብፍላይ ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ፥ ነዛ “እንተሰመርና ንቕወም ወይ ደው ንብል ወይ ንጸንዕ፥ እንተተፈናጨልና ግና ረማዕ ንብል ወይ ንወድቕ” (united we stand divided we fall) እትብል ሓረግ ዘይሰምዓ ወይ ዘየንበባ ኣካል የለን።

እወ! ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ፖአልቲካዊ፡ ማሕበራውን ንግዳውን ስራሓትን፥ ዝግበር ስምረት ወይ ሓድነት ካብ በበይንኻ ኬድካ ንዕንወትትን ክሳራን ወይ ንስዕረት ካብ ምቅላዕ ዘድሕን ምዃኑ ርዱእ እዩ።  ህዝቢ ኤርትራ ንኣድላይነት ሓድነት ካብ ማንም ንላዕሊ ዝርደኦን ዝድግፎን እዩ። ነዚ መረዳእታ ዝኾነና፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ 1974 ኣብ ከባቢ ከተማ ኣስመራ ነተን ክልተ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራን ንምትዕራቕ ዝወሰዶ ተበግሶ ህያው ምስክር እዩ።

እንታይ እዩ እቲ ቀንዲ ሕምረት ተደላይነት ናይ ስምረት ወይ ሓድነት? ልክዕ እዩ፥ ሓድነት መላእ ህዝቢ ልሕሉሕ እንተኾይኑ ብቐሊሉ ክፈናጣሕን፥ እንተተፈናጢሑ ከኣ ክድቆስ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፥ ነቲ ሰሚርና ደው እንብሎ ዝኾነ ዝትንክፈና ይኹን መሰልና ዝገፍፍ ኣይክህሉን እዩ፡ ካብ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ስለዝነቅል እዩ። ብተወሳኺ  ሓድነት ናይ ትብዓት ሓይሊ ዝድርዕን፥ ሓቢርካ ብምስራሕ ተደራራቢ ዓወታት ዘጐናጽፍን ንህላዌ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ሓድነት ማለት ትብዓት፥ ምትእምማን፥ ዕቤት፥ ህልውና፥ መወዳእታ ከኣ ዓወት ዘጐናጽፍን እዩ። ስለዚ ነቲ በበይንኻ ጉያ ናብ ስዕረትን፥  ንዝኾነ ይኹን ተጻባኢ ደጋዊ ይኹን ውሽጣዊ ሓይሊ ኣሕሊፉ ዝህብ፡ ሰላም፡ ምርግጋእን ፍትሕን ዝዘርግን እዩ።

ሓድነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ይኹን ህዝባዊ ወይ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ እምበኣር፥ ሃገርን ህዝብን ከድሕን ኣይክእልን እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ነዚ ጉዳይ እዚ ብግቡእ ዝተረድኡ  ወድባት፡ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝወሰድዎ ተባዕ ስጉምቲ ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ዓብይ ምስክር እዩ። እዚ ውድባት እዚ ምስ መላእ ኣባላቱ  ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ዝብል ብተግባር ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብሳር እነሆ ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ብስምረት ክልቲኡ ወድባት ተደምዲሙ።  ናብዚ ስምረት ንምብጻሕ ከኣ እቲ ኣብነታዊ ስጉምቲ ሓድነት ዝወሰደ ውድባት፡ ነቲ ናይ ስም ይኹን ናይ መሪሕነት ጦብላሕታታት ወጊዱ፥ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን እንተኾይኑ እቲ ዕላማ ስምን መሪሕነትን ዘገድስ ኣይኮነን፡ ኣብቲ ዕላማ እንተተሰማሚዕና ካብ ዝብል ቅዱስ ዕላማ ስለዝነቐለ እዩ ናብ ሓደነት ዝተበጽሐ።

ስምን መሪሕነትን ክቀያየር ዝከኣል ብምዃኑ ድማ ክልቲኤን ውድባት ፈጺመን ውረድ ደይብ ኣይተባህሎን። ንብድሕሪ ሕጂ እውን ውድባት ስምረት ክገብራ እንከለዋ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ካብ ምቕዳም፡ ነቲ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ዘዕኩዂ መገዲ ወይ መርሆ ምሓዝ ኣገዳሲ ተመኩሮ እዩ። ከምቲ ዝተጠቕሰ ኣድላይነት ሓድነት ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዘሎ ስለ ዝኾነ ነዚ ናይ ስሓድነት ኣብነት ብዙሓት ክስዕብዎ ተስፋና ልዑል እዩ።

ኩሉ ጉዳያትና ብምርድዳ፡ ብዓሚቕ ሓልዮትን ስምምዕን ስለዝተኻየደ ሓደ ዝኸሰረ ሓደን ዝኸሰበ ዘይብሉ ናይ ሓባር ዓወትና እዩ። ምኽንያቱ ቀዳምነት ምድሓን ሃገርን ህዝብን ናብ ዝብል ቅኑዕ ጐደና ዝመርሓና ስለ ዝኾነ። እዚ መሰረታዊ ጉዳያት ኣጽኒዑ ህዝቢ ብዝማእከሉ ተጸንቢሉ ዘሎ ሓድነትና ኣብቲ እንጽበዮ ውጽኢት ንክበጽሕ ከኣ ኣብ ቅድሜና ግብራዊ ዕማም ይጽበየና ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ኤርትራዊ፡ ካብቲ በበይንኻ ምጭራሕ ወጺኡ ኣብቲ ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ቀንዲ ዕላማታት ብምስምማዕ ኣብ ግብራዊ ናይ ሓባር ስጉምቲ ክኣቱ ይግባኦ ንብል።

Last modified on Saturday, 10 August 2019 11:17