መኽፈቲ ቃል ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢ ሽምግለ ፈስትቫል ፍራንክፎርት 2019

2019-08-06 21:19:58 Written by  ተስፋማርያም ክብራኣብ   Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1649 times

ዝኸበርኩም ዕዱማት ኣጋይሽና ብሓበራ

ዝኸበርኩም ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ,ኣቦ መንበር ሰደህኤ

ዝኸበርኩም ኣቶ ክፍልዝጊ ገብረመድህን ኣቦ መንበር ግሃድ-ሕድሪ

ዝኸበርኩም ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓዱሽ ኣቦ መንበር ሰደህኤ

ዝኸብርኩም ዶክ.ሽተፋን ዶይሲንገን ሰልፊ ሰዲኡ ፍራንክፎርት

ዝከበርክን ወይ/ ላውራ ክኒሪን ሓምላይ ሰልፊ ፍራንክፎርት

ዝኸበርክን ወሮ/ ካተሪና ሽራይነር ኤፍደፐ ፍራንክፎርት

ዝኸበርክን ወሮ/ ክሪስቲና ብጆይር ሽወደን

ዝኸበርኩም ተውከልቲ ሰልፍታትን ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን     

ዝኸበርኩም ኣባላት ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫልን ኣባላት ኤደማን

ንውልቀ መደባትኩም ገቲእኹም ንዝተገበረልኩም ዕድመ ኣኽቢርኩም፡ ኣብዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ብኣካል ምስታፍኩም ፡ ዝስማዓና ሓጎስ ደረት የብሉን ፡ ስለዚ ብስመይን ብስም እቲ ሓላፍነት ንምድላው ዝተቐበለ ክሳብ  ኣብዚ ደረጃ ንዘጸሐ ፡ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል 2019 ፡ እንኻዕ ብደሓን መጻእኹም እናበልኩ ክብ ዝበለ ምስጋናይን ሰላምታይን የሕልፍ ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

  ኤደማ ጀርመን ከምቲ ኣብ ጽሑፍና ሰፊሩ ዘሎ እዚ ኤርትራዊ ፈስቲቫል እዚ ከዳሉ ከሎ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ ኣድልዎ ከዋስእ ከም ዕላማ ኣብ ፕሮግራሙ ስለዘስፈረ ጥራሕ እዩ። ስለዚ ትጽቢትና ነዚ ዕድል እዚ ክትጥቀመሉን ብግብሪ ከተሰንይዎን እዩ ። ብሓጺሩ ኣጀንዳኹም ክኸውን ዘለዎ ብናይ ገዝእ ርእስኹም ናይ ስደት ሃለዋትኩምን ናይ ሃገርኩምን ህዝብኹምን መሰረት ዝገበረ ዘተ ብሓባር ሽግራትኩም እትፈትሓሉ ፡ ብሓባር ክትሰርሑ መሪሕ መንገዲ እተጸጽየሉ ባይታ ዝተሓስበ እዩ። 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

እዚ ኣብ መላእ ዓለምና ተበቲኑ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ፣ብስም ይኣክል ነዲሩ ንእንኮ መላኺ ስርዓት ንምልጋስ ዝገብሮ ዘሎ ርኡይ ናዕብን ምትእኽኻብን ውጽኢት ወይ ድማ እኩብ ድምር ናይ 28 ናይ ተቓውሞ ዓመታት እዩ ።ኤርትራዊ ዜጋ ስምዒቱ ገንፊሉ ኣብ ዝላዓለ ጽፍሒ ተቓውሞ ክበጽሕ ከሎ ንኹልና ተስፋ ዝህብ ፡ ዕድመ መላኺ ስርዓት ከኣ ዘሕጽር ምዃኑ ንርኢ።እዚ እቲ ኣወንታዊ ሸነኹ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ሓደ ሸነክ ከኣ ሓጓፍ ከም ዘሎና ፡ ነዚ በብቦታኡ ዝግበር ምትእኽኻብ ፤ፊትወራሪ ኮይኑ ዘማእክሎ ሓደ ዝተወደበ ሓይሊ ዘይምህላው እዩ ።ድሕሪ ይኣኽል ናበይን ከመይ ስለምንታይ ዝብሉ ሕቶታት ነፍሲ ወከፍና እነልዕሎምን እንስከፈሎምን ዘሎና ኣገደስቲ ነጥብታት እዮም ።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫልና ኣብ ሓደ ንምግላጹ ዘሸግር መድረኽ ንልዑላውነት ሃገርን ክብሪ ህዝብን ኤርትራ ዝፈታትን ኩነት ኣብ ዝራኣየሉ ፡ ክልተ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዝሰመርሉ ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ሶማልያ፡ርግኣት ዝጎደሎ ሃለዋት ኣብ ዘለዋሉ ፡ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ህሞት ኣብ ዝርከበሉ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ክቱር ምረት ዝገንፈለ ናይ ይኣክል ነጋሪት ኣብ ዝሃርመሉ ንርከብ ። እቲ ቀንዲ ንሃገርና ናብ ናይ ሽግር ዓዘቕቲ ዝሸማ ዘሎ ብቐንዱ እቲ ናይ ሳሕል ወታህደር ብግዝያዊ መንግስቲ ን28 ዓመታት ዝፍለጥ መላኺ ሓይሊ ክኸውን ከሎ ፡ በቲ ካላኣይ ሸነኽ ድማ ብደንበ ተቓውምቲ ዝፍለጥ ዝተበታተነ ኣተሃላልዋ ዝውንን ፡ ነንሕድ ሕዱ ዝዋጠጥ፡ ብሓደ ተጠሚሩ ክቃለስን ነዚ ንመላኺ ሓይሊ ክብድህ ኣንፈት ዘይሓዘን እዩ ።እቲ ዘገርም መትከላዊ ወይ ስነሓሳባዊ ፍልልይ ኣለዎ ኢልካ ዘይትግምገመሉ ሃለዋት ኣብ ኣረጊት ምስ ዘበና ዘይከይድ ኣትሓሳስባን ቂምን ቅርሕንትን ማእከል ዝገበረ ዝመስል እዩ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ተመኩሮ ናይዚ 28 ዓመት ዘቕጸረ ደንበ ተቓውሞ እዚ ካብ ኮነ፤እቲ ዝዓበየ ዋኒኑ ክኸውን ዘለዎ ንኣረጊት ኣተሓሳስባ ፤ኣብ ጋም ማን ዘጽንሓና ዘይ ኣፍራዪ ጉዕዞ ወጊዱ ኢሉ ፤ ንሃገር ህዝብን ንምድሓን ዘኽእሎ ሓዱሽ ቅዲ ምስ ኣዚ መድረኽ ዘሳኒ ክህንድስ ዝግደደሉ መዋእል ንኣቱ ኣሎና ።ሕድገትን ምትእምማንን መሰረት ዝገበረ ፡ናይ ሎሚን ናይ ጽባሕን ኣጀንዳ ኣለልዩ ክግስግስ ኤደማ ጸዋዒቱ የቕርብ ።ስለዚ እዚ ብኤደማ ተቐሪብልኩም ዘሎ ዕድል ናይ ብሓባር ምዝታይ ክትጥቐምሉን ነቲ ፈላሊይኩም ዝጸንሐ ዘይፈርስ መንደቕ ዝመስል ግን ከ ከም ናይ በርሊን መንደቕ ኩርምሽ ዝብል ስዒርኩም ፡ብሓባር ኣድምጹ ከተስምዑ፡ ብሓባር ስርሑ ከተድምዑ ። እዚ ምስ እትገብሩ ነዚ ፋሕ ዝበለ ናይ ይኣኽል ኣውያት ናብ ሓደ መኣዲ ንምጽማዱን ንመላኺ ሓይሊ ንምውዳቑ ዘቃላጥፍ መስርሕ ምዃኑ ጥርጥር የብልናን ።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

  ኤደማ ነዚ መደብ ፈስቲቫል እዚ ከአንግድ ከሎና ፡ ነገራውን ጉልበታውን ተውፋይነትን ኣባላት ማሕበርን ኣባላት ሰደህኤ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ዝሰላሰል ዘሎ ሃገራዊ ውራይ እዩ።ስለዚ ክናኣድን ክምስገንን ዝግበኦ ኣባል እዩ ሞ ሞራላዊ ናይ ሕልና ደገፍኩም ብጠቓዒትን ብዕልልታን ክትገልጽሉ እጽውዕ ።     

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን                                                             

ኣብ መወዳእታ ፡ መደብ ኤርትራዊ ፈስቲቫል ከነውጽእ ከሎና እቲ ከም ቀዳማይ ሕቶ ዝለዓል ኣበይ ንግበሮ ንዝብል ሕቶ ምስ መለሽና ኢና ምድላዋት እንጅምር።ኣብዚ ክዝከር ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ሰናይ ድልየት ምምሕዳር ከተማ  ፍራንክፎርት ስለ ዝተሓወሶ ፤ብጠቕላልኡ ሃገረ ጀርመን ሰብኣዊ መሰላት ዝኽብርሉ ሕግታትን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ዝውንን ስለዝኾነ : ተጠቀምቲ ናይዚ መሰላት እዚ ክንከውን ብምኻኣልና ክብ ዝበለ ምስጋናና ንምምሕዳር ከተማ ፍራንክፎርት ካብዚ ኣዳራሽ እዚ ነሕልፍ ።

ሎሚ፡  ተውከልቲ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ናይ መራኸቢ ብዙሓት ዜናዊ ትካላትን ( ጋንታ ኣሰና ፤ ኤሪ ሳትዝን) ነዚ ናይ ይኣክል መድረኽ ብኸመይ ይውደብ ብዝብል ዛዕባ ብሓባር ክዝትዩ ኣዳሊናልኩም ኣሎና ። ነዚ ዕድል እዚ ክትጥቀምሉ ተስፋ ንገብር ። ነቲ ክጸብብ ዘይካኣል ፍልልያትና ንምስዓር ኣብ ቦቦታኹም ኮንኩም ክትቃለስሉ ለበዋና

ተውሳኺ ሓበረታ ፡ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል ንዓኻትኩም ንምእንጋድ ዘዳለዎ ሽሻይ ስለ ዘሎ ባዕልኹም ንነብስኹም ዓንግሉ ።ብሩኽ ምጅማርን ምውዳእን ፡ ሰላምን ፍቕርን ምርድዳእን፡ ሕድገትን ምትእምማንን ዝዓሰሎ ፈስቲቫል ይግበረልና እናበልኩ ናይ ሎሚ መልእኽተይ ኣብዚ ይዓጹ ።ጽን ኢልኩም ብምስማዕኹም የቐንየለይ። 

ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከንስምዕ ፡ ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ ።                                          

ራህዋ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ 

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና                                                     

ተስፋማርያም ክብራኣብ  

ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢ ሽማግለ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2019 

Last modified on Tuesday, 06 August 2019 23:29